ጉጅለ ቫግነር ዕጥቁ ክፈትሕ ምዃኑ ሚኒስትሪ ምክልኻል ሩስያ ገሊጹ

ፕሬዝደንት ፑቲን

ምንጪ ስእሊ, Reuters

ኣብ ዝሓለፈ ቀዳም ኣብ ልዕሊ ምምሕዳር ቭላድሚር ፑቲን ናዕቢ ብምልዓል ን24 ሰዓታት ዕግርግር ኣስዒቡ ዝነበረ ዕሱብ ጉጅለ ቫግነር ዕጥቁ ክፈትሕ ምዃኑ ተገሊጹ።

ሚኒስትሪ ምክልኻል ሩስያ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ እቲ ጉጅለ ከበድቲ ኣጽዋር ከረክብ ቅድመ ምድላዋት ይውገን ከምዘሎ ሓቢሩ'ሎ።

ፕሬዝደንት ቭላድሚር ፑቲን ሎሚ ኣብ ዘስምዖ ዘረባ ኣባላት ጉጅለ ቫግነር ተጋግዮም ናብ ገበናዊ ተግባር ክኣትው ዝተገብሩ “ ሓቀኛ ፈተውቲ ሃገር ተዋጋእቲ’ዮም” ኢሉ።

ኣባላት እቲ ጉጅለ እንተደልዮም ናብ ስሩዕ ሰራዊት ክጽንበሩ፣ ምስ ቤተሰቦም ክሕወሱ ወይ ናብ ቤላሩስ ክኸዱ ከም ዝኽእሉ’ውን ጠቒሱ።

ፑቲን፡ ኣስታት 2500 ወተሃደራት፣ ኣባላት ፖሊስ፣ ሃገራዊ ዋርድያ ሩስያን ሓለፍቲ ድሕንተን ኣኪቡ፡ ኣርእዮሞ ንዝበሎ ተኣማንነትን እቲ ዓመጽ ጠጠው ክብል ምግባሮምን ኣመስጊኑ።

“ሕገ መንግስታዊ ስርዓት ሩስያ ኣኽቢርኩም ኢኹም። ህይወትን ናጽነትን ሩስያውያን ሓሊኹም፤ ኲናት ሓድሕድ’ውን ጠጠው ኣቢልኩም” ክብል ንኢዱዎም።

ጉጅለ ቫግነር ዘበገሶ ናዕቢ ደው ንምባል ብዛዕባ ዝተግብረ ስምምዕ ዝምልከት ግን ኣይጠቐሰን።

እቲ ብየቭጌኒ ፕሪጎዚን ዝምራሕ ጉጅለ ዕሱባት ወተሃደራት ብቐዳም ኣብ ልዕሊ ኣመራርሓ ሰራዊት ሩስያ ሓያል ወተሃደራዊ ተቓውሞ ድሕሪ ምግባሩ ክልተ ከተማታት ሩስያ ተቘጻጺሩ ናብ ሞስኮ ይግስግስ ነይሩ።

ፕሪጎዚን፡ እቶም ኣብ ኲናት ዩክሬይን “ጌጋ” ዝፈጸሙ መራሕቲ ሰራዊት ብምቕጻዕ “ፍትሒ” ንምምጻእ ናብ ሞስኮ ከም ዘምርሕ ገሊጹ ነይሩ።

ይኹን’ምበር ብሸምጋልነት ፕሬዝደንት ቤላሩስ ኣለክሳንደር ሉካሸንኮ ምስ ፑቲን ምስ ተዘራረበ ናብ ሞስኮ ዝገብሮ ዝነበረ ገስጋስ ጠጠው ኣቢሉ ናብ ቤላሩስ ከም ዝኸደ ተገሊጹ።

ሎሚ ካብ ሩስያ ዝወጽኡ ወግዓዊ ጸብጻባት፡ ኣብቲ ናዕቢ ተሳፍቲ ኣብ ልዕሊ ዝነበሩ ኣባላት ቫግነር ክሲ ከም ዘይምስረት ኣመልኪቶም።

ቢሮ ድሕነት ውሽጢ ዓዲ ሩስያ (ኤፍ-ኤስ-ቢ) ኣብ ልዕሊ ተሳተፍቲ እቲ ናዕቢ ተመስሪቱ ዝነበረ ክሲ ሙሉእ ንሙሉእ ተሰሪዙ እቲ መዝገብ ተዓጽዩ ኣሎ ይብል።

ይኹን’ምበር ቭላድሚር ፑቲን ትማሊ ብቴሌቪዥን እታ ሃገር ኣብ ዘሕለፎ መልእኽቲ እቶም ናዕቢ ዘልዓሉ ኣባላት ቫግነር ሃገሮም ንኸቢድ ሓደጋ ብምቅላዕ ተሓተትቲ ክዀኑ’ዮም ኢሉ ነይሩ።

ሎሚ ድማ ኣባላት ቫግነር ናብ ዝደለዩዎ ክኸዱ ዘኽእሎም ኣማራጺታት ኣቕሪቡ ኣሎ።

ኣባላት ጉጅለ ቫግነር ናብ ሞስኮ ኣብ ዝገብሩዎ ዝነበሩ ገስጋስ ኣስታት ሸውዓተ ሄሌኮፕተራትን ነፈርትን ሃሪሞም ኣውዲቈም’ዮም።

ምምሕዳር ፑቲን፡ እቶም ኲናት ዩክረይን ዝነቐፉ ተጣበቕቲ መሰላትን ፖለቲከኛታትንእ ብምእሳር ክንቀፍ ጸኒሑ’ዩ።

ሕጂ፡ እቶም ኣብ ልዕሊ ምምሕዳሩ ናዕቢ ዘልዓሉ ተዋጋእቲ ምሕረት ምግባሩ ንብዙሓት ኣገሪሙ ኣሎ።

ሩስያ 77 ሲቪላውያን ረሺና- ሕቡራት ሃገራት

እዚ ከምዚ እንከሎ፡ ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ወራር ኣብ ዝፈጸመትሉ እዋን፡ ሓይልታት ሩስያ ብዘይ ፍቓድ ኣብ ቀይዲ ዘእተውዎም 77 ሰላማውያን ሰባት ከም ዝቐተሉ ሕቡራት ሃገራት ገሊጹ።

ካልእ ወዲ ተባዕታይ እሱር ብሰንኪ ስቅያት፡ ኢሰብኣዊ ኩነታትን ሕክምናዊ ክንክን ከይረክብ ብምኽልካሉን ከም ዝሞተ’ውን እቲ ጸብጻብ ወሲኹ ይሕብር።

ሕቡራት ሃገራት፡ ሩስያ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ለካቲት ወራር ካብ እትጅምር ኣትሒዙ፡ 864 ውልቀ-ሰባት ካብ ፍርዲ ወጻኢ ከም ዝተኣሰሩ ሰኒዱ።

ዩክረይን’ውን ኣዝዩ ብዝነኣሰ ደረጃ’ኳ እንተዀነ፡ ሲቪላውያን ብምእሳር ኣህጉራዊ ሕጊ ከም ዝጠሓሰት ሓቢሩ።

ሓላፊት ተልእኾ ምክትታል ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ማቲልዳ ቦግነር ትማሊ ሰሉስ ኣብ ጀኔቭ ስዊዘርላንድ ኣብ ዝሃበቶ መግለጺ "77 ሲቪላት ብፈደረሽን ሩስያ ብዘይ ፍቓድ ኣብ ዝተኣስሩሉ እዋን ከም ዝተረሸኑ ሰኒድና ኣለና” ኢላ።

ካብቶም ዝተቐትሉ እቶም 72 ደቂ ተባዕትዮ ኰይኖም ሓሙሽተ ድማ ደቂ ኣንስትዮ እየን።

ብዘይ ፍትሕን ምሉእን ፍርዲ ንውልቀሰባት ብቕጽበትን ኰነ ኢልካን ምቕታል ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት እዩ።

ይኹን’ምበር ሩስያ ኣብ ዩክረይን ግፍዒ ምፍጻማ ወይ ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባት መጥቃዕቲ ኣውሪዳ ዝብሉ ክስታት ክትነጽጎም ጸኒሓ'ያ።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት 2022 ወርሒ ሚያዚያ ካብ ርእሰ ከተማ ኪቭ ውጽእ ኢላ ኣብ እትርከብ ከተማ ቡጫ ኣስክሬን ልዕሊ 400 ሰላማውያን ሰባት ከም ዝተረኽበ ይዝከር።

ኣብ ወርሒ መጋቢት እዚ ዓመት፡ ዓለምለኻዊ ቤት ፍርዲ ገበን ፕሬዝደንት ቭላድሚር ፑቲን ብገበን ኲናት ኣብ ቀይዲ ንክኣቱ ምውሳኑ ይዝከር።