ኣብ ኢትዮጵያ ልዕሊ 12 ሽሕ ተምሃሮ 'ኣይንፍተንን' ብምባል ካብ ሃገራዊ ፈተና ወፂኦም

ምንጪ ስእሊ, MINISTRY OF EDUCATION
ኣብ ኢትዮጵያ ካብቲ ቅድሚ ሎሚ ዝካየድ ዝነበረ ብዝተፈለየ መገዲ ንፈለማ እዋን ኣብ ዝተወሃበ ሃገራዊ ፈተና 12 ክፍሊ፡ ልዕሊ 12 ሽሕ ተምሃሮ “ኣይንፍተንን” ብምባል ካብ ማእኸላት ፈተና ከምዝወፅኡ ተገሊፁ።
ኣብ ክልተ ዙርያ ተመቒሉ ካብ ዝወሃብ ናይ ዓመተ 2014 ኣቆፃፅራ ግእዝ ሃገራዊ ፈተና፡ እቲ ካብ ሰኑይ 30 መስከረም 2015 [ኣ.ግ] ጀሚሩ ንተማሃሮ ማሕበራዊ ሳይንስ ዝወሃብ ዝነበረ ፈተና ከምዝተዛዘመ ሚኒስትሪ ትምህርቲ ኣፍሊጡ’ሎ።
ኣብቲ ልዕሊ ፍርቂ ሚልዮን ተምሃሮ ማሕበራዊ ሳይንስ ኮፍ ዝበሉሉ ፈተና፡ ካብ ኣርባዕተ ማእኸላት ኣስታት 13 ሽሕ ተምሃሮ ፈተና ኣይንወስድን ብዝብል ከይተፈተኑ ምትራፎም እቲ ሚኒስትሪ ሓቢሩ።
ኣብ እዋን ፈተና ንዘጋጥም ስርቅን ምትላልን ንምክልኻል ብዝብል እቲ ሚንስትሪ ብዘዳለዎ ሓድሽ መስርሕ፣ ተምሃሮ 12 ክፍሊ ኣብ ምሉእ ኢትዮጵያ ናብ ዝርከባ መንግስታዊ ዩኒቨርሲቲታት ኣትዮም ክፍተኑ ይገብር ምህላዉ ይፍለጥ።
መንግስቲ ነቶም ተምሃሮ ኣገልግሎት መጓዓዝያ፣ መግብን መደቀስን ብምቕራብ እቲ ፈተና ብፅኑዕ ቁፅፅር ከምዝተኻየደ ዝገለፀ ኮይኑ፣ ኣብ ገለ ከባብታት ግን ፀገማት ከምዝነበሩ ሓቢሩ።
ካብዚኦም እቲ ሓደ፡ ኣብ ቀዳማይ መዓልቲ ፈተና ኣብ ዩኒቨርስቲ ሃዋሳ ዝርከብ ድልድል ብምፍራሱ ሓደ ተማሃራይ ክመውት ከሎ ብዙሓት ተምሃሮ መቑሰልቲ ስለዘጋጠሞም ኣብታ መዓልቲ ፈተና ከይተወሃበ ተሪፉ’ዩ።
ነቲ ዛጊት ዝተኻየደ ቀዳማይ ዙር መስርሕ ሃገራዊ ፈተና 12 ክፍሊ ዝምልከት መግለፂ ዝሃበ ሚኒስተር ትምህርቲ ፕሮፌሰር ብርሃኑ ነጋ፡ ካብ ሞንጎ ኣብ ኣርባዕተ ዩኒቨርስቲ ዝተመደቡ ተምሃሮ ገሊኦም ከይተፈተኑ ምትራፎም ተዛሪቡ።
ኣብ ክልል ኣምሓራ ኣብ ዝርከባ ዩኒቨርስቲታት መቅደላ ኣምባ፣ ደብረማርቆስ፣ ባህርዳርን ደብረ ታቦርን ክፍተኑ ካብ ሞንጎ ዝነበሮም ተምሃሮ እቶም 12 ሽሕን 787 ንገሊኡ ፈተና ወሲዶም ወይ ድማ ሙሉእ ብሙሉእ ካብቲ ፈተና ወፂኦም እዮም።
1,700 ካብ ዩኒቨርስቲ መቅደላ ኣምባ ቀፅሪ መካነ ሰላም፣ 1,226 ካብ ዩኒቨርስቲ ደብረማርቆስ፣ 2,711 ካብ ዩኒቨርስቲ ባህርዳር፣ 7,150 ድማ ካብ ዩኒቨርስቲ ደብረታቦር ምዃኖም ሚኒስትሪ ትምህርቲ ኣነፂሩ’ሎ።
ሚኒስትሪ ትምህርቲ "ንስርዓተ ትምህርቲ ዝጠሓሰ" ክብል ነቲ ፍጻመ ዝገለፆ ኮይኑ፡ እቶም ካብ ማእከላት ፈተና ዝወጹ ተማሃሮ ብድልየቶም ከምኡ ከምዝገበሩን ካልእ ዕድል ፈተና ከምዘይረኽቡን ኣፍሊጡ።
ብሰንኪ ናዕብን ካልኦት ፀቕጢታትን ፈተና ኣቋሪፆም ካብ ሞንጎ ዝወጻኡ ተምሃሮ እቶም ልዕሊ 7 ሽሕ ናብ ፈተና ከምዝተመለሱ ሚኒስተር ትምህርቲ ፕሮፌሰር ብርሃኑ ተዛሪቡ።
ካብዚ ብተወሳኺ ብፍላይ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ደብረ ታቦር፡ ተምሃሮ ብሓይሊ ፈተና ንምትዕንቓፍ ኣብ ዝፈጠርዎ ናዕቢ ሓደ ተምሃራይ ክመውት ከሎ ኣብ ልዕሊ ሓይልታት ፀጥታ ጉድኣት ከምዝበፅሐ ተገሊፁ።
ነቲ ፈተና ንምትዕንቓፍ ዝፈተኑ ተምሃሮ ምፅራይ ብምግባር ዝወሰድዎ ፈተና ናይ ምስራዝ ስጉምቲ ከምዝውሰድ እቲ ሚኒስትሪ ገሊፁ’ሎ።
ኣብ ቀዳማይ ዙርያ ሃገራዊ ፈተና 12 ክፍሊ ክርከቡ ትፅቢት ካብ ዝተገበረሎም 595 ሽሕ ተምሃሮ ማሕበራዊ ሳይንስ እቶም 586 ሽሕን 541 ነቲ ፈተና ከምዝወሰዱ ይዝረብ።
ብፍላይ ኣብዚ ዝካየድ ዘሎ ዓመት 2014 ንፈለማ እዋን። መንግስቲ ሃገራዊ ፈተና 12 ክፍሊ ዕዉት ንምግባር ብቢልዮን ዝግመት ገንዘብ [ብር] ብምምዳብ፣ ኣብ 160 ማእኸላት ኣስታት ሓደ ሚልዮን ተምሃሮን መምህራንን ኣብቲ ፈተና ክሳተፉ ከምዝገበረ ኣገልግሎት መራኸቢ መንግስቲ የመልክት።
ሚኒስትሪ ትምህርቲ ከምዝሕብሮ፡ ተምሃሮ ተፈጥሮኣዊ ሳይንስ ኣብ ዝመጽእ ሰሙን ብተመሳሳሊ መስርሕ ፈተና ክወሃቦም እዩ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







