ብሪጣንያ፡ ካልእ ኤርትራዊ 'ንግዚኡ' ካብ ምጥራዝ ድሒኑ

ዓባይ ብሪጣንያ ከም ኣምሳያ እቶም ካብ ሃገራ ዝተጠረዙ ሰባት፡ "ሓደ ክኣቱ፡ ሓደ ይወጽእ፡" ብዝብል ስምምዐን መሰረት ሰለስተ ዝኣባላታ ስድራቤት ካብ ፈረንሳ ተቐቢላ፤ ናብ ፈረንሳ ክምለስ ኣብ መስርዕ ዝጸንሐ ሓደ ኤርትራዊ ድማ ጉዳዩ ብቤት ፍርዲ ደው ኢሉ።

እዛ ስድራቤት ንሰለስተ ወርሒ ዝጸንሕ ቪዛ እኳ እንተ ተዋህባ፡ ናይ ምስራሕ መሰል ከም ዘይብላን መንግስታዊ ሓገዝ ከም ዘይተዋህባን ቢቢሲ ኣረጋጊጹ፤ ኣብታ ሃገር ንኽትጸንሕ ግን ከተመልክት ትኽእል እያ።

እዚ ስጕምቲ'ዚ ዝውሰድ ዘሎ፡ ኣርባዕተ ስደተኛታት ካብ ዓባይ ብሪጣንያ ናብ ፈረንሳ ድሕሪ ምምላሶም እዩ።

ወሃቢ-ቓል ቤትጽሕፈት ውሽጣዊ ጉዳያት፡ "እዚ ነቶም ኣሰጋገርቲ ጕጅለታት ብዘይሕጋዊ መንገዲ ናብ ዓዲ እንግሊዝ ምእታው ዝጽወር ከም ዘይኰነ ዝገልጽ ንጹር መልእኽቲ እዩ፡" ኢሉ።

"ነቶም ብንኣሽቱ ጀላባ ዝመጽኡ ምእሳርን ናብ ዝመጽኡዎ ምምላስን ክንቅጽል ኢና።"

ቀዳማይ ምኒስተር ሰር ኬር ስታርመር፡ ነቲ ቤትጽሕፈት ውሽጣዊ ጉዳያት፡ "ካብ ስቓይ ሰባት ምኽሳብ" ዝብሎ መርበባት ዘይሕጋዊ ምስግጋር ሰባት ንምብትታኽ ይሰርሕ ኣሎ።

እዚ ኣብ ደረጃ ፈተነ ዘሎ መደብ'ዚ፡ ካብ ፖለቲካውያን ተቓወምትን ተጣበቕቲ መሰላትን ነቐፌታ ኣጋጢሙዎ ኣሎ።

ጸሓፊ ውሽጣዊ ጉዳያት ክሪስ ፊልፕ ካብ ተቓዋሚ ሰልፊ፡ እዚ መንግስቲ ምስ ፈረንሳ ዝገበሮ ስምምዕ፡ ከምቲ መንግስቲ ቶሪ ኣቕሪቡዎ ዝነበረ ውጥን ናብ ርዋንዳ ምምላስ ውጽኢታዊ ከም ዘይከውንን ስደተኛታት ካብ ምእታው ንምክልኻል ምንም ጽልዋ ከም ዘይህልዎን ገሊጹ።

ዛጊት ተራእዩ ዘሎ ቍጽሪ ተመለስቲ ድማ "ዝረብሕ" ዘይምዃኑ ሓቢሩ።

"ሓደ ክኣቱ፡ ሓደ ይወጽእ" ዝብል ውጥን ኣብ ሓምለ ዝተኣወጀ ኰይኑ፡ ብንኣሽቱ ጀልባ ገይሮም ናብ ዓባይ ብሪጣንያ ዝኣተዉን ሕቶ ዕቝባኦም ተቐባልነት ዘይረኸበን ስደተኛታት ክምለሱ ክልተአን ሃገራት ተሰማሚዐን።

በዚ መሰረት፡ ዓባይ ብሪጣንያ ከም ኣምሳያ ካብ ሃገራ ዝተመልሰ ሰብ፡ ነቲ መትረብ ክሰግር ዘይፈተን ቅቡል ሕቶ ዘለዎ ሰብ ክትቅበል እያ።

እዚ ምምላስ ተደናጒዩ'ኳ እንተ ነበረ፡ መወዳእታኡ ግን ኣርባዕተ ሰባት ናብ ፈረንሳ ክመልስ ተዓዊቱ ኣሎ።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ሓደ ህንዳዊ ዜግነት ዘለዎ ስደተኛ ቀዳማይ ካብ ዓባይ ብሪጣንያ ዝተጐገ ሰብ ኰይኑ። ድሕሪ መዓልታት ድማ ብቤትፍርዲ ተደናጒዩ ዝነበረ ኤርትራዊ ስዒቡ።

ምንጭታት ቤትጽሕፈት ውሽጣዊ ጉዳያት ከም ዝሕብሩዎ፡ ሓደ ኢራናዊን ሓደ ኣፍጋናዊን ቀጺሎም ተሰጒጎም።

እንተዀነ፡ ሓሙሻይ ኣብ መስርዕ ዝነበረ ኤርትራዊ ናብ ፈረንሳ ክመልሱዎ ኣብ ዝፈተንሉ ቤትፍርዲ ደው ክብል ግዜያዊ ትእዛዝ ኣመሓላሊፉ።

ላዕለዋይ ቤትፍርዲ፡ ነቲ ኤርትራዊ "ግዳይ ዘመናዊ ባርነት እየ፡" ንዝበሎ ዝድግፍ መርትዖታት ከቕርብ እንተ ወሓደ 14 መዓልታት ሂቡዎ ኣሎ።

እዚ ኤርትራዊ በዚ ጉዳይ ኣብ ቤት ፍርዲ እንተረቲዑ፡ ኣብታ ሃገር ክጸንሕን ሕቶ ዕቝባ ናይ ምቕራብ መሰሉ ከም ዝሕሎን ይግመት።

ኣብዚ ዓመት፡ ዛጊት ልዕሊ 30,000 ሰባት ንኣሽቱ ጀላቡ ገይሮም ብመትረብ እንግሊዝ ሰጊሮም።

ሓድሽ ጸብጻባት መንግስቲ ከም ዝሕብሩዎ፡ ድሕሪ 3 መጋቢት በዚ መትረብ ዝካየድ ምስግጋር ንፈለማ እዋን ተራእዩ ብዘይፈልጥ መጠን ከም ዝጐደለ እዩ።

ክሳዕ 23 መስከረም ኣብ ዝነበረ ዓመት፡ 32,188 ሰባት ብንኣሽቱ ጃልባ ናብ ዓዲ እንግሊዝ ኣትዮም፣ ካብቲ ኣብ 2022 ዝነበረ ተመሳሳሊ እዋን ድማ ብ148 ዝወሓደ እዩ።

ሰብመዚ ፈረንሳ ኣብዚ ዓመት ልዕሊ 17,600 ሰባት ክሰጋገሩ ንዝነቐሉ ከም ዝኸልከሉ ይገልጹ። ሕጊ ባሕሪ ፈረንሳ ከም ዝድንግጎ፡ እቶም ሰባት ሓንሳብ ኣብ ማይ ምስ ኣተዉ ህይወት ንምድሓን እንተ ዘይኰይኑ ክመልሱዎም ከም ዘይክእሉ ይዛረቡ።