ውድድራት 'መን ረጎደ' ብምክያድ ሓድሽ ዓመቶም ዝጽንብሉ ኢትዮጵያውያን

ምንጪ ስእሊ, TIGABU GOROGI
ብዛዕባ ኣካላዊ ክብደትካ ክትጭነቕ ትኽእል ኢኻ፣ ንግሆን ምሸትን ኣካላዊ ምንቅስቓስ ትገብር፣ ወይ ድማ እትበልዖም መግብታት ትመርጽ፣ መዓልታዊ መደብ ኣመጋግባ ተዘውትር ትኸውን።
ኣብ ኢትዮጵያ ዞባ ደቡብ ኦሞ ወረዳ ሰላማጎ ዝርከቡ ሕብረተሰብ ቦዲ ግን ሓድሽ ዓመቶም ንምቕባል ንነብሶም ኣዐርዮም ይቕልብዋ ኣለዉ።
ኣባላት ሕብረተሰብ ቦዲ ሓድሽ ዓመቶም ሓድሽ ክዳውንቲ ብምግዛእ ወይ ኣቑሑት ገዛ ብምቕያር ኣይኰኑን። እንታይ ደኣ ንኣዋርሕ ዝተፈላለዩ መግብታት ዒቕ ክሳዕ ዝብሎም እናበልዑ'ዮም ዝቕበልዋ።
ቦዲ ንሓድሽ ዓመቶም 'ከኤል' ኢሎም ይጽውዕዎ። ኬኤል ፍሉይ ትርጕም የብሉን። ለውጢ ወቕቲ ወይ ፍሉይ በዓል ሓድሽ ዓመት ማለት እዩ።
ካብቲ ማሕበረሰብ ብድሌቶም ዝተመረጹ መንእሰያት ጥቓ ሩባ ኣብ ዝርከብ ጽላል ዘለዎ ቦታ ንሰለስተ ወርሒ ወይ ልዕሊኡ ይቕመጡ።
ካብ ካልእ መግብን መስተን ተቘጢቦም ደምን ጸባን ላሕሚ ጥራይ እናሰተዩ ክሳብ እቲ ሓድሽ ዓመት ዝበጽሕ ኣብኡ ይጸንሑ።
ዓበይቲ ዓዲ እቲ ሕብረተሰብ እቲ በዓል ዝኽበረሉ ዕለት ኣብ ዝወሰኑላ መዓልቲ ካብቲ ዝጸንሕሉ ቦታ ተንቀሳቒሶም ብባህላዊ መሳርሒ ሙዚቃ እናተዓጀቡ ኢድ ብኢድ ተተሓሒዞም ይስዕስዑ።
እዞም ሰብኡት ኣብቲ ፈስቲቫል ንኣስታት ሰለስተ ኣዋርሕ ዝቕለቡ ዘለዉ ኣብ መዓልቲ ፈስቲቫል ክለሃዩ ጥራሕ ዘይኰነስ፡ 'መን ዝያዳ ረጎደ?' ውድድር የካይዱ።
ተዓወቲ ናይቲ ውድድር ድሕሪ ፈስቲቫል ብዝግበር መምዘኒታት ዝውሰን እዩ። ኣብ እዋን ሳዕስዒት ሽማግለታት እቲ ሕብረተሰብ መን ኣብ ጽቡቕ ኵነታት ከም ዘሎ ብምዕቃን ነቲ ምዕባለ ይከታተሉ።
ኣብ ዕለተ ሓድሽ ዓመት ድማ ትሕቲ ክሳድን ልዕሊ እግሪን እቶም ሳዕሳዕቲ ብምዕቃን ተዓዋቲ ይውስኑ።
ቀጺሉ፡ ስም ናይቲ ተዓዋቲ ዝተወለደሉ ዓሌት 'እከለ' ተባሂሉ ይጽዋዕን ይእወጅን።
'ኩስቶ' ዝረጎደሉ ዓመት ተባሂሉ'ውን ብወግዒ ይእወጅ።
ኣብዚ ውድድር ዝሰዓረ ሰብ ካብቲ ዝወሃብ ኣፍልጦ ንላዕሊ ዝረኽቦ ሽልማት ይዅን ስልጣን የለን።
ምድላዋት ኪኤል
ቅድሚ እቲ በዓል ዝተፈላለዩ ባህላዊ ስነ-ስርዓታት ይካየዱ። ካብዚኦም እቲ ዝዓበየ መንእሰያት ንኽረጉዱ ዝግበር ናይ ምገባ መደብ'ዩ።
ኣብቲ ስነ-ስርዓት ክሳተፉ ፍቓደኛታት ዝዀኑ ደቂ ተባዕትዮ ቅድሚ ናብቲ ናይ ምገባ መደብ ምእታዎም ከብዶም ብመበቈላውያን መድሃኒት ክሕከሙ ወይ ክሕጸቡ ኣለዎም።
ነዚ ድማ ቈጽሊ ቡን ምስ ካልኦት ኣትክልቲ ተሓዋዊሱ ብዝተሰናድአ መስተ ከብዶም ይሕጸቡ። ዋላ እኳ ቢቢሲ ጥቕሚ ይዅን ጕድኣት እዞም ኣትክልቲ እንተ ዘይኣረጋጊጸ፡ እቶም ኣትክልቲ ኣብ ከብዲ ዝርከቡ ጽግዕተኛታት ናይ ምውጋድ ዓቕሚ ከም ዘለዎም እቲ ሕብረተሰብ ይኣምን።
ኣብዚ ውድድር ደቂ ኣንስትዮ ኣይሳተፋን እየን።
ሓላፊ ክፍሊ ባህልን ቱሪዝምን እቲ ዞባ ኣቶ ታደሰ ቃየ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ እቲ ሕብረተሰብ ደቂ ኣንስትዮ ክብደት ክውስኻ ከም ዘይደሊ ገሊጹ።
ብመሰረት እቲ ሓላፊ፡ ደቂ ኣንስትዮ ንነብሰን ከጋጥመን ካብ ዝኽእል ሓደጋ ንምክልኻል ኣብቲ ውድድር መን ዝያዳ ረጎደ ኣይሳተፋን እየን።
ስለዚ፡ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ምቕራብ መግቢን ምእላይ ተሳተፍቲን ዓብዪ ግደ ኣለወን።
ሽማግለታት እቲ ከባቢ እውን ነቲ መስርሕ ብቐረባ ይከታተልዎ። መዓልቲ ኣኺሉ እቲ ኣመና ዝረጎደ ሰብ ክሳብ ዝምረጽ ከብዲ፡ ምዕጕርትን ጭሕምን ተሳተፍቲ ይዕቅኑ።
ኣብቲ መስርሕ ዝዀነ ቃንዛ ዝተሰምዖ ተወዳዳራይ እንተ'ልዩ ካብቲ ውድድር ኣቋሪጹ ክወጽእ ይሕተት። "መብዛሕትኡ ግዜ ግን ውድድር ስለ ዝዀነ፡ ኣቋሪጹ ዝወጽእ ሰብ ዳርጋ የለን፡" ይብል ኣቶ ታደሰ።

ምንጪ ስእሊ, TIGABU GOROGI
ከኤል
ሓድሽ ዓመት ናይቲ ሕብረተሰብ ዓመት መጸ ኣብ ወርሒ ሰነ'ዩ ዝኽበር። ይዅን እምበር እቲ በዓል ዝካየደሉ ዕለት ብዓበይቲ ዓዲ እቲ ሕብረተሰብ'ዩ ዝውሰን።
እዞም ሰብኡት ንኣዋርሕ ብዘይ መጠን እናተቐለቡ ስለ ዝጸንሑ ኣካላቶም ስለ ዘይምእዘዞም ክለሃዩ ይጽገሙ'ዮም።
ኣሽንኳይዶ እግሮም ከልዕሉ፡ ከምቲ ባህሎም ክስዕስዑ ኣይክእሉን። ነባሪ እቲ ከባቢን ሓላፊ ክፍሊ መንእሰያትን ስፖርትን ዞባ ደቡብ ኦሞ ኣቶ ተጋቡ ጎረቢ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ገለ ካብኣቶም መቐመጭኦም፡ ኣፍልቦምን ከብዶምን ከም ዝስንጠቕ ሓቢሩ።
ኣብዚ እዋን'ዚ እተን ኣብ ግዜ ሳዕስዒት ዝከናኸናኦም ደቂ ኣንስትዮ ኣባላት ስድራኦም ሓመድ ሒዘን ደድሕሪኦም እናሰዓባ ኣብቲ ዝተሰንጠቐ ክፋል ኣካላቶም ይንስናሳሎም።
ረሃጾም ብምድራዝ፡ ህያባት ብምሃብን ጸባ ላሕሚ ብምቕራብን እውን ፍቕረን ይገልጻሎም።
እዞም ሕብረተሰብ ነዚ ሓድሽ ዓመቶም ዘኽብሩ እቲ ዝዛዝምዎ ዘለዉ ዓመት ብዘይ ገለ ጸገም ይሳገርዎ ከም ዘለዉን እቲ ዝቕበልዎ ዘለዉ ሓድሽ ዓመት ድማ ሰናይ ዘበን ክዀነሎም ብምምናይ'ዩ።
እቲ ጽምብል መጠን ሃብቶም ንምርኣይ እውን ይጥቀምሉ። ኣብዚ ውድድር ዝሳተፉ መንእሰያት ደቂ ተባዕትዮ ብዙሕ ከብትን ጥሪትን ዘለዎም ሰባት'ዮም።
ካብዚ ብተወሳኺ፡ እቲ በዓል እንተ ዘይኣኽቢሮም ብሕማም ክጥቅዑ ከም ዝኽእሉ'ዮም ዝኣምኑ። ስለዚ ድማ እዮም ከም ባህሎም ኣዋርሕ ዝወሰደ ምድላዋት ገይሮም ሓድሽ ዓመቶም ዘብዕሉ።

ምንጪ ስእሊ, TIGABU GOROGI
ሰበስልጣን ናይቲ ከባቢ፡ ነቲ ፍጻመ ሽማግለታት ብቐረባ ስለ ዝቈጻጸርዎ ተደጋጋሚ ጸገም ከም ዘየለ ይገልጹ።
እቶም እምበረ መጠን ዝሃጠሩ ደቂ ተባዕትዮ ድሕሪ እቲ ስነ-ስርዓት ናብቲ ቅድሚ ሕጂ ዝነበሮም ኣመጋግባን ኣነባብራን ይምለሱ፡ ክብደቶም ድማ ይንኪ።
ይዅን እምበር ቅድሚ ሓሙሽተ ዓመት ሓደ ካብ ተወዳደርቲ ካብ ኮፍ መበሊኡ ክትንስእ ኣብ ዝፈተነሉ እዋን ከብዱ ተተኵሱ ከም ዝሞተ ኣቶ ታደሰ ንቢቢሲ ሓቢሩ።
ኣብ ዩኒቨርስቲ ኣዲስ ኣበባ ክፍሊ መግብን ኣመጋግባን መምህር ፕሮፌሰር ቃላኣብ ባዩ፡ እዞም ደቂ ተባዕትዮ ብቐንዱ ኣብ እዋን ምገባ ፕሮቲንን ስብሕን ከም ዝበልዑ ይዛረብ።
ካብ ደምን ጸባን መኣዛታት እኳ እንተ ረኸቡ፡ ሓይሊ ካብ ዝህቡ መግብታት ኣብነት ኣሕምልትን ፍረታትን ግን ይስእኑ።
ይዅን እምበር፡ ንኣዋርሕ ኣብ ዝተደረተ ኣመጋግባ ምህላው ከስዕቦ ዝኽእል ውጽኢት ንምፍላጥ ተወሳኺ መጽናዕቲ ከም ዘድልዮ ይዛረብ።
ልዕሊ 20,000 ኣባላት ከም ዘለዎ ዝንገረሉ ማሕበረሰብ ቦዲ ንዘበናት በዓል ሓዱሽ ዓመት ከብዕል ጸኒሑ እዩ።
እዚ ትውፊት ቅድም ክብል ከም ጎዳኢ ልምዲ ይቝጸር ከም ዝነበረ ዝሓበረ ኣቶ ታደሰ፡ "ሕብረተሰብ ባህሉ ምዃኑ ስለ ዝኣመነ እቲ ባህሊ ጎዳኢ ከይከውን ግንዛበ ንምፍጣር ጻዕርታት ይግበር ኣሎ፡" ኢሉ።
ጽምብል ሓድሽ ዓመት ሎሚ ዓመት እውን ክኽበር ትጽቢት ይግበር፡ እዚ ጸብጻብ ክሳብ ዝጽሓፍ ግን ዕለቱ ኣይተነጸረን ዘሎ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







