ብዝሒ ህዝቢ ዓለም ብኸመይ ሸሞንተ ቢሊየን ኰይኑ?

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣብ ከባቢ 1800 [ኣቆጻጽራ ኤውሮጳ]፡ ብዝሒ ህዝቢ ዓለም ሓደ ቢሊየን ኔሩ።
እዚ፡ ክልተ ቢሊዮን ንክመልእ ካልእ 100 ዓመት ወሲዱ። ካብ 1950ታት ጀሚሩ ግን፡ ብዝሒ ህዝቢ ዓለም ብቕልጡፍ ክዓቢ ጀሚሩ።
ኣብ ዝሓለፉ ዓሰርተ ዓመታት፡ ንህንዲ ሓዊሱ ሃገራት ኤስያ፡ ዝለዓለ ዕብየት ብዝሂ ህዝቢ ዘርኣያ እየን።
ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ቅድሚ ክልተ መዓልቲ ብዝሒ ህዝቢ ዓለም 8 ቢሊዮን ከም ዝዀነ ኣፍሊጡ ነይሩ።
ብልክዕ፡ ኣብዛ እንነብረላ ፕላኔት ዘሎ ብዝሒ ህዝቢ ምፍላጥ ኣጸጋሚ’ዃ እንተዀነ፡ ሕቡራት ሃገራት ግን ጠቕላላ ድምር ብሓደ ወይ ክልተ ዓመት ክወጽእ ከምዝኽእል ይኣምን።
ብዝሒ ህዝቢ ዓለም ካብ 7 ቢልዮን ናብ 8 ቢልዮን ንኽዓቢ 11 ዓመታት ጥራሕ እዩ ወሲድሉ።
እዚ ሕጂ ዝተራእየ ዕብየት ድማ፡ ዝሓሸ ጥዕና፡ ኣመጋግባን ሕክምናን ሓዊሱ ብብዙሕ ምኽንያታት ዝመጽአ ምዃኑ ክኢላታት ይዛረቡ።
ምውሳኽ ብዝሒ ህዝቢ፡ ብዙሓት ቈልዑ ይውለዱ፣ ብዙሓት ንዓቕመ ኣዳም ዝበጽሑን ቈልዑ ዝወልዱ ሰባትን ይውስኹ ምህላዎም እዩ ዘመልክት።
ብተወሳኺ፡ ሰባት ዝሓሸ መድሃኒትን ኣመጋግባን ይረኽቡ ብምህላዎም ነዊሕ ዕድመ ይጸንሑ ኣለው።
እቲ ዕብየት ዘርእዮ ዘሎ ቅልጣፈ
ኣብ ነፍሲ ወከፍ ካልኢት፡ ስእሊ ነፍሲ ወከፍ ኣብ ዓለምና ዘሎ ሰብ ንምርኣይ 253 ዓመታት ክወስድ ይኽእል እዩ።
ማእከላይ እቶት ዘለወን ሃገራት - መብዛሕትአን ኣብ ኤስያ ዝርከባ - ኣብ ዝሓለፈ ዓሰርተ ዓመት ንዝተመዝገበ ዝበዝሐ ህዝቢ ይሕዛ።
ካብ 2011 ጀሚሩ፡ 700 ሚሊዮን ሰባት እዮም ተወሲዀም።
ህንዲ፡ ብውሑድ ብ180 ሚሊዮን ሰባት ክትዓቢ እንከላ፡ ኣብ ዝቕጽል ዓመት ነታ ብብዝሒ ህዝቢ ኣብ ዓለም ቀዳመይቲ ዘላ ቻይና ክትርከባ እያ።
እዚ፡ ዳርጋ ኣብ 2000 ዓመታት ንፈለማ እዋን ዝርአ ዘሎ እዩ።
ቻይና፡ ኣብ 1980ታት ፖሊሲ ሓደ ቈልዓ ድሕሪ ምትእትታዋ፡ መጠን ወሊድ ነክዩ እዩ።
ዝበዝሓ ደቂ ኣንስትዮ ድማ፡ ኣብ ስርሐንን ትምህርተንን ትኹረት ንምግባር ደንጒየን ክወልዳ ጀሚረን።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣብ መጻኢ፡ ዝለዓለ ወሰኽ ብዝሒ ህዝቢ ከርእያ እየን ናብ ዝብሃላ ሃገራት ክንመጽእ እንከለና ድማ፡ ዓለማዊ ብዝሒ ህዝቢ ኣብ ጠርዚ ቅድሚ ምብጽሑ ዝውሰኹ 2.4 ቢሊዮን ሰባት መብዛሕትኦም፡ ኣብ ሃገራት ትሕቲ ሰሃራ ዝውለዱ ከምዝኾኑ ሕቡራት ሃገራት ይገልጽ።
እዚ፡ ሃገራት ኣንጎላ፣ ቦትስዋና፣ ካሜሩንን ማእኸላይ ሪፓብሊክ ኣፍሪቃን ዝርከብአን ሃገራት ዝሓዘ እዩ።
ክኢላታት ግን፡ ፍጥነት ቅልጡፍ ዕብየት ብዝሒ ህዝቢ ክዝሕትል ከም ዝጀመረ ይዛረቡ።
እዚ ማለት ድማ ብዝሒ ህዝቢ ዓለምና ትሸዓተ ቢሊዮን ንምብጻሕ ኣስታት 15 ዓመታት ክወስድ እዩ።
ክሳብ 2037 ኣብ ዘሎ ግዜ፡ ብዝሕና ትሸዓተ ቢሊዮን ኣይክመልእን እዩ፤ ሓደ ካብቲ ቀንዲ ምኽንያት ናይዚ ድማ ኣብ ብዙሕ ክፋላት ዓለም ዝርከቡ ሰባት ውሑዳት ቆልዑ ይወልዱ ምህላዎም እዩ።
ኣብ 1960ታት፡ ሓንቲ ጓል ኣንስተይቲ ሓሙሽተ ቈልዑ ትወልድ ነይራ፤ ኣብዚ እዋን ግና እቲ ማእከላይ ገምጋም ፍርቂ ናይዚ እዩ።
እዚ ማለት፡ ብማእከላይ ገምጋም ሓንቲ ጓል ኣንስተይቲ 2.4 ቈልዑ ትወልድ ኣላ።
ሕቡራት ሃገራት ኣብ 2080ታት ብዝሒ ህዝቢ ዓለም ናብ ኣስታት 10.4 ቢልዮን ሰባት ክዓቢን ክሳብ 2100 ኣብኡ ከም ዝጸንሕን ይግምት።
ዕብየት ብዝሒ ህዝቢ ስለምንታይ የገድሰና?
እቲ እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ ብዝሒ ህዝቢ፡ ጥዕና ህዝቢ፡ ኣመጋግባ፡ ውልቃዊ ጽሬትን ሕክምናን ክሳብ ክንደይ ከም ዝተመሓየሸ ዘርኢ ብምዃኑ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ነዚ ከም ዓብዪ ዓወት ይርእዮ።
እንተዀነ ብድሆታት እውን ከርኢ ይኽእል እዩ።
ማይ፣ መግብን ቦታን ንምርካብ ምስ እንስሳን ንሓድሕዶምን ዝጋጨው ሰባት ኣብ ምድሪ ዝያዳ ምህላዎም ኣብ ተፈጥሮ ዝያዳ ጸቕጢ ይፈጥር’ዩ።
እዚ ድማ ኣብ ዝቕጽሉ ዓሰርተታት ዓመታት ጃምላዊ ስደትን ግጭትን ከስዕብ ከም ዝኽእል ክኢላታት ይገልጹ።
ብፍላይ ጽንኩር ክሊማዊ ለውጢ ንገለ ክፋል ኣፍሪቃን ካልኦት ሃገራትን ኣዝዮም ክውዕዩ ክገብሮም ስለ ዝኽእል፡ ንምንባር ዘይምቹኣት ክዀና ይኽእላ እየን።
ብዙሓት ሰባት ኣለው ማለት፡ ኣብ ባይታ ውሑድ ጸጋታት ኣሎ ማለት እዩ።
ስለዚ መንግስታት እውን ሰባትን ሃገራትን ነቲ ኣብዚ እዋን’ዚ ዓለም ዘለዋ ጸጋ ብኸመይ ይጥቀሙሉ ንዝብል ምሕሳብ ከድልዮም እዩ።
እዚ፡ ኣጠቓቕማ ጸዓትን ኣብ ክሊማዊ ለውጢ ዘለዎ ጽልዋን ዘጠቓልል ኰይኑ፡ ብፍላይ ብዝሒ ህዝበን እናዓበየ ዝኸይድ ዘሎ ሃገራት ጸዓት ከርሰ ምድሪ ምጥቃም እንተቐጺለን ክፈጥሮ ዝኽእል ጸቕጢ ኣብ ግምት ክኣቱ ኣለዎም።
ብተወሳኺ፡ ኣብዛ ፕላኔት ዝያዳ ሰባት ምህላዎም ኣብ ልዕሊ ከባቢ ጽልዋ ከሕድሩ’ዮም።
በዚ፡ ልቀት በከልቲ ጋዛት ግሪን ሃውስ ክውስኽ ዝገብሩ ነገራት ምፍራይን ምጥቃምን ከይውስኽ ይስጋእ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







