እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኤርትራ፡ ብዙሓት ሰባት ካብ ማእሰርቲ ተፈቲሖም
ሰብመዚ ኤርትራ ብዓሰርተታት ዝቑጸሩ ብሰንኪ እምነቶም ኣብ ቀይዲ ኣትዮም ዝጸንሑ ሰዓብቲ ወንጌላውያን ኣብያተ-ክርስትያን ከምዝፈትሑ ምንጭታት ሓቢሮም።
እቶም ኣብ ዝሓለፈ ሒደት መዓልታት ዝተፈትሑ ልዕሊ 40 ዜጋታት ኣብቲ ኣብ ከባቢ ኣስመራ ዝርከብ ወተሃደራዊ ቤትማእሰርቲ ማይ-ስርዋ ተታሒዞም ዝጸንሑ እዮም።
ኣብዚ ቀረባ እዋን ብኣማኢት ዝቑጸሩ ብተመሳሳሊ ኣገባብ ተኣሲሮም ዝነበሩ ኣባላት ናይተን ዝተኣገዳ ኣብያተ-ክርስትያን ምፍትሖም ይዝከር።
ኣብ ፈለማ ናይዚ ዓመት ኣብ ዞባ ጋሽ-ባርካ ኣብ ዝርከቡ ኣብያተ-ማእሰርቲ ዝነበሩ 13 ኣመንቲ ተለቒቖም ነይሮም።
ኣብ ወርሓት ሕዳርን ታሕሳስን ናይ 2025 ብዘይ ክስን ሕጋዊ መስርሕ ፍርድን ንዓመታት ተኣሲሮም ዝነበሩ ኣስታት 100 ሰዓብቲ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ብተመሳሳሊ ኣገባብ ወጺኦም እዮም።
ብዘይካ'ዚ፡ ንኣስታት 18 ዓመታት ኣብ ማይ-ስርዋ ተኣሲሮም ዝነበሩ፡ ነጋዶ፡ ኣባላት ሓይልታት ጸጥታ፡ ከምኡ'ውን ካልኦት ሞያውያን ዝርከብዎም ሓያሎ ሰባት ተፈቲሖም ምንባሮም ኣይርሳዕን።
ካብቶም ኣብ ዝሓለፈ ቀዳመ-ሰንበት ተፈቲሖም ናብ ስድራቤታቶም ዝተፋነዉ ግዳያት ማእሰርቲ፡ ደቂኣንስትዮን መጻምድቲን ዝርከብዎም እዮም።
ኣብታ ሃገር ፖለቲከኛታት፡ ጋዜጠኛታት፡ መምህራንን መራሕቲ ሃይማኖትን ዝርከብዎም ኣስታት 10,000 እሱራት ከምዘለዉን፡ ኵሎም ብህጹጽ ክፍትሑን ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ጸዊዑ ነይሩ።
ኣብ 2002 መንግስቲ ኤርትራ ንሓያሎ ካብተን እምነታት ብወግዒ ድሕሪ ምእጋዱ ንመራሕተንን ሰዓብተን ክኣስር ምጽንሑ ይፍለጥ።
ካብቶም ቀንዲ ንልዕሊ 21 ዓመታት ኣብ ማእሰርቲ ዝርከቡ መራሕቲ ሃይማኖት፡ ዶ/ር ክፍሉ ገብረመስቀል፡ ቀሺ ዶ/ር ፍጹም ገብረንጉስ፡ ቀሺ ዶ/ር ተኽለኣብ መንግስትኣብ፡ ቀሺ ገብረመድህን ገብረጊዮርጊስ፡ ፓስተር ኪዳነ ወልዱን ፓስተር ሃይለ ናይዝጊን ይርከብዎም።
እቶም እሱራት ኣብ ልዕሊኦም ዝቐረበ ወግዓዊ ክሲ ከምዘየለን፡ ዛጊት ኣብ ዝዀነ ቤትፍርዲ ከምዘይቀረቡን ሕቡራት ሃገራት ዝርከቦም ተሓለቕቲ ሰባዊ መሰላት ይግልጹ።
ሰብመዚ ኤርትራ ነቶም ብዘይፍርዲ ዝኣስርዎም ዜጋታት ምስ ሃገራዊ ድሕነት ምትእስሳር ከምዘለዎ እዮም ክምጉቱ ዝስምዑ።