እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ዓባይ ብሪጣንያ፡ ምጥርናፍ ስድራቤታት ደው ኣቢላቶ
መንግስቲ ዓባይ ብሪጣንያ፡ ሓተትቲ ዕቝባ ስድራቤቶም ንምጥርናፍ ዘቕርቡዎ ሕቶ ዝሰምዓሉ ኣሰራርሓ ንግዜኡ ደው የብሎ ኣሎ።
ምኒስተር ውሽጣዊ ጉዳያት ይቨት ኩፐር፡ እዚ ካብዚ ሰሙን ጀሚሩ ኣብ ግብሪ ዝውዕል ስጕምቲ፡ ሓተትቲ ዕቝባ ኣባላት ስድራቤቶም ንምምጻእ ከምቲ ናይ ስደተኛታት ገደብ ክንበረሎም ምዃኑ ገሊጻ።
እዚ ማለት፡ ሓደ ሰብ እንተ ወሓደ ኣብ ዓመት 29,000 ፓውንድ ኣታዊ ክህሉዎን መንበሪ ከዳሉን ክሕተት ክኸውን ከሎ፡ እቲ ዝመጽእ ኣባል ስድራቤት ድማ መሰረታዊ ምልከት ቋንቋ እንግሊዝኛ ክህሉዎ ኣለዎ።
ጸሓፊ ውሽጣዊ ጉዳያት ክሪስ ፊልፕ፡ ንዓቐን ቅልውላው ጸጥታ ዶባት ዓባይ ብሪጣንያ ንምግጣም፡ "ሕግታት ምጥርናፍ ስድራቤት ምትዕርራይ እኹል ኣይኰነን፡" ኢሉ።
ባይቶ፡ ብንኣሽቱ ጀላቡ ገይሮም ናብታ ሃገር ድሕሪ ምእታዎም ኣብ ሆቴላት ብዛዕባ ዝዕቀቡ ዝምልከት ሓያሎ ነቐፌታታት ኣብ ዝቐረበሉ መዓልቲ እዩ ተኣኪቡ።
ትማሊ ሰኑይ፡ ይቨት ኩፐር፡ መንግስቲ ሓድሽ ሕቶ ምጥርናፍ ስድራቤት ንግዜኡ ደው ከብሎ ምዃኑ ገሊጻ።
እዚ ኣሰራርሓ'ዚ፡ ዕቝባ ዝተዋህቡ ሰባት ብዘይ ቅድመ-ዅነት ስድራቤቶም ከምጽኡ ዘኽእሎም ዝነበረ እዩ።
ኩፐር፡ እዚ ሕግታት ቅድሚ ብዙሕ ዓመታት ብዂናት፡ ግጭትን ስደትን ዝተበታተኑ ስድራቤታት ንምሕጋዝ ዝተፈጥረ ምዃኑ ገሊጻ።
ኣብዚ ግዜ'ዚ ግን ምስ ሕግታት ጐረባብቲ ሃገራት ዝሳነ ብዘይምዃኑ ገለ ለውጢ ከም ዘድልዮ ገሊጻ።
ኩፐር፡ ከም ብዓል ዴንማርክን ስዊዘርላንድን ዝኣመሰላ ሃገራት ኤውሮጳ፡ ስደተኛታት ምስ ስድራቤቶም ክራኸቡ ቅድሚ ምምልካቶም ክልተ ዓመት ክጽበዩ ከም ዝጠልባ ኣመልኪታ።
እዚ ድማ ሰባት ቅድሚ ስድራቤቶም ምምጽኦም ስራሕን መንበሪ ገዛን ንኽረኽቡ ግዜ ይህቦም።
ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ፡ ኣባላት ስድራቤቶም ክመጹዎም ድሕሪ ሓደ ወርሒ ኣቢሎም የመልክቱ። እዚ ድማ ዝበዝሕ ግዜ ካብቲ መዕቘቢ ቤት ቅድሚ ምውጽኦም እዩ ክትብል ኩፐር ትገልጽ።
በዚ ምኽንያት ድማ ብዙሓት ስደተኛታት ስድራቤታት ግዳም-ሓደር ንኸይኰኑ ንምምሕዳር ገዛ ይሓቱ።
ኣብ ገለ ከባቢታት፡ ናይ ስድራቤት ምትእኽኻብ ጉዳያት ልዕሊ ርብዒ ናይቶም ገዛ ዘይብሎም ጉዳያት ይዀኑ።
ኣብዚ ግዜ'ዚ፡ ስድራቤቶም ናብ ዓዲ እንግሊዝ ከምጽኡ ዝደልዩ ስደተኛታት፡ ሓያሎ ገደባት ንዘንብሩ ስሩዓት ሕግታት ኢምግረይሽን ከተግብሩ ክሕተቱ እዮም።
ኣብ ጉዳይ ምትእኽኻብ ስድራቤት ዝህሉ ተወሳኺ ለውጢ ኣብ መወዳእታ ናይዚ ዓመት ክግለጽ እዩ።
ክሳዕ ጽድያ ኣብ ዘሎ ግዜ ንምትግባር ድማ ዝዓለመ እዩ።
መንግስቲ ኣብ ዝሓለፉ ኣዋርሕ ብዛዕባ እቶም ብንኣሽቱ ጃላቡ ገይሮም ዝኣትዉ ስደተኛታት ዝነበሩ ዜናታትን ተቓውሞታት ኣብ ልዕሊ ኣብ ሆቴላት ዝቕመጡ ሓተትቲ ዕቝባን ጸቕጢ ኣጋጢሙዎ ኣሎ።
ነቲ ዝተገብረ ለውጢ ምላሽ ዝሃበ ክሪስ ፊልፕ፡ መንግስቲ ነቲ ቅልውላው ዶባት ከዐርዮ ዘይምኽኣሉ፡ ኣብ መላእ ሃገር ተቓውሞታት የስዕብ ከም ዘሎ ገሊጹ።
ወሲኹ ድማ፡ "እቶም ተቓውሞታት ሰላማዊ ኣብ ዝዀንሉ፡ ኣነ ይድግፎም እየ፡" ኢሉ።
"እዚ መንግስቲ፡ ነዚ ጸገም ንምእራም ዕቱብ እንተ ዝኸውን ነይሩ፡ ኣብዝን ኣብትን ዝግበሩ ንኣሽቱ ምትዕርራያት እኹላት ከም ዘይኰኑ ምፈለጠ፡" ኢሉ።
ፊልፕ፡ መንግስቲ ዋሕዚ ስደተኛታት ንምዕጋት፡ ነቲ ዝተሰረዘ ስደተኛታት ናብ ርዋንዳ ንምምላስ ዝነበረ ውጥን ክመልሶ ተማሕጺኑ።
መንግስቲ ሓተቲ ዕቝባ ዘጽልልሉ ዝነበሩ ሆቴላት ክሳዕ 2029 ኣብ ዘሎ ግዜ ከብቅዕ ቃል ኣትዩ ኣሎ።
ቀዳማይ ምኒስተር ኬር ስታርመር ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝገበሮ ቃለመሕትት፡ ነታ ዕለት ንቕድሚት ከቕርባ ከም ዝደሊ ገሊጹ፣ "ደቂ ዓዲ ነዞም ኣብ ከተማታቶም ዝርከቡ ሆቴላት ኣይደልይዎምን እዮም፡" ኢሉ።
ብተወሳኺ፡ ነቶም ሆቴላት ናጻ ንምግባሮም ዘሎ እንኮ ኣማራጺ ውሳነ ሕቶ ዕቝባ ብቕልጡፍ ብምምላስ፡ ዝተነጽጉ ሰባት ከም ዝምለሱ ምግባር ምዃኑ ሓቢሩ።
ይቨት ኩፐር፡ መንግስቲ ውዕል ሰብኣዊ መሰላት ኤውሮጳ (ECHR) ብኸመይ ከም ዝትርጐም ንምቕያር መደብ ከም ዘለዎ ገሊጻ።
እዚ ውዕል'ዚ፡ ጠበቓታት ነቶም ሕቶኦም ቅቡል ዘይኰነ ሰባት ከይስጐጉ ጽላል ዝህብ ኣህጉራዊ ውዕል ሰብኣዊ መሰላት እዩ።
ካብቲ ዋዕላ ክንወጽእ ወይ ንገለ ክፋሉ ደው ከነብሎ ዝማሕጸን ጻውዒታት እናዓበየ ይመጽእ ኣሎ።
መንግስቲ ካብ ውሳነኡ ንድሕሪት ከም ዘይምለስ እኳ እንተ ገለጸ፡ መሰል ህይወት ስድራቤት ኣብ ጉዳያት ኢምግረይሽን ብኸመይ ከም ዝምልከት ግን ይግምግም ኣሎ።
ዓቃባዊ ሰልፊ፡ ውዕል ሰብኣዊ መሰላት ኤውሮጳ (ECHR) ካብ ጉዳያት ኢምግሬሽን ክእለ ሓቲቱ፡
ብሪጣንያ ካብቲ ውዕል ምሉእ ብምሉእ ክትወጽእ ይግብኣ እንተዀይኑ ኣብ ምጽናዕ ይርከብ።
ሰልፊ ጽገና ዓባይ ብሪጣንያ ካብቲ ውዕል ክትወጽእ ይድግፍ።
ኩፐር ብተወሳኺ፡ መንግስቲ ብመሰረት ምስ ፈረንሳ ዝገበሮ ስምምዕ ናይ መጀመርታ ምምላስ ስደተኛታት "ኣብ መወዳእታ እዚ ወርሒ" ክኸውን ትጽቢት ከም ዘለዎ ገሊጻ።
ክሳዕ ሕጂ ኣብዚ ዓመት ልዕሊ 28,000 ስደተኛታት ብንኣሽቱ ጀላቡ ናብ ዓባይ ብሪጣንያ ኣትዮም ኣለዉ።
እዚ ድማ ካብቲ ኣብ 2024 ዝነበረ ተመሳሳሊ እዋን ንላዕሊ እዩ።
ኣብ ነሓሰ 55 ንኣሽቱ ጀላቡ ነቲ መትረብ ሰጊረንኦ፣ እዚ ድማ ድሕሪ 2019 ኣብ ወርሒ ነሓሰ ዝወሓደ እዩ።
ይዅን እምበር፡ ኣስገርቲ ኣብ ነፍሲወከፍ ጃልባ ዝያዳ ሰባት ዝጽዕኑ ይመስሉ - ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ብማእከላይ ገምጋም ኣብ ሓንቲ ጃልባ 65 ሰባት ነይሮም።