ኣብ እንግሊዝ ናብ ጨረታ ቀሪቡ ኢትዮጵያ ብምቅዋማ ዝተስሓበ ሓድጊ እንታይ’ዩ?

እቲ ዋልታ ኣብ እዋን ኲናት መቅደላ ዝተወስደ'ዩ ይበሃል

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ኣብ እዋን ኲናት መቕደላ ካብ ኢትዮጵያ ተዘሚቱ ዝተወስደ ዋልታ፡ ኣብ ጨረታ ድሕሪ ምቕራቡ ኢትዮጵያ ስምዕታ ብምቕራባ ተሰሪዙ።

እቲ ሓድጊ፡ ብ1868 [ኣ ኣ] ኣብ እዋን ኲናት መቅደላ ብወተሃደራት እንግሊዝ ዝተወስደ እዩ።

ኣንደርሰን ኤንድ ጋርላንድ ዝተባህለ ኩባንያ ጨረታ፡ ትማሊ እቲ ዋልታ ናብ ጨረታ ብምቕራብ ንምሻጥ ኣብ ሰሜን ምብራቕ ኒውካስል መደብ ነይርዎ።

“እቲ ኵነታት ብጥንቃቐ ምስ ገምገምና ሓድጊ ካብ ዝርዝር ጨረታ ንኽወጽእ ወሲንና ኢና። እቲ ጉዳይ መሊሶም ንኽርእይዎ ድማ ናብቶም ሸየጥቲ መሊስናዮ ኣለና” ክብል ወሃቢ ቃል እቲ ኩባንያ ንጋዜጣ ዘ ቮይስ ተዛሪቡ።

ነዚ ስዒቡ መንግስቲ ኢትዮጵያ “በሊሕ ውሳነ’ዩ” ብምባል እቶም ሓድጊታት ናብ ኢትዮጵያ ዝምለስሉ መስርሕ ክህሉ ተስፋ ከም ዝገብር ንማዕከን ዜና ሮይተርስ ገሊጹ።

ይኹን’ምበር፡ እቲ ኩባንያ እቲ መሸጣ ዝሰረዘሉ ምኽንያት መንግስቲ ኢትዮጵያ እቶም ዝተዘምቱ ሓድጊታት ንኽምለሱ ምስ ዘቕረቦ ሕቶ ብዝተሓሓዝ ድዩ ዝብል መብርሂ ኣይሃበን።

እቲ ዋልታ፡ ኣብ ጨረታ ከም ዝቐረበ ምስ ተገልጸ ሰብ መዚ ኢትዮጵያ እቲ ጨረ፡ “ግቡእ ዘይኰነን ስነ ምግባር ዝጐደሎን’ዩ” ምባሎም ተገሊጹ።

ሃጸይ ቴዎድሮስ ብ1868 ዓ.ም ኣብ መቕደላ ምስ 32 ሽሕ ወተሃደራት እንግሊዝ ኣብ ዝተዋግኣሉ እዋን ነብሱ ምስ ቀተለ ኣብታ ሃገር ልዑል ዝምታ ከም ዝተፈጸመ ሰነዳት ታሪኽ ይሕብሩ።

ሰራዊት እንግሊዝ ነዞም ሓድጊታት ካብ መቕደላ ንምውሳድ 15 ሓራምዝ፣ 200 ኣፍራስን ከም ዝተጠቐመ ይግለጽ።

ዋላ’ኳ ኣዘዝቲ ሰራዊት እንግሊዝ ሃጸይ ቴዎድሮስ ማሪዀምዎ ዝነበረ እሱራት ንምፍታሕ እዩ እንተበሉ፡ መስቀልን ናይ ኢዱ ካትምን፣ ካምቻኡን ሽጉጡን ወሲዶምዎ’ዮም።

ብተወሳኺ፡ መጽሓፍቲ፡ ዝተፈላለዩ ካብ ወርቅን ብሩርን ዝተሰርሑ ናውቲታት፡ መንፈሳዊ ኣሳእል፡ ታቦታት፡ ታሪኻውን ባህላውን ሓድጊታት ከይተረፈ ከም ዝዘመቱ፣ ሓድጊታት ከም ዘቃጸሉን መጽሓፍቲ ከም ዝቐደዱን ይግለጽ።

ኣብቲ እዋን፡ ወዲ ሸውዓተ ዓመት ዝነበረ ልኡል ኣለማየሁ ክወስድዎን ህይወቱ ኣብ ስደት ከም ዘሕለፎን ይዝከር።

ኢትዮጵያ ኣብ ዊንድሶር ካስል ዝቐረበ ዓጽሚ ልኡል ኣለማየሁ ክምለሰላ ሕቶ’ኳ እንተኣቕረበት ቤተ መንግስቲ ባኪንግሃም ግን ኣይተቐበሎን።

ኢትዮጵያ ካብ መቕደላ ዝተዘምቱን ብሚልዮናት ዶላራት ዝግመቱ ሓድጊታታትን ክምለሰላ ብተደጋጋሚ ናብ ትካላት ሓድጊ እንግሊዝ ሕቶ ኣቕሪባ እያ።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት፡ ኣሰር ጸጕሪ ናይቲ ቅድሚ 140 ዓመታት ዝሞተ ልኡል ከም ዝተመለሰላ ይዝከር።