ብዝሒ ሰባት ብምጽዓን ክብረ-ወሰን ዝሰበረት ጃልባ ዓዲ-እንግሊዝ ኣትያ

125 ሰባት ጽዒና ብመትረብ እንግሊዝ ዝተጓዕዘት ንእሽቶ ጃልባ፡ ኣብ ታሪኽ ጕዕዞ ስደተኛታት - ኣብዚ መትረብ - ብዝጸዓነቶም ብዝሒ ቀዳመይቲ ብምዃን ክብረ-ወሰን ሰይራ።

ኣብ ነሓሰ ናይዚ ዓመት 106 ሰባት ጽዒና ዓዲ-እንግሊዝ ዝኣተወት እያ ቀዳመይቲ ኰይና ጸኒሓ።

ካብ ቤትጽሕፈት ውሽጣዊ ጉዳያት ዝተረኽበ ኣሃዛት ከም ዘመልክቶ፡ ብሰንበት 28 መስከረም ብጠቕላላ 895 ስደተኛታት ብ12 ጀላቡ ነዚ መትረብ ክሰግሩ እንከለዉ፡ ካብ መጀመርታ 2025 ጀሚሩ ኣስታት 33,000 ሰባት ክሰግሩ ክኢሎም።

እዚ ክብረ-ወሰን ዝሰበረ ጕዕዞ፡ ሬሳ ሓደ ስደተኛ ኣብ ሰሜናዊ ፈረንሳ ኣብ ጥቓ ቡሎን ሱር-መር ኣብ ዝርከብ ገማግም ባሕሪ ብሰንበት ንግሆ መይቱ ድሕሪ ምርካቡ ዝሰዓበ ምዃኑ ማዕከን ዜና ኤኤፍፒ ሓቢሩ።

ማዕከና ዜና ፈረንሳ መንእሰይ ምዃኑ እኳ እንተ ገለጻ፡ ልክዕ ዕድመኡን ዜግነቱን ግና ኣይተረጋገጸን።

ኣብ መንጐ እዚ ኣብ ቀረባ እዋን ዝሞተ መንእሰይን ኣብ ጥቓ ኤኲሄን-ፕላጅ ዝተገብረ ፈተነ ምስጋርን ምትእስሳር እንተ'ልዩ መርመራ ክካየድ እዩ።

ኣብቲ ቦታ፡ ሓንቲ ጓል 49 ዓመት ሰበይቲ ሙቘት ኣካላ ብምጕዳሉ ክትሳቐ ተረኺባ ናብ ሆስትፒታል ተወሲዳ።

ብተወሳኺ፡ ክልተ ሶማልያውያን ደቀንስትዮ ብሰንበት 28 መስከረም ተሰቒለንኣ ዝነበራ ጃልባ ብሰንኪ ዘጋጠማ ጸገም ህይወተን ስኢነን።

ነዚ ኣብ መንጐ ፈረንሳን ዓባይ ብሪጣንያን ዝርከብ መትረብ ንምስጋር ዛጊት ብውሕዱ 27 መይቶም ኣለዉ።

ካብ'ቶም ብሰንበት ብሰላም ዝሰገሩ 125 ሰባት፡ እቶም 14 ህጹጽ ኣገልግሎት የድልዮም ከም ዝነበረ ተገሊጹ።

ብፈረንሳን ብሪጣንያን ነዚ ጕዕዞ ንምድራት ሓያሎ ስጕምትታት ይውሰዱ እኳ እንተ'ለዉ፡ እቲ ፈተነ ምስጋር ይጐድል ከም ዘሎ ዘርኢ ምልክት ግን የሎን።

መንግስቲ ዓባይ ብሪጣንያ ብንኣሽቱ ጀላቡ ተጠቂሞም ናብታ ሃገር ብዝኣትዉ ሓተትቲ ዕቝባ ሓያል ጸቕጢ ገጢሙዎ ኣሎ።

ሰልፊ ዕዮ ኣብ ሓምለ 2024 ናብ ስልጣን ካብ ዝመጽእ ንደሓር ልዕሊ 50,000 ሰባት ኣብዚ መትረብ ጕዕዞ ፈጺሞም።

ጸሓፊት ውሽጣዊ ጉዳያት ሻባና ማሕሙድ፡ ኣሰጋገርቲ ሰባት "ኣብ ዶባትና ዓቢይ ዕንወት የውርዱ ኣለዉ፡" ብምባል፡ ኣገባብ ኢምግረይሽን ናይታ ሃገር ስርዓት ንምትሓዝ ከም እትሰርሕ ተዛሪባ።