ኣመሪካውያን ኣብ ከቢድ ጭንቀት ተዋሒጦም ኣለዉ- ጆ ባይደን

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ፐረዚደንት ባይደን ኣብቲ ድሕሪ ነዊሕ ዝገበሮ ቃለመጠይቕ፡ ኣመሪካውያን ብሰንኪ እቲ ንኽልተ ዓመታት ዝቐጸለ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ዝፈጠሮ ቁጠባዊ ዝቕባበ “ብጣዕሚ ብጣዕሚ ተጨኒቘም ኣለዉ፡” ኢሉ።
ንሱ ምስ ኣሶሽየትድ ፕረስ ኣብ ዝነበሮ ጻንሒት “ኣብ ኣመሪካ ንሕክምና ኣእምሮ ዘሎ ድልየት ሰማይ ዓሪጉ” ክብል ተዛሪቡ።
ኣመሪካውያን “ርእሰ ተኣማንነት” ክህልዎም ይደሊ፤ “ምኽንያቱ ኣነ ኣብ ነብሰይ ምትእምማን ስለዘለኒ” እውን ኢሉ።
ኮንግረስ ኣመሪካ ንምሓዝ ኣብ ዝመጽእ ሕዳር ዝካየድ መረጻ ምቕራቡ ስዒቡ፡ ተቐባልነት ባይደን ወሪዱ እዩ ዘሎ።
ኣመሪካውያን “ኣዐርዮም ቃዚኖም ዘለዉ፡ ዘናድድ ኵሉ ስለዝረኣዩ ድልየቶም ንሕክምና ኣእምሮ ሰማይ ዓሪጉ እዩ።
“ንኹሉ ምስ ጓሂ እዮም ዘተሓሕዝዎ። መብዛሕትኡ ግን ምስቲ ዘጋጥም ዘሎ ዝተኣሳሰር እዩ፤ እቲ ዘጋጠመ ሳዕቤን ናይቲ ኮቪድ ዝፈጠሮ ቅልውላው እዩ።
“ሰባት ስርሖም ስኢኖም እዮም። ሰባት ካብ ስራሕ ወጻኢ ኰይኖም። ናብ ስራሕ ከ ክምለሱ ድዮም? ኣብያተ ትምህርቲ ተዓጽዮም ነይሮም።”
ጆ ባይደን ኣባላት ፕረስ ቤተ-መንግስቲ ዋይትሃውስ ክንረኽቦ ኣይከኣልናን ኢሎም ኣብ ዘማርርሉ ዘለው እዋን እዩ ምስቲ ማዕከን ዜና ቃለመጠይቕ ገይሩ ዘሎ።
ቁጠባ ኣመሪካ ከንቆልቁል ይኽአል ዶ? ክብል ንዝቐረበሉ ሕቶ ድማ “ዘይተርፍ'ዩ ዝበሃል ኣይኮነን” ኢሉ።
ነቲ ንምርግጋእ ጸቕጢታት ኮሮናቫይረስ ብዝብል ዝቐረቦ ናይ 1.9 ትሪልዮን ዶላር ሓገዝ ቁጠባዊ ዝቕባበ ኣስዒቡ እዩ ዝብል ክትዕ ድማ “ዘይመስል” ክብል ነጺግዎ።
ምሁራት ቁጠባ እታ ሃገር፡ እቲ ሓገዝ ናህሪ ዋጋ ከስዕብ ከምዝኽእል ሓቢሮምዎ'ኳ እንተነበሩ፡ እቲ መራሒ ግን ግዚያዊ ከምዝኸውን ገሊጹ ነይሩ።
ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ፡ መጠን ዝቕባበ ኣመሪካ 8.6 ሚእታዊት ዝበጸሐ ኰይኑ፡ ካብቶም ኣብ ዓለም ዝለዓሉ እዩ።
ጆ ባይደን ነዚ ኣመልኪቱ ካብቲ ጋዜጠኛ ንዝቐረበሉ ሕቶ “ናተይ ስሕተት እንተደኣ ኰይኑ፡ ንምንታይ ኣብ ካልኦት ብኢንዳስትሪ ዝማዕበላ ሃገራት ዝለዓለ ዝቕባበ ተራእዩ? ንባዕልኻ ከምኡ ኢልካ ሓቲትካ ዶ?” ክብል መሊሱሉ።
እንተዀነ ኣብ ከም ጀርመን፡ ፈረንሳ፡ ጣልያን፡ ጃፓን፡ ካናዳን ህንድን ዝኣመሰላ ምዕቡላት ሃገራት፡ ኣብዚ እዋን መጠን ዝቕባበ ዝተሓተ ከምዝኾነ እዩ ዝግለጽ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







