ብትእዛዝ ቤትፍርዲ ተሪፉ ዝነበረ ኤርትራዊ ካብ ዓዲ እንግሊዝ ናብ ፈረንሳ ተጠሪዙ

ሓደ ኤርትራዊ፡ ቤትፍርዲ ኣብ መወዳእታ ደቒቕ ናብ ፈረንሳ ንኸይምለስ ዝገበሮ ምድንጓይ ድሕሪ ምፍሻሉ፡ በቲ መንግስታት ዓባይ ብሪጣንያን ፈረንሳን "ሓደ ክኣቱ፡ ሓደ ይወጽእ፡" ዝብል ስምምዐን መሰረት ናብ ፈረንሳ ክምለስ ተገይሩ።

ቤትጽሕፈት ውሽጣዊ ጉዳያት ነቲ ናይ ሓሙስ ሕጋዊ ጉዳይ ንምዕዋት ብዛዕባ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ደቂ-ሰብ ዝምልከት ሕግታት ክጸንዕ ገይሩ። እዚ ምኒስተራት ኣብ ቤትፍርዲ ክዕወቱ ንመጀመርታ ግዜ ኰይኑ፡ ብመሰረት እቲ ውጥን ድማ እቶም ስደተኛታት ብቕጽበት ክምለሱ ኣኽኢሉ።

ሓደ ኢራናዊ ሰብኣይ ብዓርቢ ብንእሽቶ ቻልባ ገይሩ ንመትረብ እንግሊዝ ድሕሪ ምስጋሩ፡ ናብ ፈረንሳ ከም ዝተመልሰ ሰበስልጣን ገሊጾም።

ኣብ ፈለማ ናይዚ ሰሙኒ'ዚ፡ ካልእ ስደተኛ ክምለስ ምግባር ንግዜኡ ደው ኢሉ ጸኒሑ። ብድሕሪኡ፡ ሓደ ህንዳዊ ዜጋ ሕጋዊ ተቓውሞ ብዘይብሉ መንገዲ፡ ንመጀመርታ ግዜ ንመፈተኒ ናብ ፈረንሳ ክምለስ ተገይሩ።

ዓባይ ብሪጣንያንን ፈረንሳን ብንኣሽቱ ጀላቡ ኣቢሎም ንዝሰጋገሩ ንምዕጋት ዝዓለመ፡ ንሓደ ዓመት ዝጸንሕ ስደተኛታት ክለዋወጣ ተሰማሚዐን። እቲ ኣብቲ መትረብ ክነፍስ ዝቐነየ ንፋስ እናሃድአ ብምምጻኡ ድማ ትማሊ ዓርቢ ንግሆ ተወሰኽቲ ሰለስተ ጀላቡ ካብ ፈረንሳ ክነቕላ ተራእየን።

ዓባይ ብሪጣንያ ኣብ ዝመጽእ ሰሙን ንፈለማ እዋን ብመሰረት እዚ መደብ ሓተትቲ ዕቝባ ክትቅበል ትጽቢት ኣለዋ።

እቲ ኤርትራዊ ብመንገዲ ኣየር ፈረንሳ ኣቢሉ ብኣባላት ውሽጣዊ ጉዳያት ተሰንዩ ንፖሊስ ከተማ ፓሪስ ተረኪቡ። ንሱ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ናብ ፈረንሳ ብምምላሱ፡ "ኣዝዩ ሕማቕ፡" ከም ዝተሰምዖን እንታይ ከም ዝገብር ከም ዘይፈልጥን ገሊጹ።

ሰበስልጣን ፈረንሳ ናብ ማእከል መንበሪ ኣባይቲ ስደተኛታት ክውሰድ ምዃኑ ሓቢሮም ኣለዉ። ሓደው ኣብ ፈረንሳ ዕቝባ ክሓትት ወይ ድማ ናብ ዓዱ ክምለስ ሸሞንተ መዓልታት ኣለዋኦ።

እቲ "ሓደ ክኣቱ፡ ሓደ ይወጽእ፡" ዝብል ስምምዕ፡ ሰባት ብመንገዲ ኣሰጋገርቲ ጕዕዞኦም ከይጅምሩ ክገትእ ዝፍትን እዩ፣ ምኽንያቱ፡ ዳግማይ ክስደዱ ስለ ዝኽእሉ።

ሓደ ስደተኛ ናብ ፈረንሳ ኣብ ዝምለሰሉ እዋን፡ ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ዕቝባ ክረክብ ብቑዕ ምኽንያት ዘለዎ ካልእ ሰብ ከም ኣምሳያኡ ናብታ ሃገር ክኣቱ ከኽእል እዩ።

በዚ መሰረት፡ ቀዳማይ ናብ ዓባይ ብሪጣንያ ዝኣቱ ሰብ ኣብ ቀረባ ግዜ ትጽቢት ይግበር።

ጸሓፊ ንግዲ ፒተር ካይል ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ኣብዚ ሰሙን'ዚ ዝተገብረ ምምላስ፡ "ቀዳማይ ስጕምቲ እዩ፣ ካብዚ ንላዕሊ'ውን ክንውስኽ ኢና፡" ኢሉ።

ንሱ፡ ዓባይ ብሪጣንያ ክንደይ ሰባት ክትመልስ ትጽቢት ከም እትገብር ካብ ምግላጽ ተቘጢቡ፣ "ነዚ ኵነታት ንምግጣም ዘለና ዓቕሚ፡ ብቝጽሪ ኣይንድርቶን ኢና፡" ኢሉ።

ጸሓፊ ውሽጣዊ ጉዳያት ተቓዋሚ ሰልፊ ክሪስ ፊልፕ፡ ነቲ ምምላስ "ዘሕዝን" ክብል ብምግላጽ፡ ሰልፊ ዕዮ ክልተ ሰባት ጥራሕ ብምእላይ ክምስገን የብሉን፣ ንሳቶም ድማ ብኻልኦት ዝኣትዉ ክትክኡ እዮም ኢሉ።

እቲ ብዓርቢ ክምለስ ዝተገብረ ኤርትራዊ፡ ኣብ ነሓሰ ብንእሽቶ ጃልባ ናብ ዓዲ እንግሊዝ ዝኣተወ እዩ።

ኣብ 2019 ካብ ግዱድ ዕስክርና ሃገራዊ ኣገልግሎት ንምድሓን ካብ ቤቱ ወጺኡ። ቅድሚ ናብ ኤውሮጳ ምምጽኡ ኣብ ኢትዮጵያ፡ ደቡብ ሱዳንን ሊብያን ከም ዝነበረን ኣብ ፈረንሳ ኣብ ሕማቕ ኵነታት ጸኒሑ ናብ ዳንከርክ ከም ዝኣተወን ይዛረብ።

ትማሊ ሰሉስ ካብ ምምላስ ተሪፉ፡ ድሒሩ ካብታ ሃገር ክወጽእ ምግባሩ ንውጥን መንግስቲ ዝያዳ ኣገዳሲ እዩ።

እቲ ወዲ 25 ዓመት ኤርትራ፡ ቤትጽሕፈት ውሽጣዊ ጉዳያት ብዛዕባ ናይ ውሕስነት ሕቶኡ ዝያዳ መግለጺታት ክህብ ከም ዝኽእል ስለ ዝገለጸ እዩ ንግዜኡ ካብ ምምላስ ደው ኢሉ ነይሩ።

ጸሓፊት ውሽጣዊ ጉዳያት ሻባና ማሕሙድ ንሰበስልጣን ኣብ ዝሃበቶ መግለጺ፡ እቶም ከም ግዳያት ግልያነት ውሕስነት ዝሓቱ ሰባት ናብ ውሕስቲ ሃገር ድሕሪ ምምላሶም ጥርዓኖም ክቕጽሉ ከም ዝኽእሉ ገሊጻ።

ኣብዚ እዋን'ዚ፡ ኣስታት 100 ደቂ ተባዕትዮ ብመሰረት እቲ ውጥን ኣብ ከባቢ ሄትሮ ኣብ ዝርከባ ማእከላት ምምላስ ስደተኛታት ይርከቡ። ብንኣሽቱ ጃላቡ ናብ ዓዲ እንግሊዝ ድሕሪ ምእታዎም ዝተታሕዙ ኰይኖም፡ ናብ ፈረንሳ ካብ ምምላስ ዘትርፎም ምኽንያት ከም ዘይብሎም ተነጊሩዎም ኣሎ።

እቲ መደብ ኣብ መጀመርታ ነሓሰ ኣብ ግብሪ ካብ ዝውዕል ንደሓር፡ ኣስታት 5,590 ስደተኛታት ናብ ዓባይ ብሪጣንያ ኣትዮም ኣለዉ።