ደቅና ኣበላሊጽና እንተፈተና 'ሓጥያት' ድዩ?

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ጆኣና፡ ካልኣይ ወዳ ኣብ ዝወለደትሉ ህሞት ነቲ ኣብሊጻ ትፈትዎ ቆልዓ ከም ዝረኸበት ፈሊጣ።
እታ ኣብ ኬንት ብሪጣንያ እትነብር ኣደ፡ ንኽልቲኦም ደቃ ከም እተፍቅሮም’ኳ እንተገለጸት፡ እቲ ሕሳስ ውላዳ ግን ካብ በዅሪ ውላዳ ብዝተፈልየ “ከምዝምስጣ” ትዛረብ።
በዅሪ ወዳ ምስ ተወለደ፡ ብሰንኪ ስክፍታ ጥዕና ሽዑ ካብኣ ስለዝተወስደ ጆኣና ን24 ሰዓታት ኣይረኣየቶን። ካልኣይ ወዳ ምስ ተወለደ ግን ብኡንብኡ ምስኡ ግዜ ከተሕልፍ ክኢላ እያ።
ብሰንኪ እዚ ንደቃ ኣብ ዘለዋ ፍቕሪ ንነዊሕ እዋን ዝጸንሕ ኣፈላላይ ከምዝገበረት ትኣምን።
“ምስ ቦኽረይ ንምዝርራብ ቆጸራ ክሕዝ ኣለኒ” ትብል እታ ኣብ ደቃ ጽልዋ ከይፈጥር ብዝብል ምሉእ ስማ ዘይተገለጸ ኣደ።
“ምስ’ቲ ንእሽቶ፡ ለይቲ ሰዓት ክልተ ክድውለሉ ይኽእል፡ ንሱ’ውን ንዓይ ክረክብ ክንደይ ርሕቐት ይጓዓዝ’ዩ። እቲ ሕሳሰይ ኣብዛ ፕላኔት እዚኣ እቲ ዝበለጸ ተፈታዊ ወዲ እዩ። ሓላዪ፣ ለጋስ፣ ጭዋን ሕያዋይን’ዩ። ንዝኾነ ሰብ ክሕግዝ ዝኽእል ዓይነት’ዩ” ትብል።
ኣብዚ ሕጂ እዋን ጆኣና፡ እቲ ንዓመታት ዝተቓለሰቶ ስምዒታ ከም ዝተቐበለቶ ክትገልጽ እንከላ "ንምንታይ ካብቲ ሓደ ንላዕሊ ነቲ ሓደ ከም ዘፍቅሮ ዝገልጽ መጽሓፍ ምጸሓፍኩ ነይረ። ከቢድ’ዩ ነይሩ፡ ግን ዝኾነ ጣዕሳ የብለየን” ክትብል ተረድእ።
መብዛሕትኦም ወለዲ፡ ዘይከም ጆኣና፡ ዝገብርዎ ኣድልዎ ረቂቕን ዘይተዘተየሉን እዩ።
ካብ መንጎ ደቅኻ መሪጽካ ብዝበለጸ ምፍታው እቲ ዝዓበየ ነውሪ ወላዲ ክኸውን ይኽእል፤ ግን መብዛሕትኦም ወለዲ ብሓቂ ኣብሊጾም ዝፈትውዎ ውላድ ከም ዘለዎም መጽናዕትታት ይሕብሩ።
ዝወሓደ ተፈታዊ ቆልዓ ምዃን ንስብእና መሰረታዊ ቅርጺ ዝህብን ኣብ መንጎ ኣሕዋት ጽዑቕ ውድድር ክፈጥር ከም ዝኽእልን ዝሕብር ብዙሕ መርትዖታት ኣሎ።
ስለዚ ወለዲ ዝፍጽምዎ ፍሉይ ኣተሓሕዛ ተመራጺ ውላድ መስመር ከይስሕት ክጭነቑ ምርኣይ ኣየገርምን።
ምስ’ዚ ኩሉ ግን፡ መብዛሕትኦም ቆልዑ፡ ንወለዲ ተመራጺ ውሉድ መን ምዃኑ ክፈልጡ ከምዘይክእሉ’ውን መጽናዕትታት የመልክቱ።
ቆልዑ፡ ብዛዕባ እቲ ወለዲ ንተመራጺ ውላድ ዘለዎም ኣረኣእያ ብኸመይ የመሓድርዎ ዝብል እዩ እቲ ቀንዲ ጉዳይ።
ኣተሓሕዛ ተመራጺ ውላድ
“ኩሉ ወላዲ ኣብሊጹ ዝፈትዎ ውላድ የብሉን፡ ብዙሓት ግን ኣለዎም” ትብል ጀሲካ ግሪፊን።
ንሳ፡ ኣብ ኣሜሪካ ዩኒቨርሲቲ ማሳቹሰትስ ሜዲካል ስኩል፡ ተሓጋጋዚት ፕሮፌሰር ሕክምና ስነ-ኣእምሮን ሕክምና ህጻናትን እያ።
“ብፍላይ ኣዴታት፡ ምስአን ተመሳሳሊ ክብርታት ዘለዎምን ምስ ስድራቤት ዝያዳ ግዜ ዘሕልፉን ቆልዑ፡ ካብቶም ልዑል ድሌት ዘለዎምን ብሞያ ዝድረኹን ቆልዑ ኣብሊጸን ከምዝፈትዋ መረድኢታት ይሕብሩ” ትብል።
ብዙሓት ወለዲ፡ ይእመኑ ኣይኣመኑን፡ ምኽንያቱ ብዘየገድስ፡ ኣብሊጾም ዝፈትውዎም ቆልዑ ከም ዘለዎም መጽናዕትታት የመልክቱ።
ንኣብነት፡ ኣብ እንግሊዝ ክሳብ 74 ሚእታዊ ኣዴታትን 70 ሚእታዊ ኣቦታትን ኣብ ልዕሊ ሓደ ቆልዓ ብሉጽ ኣተሓሕዛ ከምዘርእዩ ሓደ መጽናዕቲ ኣረጋጊጹ እዩ።
መብዛሕትኦም ግን ብዛዕባ እዚ ኣርእስቲ ክዛረቡ ኣይመርጹን። ኣብ ሓደ ካልእ መጽናዕቲ ድማ፡ ወለዲ ዳህሳስ ኣብ ዝተገብረሎም እዋን፡ 10 ሚእታዊ ጥራይ ኣብሊጾም ዝፈትውዎ ቆልዓ ከም ዘለዎም ተኣሚኖም።
እዚ ድማ ንመብዛሕትኦም ወለዲ፡ ስምዒት ኣድልዎ ብጽኑዕ ዝተሓዝ ምስጢር ስድራቤት ኮይኑ ከም ዝቕጽል ይሕብር።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ዝፈትውዎ ቆልዓ ከምዘሎ ዝኣመኑ ወለዲ፡ ሕሳስ ውላድ ከምዝመርጹ የመልክቱ። ካብ ክልተ ቆልዑ ዘለዎም ወለዲ፡ 62 ሚእታዊ ነቲ ንእሽቶይ ውላዶም መሪጾም።
ሰለስተን ልዕሊኡን ቆልዑ ካብ ዘለዎም ወለዲ፡ 43 ሚእታዊ ንሕሳስ ውላዶም፡ 25 ሚእታዊ ንማእከላይ፡ 19 ሚእታዊ ድማ ንበዅሪ ከምዝመርጹ ሓቢሮም።
ዶክተር ቪጃየቲ ሲንህ ኣብ ከተማ ኒውዮርክ ኣብ ዝርከብ ሆስፒታል ማውንት ሲናይ ክሊኒካዊ ስነ-ኣእምሮኣዊ ክኢላ እያ።
ንሳ፡ ኣብ ልዕሊ ሓደ ዝነኣሰ ቆልዓ ዝግበር ኣድልዎኣዊ ኣተሓሕዛ መብዛሕትኡ ግዜ ተርታ ልደት (መስርዕ ዝውለዱሉ ጊዜ) ስዒቡ ምስ ዝመጽእ ማሕበራውን ስምዒታውን ክእለት ዝተኣሳሰር ምዃኑ ትገልጽ።
ወለዲ ኣብ ኣተዓባብያ ቆልዑ ዝያዳ ተሞክሮ እናረኸቡ ምስከዱ፡ ንእስነት ደቆም ብኸመይ ክቐርጽዎ ከም ዝደልዩን ኣየኖት ባህርያት ድማ ዝያዳ ኣገደስቲ ከምዝኾኑን ዝሓሸ ሓሳብ ይህልዎም።
"ወለዲ ንሓደ ኣዝዩ ዝመስሎም፡ ንነብሶም ዘዘኻኽሮም፡ ወይ ነቲ ዕዉት ኣተዓባብያ ቆልዑ ዝብልዎ ዘንጸባርቕ ውላድ ናብ ምፍታው የአንፍቱ" ትብል።
“ንኣሽቱ ቈልዑ፡ ኣብ ኣተዓባብያ ደቆም ምስ ግዜን ተመኩሮን ዝያዳ ርእሰ ተኣማንነትን ኽእለትን ብዘማዕበሉ ወላዲ ክዓብዩ ኾኑ ዝያዳ ተኽእሎ ኣሎ”
‘ሕማቕ’ ኣተዓባብያ?
ወለዲ መብዛሕትኡ ግዜ ኣብሊጾም ዝፈትውዎ እኳ እንተሃለዎም፡ ብዙሓት ግን ብሉጽ ኣተሓሕዛ ምሃቦም ኣብ ስምዒት ርእሰ-ዋጋ ውላዶም ነዊሕ ዝጸንሕ ጽልዋ ከምህልዎ ስለ ዝፈልጡ፡ ይጠዓሱ ’ዮም።
እዚ ስክፍታ ምሉእ ብምሉእ መሰረት ዘይብሉ ኣይኮነን።
“ዘይፍትሓዊ ኣተሓሕዛ ክስምዖም ኣብ ዝገብሩ ስድራቤት ዝዓብዩ ቈልዑ፡ ዓሚቝ ብቑዓት ናይ ዘይምዃን ስምዒት ከጋጥሞም ይኽእል እዩ” ትብል ሲንህ።
“ብገለ መልክዑ ዘይፍተዉ ከምዝኾኑ፡ ወይ ድማ ብኻልኦት ንኽፍቀሩ ዘድሊ ፍሉይ ባህርያት ከም ዘይብሎም ክስምዖም ይኽእል እዩ። ከም ነቲ ስድራቤት እተዋርድ ኮይኑ ዝስምዓካ ስምዒት ፍርሕን ዘይውሕስነትን ከስዕብ ይኽእል እዩ - ቆልዑ ንነብሶም ንምክልኻል ካብ መጠን ንላዕሊ ተወሃሃድቲ ክኾኑ ክጽዕሩ ይኽእሉ” ክትብል'ውን ወሲኻ ተረድእ።
እዚ ግን ጭንቀት መብዛሕትኦም ወለዲ ክኸውን የብሉን። ብሉጽ ኣተሓሕዛ ኣዝዩ ፀግዒ ዝሓዘ እንተዘይኮይኑ፡ መብዛሕትኦም ህጻናት እቲ ዝወሓደ ተፈታዊ ቆልዓ ብምዃኖም ከምዘይጽለዉ መርትዖታት ይሕብሩ።
“ሓድሓደ ግዜ ወለዲ ፍቕርን ሓልዮትን ኣብ ዘርኣዩሉ እዋን ብግልጺ ርኡያት እዮም” ትብል ሲንህ።
“ወለዲ ሓላፍነት ዝስምዖምን ጥንቍቓትን ከምኡ’ውን ናይ ኣድልዎ ስምዒታትቶም ርኡይ ንኸይከውን ዝከኣሎም ዝገብሩ እንተኾይኖም ግን፡ ቆልዑ ንፍቕርን ደገፍን ወለዶም ዘይበቕዑ ከምዝኾኑ ኣይስምዖምን እዩ” በሃሊት'ያ።
መብዛሕትኡ እዋን ቈልዑ፡ ወለዶም ንሓዎም ወይ ንሓፍቶም ከም ዝመርጹ ዘይክፈልጡ ይኽእሉ እዮም።
ወለዶም ንመን ኣብሊጾም ከምዝፈትዉ ካብ ዝተሓተቱ ህጻናት እቶም ልዕሊ 60 ሚእታዊ ዘለለይዎ ጌጋ ከምዝኾነ መጽናዕትታት ኣመልኪቶም።
ብርግጽ ወለዲ ካብቲ ንጽበዮ ንላዕሊ ብሉጽ ኣተሓሕዛ ኣብ ምሕባዕ ኣዝዩ ዝሓሸ ስራሕ ይሰርሑ ስለዘለዉ ክኾን ይኽእል። ወይ’ውን ከምቲ ግሪፊን ትብሎ በቃ እቲ ዝያዳ ተፈታዊ ቆልዓ ብሓቂ መን ምዃኑ ኣብ ምግማት ኣዝዩ ሰነፋት ኢና።
"ቆልዑ ብባህርያዊ መንገዲ ወላዶም ኣብሊጾም ዝፈትውዎ ውላድ ዝፈልጡ እኳ እንተመሰለኩም፡ እቲ መረድኢታት ግን ዘገርም እዩ" ትብል።
“ቆልዑ፡ እቲ በዅሪ ወይ ‘ሕሳስ’ ናይታ ስድራቤት፡ ወይ ድማ እቲ ኣብ ልዕሊ እታ ስድራቤት ዝወሓደ ጸቕጢ ወለዲ ዘስዕብ ቆልዓ ከምዝፍቶ ክግምቱ ይኽእሉ" እትብል ግሪፊን፡ ወለዲ ኣብሊጾም ዝፈትውዎ ክህልዎም ጸገም ከምዘይብሉን፡ ዋላ’ውን ትጽቢት ከምዝግበረሉን ትሙግት።
ብተወሳኺ ወለዲ ናይ ገበን ስምዒት ክስምዖም ከምዘይግባእ ትዛረብ።
ንሳ፡ እቶም ዝወሓደ ተፈታዊ ቆልዓ ኢና ኢሎም ዝኣምኑ ህጻናት ትሑት ርእሰ-ምትእምማንን ዝለዓለ መጠን ጭንቀትን ክህልዎም ዝኽእል እኳ እንተኾነ፡ ኣብ መብዛሕትኡ እዋን ግን ህጻናት ወለዶም ንመን ከም ዝመርጹ ከምዘይፈልጡ ወሲኻ ትገልጽ።
ምናልባት ድሕሪ ዅሉ እቲ ዝበለጸ ተፈታዊ ቆልዓ ብሓቂ መን ምዃኑ ክንድ’ዚ ኣገዳሲ ኣይኮነን።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ደቅና ኣበላሊጽና እንተፈተና 'ሓጥያት' ኣይኮነን
ግሪፊን፡ እቲ ፍቱው-ቆልዓ ዝብል ሕንቅልሕንቅሊተይ ኣብ ሞያውን ውልቃውን ህይወታ ርእያቶ እያ፤ ሰለስተ ደቃ ብቐጻሊ እቲ ‘ትፈትዎ’ ቆልዓ መን ከም ዝኾነ ይዋዘዩ እዮም።
ዋላ እኳ ኣድልዎ ምፍጣር ኣብ ርክቦም ወይ ኣብ ጥዕና ኣእምሮኦም ጽልዋ የሕድር ከምዘሎ ዝተሰምኦም ወለዲ ወይ ቆልዑ ምስ ሓኪም ህጻናት ወይ ወሃቢ ጥዕና ኣእምሮ ክዛረቡ እንተመኸረት፡ መብዛሕትኡ እቲ ዘይምዕሩይነት ግን ክንክንን ኣቓልቦን ብዘርእዩ ቀለልቲ ሜላታት ክፍታሕ ከምዝኽእል ትኣምን።
"ብዝተፈላለዩ ምኽንያታት፡ ካብ ምስ ሓደ ቆልዓ ምዃን ምስ ካልእ ቆልዓ ክንከውን እንመርጸሉ መዓልታት ክህሉ'ዩ" ትብል።
“እቲ ክንዝክሮ ዘለና ኣገዳሲ ነገር፡ ምሩጽ ውላድ ኣለና ማለት፡ ንካልኦት ደቅና ዝወሓደ ኢና እነፍቅሮም ማለት ኣይኮነን” ክትብል'ውን ወሲኻ ተረድእ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







