እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
መሓዙት ኢራን፡ ሩስያን ቻይናን ናበይ ኣተዋ?
ዓባይ ብሪጣንያ፡ ኣብ እዋን ኲናት ኣመሪካን እስራኤልን ምስ ኢራን፡ ዋሽንግተን መደበራት ኣየር ን"ምክልኻላዊ" መጥቃዕቲ ክትጥቀመሉ ምስ ፈቐደት፡ ቴህራን ካብ ካልኦት ሃገራት እንታይ ደገፍ ክትረክብ ትኽእል ዝብለ ኣቓልቦ ስሒቡ ኣሎ።
ብፍላይ ሩስያን ቻይናን ክልቲአን ምስታ እስላማዊት ሪፓብሊክ ጽኑዕ ዲፕሎማስያዊ፡ ንግዳውን ወተሃደራውን ምትእስሳር ኣለወን።
እንተኾነ ግን ናብዚ ግጭት ክሳብ ክንደይ ኢደን ከእትዋ ድልዋት እየን ዝብል የዘራርብ ኣሎ።
ዓው ዝበሉ ቃላት፡ ግን ድሩት ድጋፍ ካብ ሩስያ
ሞስኮ፡ ሓባራዊ መጥቃዕቲ ኣመሪካን እስራኤልን ኣብ ልዕሊ ኢራን ዓው ኢላ ብምኹናን ቁጥዐን ሓዘናን ንቴህራን ገሊፃ ኣላ።
እንተዀነ ጋዜጠኛ ቢቢሲ ኒውስ ሩስያዊ ሰርጌይ ጎርያሽኮ፡ ሩስያ ብቐጥታ ናብቲ ግጥም ጐቲቱ ካብ ዘእቱ ስጉምትታት ተዓቂባ ኣላ- ይብል።
ወሃቢ ቃል ክረምሊን ዲሚትሪ ፔስኮቭ፡ እቲ ኣብ መንጎ ዋሽንግተንን ቴህራንን ዝርርብ እናተኻየደ እንከሎ፡ እቲ ኩነታት "ናብ ፍጹም ምጥቕቓዕ ምውራዱ" ዓᎁቕ ሓዘን ከምዝፈጠረሉ ተዛሪቡ።
ሞስኮ፡ ምስ መሪሕነት ኢራንን ምስተን በቲ ወጥሪ ዝተሃሰያ ሃገራት ወሽመጥ ዓረብን፡ ቀጻሊ ርክብ ከምዘለዋ ገሊፃ።
ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ሩስያ ነቲ ፖለቲካዊ ቅንፀላ፡ "ሃድን" መራሕቲ ሓንቲ ልኡላዊት ሃገራት ከምዝኰነ ብምቝፃር፡ ኮኒኑ።
ብሰንበት ፕረዚደንት ቭላድሚር ፑቲን ብዛዕባ ቅትለት ላዕለዋይ ሃይማኖታዊ መራሒ ኢራን ኣያቶላህ ዓሊ ኻመኒ ንፕረዚደንት ኢራን ማሱድ ፔዘሽክያን፡ ናይ ጽንዓት ይሃብኩም መልእኽቲ ብምስዳድ፡ "ዘይተኣደበ ጥሕሰት ሰብኣዊ ሞራልን ዓለማዊ ሕግን" ክብል ገሊጽዎ።
ይኹን እምበር፡ ክረምሊን ብፍላይ ኣብ ልዕሊ ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ፡ ውልቃዊ ነቐፌታ ካብ ምስማዕ ተቘጢቡ።
ችኳ'ደኣስ፡ ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ንዝገበሮ ናይ ሽምግልና ጻዕርታት ምስጋና ይገልጽ ኣሎ።
ፔስኮቭ፡ ሞስኮ ድሕሪ ሕዚ ንዋሽንግተን ብኸመይ ክትኣምና ከምእትኽእል ንዝቐረበሉ ሕቶ፡ ፡ ሩስያ "ቅድሚ ኩሉን ልዕሊ ኩሉን ንርእሳ ጥራይ እያ እትኣምን"ን ንረብሓኣ ትከላኸልን ዝብል መልሲ ሂቡ።
እቶም ረብሓታት፡ ቴህራን ኣብ ወራር ዩክረይን ሓንቲ ካብተን ዝቐረባ መሓዙት ሞስኮ ኮይና፡ ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ተቕርብ።
ሩስያ ካብ እገዳ ምዕራባውያን ንምህዳም እትኽእለሉ መገድታት ከተማዕብል ትሕግዛ'ኳ እንተሃለወት፡ ሩስያ ንኢራን እትህቦ ደገፍ ካብ ቃላት ዝዝለለ ኣይኰነን ይብል- ተንታኒ ቢቢሲ ።
ኢራን ምስቲ ዘለዎ ራእይ 'ብዙሕ-ቀፅራዊ' ዓለማዊ ስርዓት እውን ትሰማማዕ እያ።
ኣብዚ ስርዓት እዚ፡ መሰላት መንግስታት ልዕሊ ሰብኣዊ መሰላት ኣገዳሲ እዩ። መንግስታት ድማ ኣብ ውሽጢ ሃገር ስፍሕ ዝበለ ቁጽጽር ይገብሩ።
ውድቀት ከምዚ ዓይነት መንግስቲ ነቲ ዓለማዊ-ስርዓት ዓብዪ ጽፍዒት እዩ።
ማዕረ ማዕሪኡ፡ ክረምሊን ኣብ ቬንዙዌላ ይኹን፡ ኣብ ሶርያ ይኹን፡ ከምኡ'ውን ኣብቲ ዝሓለፈ ክረምቲ ኣብ 2025 ኣብ መንጎ እስራኤልን ኢራንን ዝተኻየደ ናይ 12 መዓልታት ኲናት፡ ንመሻርኽታ ክትብል ናብ ሓደጋ ከምዘይትኣቱ ቅድሚ ሕዚ ኣርእያ እያ።
ምናልባት'ውን፡ ሩስያ ኣብ ዩክረይን ተወጢራ ስለዘላ፡ ካብ ዲፕሎማስያዊ ደገፍን ወተሃደራዊ ቴክኒካዊ ምትሕብባርን ዝዘለለ ድጋፍ ክትህብ ድሌት ዘይብላ ትመስል።
እቲ ብ17 ጥሪ 2025 ዝተኸተመ ውዕል ስትራተጂካዊ ሽርክነት ሩስያን ኢራንን፡ ውዕል ሓድሕዳዊ ምክልኻል ካብ ምዃን ደው ይብል።
ሞስኮን ቴህራንን ሓበሬታ ንምክፋል፡ ሓባራዊ ልምምድ ንምክያድን "ዞባዊ ጸጥታ ንምርግጋጽን" ቃል ኣትየን'ኳ እንተነበራ፡ መጥቃዕቲ እንትበፅሐን ግን ንሓድሕደን ክከላኸላ ኣየተተሰማማዓን።
ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ዘሎ ቁጠባዊ ርክብ'ውን ትሑት ኮይኑ፡ ንግዳዊ መጠን፡ ኣብ መንጎ $4–$5 ቢልዮን ጥራይ ይርከብ።
ወተሃደራውን ኢንዱስትርያውን ምትእስሳር ግን እናዓበየ ይኸይድ ኣሎ።
ኣብ ወርሒ ለካቲት፡ ጋዜጣ ፋይናንሻል ታይምስ፡ ሩስያ ንኢራን 500 ሚልዮን ዩሮ ዝግመት ተንቀሳቓሲ ስርዓታት ምክልኻል ኣየር ቨርባ ከም እተቕርባ ዝገልጽ ዓቢ ስምምዕ ጸብጺባ ነይራ።
ኢራን ያክ‐130 ናይ ልምምድ ነፈርቲ፡ Mi‐28 ናይ መጥቃዕቲ ሄሊኮፕተራት ተቐቢላ ኣላ።
ሩስያ ገና እተን ስርዓታት ቨርባ እኳ እንተዘይኣቕረበት፡ ሱ‐35 ዝዓይነተን ነፈርቲ ውግእ ድማ ትፅበ ኣላ።
ኣብ ኢራን ዝስርሓ ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ሻሂድ፡ ሓይልታት ሩስያ ኣብ ግንባር ዩክረይን ዝነበሮም ዓብላለንት ብዓቢኡ ቀይርዎ እዩ።
ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ግን፡ ሞስኮ ብገዛእ ርእሳ ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ብምስራሕ፡ ኣብ ኣጽዋር ኢራን ዝነበራ ተጸባይነት ብቕልጡፍ ኣጉዲላቶ።
ኢራን፡ ንሞስኮ ኣዝያ ጠቓሚት'ያ፡ ክትወድቕ ክትርኢ ኣይትደልን። ግን ክትዋደቐላ እትኽእል ኣገዳሲት ሃገር ኣይኮነትን።
እቲ ስልሖት ክቕየር ይኽእል እዩ፡ ንሕጂ ግን ምትእትታው ሩስያ ብዓቢኡ ኣብ ቃላት ጥራይ ዝተሓፀረ ክኸውን ተኽእሎ ኣሎ።
ቻይና፡ ቁጠባዊ ምንጪ ኢራን
ቻይና ንቕትለት ኣያቶላህ ዓሊ ኻመኒ ብትሪ ኮኒናቶ እያ።
ብታሪኽ ድማ ኣብ መላእ ዓለም ብኣመሪካ ንዝግበሩ ናይ ስርዓት ለውጥታት ትቃወም እያ።
ኣብ ሕመረት ምትእስሳር ቻይናን ኢራንን፡ ንክልቲአን ቁጠባዊ ሽርክነት ከምዘሎ ሻውን ዩዋን ካብ ኣገልግሎት ዓለም ቢቢሲ ዓለምለኻዊ ኣሃዱ ቻይና ይዛረብ።
ቻይና ዝዓበየት ንግዳዊት መሻርኽቲ ኢራንን ኣገዳሲት ዓሚል ነዳዲ ኢራንን እያ።
ዋላ'ኳ ንዓመታት ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ኢራን ሓያል እገዳ ኣንቢራ እንተጸንሐት፡ ቤጂንግ ግን ቁጠባዊ ህይወት ቴህራን ኮይና ጸኒሓ'ያ።
ብመርበብ "ሚስጢራዊ መራኽብ" [ghost fleets] ዝበሃላ፡ ብሓሶት ዝተመዝገባ መራኽብ ኣቢላ፡ ብሕሱር ዋጋ ብብዝሒ ነዳዲ ትዕድግ።
ንኣብነት ኣብ 2025፡ ቻይና ልዕሊ 80 ሚኢታዊት ነዳዲ ኢራን ዓዲጋ፡ ካብ ዕድጊ ቻይና ዝረኸበቶ እቶት ድማ ዋላ'ውን ዕዳጋታት ምዕራባውያን ኣብ ዝተዓጽወሉ እዋን፡ ኢራን ቁጠባኣ ከተረጋግእን ወጻኢታት ምክልኻል ክትምውልን ሓጊዙዋ እዩ።
ኣብ 2021 ዝተኸተመ ናይ 25 ዓመታት ስትራተጂካዊ ስምምዕ፡ ነቲ ዝምድና ዘደልደሎ ኮይኑ፡ ቻይናውያን ኣብ ትሕተ ቅርጽን ቴሌኮሙኒኬሽንን ኢራን ኣማኢት ቢልዮናት ወፍሪ ከምእዝገብሩ ቃል ዝተኣትወሉ እዩ።
ንነዊሕ ዝዓለመ ጸወታ ቻይና
ቻይና ኣብ ወጥሪ ኣመሪካን እስራኤልን ምስ ኢራን፡ ኣቀራርባኣ ኣብ ስትራተጂካዊ ምክልኻል ዝተመርኮሰ ነይሩ።
ኣብ ዝሓለፈ ኣብ መንጎ ኢራንን እስራኤልን ኣብ ዝተኻየደ ግጭት፡ ቻይና ንቴህራን ከም ዲፕሎማስያዊ ዋልታ ኮይና ተዋሲኣ፡ ንናይ ቬቶ ስልጣን ተጠቒማ፡ ንውሳነታት ሕቡራት ሃገራት ከተበርዕኖ ጸኒሓ።
ይኹን እምበር ቻይና ቀጥታዊ ወተሃደራዊ ምትእትታው ገይራ ኣይትፈልጥን።
ስትራተጂ ቤጂንግ፡ ኣመሪካ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ወትሩ ጠሊቓ ክትፀንሕ እዩ ዝደሊ።
ኣብ ቴህራን ደጋፊ ምዕራባውያን ስርዓት ምትካል ንቻይና ኣዕናዊ ጂኦፖለቲካዊ ስዕረት ክኸውን'ዩ።
ምኽንያቱ ቴህራን፡ ምንጪ ነዳዲ ጥራይ ዘይኮነትስ፡ ብፖለቲካዊ መዳይ'ውን ንጽልዋ ኣመሪካ ኣብቲ ዞባ ሚዛን ኣብ መትሓዙ ዓቢ እጃም'ዩ ዘለዋ ።
ኢራን ኣባል ብሪክስን ትካል ምትሕብባር ሻንጋይን ኮይና፡ ንማእከላይ ኤስያን ማእከላይ ምብራቕን ዘራኽብ ቁልፊ ጂኦግራፍያዊ መተሓላለፊ ኮይና ተገልግል።
ምፍራስ እዛ እስላማዊት ሪፓብሊክ፡ እቲ ሞስኮን ቤጂንግን ከሐይልኦ ዝጸንሓ ብዙሕ-ቀፅራዊ ስርዓት [ማልቲፖላር] ከዳኽም ይኽእል እዩ።
ኣመሪካን እስራኤልን ኣብ ልዕሊ ኢራን ሙሉእ ወራር እንተዘይኣካይደን፡ ኣብኡ ዘሎ ፖለቲካውን ወተሃደራውን መሓውራት ክቕጽል ይኽእል እዩ።
ቤጂንግ ነቲ ንቡር ሜላ ክትጻወት እያ፡ ንኻመኒ ዝትክእ መራሒ ኢራን ክትሕዘ ክትሓስብ'ያ፤ ሩስያ ድማ ናይ ገዛእ ርእሳ ዕድላት ሃሰውሰው ክትብል እያ።