ብሰንኪ ስደት ኣረጋውያን ጥራይ ሒዛ ዝተረፈት ከተማ

ምንጪ ስእሊ, ARUN CHANDRA BOSE
እዚ ዛንታ፡ ዛንታ ኵለን ብሰንኪ ስደትን ፍልሰትን መንእሰያት፡ ዓያዪ ዓቕሚ ሰብ ስኢነን፡ ህዝበን ስሕዩ፡ ኣረጋውያን ጥራይ ሒዘን ዝባደማ ዓድታት ዝምልከት ዛንታ እዩ። ንሎሚ ኣብ ሓንቲ ንእሽቶ ከተማ ህንዲ ዘጋጠመ ክስተት ንርአ።
ህንዲ፡ ዝበዝሐ ህዝቢ ዘለዋ ሃገር ብምዃን ንቻይና እትበልጸሉ ኣብ ዘላ እዋን፡ ኣብ ገለ ክፋል እታ ሃገር ፍርያምነት ዝወረደሉ፡ ስደት ድማ ኣረጋውያን ጥራይ ዝነብሩለን ዝባደማ ከተማታት ዝገደፈሉን ቅልውላው ኣሎ።
ንነዊሕ ዓመታት፡ ኣብታ ድቃስ ዝሃደማ ከተማ ኬራላ ዝርከባ ኣብያተ ትምህርቲ ዘይተለምደ ጸገም ኣጋጢምወን ጸኒሑ'ዩ። ተመሃሮ ውሑዳት ስለዝዀኑ መምህራን ወጺኦም ክደልይዎም ይግደዱ።
ነቶም ዝረኸብዎም ተመሃሮ ናብቲ ቤት ትምህርቲ ንምምጻእ እውን ካብ ጁባኦም ይኸፍሉሎም።
እዚ ኣብ ኩምባናድ ዝርከብ ክሳብ 14 ዓመት ዝዕድመኦም ተመሃሮ ዘስተምህር ን150 ዓመታት ዝጸንሐ መንግስታዊ ላዕለዋይ መባእታ ቤት ትምህርቲ፡ 50 ተመሃሮ ኣብ መዝገቡ ኣለዉዎ።
መብዛሕትኦም ካብ ድኻታትን ኣብ ወሰን እታ ከተማ ዝነብሩ ስድራቤታትን እዮም።
ሻብዓይ ክፍሊ 7 ተመሃሮ ጥራይ ብምሓዝ እቲ ዝዓበየ ክፍሊ እዩ። ኣብ 2016 እታ ክፍሊ ሓደ ተመሃራይ ጥራይ እያ ሒዛ ነይራ።
ተመሃሮ ናብቲ ቤት ትምህርቲ ምብጻሕ ብድሆ እዩ። ነፍሲወከፍ ካብቶም ሸሞንተ መምህራን፡ ንተመሃሮ ካብ ገዛ ናብ ቤት ትምህርትን ዘመላልሱ መጓዓዝያ (ቱክ-ቱክ) ንምኽፋል፡ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ወርሒ 2,800 ሩፒ (34 ዶላር፤ 28 ፓውንድ) ይኸፍሉ።
ተመሃሮ ንምርካብ እውን ካብ ገዛ ናብ ገዛ ይኸዱ። ኣብቲ ከባቢ ዝርከባ ውሑዳት ናይ ብሕቲ ኣብያተ ትምህርቲ ከይተረፋ፡ ተመሃሮ ንምድላይ መምህራን ይሰዳ ኣለዋ - እታ ዝዓበየት ድማ ዳርጋ 70 ተመሃሮ ኣሎዉዋ።
ኣብቲ ላዕለዋይ መባእታ ቤት ትምህርቲ፡ ኣብ ድሕሪ ቀትሪ፡ ድምጺ ሓደ ዕሙር ቤት ትምህርቲ ዝፈጥሮ ድምጺ ዋጭዋጭን ዕግርግርን ክትሰምዕ ዘይሕሰብ እዩ።
ኣብ ክንድኡ፡ መምህራን ንውሑዳት ቈልዑ ኣብ ጸልማትን ጽምው ዝበለን ክፍልታት ይምህሩ። ኣብቲ ብጸሓይ ዛኣረገ ካንሸሎ ውሑዳት ተመሃሮ ኮለል ክብሉ ይረኣዩ።

ምንጪ ስእሊ, ARUN CHANDRA BOSE
"እንታይ ክንገብር ንኽእል? ኣብዛ ከተማ ቆልዑ የለዉን። ማለተይ ኣብዚ ዝነብሩ ሰባት ዳርጋ የለዉን" በለ ርእሰ መምህር ጃያዴቪ ኣር ብሕርቃን።
ሓቃ እያ፡ ኩምባናድን ኣብ ከባቢኣ ዝርከባ ፍርቂ ደርዘን ዝዀና ለምለም ዓድታትን ኣስታት 25,000 ሰባት ዝነብሩለን እየን። ኣብዚ ካብ ዘለዉ 11,118 ኣባይቲ ኣስታት 15% ዝተዓጽዉ ኮይኖም፡ እቶም ዋናታት ናብ ወጻኢ ሃገር ስለዝሰደዱ ወይ ምስ ደቆም እዮም ዝነብሩ። 20 ኣብያተ ትምህርቲ ኣለዋ፡ ተመሃሮ ግን ኣዝዮም ውሑዳት እዮም።" ትብል ሓላፊት ባይቶ ዓዲ ናይቲ ከባቢ ኣሻ ሲ ጀይ።
ሓደ ሆስፒታል፡ ብመንግስቲ ዝመሓደር ክሊኒክ፡ ልዕሊ 30 ማእከላት መርመራን ሰለስተ ኣባይቲ ኣረጋውያንን፡ ነቲ ዝሓመቐ ህዝባ ዘመልክቱ እዮም።
ልዕሊ ክልተ ደርዘን ባንክታት - ኣብ ትሕቲ ፍርቂ ኪሎ ሜተር ዝርከቡ ሸሞንተ ጨናፍር ሓዊሱ - ካብቶም ኣብ መላእ ዓለምን ኣብ ከተማታት ዝነብሩን ዝሰርሑን ደቈም ሓዋላ ንምርካብ ይወዳደራ።
ህንዲ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ካብቶም ኣብ ወጻኢ ሃገራት ዝነብሩ ህንዳውያን ካብ ዘእተወቶ 100 ቢልዮን ዶላር ሓዋላ ኣስታት 10% ናብ ኬራላ እዩ መጺኡ።
ኬራላ - ምስ ጐረቤት ግዝኣት ታሚል ናዱ - ኣብ መንጐ 2001ን 2011ን - ናይ መወዳእታ ቆጸራ ህዝቢ ኣብ ዝተኻየደሉ እዋን፡ ወሰኽ ብዝሒ ህዝባ ዝወሓደ (4.9%) እዩ ነይሩ።
ንኣሽቱ ስድራቤታት ቈልዑ ጽቡቕ ትምህርቲ ከም ዝረኽቡ የረጋግጻ።
እዚ ድማ እቶም መንእሰያት ኣብ ውሽጢ ሃገርን ወጻእን ዕድላት ንምድላይ ብቕልጡፍ ክስደዱ ይገብሮም፤ ወለዶም ኣብ ገዛኦም ገዲፎም ይኸዱ።
"ትምህርቲ ንህጻናት ዝሓሸ ስራሕን ህይወትን ክረክቡ ስለዘኸእሎም ይስደዱ። ድሕሪኡ ቦታ ትውልዶም በቶም ብዕድመ ዝደፍኡ ወለዶም ተባሒቱ፣ ብዙሓት ካብኣቶም ከኣ በይኖም ይነብሩ፡" ይብል ፕሮፌሰር ኬ.ኤስ ጀምስ ሙምባይ ካብ ዝመደበሩ ኣህጉራዊ ትካል ስነፍልጠት ህዝቢ።

ምንጪ ስእሊ, ARUN CHANDRA BOSE
ጓል 74 ዓመት ኣናማ ጃኮብ፡ ብነዋሕቲ ብሓጺን ዝተሰርሑ መዓጹ ናይቲ ኣብ ኲምቦድ ዝርከብ በዓል ክልተ ደርቢ ገዛኣ ንበይና ንነዊሕ ዓመታት ተቐሚጣ።
በዓል ቤታ፡ ኣብ ሓደ ብመንግስቲ ዝውነን ኩባንያ ነዳዲ መካኒካል ኢንጂነር ኰይኑ፡ ኣብ መጀመርታ 1980ታት ዓሪፉ። ወዲ 50 ዓመት ወዳ ኣብ ኣቡዳቢ ካብ ዝነብርን ዝሰርሕን ልዕሊ ክልተ ዕቝድ [20 ዓመት] ኣቝጺሩ ኣሎ። እታ ሓንቲ ጓላ ድማ ሒደት ማይላት ርሒቓ ትነብር፤ በዓል ቤታ ግን ኣብ ዱባይ ከም ሶፍትዌር ኢንጂነር ኰይኑ ንሰለስተ ዓሰርተታት ዓመታት ክሰርሕ ጸኒሑ።
ኣብ ጥቓኣ ዝነበሩ ጐረባብታ የለዉን፡ ሓንቲ ገዛኣ ዓጽያ ንወለዳ ናብቲ ከም ከም ነርስ ኰይና ትሰርሓሉ ባሕሬን ወሲዳቶም። ሓደ ካልእ ድማ ናብ ዱባይ ብምኻድ ገዛኡ ንብዕድመ ዝደፍኡ መጻምድቲ ኣካርዩዎም።
እቲ ከባቢ ጽሙው ምድረበዳ እዩ። ኣብ ማእከል ለምለም ምድሪ ጣፒዮካ፡ ባናናን ቲክን ዝበዝሖ ኣግራብ፡ ሰፊሕ መረባ ዘለዎም ምልኩዓት ገዛውቲ ጥርሖም ተሪፎም እዮም። መእተዊ መገድታቶም ድማ ብዝነቐጸ ቆጽሊ ፋሕ ኢሎም፣ ብሓመድ ዝተሸፈና መካይንን ይረኣዩ። ካሜራታት ሲሲቲቪ ንቦታ ሓለውቲ ኣኽላባት ተኪአኖኦ እየን።
ብብዙሓት ነበርታ ዝተሓድገት ከተማ እኳ እንተዀነት ኣብ ዑናታት ኣትቓዝዝን ከኣ። እቶም ዝጸመዉ ገዛውቲ ዳርጋ ከም ኣብ ዝዀነ መዓልቲ ንሰባት ዝጽበዩ ክመስሉ ብቐጻሊ እዮም ዝቕብኡ።
"ኣዝዩ ጽምዋ ዝመልኦ ህይወት'ዩ። ኣነ'ውን ጥዕናይ ብጽቡቕ ኣይሕሉን ኣለኹ" ትብል ወይዘሮ ጃኮብ። ዋላ'ኳ ሕማም ልብን ኣርትራይተስን እንተሃለዋ፡ ወይዘሮ ጃኮብ ምስ ወዳን ደቂ ደቃን ግዜ ንምሕላፍ ናብ ወጻኢ ሃገራት ተጓዒዛ፡ ምስ ደቃ ድማ ኣብ ዮርዳኖስ፡ ኣቡዳቢ፡ ዱባይን እስራኤልን ዕረፍቲ ወሲዳ።

ምንጪ ስእሊ, ARUN CHANDRA BOSE
ኣብቲ ጣፒዮካ፡ ባናና፡ ዝንጅብል፡ ጃክፍሩትን እተለምዓሉ፡ ኣብ ድሕሪት ገዛኣ ዝርከብ ሕርሻ ብዙሕ ግዜ እያ ተሕልፍ። ኣብ ካልእ እዋን ድማ ጋዜጣታት ተንብብን ተስተንትንን። ኣብ ካንሸሎ ኸኣ ዲያና ትበሃል ከልቢ ኣላታ።
"ገለ መዓልታት ምስ ዲያና ጥራይ እየ ዝዛረብ። ትርድኣኒ እያ።"
ኣብ ዕድመኣን ምስቲ ዝደኸመ ጥዕናኣን፡ ኣብ ሕርሻ ክትሰርሕ ኣድካሚ እዩ። ወይዘሮ ጃኮብ፡ ሰራሕተኛ ሕርሻ ንኽትቈጽር ድማ ዓቕሚ የብላን። ሕጽረት ናይ ጉልበት ሰራሕተኛታት ነቶም ውሑዳት ስራሕ ዝደልዩ ዓየይቲ ብዙሕ ደሞዝ ክረኽቡ የኽእሎም እዩ።
ሒደት ኣንጐሎታት ርሒቝ ዝርከብ ብሕማም ልብን ሕማም ሽኮርን ዝሳቐ ቻኮ ማመን፡ ኣብታ ንእሽቶ ሕርሻኡ መዓልታዊ ንኣርባዕተ ሰዓታት ይሰርሕ፡ ባናና ድማ የብቁል።
እዚ ወዲ 74 ዓመት መንእሰይ ቅድሚ ናብ ሃገሩ ምምላሱ ንሰለስተ ዓሰርተታት ዓመታት ኣብ ዖማን ከም ኣካያዲ መሸጣ ኮይኑ ሰሪሑ። ንእሽተይ ትካል ከፊቱ'ኳ እንተነበረ፡ ድሕሪ ሽዱሽተ ዓመት ዝሰርሓሉ ሰብ ስለዘይረኸበ ዓጽዩዎ። ሕጂ ግን ድሕሪ ብዙሕ ጻዕሪ መዓልታዊ ኣስታት 10 ኪሎ ባናና ካብ ሕርሻኡ የእቱን ይሸይጥን።
ኣብ ዝኣረገ ሕብረተሰብ ዓያዪ ሓይሊ ሰብ ንምጕልባት ኣመና ከቢድ እዩ። ወላ ካብ ካልኦት ግዝኣታት ዝመጽእ ስደት ሰራሕተኛታት ከይተረፈ ኵሉ ግዜ ኣይሰርሕን እዩ።
ሓደ ሓደ ግዜ ድማ ኣብ ልዕሊ ወጻእተኛታት ዘይምትእምማን ስለዘሎ፡ ወይዘሮ ጃኮብ ስደተኛ ምቝጻር ኣይትመርጾን እያ። ምኽንያቱ በይና ስለእትነብር ከይቀትሉኒ ዝብል ፍርሒ ኣለዋ።

ምንጪ ስእሊ, ARUN CHANDRA BOSE
ኣብዛ ልምዕቲ ከተማ ኣረጋውያንን ዕጹው ገዛውትን፡ ገበን ኣዝዩ ውሑድ እዩ።
ሰባት ብዙሕ ገንዘብን ክቡር ኣቝሑትን ኣብ ገዛኦም ስለዘይዕቅቡ፡ ስርቂ ሳሕቲ ከምዝፍጸም ፖሊስ ገሊጹ። ኣብዚ ቅትለት መዓስ ከም ዝተፈጸመሉ እውን ኣይዝክሩን እዮም።
"ኵሉ ኣዝዩ ሰላማዊ'ዩ። ብዛዕባ ምትላል ጥራይ እዩ ጥርዓን ዝመጽእ። ኣረጋውያን ብኣዝማዶም ወይ ብናይ ገዛ ሓገዝቶም ዝታለሉ ኰይኖም ፌርማኦም ብምምሳል ገንዘቦም ካብ ባንክታት ናይ ዘውጽኡ እዩ" ይብል ዋና ተቘጻጻሪ መደበር ፖሊስ እቲ ከባቢ ሳጂሽ ኩማር ቪ።
ቅድሚ ሓደ ዓመት፡ ዘመድ ሓንቲ ብዕድመ ዝደፍአት ነባሪት፡ ፌርማኣ ብምምሳል ኣስታት 10 ሚልዮን ሩፒስ ተሰሪቃ።
"እዚ ነዚ ከባቢ ዓቢ ገበን እዩ ነይሩ" ይብል ኣቶ ኩማር። "እንተዘይኰይኑ ብቐንዱ ኣብ መንጐ ነበርቲ ዝፍጠሩ ንኣሽቱ ባእሲታት ኢና ንገጥም ዘለና፣ ብዛዕባ ገለ ረብሻ ድምጺ፡ ወይ ኣብ ኣፍደገኦም ዝድርበ ጓሓፍ፡ ናይ ሓደ ሰብ ጨንፈር ገረብ ኣብ ሕርሻ ጐረቤት ምጥሓስን ከምኡታት ዝኣመሰሉ እዮም።"
ገበን ዘይምህላዉ ማለት ፖሊስ ዝበዝሕ ግዜኡ ነቶም ኣረጋውያን ኣብ ምሕብሓብ የሕልፎ ማለት እዩ። ን160 ንጽልን ሕሙማትን ብቐጻሊ ይምርምሩ፤ ከምኡ’ውን ኣብ ገለ ምእንቲ ኣብ እዋን ህጹጽ ኵነታት ንጐረባብቲ ከጠንቅቝ ደወል ሞባይል ይህብዎም። ኣብ 2020 ፖሊስ ደወል ማዕጾ ዝመለሰ ሰብ ኣብ ዘይነበረሉ እዋን ማዕጾ ሓደ ገዛ ኣፍሪሶም ንሓንቲ ብዕድመ ዝደፍአት ሰበይቲ ኣብ መሬት ተደፊኣ ረኺቦማ።
“ናብ ሆስፒታል ወሲድናያ፡ ኣብኡ ድማ ሓውያ፡ ሓደ ካብ ስራሕና፡ ነበርቲ ናብ ገዛውቲ ኣረጋውያን ምግዓዝ'ውን'ዩ። ኣረጋውያን ጥዕናኦም ንምርግጋጽ፡ ናብ ሓካይም ንወስዶም" ይብል ኣቶ ኩማር።

ምንጪ ስእሊ, ARUN CHANDRA BOSE
"ኣብዚ እርጋን ጥራይ እዩ ጸገም" ይብሉ ኣብ ኩምባናድ ማእከል ሕክምና ኣረጋውያን ዘካይዱ ፋዘር ቶማስ ጆን።
ኣብታ ከተማ፡ ክፉት ቦታታት፡ ገፊሕ ማዕጾን ኮሪደር ዘለወን ዓረብያ ስንኩላን ከእትዋ ዝኽእላ ሰለስተ መእለዩ ኣረጋውያን ኣለዋ። እቲ 150 ዓራታት ዘለዎ በዓል ሓሙሽተ ደርቢ ህንጻ ኣሌክሳንደር ማርቶማ ሜሞርያል ጀርያትሪክ ሴንተር፡ ንልዕሊ 100 ደቂ ዓዲ ዝከናኸን ኰይኑ፡ ካብ 85 ክሳብ 101 ዓመት ዝዕድመኦም እዮም። ዳርጋ ኵሎም ዓራት ዝሓዙ ኮይኖም፡ ስድራቤቶም ድማ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ወርሒ 50 ሽሕ ሩፒ ንመናበዪኦም ይኸፍሉ።
ሓደ ሓደ ግዜ እቶም ደቈም መጺኦም ኣብቲ 16 ዓመት ዘቝጸረ ማእከል ክንክን ምስኦም ይሓድሩ።
"መብዛሕትኦም እቶም ደቈም ኣብ ወጻኢ ሃገራት ዝነብሩ ኰይኖም፡ ነቶም ኣዝዮም ኣረጋውያን ወለዲ ናብ መንበሪ ኣረጋውያን ካብ ምግዓዝ ሓሊፎም ካልእ ኣማራጺ የብሎምን" ይብሉ ፋዘር ጆን።
እቲ ኣብ ጥቓኡ ዝርከብ 75 ዓመት ዘቝጸረ ዳርማጋሪ ዝበሃል መእለዩ ኣረጋውያን፡ 60 ነበርቲ እቲ ከባቢ ዝሓቘፈ ኰይኑ፡ ኵሎም ልዕሊ 60 ዓመት ዝዕድመኦም እዮም። ኣብ ዝሓለፈ ዓመት 31 ሓደስቲ ተኣለይቲ ተቐቢሎም። ንደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን ዝኸውን ዝተፈላለየ ህንጻታት ዝሓቘፈ ኰይኑ፡ ብዝሒ ኣረጋውያን ተኣለይቲ ድሕሪ ምውሳኹ፡ 60 ሽማግለታት ከአንግድ ዝኽእል ሓድሽ 30 ክፍልታት ዘለዎ ህንጻ ይስርሓሉ ኣሎ።
"መብዛሕትአን እተን ምሳና ዝጸንሓ ደቂ ኣንስትዮ ግዳያት ምትላል እየን። ገለ ካብአን ብስድራቤተን ተደርብየን እየን" ይብሉ ነቲ ገዛ ዘካይዱ ፋዘር ኬ.ኤስ ማቲውስ።
እቶም ኣባይቲ ኣረጋውያን፡ ስደት መንእሰያት፡ እናነከየ ዝኸይድ ዘሎ ብዝሒ ህዝቢ፡ መንፈሰን ዝሃደመን ዝባደማን ከተማታት እዮም ዘርእዩኻ።
"እዚ ዛንታ’ዚ ናይ ዝዀነ ዲሞግራፊያዊ ለውጢ ዛንታ እዩ።
ኣብ መወዳእታ ድማ ዛንታ መላእ ህንዲ ክኸውን'ዩ፡ " ይብል ፕሮፌሰር ጀምስ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







