መቐለ፡ ዉጉኣት ኲናት ትግራይ ተቓውሞ ኣካይዶም

ምንጪ ስእሊ, Radio FM mekelle 104.4/fb
ኣብ ትግራይ ውጉኣት ኲናት መነባብሮኦም ክመሓየሽን እኹል ሕክምናዊ ክንክን ክረኽቡን ዝጠልብ ሰላማዊ ሰልፊ ከምዘካየዱ ጸብጻባት ሓቢሮም።
ነበርቲ ንቢቢሲ ከምዝሓበርዎ፡ ቀንዲ ዕላማ እቲ ኣብ መቐለ ዝተኻየደ ሰልፊ ንውጉኣት ኲናት ግቡእ ሕክምና ክወሃብን ማሕበራዊ ህይወቶም ንምምሕያሽ ዝሕግዙ ስጉምቲታት ንኽውሰዱን ምጽዋዕ ከምዝዀነ ገሊጾም።
ኣብቲ ካብ ፈለማ ወርሒ ሕዳር 2020 ኣትሒዙ ንክልተ ዓመታት ዝቐጸለ ኲናት ትግራይ ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቑጸሩ ዕጡቓት ከምዝቖሰሉ ይግለጽ።
ሓንቲ ካብቶም ኣብቲ ኲናት ዝተጎድኡ መንእሰያት ንቢቢሲ ኣብ ዝሃበቶ ቃል፡ ብሰንኪ ኣብ ቀረብ ኣፋውስ፡ ናውቲ ሕክምናን ሰብ ሞያን ዘሎ ሕጽረት እኹል ክንክን ጥዕና ክረኽቡ ከምዘይከኣሉ ገሊጻ።
“ተሓኪሙ ናብ ስራሕ እንተድኣ ዘይኣትዩ፡ ጽባሕ ንግሆ ንስድራ፡ ንዅሉ ቤተሰብ እውን ኣጸጋሚ ይኸውን” ኢላ።
ኣብ እዋን እቲ ኲናት ዝተጎድኡ ብዙሓት መንእሰያት ተሓኪሞም ክሳብ ንቤተሰቦም ምጥዋር ክበጽሑ እናኸኣሉ፡ ትኹረት ብዘይ ምርካቦም ጥራይ ክሰርሑ ከምዘይከኣሉን ኰፍ ክብሉ ከምዝተገደዱን ንቢቢሲ ሓቢራ።
“ብኣግኡ ተሓኪሞም ክድሕኑ እናተገብኦም፡ ማዕረ እግሪ ምቑራጽ፡ ማዕረ ነርቭ ምብልሻው፡ ንዘልዓለም ዘይምንቅስቓስ” ዘጋጠሞም ከምዘለዉን እቲ ኵነታት ዘስካሕክሕን ንምሕሳብ ዝኸብድን ምዃኑ ወሲኻ ኣብሪሃ።
ኣብ ዝሓለፉ ኣዋርሕ ብተመሳሳሊ ሕክምና ክረኽቡን እኹል ናይ መግብን ክዳንን ደገፋት ክግበረሎም ዝጽውዑ ሰልፍታት ከምዝተኻየዱ ይዝከር።
እንተዀነ ነቶም ሰልፍታት ስዒቡ ዝተወሃበ ዘላቒ ፍታሕ ከምዘየለ እታ ቢቢሲ ዘዘራረባ መንእሰይ ኣመልኪታ።
“ዝበኪ ህጻን ንእሽቶ እንጀራ ሂብኪ ክተዐሽዎዮ ትኽእሊ ኢኺ። ዘላቒ መፍትሒ ግን ኣይኰነን” ብምባል ተቓውሞታት ንምህዳእ ጥራይ ንግዚኡ ዝጅመሩ ምንቅስቓሳት እንተዘይኰይኖም መነባብሮ ውጉኣት ኲናት ንምምሕያሽ ዝተወስደ ቀጻሊ መፍትሒ ከምዘየለ ኣብሪሃ።
ንሳ ከም እትብሎ እቲ ቀንዲ ጸገም እቲ ምምሕዳር እኹል ትዅረት ክህቦም ዘይምኽኣሉ እዩ።
“ምሕደራ የለን፡ እቶም ላዕለዎት ኣካለት ብዛዕባ ሰራዊት ትግራይ ኣልዒሎም ዝፈልጡ ኣይመስለንን። እንታይ ንግበሮም ዝበሃል ነገር የለን።”
“ትማሊ ሓደ ሰብ ‘ተጋደል’ እናተበሃለ ይጉተት ነይሩ፤ ሎምዓንቲ ተጋዲሉ ኣካሉ ምስ ሰኣነ ኸዓ ሕቶ ክሓትት ከሎ ንምንታይ እዩ ዘይምለሰሉ?” ክትብል’ውን ምረታ ገሊጻ።
“ድሮ ውቑዓት ስለዝዀንና ‘ከገልግሉና ኣይኽእሉን’ ዝዓይነቱ ከምኡ መሲሉ እዩ ዝስምዓኒ” ዝበለት እታ መንእሰይ፡ “ትኹረት ስኢንና፤ ትኹረት ይገበረልና” ብዝብል ናብ ሰልፊ ከምዝወጹ ኣስሚራ።

ምንጪ ስእሊ, Radio FM mekelle 104.4/fb
ኣብ ቀረባ እዋናት፡ ውጕኣት ተጋደልቲ ሓይልታት ትግራይ ብተደጋጋሚ ናብ ጐደናታት ወጺኦም ድምጾም ኣስሚዖም ነይሮም።
እቶም ውጉኣት ኲናት እኹል ሕክምናን ምግብን ከምዘይረኽቡ ብምግላጽ፡ ግዝያዊ ምምሕዳር እቲ ክል ንጉዳዮም ዝግባእ ቈላሕታ ክህብን ግቡእ ተራኡ ክጻወትን ክጽውዑ ምጽንሖም ይፍለጥ።
ኣብ ዝሓለፊ ወርሒ ሚያዝያ ኣብ ዝተኻየደ ሰልፊ፡ ርእሰ ምምሕዳር ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣቶ ጌታቸው ረዳ፡ ነቶም ውጉኣት ኲናት ይቕረታ ብምሕታት ኣብ ቀረባ እዋን ሕቶኦም ከምዝምለስ ምግላጹ ካብቶም ተሳተፍቲ ንቢቢሲ ገሊጾም ነይሮም።
እንተዀነ ድሕሪ ዳርጋ ሓደ ዓመት፡ እቲ ሕቶ ዳግማይ ናብ ጎደናታት ይወጽእ ኣሎ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







