ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ዝጠሓለት ታንከር ነዳዲ ሩስያ ስለምንታይ ተዘራርብ ኣላ?

ንባብ: 3 ደቓይቕ

መጓዓዝያ ፈሳሲ ተፈጥሮኣዊ ጋዝ (LNG)- ዝዓይነታ ታንከር ሩስያ፡ ብነታጒን ባርዕን ምስ ተወቕዓት፡ ኣብ ማእከላይ ባሕሪ፡ ኣብ መንጎ ሊብያን ማልታን ከም ዝጠሓለት ሰበስልጣን ወደብ ሊብያ ገሊጾም።

ሩስያ፡ ዩክረይን ካብ ገማግም ባሕሪ ሊብያ ብዝተወንጨፋ 'ድሮናት ባሕሪ' ንመርከብ 'ኣርክቲክ ሜታጋዝ' ዒላማ ከም ዝገበረት ከሲሳ።

ኣገልግሎት ጸጥታ መንግስቲ ዩክረይን ኤስ.ቢ.ዩ ብዛዕባ'ዚ ክሲ ዛጊድ ርእይቶ ኣይሃበን፣ ብዓልመዚ ወደብ ሊብያ ድማ ጠንቂ ናይቲ ባርዕ ንጹር ከም ዘይኰነ ገሊጹ።

እቶም ሊብያውያን ሰብመዚ፡ እታ ታንከር ቅድሚ እቲ ፍንጀራ፡ ኣስታት 62,000 ቶን ፈሳሲ ነዳዲ ጽዒና ከም ዝነበረትን ካብ ወደብ ሲርተ-ሊብያ ንሰሜን ገጻ ኣስታት 240 ኪ.ሜ ከም ዝጠሓለትን ገሊጾም።

ምኒስትሪ መጓዓዝያ ሩስያ 30 ሩስያውያን ኣብ መርከብ ኣርክቲክ ሜታጋዝ ከም ዝነበሩ ሓቢሩ።

ምኒስተር ጉዳያት ውሽጢ ሃገር ማልታ ባይሮን ካሚለሪ፡ ዕጡቓት ሓይልታት ማልታ ብዘካየዱዎ ስርሒት ህይወት ኣድሕን፡ ኵሎም "ብህይወት ከም ዝተረፉ" ገሊጹ።

ድሕሪ እቲ ብሰሉስ ዘጋጠመ መጥቃዕቲ፡ እታ መርከብ ብሓዊ ከም ዝተቓጸለት ዘርኢ ዘይተረጋገጸ ናይ ለይቲ ተንቀሳቓሲ ስእሊ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ተዘርጊሑ ነይሩ።

ፍሉጥ ብሎገርን ኣማኻሪ ምኒስተር ምክልኻል ዩክረይንን ሰርሂይ ስተርነንኮ፡ ትማሊ ረቡዕ ንግሆ፡ ናይታ ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ዝጠሓለት ታንከር ዝበሎ፡ "ኣብ ክፍሊ ሞተር ከቢድ ነዃል ዝነበራን ካብ ጽገና ወጻኢ ዝዀነትን" መርከብ ኣሳእል ጠቂዑ።

እቶም ኣሳእል ካበይ ከም ዝመጽኡ ኣይነጸረን፡ ብናጻ ኣካል ድማ ኣይተረጋገጸን።

ፕረዚደንት ቭላድሚር ፑቲን፡ ንመንግስታዊ ተለቪዥን ሃገሩ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ "እዚ ግብረሽበራዊ መጥቃዕቲ'ዩ። ከምዚ ዝኣመሰለ ነገር ክፍጸም ድማ ንመጀመርታ ግዜ ኣይኰነን፡" ክብል ኰኒኑ።

ምኒስትሪ መጓዓዝያ ሩስያ ብወገኑ ነቲ ፍጻመ፡ "ተግባር ኣህጉራዊ ግብረሽበራን ሽፍትነት ባሕርን" ኢሉ ብምጽዋዕ፡ ሕብረት ኤውሮጳ ተሓባባሪ እዚ ተግባር ምዃኑ ከሲሱ።

ሞስኮ፡ እታ መርከብ - ኣርክቲክ ሜታጋዝ - ካብ ሰሜናዊ ወደብ ሩስያ ሙርማንስክ ከም ዝተበገሰትን ብመሰረት ዓለማዊ ሕግታት ዝሓለፈ ጽዕነት ሒዛ ከም ዝነበረትን ገሊጻ።

እታ መርከብ ናብ ፖርት ስዒድ - ግብጺ ትምርሽ ዝነበረ ኰይና፡ ከም ኣካል ናይቲ 'ምስጢራዊ መርከባት' ሩስያ እያ ትቝጸር።

እዘን ዓይነት መራኽብ ብምዕራባውያን ሃገራት ሰፊሕ እገዳ ዝተገብረለን እየን።

እቲ ምኒስትሪ፡ እታ ታንከር ብናይ ዩክረይን ድሮን-ባሕሪ መጥቃዕቲ ከም ዝተፈጸማ ዘመልክት መርትዖ ኣይሃበን፤ እንተዀነ ኣብ ገማግም ባሕሪ ሊብያ መጥቃዕቲ ከም ዝተፈጸመ ዘይተረጋገጸ ጸብጻባት ነይሩ።

ኤስቢዩ፡ ንቢቢሲ ዩክረይን ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ብዛዕባ "ኵነታት እታ ታንከር ኣብ ማእከላይ ባሕሪ" ርእይቶ ከም ዘይብሉ ሓቢሩ - ዋላ'ኳ ምስ መንግስቲ ዩክረይን ዝተኣሳሰር ማሕበራዊ መራኸቢታት ዩናይትድ 24፡ እተን ድሮናት፡ 'ምናልባት' ናይ ዩክረይን ኣይኰናን እንተ በለ።

መረዳእታ ምክትታል ባሕሪ ከም ዘመልክቶ፡ ቅድሚ እቲ ባርዕ ኣብ ዝነበረ መዓልቲ፡ እታ ታንከር ንመወዳእታ ግዜ ካብ ደቡባዊ ምብራቕ ገማግም ባሕሪ ማልታ ትጓዓዝ ከም ዝነበረት ጸብጺቡ።

እቲ ባርዕ ኣብ ዝተልዓለሉ እዋን ርሑቕ ተጓዒዛ ስለ ዝነበረት፡ እቶም ሰራሕተኛታት እታ መርከብ ነቲ ኣውቶማቲክ መለለዪ ስርዓታ ከም ዘቋረጽዎ ይግመት።

ሩስያ ንወራር ዩክረይን ንምምዋል፡ ካብ ዓለማዊ እገዳታት ንምምላጥ ኣብ እትገብሮ ፈተነ፡ ቍጽረን እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ ዓይነታት መራኽብ ነዳድን ጋዝን ንምጕዕዓዝ ኣዋፊራ ኣላ።

እዘን ዓይነት መራኽብ፡ ብዓቢዩ ነዊሕ ዓመታት ዝገበረ ታንከራት ዝሓዛ ኰይነን፡ ብዙሓት ዋንነት ወይ ድሩት መድሕን ዘለወን እየን።

ሩስያ ኣብ ዩክረይን ብ2022 ዝጀመረቶ ምሉእ ወራር ስዒቡ፡ ኪየቭ ድሮናት ሓይሊ ባሕሪ ተጠቒማ ኣብ ልዕሊ ከምዚአን ዝኣመሰላ መራኽብ ብርክት ዝበሉ መጥቃዕትታት ኣካይዳ ኣላ።

ይዅን እምበር፡ ዳርጋ ኵሉ እቲ መጥቃዕትታት ኣብቲ ሩስያን ዩክረይን ክልቲአን ዝዳወባሉ ጸሊም ባሕሪ ጥራይ እዩ ተኻይዱ ነይሩ።