እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
'ቻው ፖሊስ፡ ሄሎ ስክሪን' - ስማርት መደበር ፖሊስ ኢትዮጵያ
ኣብቲ መደበር ፖሊስ፡ ዕግርግር ዝርኣዮ ኵነታት የሎን፣ ዝተጨነቑ ሰባት የለውን፣ ዝርዝር ኣስማት ሖዞም ዝመጽኡ ፖሊስ'ውን ኣስማት ኣይጽውዑን።
እቲ ዝተለምደ ሃዋሁ መደበር ፖሊስ ኣብ ዘይብሉ፡ ኣብ ዝተፈላለየ ክፍሊ ዝርከቡ ኮምፒዩተራት ወይ ኣካል 'ድጂታዊ ሰውራ' ዝዀኑ ኣገልግሎት ወሃብቲ ጥራይ'ዮም ዝርኣዩ።
ሓደ ካብቶም ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ፈተነ ዝርከቡ ሰብ-ኣልቦ መደበር ፖሊስ ኣብ ቦሌ ይርከብ።
እዞም 'ስማርት' መደበራት ፖሊስ፡ ኣካል 'ድጂታዊ ሰውራ' እዮም ተባሂሎም ኣለዉ።
ኣብ መእተዊ ናይዚ መደብር ፖሊስ ኣብ ዝተሰቐለ ስክሪን፡ እንቋዕ ብደሓን መጻእኹም ዝብል መልእኽቲ ይንበብ፤ ስእሊ ቀዳማይ ምኒስተር ኣብይ ኣሕመድ'ውን ይርአ።
ኣብቲ መደበር ፖሊስ ዝርከቡ ኣካላት ጸጥታ፡ እቲ ድጂታዊ ስርዓት ብኸመይ ከም ዝሰርሕ የርእዩኻ። እዚ፡ ማእከል ቴክኖሎጂ እዩ ዝመስል።
ሓላፊ ምስፋሕ ቴክኖሎጂ እቲ መደበር ፖሊስ ኮማንደር ደምሴ ይልማ፡ ኣብቲ መደበር ፖሊስ ዝርከቡ ኣካላት ጸጥታ፡ ሰባት ኣጠቓቕማ እዚ ቴክኖሎጂ "ንኽላመዱ" ሓገዝ ከም ዝገብሩ ይዛረብ።
ንሱ፡ ናብ ሓደ ክፍሊ ብምእታው ነቲ ስክሪን ብምትንካፍ ሪፖርት ይገብር። እቲ ክስተት፡ ሓደጋ ትራፊክ ወይ ካልእ ስግኣት ድዩ ዝብል ንምፍላጥ ኣብቲ ስክሪን ካብ መንጎ ዝቐርቡ ዝርዝራት ንሓዲኡ ይመርጽ።
ድሕሪኡ፡ ሓደ ኣብ ካልእ ቦታ ዝርከብ ሰብ -ፖሊስ- በቲ ስክሪን ቀሪቡ እንታይ ከም ዝተፈጥረ ንምፍላጥ ሕቶታት የቕርብ።
"ጸገም እንተ'ልዩ፡ ኣካላት ጸጥታ ብህጹጽ ናብቲ ሪፖርት ዝተገብረሉ ቦታ ይበጽሑ፡" ክብል ኮማንደር ደምሴ የረድእ።
እቲ ስማርት መደበር ፖሊስ፡ ኣብ መወዳእታ ዝለሓፈ ወርሒ ስርሑ ካብ ዝጅምር ንደሓር ሰለስተ ሪፖርታት ተቐቢሉ። ንሶም ድማ ዝጠፍአ ፓስፖርት፡ ምትላል ፋይናንስን ዝተለምደ ቅሬታን እዮም ነይሮም።
ሰባት ብዛዕባ እቲ መደበር ፖሊስ ዘለዎም ግንዛብ ምስ ዝዓቢ፡ ብርክት ዝበሉ ጥቆማታት ከም ዘአንግድ ኮማንደር ደምሴ ይኣምን።
"ኣብ ቀጻሊ፡ ኣገልግሎት ፖሊስ ንህዝቢ ብቐረባ ተበጻሒ ክኸውን ኣለዎ፡" ይብል።
ስማርት መደበር ፖሊስ፡ ገበናት ሪፖርት ክግበሩ ከለዉ፡ ሰብ ምስ ሰብ ዝህሉ ርክብ ክንኪ ማለት እዩ። እኹል ሰራሕተኛታት ጸጥታ ኣብ ዘይብሎም መደበራት ፖሊስ ድማ ተበጻሕነት ኣገልግሎት ከም ዘስፍሕ ይግለጽ።
ቀዳማይ ምኒስተር ኣብይ ኣሕመድ፡ ነዚ ቴክኖሎጂ ኣብ ዘላለየሉ እዋን ኣብ ዘስምዖ ዘረባ፡ መስርሕ ምኽባር ሕጊ ከም ዝመሓየሽ ሓቢሩ።
እቲ ስማርት መደበር ፖሊስ፡ ብ9 ለካቲት 2026 ብወግዒ ስርሑ ክጅምር ከሎ፡ ኣገልግሎት ፖሊስ "ብዝሓሸ ቅልጣፈን ብቴክኖሎጂ ተሓጊዙን፡" ንዜጋታት ተበጻሒ ክኸውን'ዩ ክብል እቲ ቀዳማይ ምኒስተር ገሊጹ።
ኢትዮጵያ፡ ቅድሚ ሓሙሽተ ዓመት፡ "ድጂታል ኢትዮጵያ 2030" ዝብል መደብ ኣተኣታትያ። ነዚ ስዒቡ፡ ኣገልግሎት መለለዪ መንነት፡ ስርዓት ክፍሊት፡ ቤትፍርድን ካልኦት ህዝባዊ ኣገልግሎታትን ዝህቡ ትካላት ድጂታዊ ክዀኑ ኣለዎም ዝብል ምንቅስቓስ ጀሚራ እያ።
ተበጻሕነት ኢንተርነት ውሱን ኣብ ዝዀነላ ኢትዮጵያ፡ ብመንጽር ካልኦት ሃገራት ኣፍሪቃ ብቴክኖሎጂ ዝደሓረት እያ።
ኣብ ቀረባ ዓመታት፡ ኣብታ ሃገር ብዝተወልዑ ግጭታትን ኲናትን ኢንተርነት ብተደጋጋሚ ተቛሪጹ'ዩ።
ብኻልእ ወገን፡ ዓውዲ ተለኮም እናተመሓየሸ ብምምጽኡ፡ ስርዓት ድጂታዊ ክፍሊት ተስፋሕፊሑ ይርከብ።
ሃገራዊ መለለዪ መንነት ድጂታል ምዃኑን ትካላት መንግስቲ ዝህቡዎ ኣገልግሎታት ኣብ መርበብ ሓበሬታትን ዝርከቡ ክዀኑ ኣብ ምግባርን'ውን ለውጢ የርኢ ኣሎ።
ነዚ ድጂታዊ ኣሰራርሓ ዝድግፉ ሰባት፡ ቍጽሪ መንእሰያት ኣዝዩ ዝለዓለ ኣብ ዝዀነላ ሃገር ዝርአ ዘሎ ለውጢ ዘንጊዑ'ዩ ክብሉ ይምጕቱ።
ክኢላ ሶፍትዌር ኢንጂነሪን ዝዀነ ብርሃን ነጋ፡ በቲ ለውጢ ሕጉስ እዩ።
"ስራሕ ብኣግባቡ ክስራሕ ከሎ፡ ናብ ኣብያተ ጽሕፈት ምኻድን ናይ ወረቐት ምልልሳትን እዩ ዘትርፍ፡" ኢሉ።
ይዅን'ምበር፡ ምስዚ ዝለዓሉ ስግኣታት ድሕነት ኣለዉ።
"ድጂታዊ ፍልጠት ዘይብሎም ሰባት ብቐሊሉ ክታለሉ ይኽእሉ፡" ክብል የረድእ።
ዝበዝሑ ተጠቀምቲ ነበርቲ ከተማታት፡ መንእሰያት፡ ትካላት ንግዲን ብሓፈሻ ተጠቀምቲ ስማርትፎናትን ምዃኖም ይዛረብ።
እንተዀነ፡ "ንኣረጋውያን፡ ነበርቲ ገጠርን ትሑት ኣታዊ ዘለዎም ሰባትን ዘጠቓልል ኣይኰነን፡" ይብል።
ኣብ ኢትዮጵያ ድጂታዊ ተበጻሕነት ምዕሩይ ኣይኰነን።
ብመሰረት ትካል ትምህርቲ፡ ስነፍልጠትን ባህልን ሕቡራት ሃገራት (ዩኔስኮ) ዝሓለፈ ዓመት ዘውጽኦ ጸብጻብ፡ 79% ካብ ህዝቢ ኢትዮጵያ ኢንተርነት ከም ዘይረክብ ይሕብር።
ተንታኒ ፖሊሲ ቴክኖሎጂ ዘላለም ግዛቸው ከም ዝብሎ እንተዀይኑ፡ ስትራተጂ መንግስቲ ነቲ ናይ ቴክኖሎጂ ተበጻሕነት ክፍተት የጽብቦ እዩ ዘሎ።
"ሕጽረት ድጂታዊ ትምህርቲ ሕጂ'ውን ብድሆ እዩ። ስለዚ ትዅረት ስትራተጂ 'ድጂታል ኢትዮጵያ 2030' ኣብ ቴክኖሎጂ ጥራይ ዘይኰነ ኣብ ስልጠና'ውን ክኸውን ኣለዎ፡" ክብል ይገልጽ።
ዘላለም ኣብ ዝሓለፉ ሓሙሽተ ዓመታት ዝጭበጥ ለውጢ ከም ዝተራእየ ይዛረብ።
"ክፍሊት ድጂታል ብትሪልዮናት ብር ዓብዩ። ተበጻሕነት ኢንተርነት ብዓቢዩ ወሲኹ። ልዕሊ 130 ትካላት መንግስቲ ድጂታዊ ኣገልግሎት ክህባ ጀሚረን ኣለዋ። ኣብቲ ዓውዲ ዓብይ ወፍሪ ይግበር ኣሎ። ብዘይ መሰረተ ልምዓት፡ ፖሊሲን ክእለትን፡ ዘፈር መንግስታዊ ኣገልግሎት ክዝምን ኣይክእልን፡" ይብል።
እቲ ስማርት መደበር ፖሊስ ኣብዚ እዋን'ዚ ኣብ ፈተነ ይርከብ።
እቲ ድጂታዊ ስርዓት ንዜጋታት ዘላልዩ ዘለዉ ኣባላት ጸጥታ እዮም።
መብዛሕትኡ ሕብረተሰብ ሕጂ'ውን ብኣካል ናብ መደበር ፖሊስ ብምኻድ እዩ ጥርዓናት ዘቕርብ ዘሎ።
እቲ ስማርት መደበር ፖሊስ ክሳብ ክንደይ ከም ዝሰፍሐ ንምፍላጥ፡ ብዘይ ዝዀነ ናይ ጸጥታ ኣካላት ብአኡ ዝግልገሉ ሰባት ብዝሒ ክንርኢ ምጽባይ ከድልየና እዩ።