መጥቃዕቲ እስራኤል 'ክጋነን ይዅን ክነኣኣስ ኣይግባእን' ኣያቶላህ ዓሊ ኻመይኒ

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ላዕለዋይ መራሒ ኢራን ኣያቶላህ ዓሊ ኻመይኒ፡ ንመጥቃዕቲ እስራኤል ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቦ ጥንቍቕ መግለጺ፡ “እቲ መጥቃዕቲ ክጋነን ይዅን ክነኣኣስ የብሉን፡” ኢሉ።
እቲ መራሒ ብዛዕባ ቀጥታዊ ግብረመልሲ ምሃብ ግን ካብ ምዝራብ ተቘጢቡ።
ፕረዚደንት ኢራን መስዑድ ፐዘሽኪያን፡ ነቲ ኣርባዕተ ወተሃደራት ኢራን ከምዝቐተለ ዝተገልጸ መጥቃዕቲ፡ ሃገሩ “ግቡእ ምላሽ ክትህበሉ እያ” ብምባል፡ እንተዀነ ኢራን ኲናት ከምዘይትደሊ ተዛሪቡ።
እስራኤል፡ ከም ግብረመልሲ ናይቲ ብ 1 ጥቅምቲ ኣስታት 200 ባልስቲክ ሚሳይላት ብምትኳስ ካብ ኢራን ንዝወረዳ መጥቃዕቲ፡ ንወተሃደራዊ ዒላማታት ኢራን ዘነጻጸረ ምዃኑ ዝገለጸቶ ግብረመልሳዊ መጥቃዕቲ ብቐዳም ከምዘካየደት ኣፍሊጣ እያ።
ቀዳማይ ሚኒስተር በንያሚን ነታንያሁ፡ እስራኤል መከላኸሊ ኣየርን ስርዓተ መፍረ ሚሳይላትን ኢራን ከምዘሰናኸለት ብሰንበት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ሓቢሩ። ንሱ፡ በቲ መጥቃዕቲ “ዓቕሚ ምክልኻል ኢራን ይዅን ምፍራይ ሚሳይላት ኣመና ተሃስዩ እዩ” ኢሉ።
ኣብ ስነስርዓት ዝኽሪ ግዳያት መጥቃዕቲ 7 ጥቅምቲ መግለጺ ዝሃበ ነታንያሁ፡ “እቲ መጥቃዕቲ ንጹር፡ ሓያልን ዕላማኡ ዝወቕዐን እዩ ነይሩ፡” ድሕሪ ምባል፡ “እዚ ስርዓት ሓደ ቀሊል መትከል ክርዳእ ክኽእል ኣለዎ፤ እቲ ንዓና ዝጐድአ ተመሊስና ክንጐድኦ ኢና።”
ወግዓውያን ምንጭታት ኢራን ግን እቲ መጥቃዕቲ ኣቃሊሎም ክገልጽዎ ዝተሰምዑ ኰይኖም፡ መብዛሕትኦም ሚሳይላት ከም ዝበርዓኑ፡ እቶም ዝተረፉ ድማ ኣብ ስርዓተ መከላኸሊ ኣየር ውሱን ጉድኣት ጥራይ ከምዘውረዱ እዮም ኣቃሊሖም።
ኻመይኒ ድሕሪ እቲ መጥቃዕቲ ንህዝቢ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ “ስልጣንን ድሌትን ህዝቢ ኢራን ብኸመይ ናብ ስርዓት እስራኤል ከምዘቕንዕን ንረብሓ ሃገርን መንግስትን ብዝበለጸ ዘገልግል ስጕምትታት ይውሰድን ሓላፍነት ሰበስልጣን እዩ” ኢሉ።
ፕረዚደንት ፔዘሽክያን ንቋንቋ እቲ ላዕለዋይ መራሒ ብምድማቕ፡ ንካቢነ ሚኒስተራቱ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ “ኲናት ኣይንደልን ኢና፤ እንተዀነ መሰላት ሃገርናን መንግስትናን ግን ክንከላኸል ኢና፡” ኢሉ።
መጥቃዕቲ እስራኤል ካብቲ ገለ ወገናት ክጽበይዎ ዝጸንሑ ንታሕቲ ኣመና ድሩት እዩ ነይሩ። እስራኤል ነዳድን መሳለጥያታት ኑክሊየርን ከይትሃርም ኣሜሪካ ብግልጺ ጸቕጢ ገይራ ነይራ፤ እዚ ምኽሪ ድማ ብመንግስቲ ነታንያሁ እዝኒ ዝረኸበ ይመስል።
ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኢራን ብሰንበት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ኢራን ብዛዕባ’ቲ መጥቃዕቲ፡ ሒደት ሰዓታት ቅድሚ ምፍጻሙ “ምልክታት ከምዝረኸበት” ገሊጹ።
ሚኒስተር ዓባስ ኣራግቺ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ኣብ ዝርዝራት ከይኣተወ፡ “ካብ ምሸት ጀሚሩ ኣብታ ለይቲ እቲኣ መጥቃዕቲ ክፍጸም ከምዝኽእል ምልክታት በጺሑና ነይሩ” ክብል ተዛሪቡ።
ምዕራባውያን ሃገራት፡ ነቲ ኣብ መንጐ ክልቲአን ሃገራት ዝረአ ዘሎ፡ ናብ ምሉእ ዞባዊ ኲናት ከየምርሕ ዘስግእ ዑደት ምጥቕቓዕ ንምብታኽ፡ ኢራን ብግደአን ግብረመልሲ ከይትህብ ኣተሓሳሲበን ኣለዋ።
ማዕከናት ዜና ኢራን መዓልታዊ ህይወት እታ ሃገር ብንቡር መልክዑ ይቕጽል ከምዘሎ ብምርኣይ ነቲ “ውሱን” ዕንወት ከም ዓወት ዘርኢ ኣሳእል ይዝርግሓ ከምዘለዋን ይንገር።
እዚ ከምዚሉ እንከሎ፡ ኣብ ሊባኖስ ኣብ መንጐ እስራኤልን ብኢራን ዝድገፍ ሕዝቦላህን ከምኡ’ውን ኣብ ቓዛ ኣብ መንጐ እስራኤልን ሓማስን ውግእ ቀጺሉ’ሎ።
እስራኤል ብሰንበት ኣብ ደቡባዊ ሊባኖስ ኣብ እትርከብ ከተማ ሲዶንን ካልኦት ከባቢታትን ብዘካየደቶ መጥቃዕቲ ኣየር ኣስታት 30 ሰባት ከምዝሞቱ ሰብመዚ እቲ ከባቢ ሓቢሮም።
ኣብ ቓዛ፡ ኣብ መዓስከር ስደተኛታት ኣልሻቲ ናብ መዕቈቢ ኣብ ዝተቐየረ ቤት ትምህርቲ ብዘካየደቶ መጥቃዕቲ እውን ትሽዓተ ሰባት ከምዝተቐትሉ ሰበስልጣን ፍልስጤማውያን ገሊጾም። ማዕከናት ዜና ፍልስጤምን ማዕከን ዜና ሮይተርስን ንሰበስልጣን መንግስቲ ብምጥቃስ ሰለስተ ካብቶም ዝሞቱ ፍልስጤማውያን ጋዜጠኛታት ምዃኖም ሓቢሮም።
ኣብ እስራኤል፡ ኣብ ሰሜን ተልኣቪቭ እውን፡ ኣብ ከባቢ ሓደ ወተሃደራዊ መዓስከር እስራኤል፡ ሰበስልጣን “ግብረሽበራዊ እዩ” ዝበልዎ፡ ሓንቲ ናይ ጽዕነት መኪና ንፌርማታ ኣውቶቡስ ድሕሪ ምውቃዓ፡ ሓደ ሰብ ሞይቱ፡ ብውሕዱ 30 ድማ ቆሲሎም።
ፕረዚደንት ግብጺ ዓብደልፋታሕ ኣል ሲሲ፡ ኣርባዕተ ጅሆ እስራኤላውያን ምስ ገለ ፍልስጤማውያን እሱራት ምልውዋጥ ዘጠቓልል ኣብ ቓዛ ንኽልተ መዓልታት ዝጸንሕ እማመ ተዅሲ ደው ምባል ሓሳብ ብሰንበት ኣቕሪቡ።
ከምዚ ዝበለ ግዝያዊ ምቍራጽ ተዅሲ ናብ ዝያዳ ቀዋሚ ተዅሲ ደው ናይ ምባል ዝርርብ ዳግማይ ንምጅማር ከምዘኽእል ሓቢሩ።
ሓደ ላዕለዋይ በዓል ስልጣን ሓማስ ንቢቢሲ ዓረብኛ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ እቲ ዘቕረብዎ - ንኣዋርሕ ብእስራኤል ዝተነጽገ - ተዅሲ ደው ምባል ዝምልከት እማመ ከምዘይቅይርዎ ገሊጹ።
ሳሚ ኣቡ ዙህሪ፡ እቲ ምሉእ ብምሉእ ተዅሲ ደው ምባል፡ እስራኤል ካብ ቓዛ ጠቕሊላ ክትወጽእን ሰፊሕ ምልውዋጥ እሱራትን ዝሓትት ጠለብ ሓማስ ኣብ ቦታኡ ከምዘሎ ገሊጹ።
“ነዚ ቅድመ ኵነት ውሕስነት ዘይህብ ዝዀነ ይዅን ስምምዕ ዋጋ የብሉን” ክብል ድማ ወሲኹ ገሊጹ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







