እስራኤል ኣብ ወተሃደራዊ ማእከላት ኢራን መጥቃዕቲ ኣየር ከምዘካየደት ገሊጻ

እስራኤል ነቲ ካብ ኢራንን ወከልታን “ንኣዋርሕ ዝቐጸለ መጥቃዕቲ" ክትብሎ ዝጸንሐት ምላሽ ንምሃብ፡ ናብ ሎሚ ቀዳም ኣብ ዘውግሕ ለይቲ ኣብ ልዕሊ ኢራን ዝተፈላለየ መጥቃዕቲ ነፈርቲ ኣካይዳ።
ሓይልታት ምክልኻል እስራኤል ኣብታ ካብ 7 ጥቅምቲ 2023 ጀሚሩ "ብዘይዕረፍቲ ኣብ ልዕሊ እስራኤል መጥቃዕቲ ፈጺማ" ኢሉ ዝኸሰሳ ኢራን "ኣብ ወተሃደራዊ ዒላማታት ዕዉት መጥቃዕቲ" የካይድ ከምዘሎ ገሊጹ።
ሰራዊት ምክልኻል እስራኤል ኣብ ልዕሊ ኢራን መጥቃዕቲ ከምዝፈጸመ ድሕሪ ምግላጹ መንግስታዊ ማዕከናት ዜና ኢራን ኣብ ርእሰ ከተማ ቴህራንን ከባቢኣን ሓያሎ ፍንጀራታት ከምዘጋጠመ ዝገልጽ ጸብጻባት ኣቃሊሐን።
ኢራን ኣብ ዝሓለፈ ባሕቲ ጥቅምቲ ዳርጋ 200 ባሊስቲክ ሚሳይላት ናብ እስራኤል ዝወንጨፈት ኰይና፡ ኣብ ሓምለ ኣብ መሬት ኢራን ንዝተቐትለ ፖለቲካዊ መራሒ ሓማስ ሕነ ንምፍዳይ ከምዝዀነ’ውን ጠቒሳ ምንባራ ይዝከር።
ወሃቢ ቃል ወተሃደራዊ ሓይሊ እስራኤል ዳንኤል ሃጋሪ፡ ኣብ ኢራን ስርሒት ይካየድ ከምዘሎ ኣብ ዝገለጸሉ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ እስራኤል ምላሽ ክትህብ "መሰልን ግቡእን" ከምዘለዋን ሓቢሩ።
ሓንቲ ካብተን ናይ ቀረባ መሓዙት እስራኤል ዝዀነት ኣሜሪካ፡ እቲ ዝተኻየደ መጥቃዕቲ "ናይ ነብሰ ምክልኻል ፍጻመ" እዩ ኢላ።
ወሃቢ ቃል ባይቶ ሃገራዊ ድሕነት ንሲቢኤስ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ “እስራኤል ኣብ ልዕሊ ወተሃደራዊ ዒላማታት ኢራን ዘነጻጸረ መጥቃዕቲ ከም ርእሰ ምክልኻልን ምላሽ ናይቲ ኢራን ብ1 ጥቅምቲ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ዘካየደቶ መጥቃዕቲ ባሊስቲክ ሚሳይል ምዃኑን ንርዳእ ኢና” ኢሉ።
እቲ ብ1 ጥቅምቲ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ብዓቢኡ ብወተሃደራዊ ሓይሊ እስራኤል ዝፈሸለ ኰይኑ፡ ውሑድ ቍጽሪ ግን ንማእከላይን ደቡባውን እስራኤል ኣጥቂዑ።
ኢራን፡ ነቲ ኣብ ሓምለ ኣብ ቴህራን ብዝተፈጸመ ፍንጀራ ዝተቐትለ ፖለቲካዊ መራሒ ሓማስ እስማዒል ሃኒየ፡ "ምግሃስ ልኡላውነት ኢራን” ዝበለቶ ሕነ ንምፍዳይ ኣብ ልዕሊ እስራኤል መጥቃዕቲ ከምዝፈጸመት'ኳ እንተገለጸት፡ ሰበስልጣን እስራኤል ግን ነቲ ተግባር ከምዝወዓልዎ ሓላፍነት ኣይወሰዱን።
ኣብቲ እዋን’ቲ ኢራን እቲ መጥቃዕቲ ነቲ ኣብ ደቡባዊ ከባቢ በይሩት ብእስራኤል ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ኣየር ምላሽ’ውን ምዃኑ ገሊጻ ነይራ።
ሓደ ላዕለዋይ በዓል መዚ ዋይት ሃዉስ፡ እስራኤል መጥቃዕቲ ድሕሪ ምጅማራ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ፕረዚደንት ጆ ባይደን ብዛዕባ እቲ ጉዳይ "ሓበሬታ ተዋሂብዎን ነቲ ምዕባለታት ብቐረባ ይከታተሎ ከምዘሎን" ገሊጹ።
ይዅን እምበር፡ ሓደ በዓል ስልጣን ምክልኻል ኣሜሪካ፡ ኣብቲ እስራኤል ዘካየደቶ መጥቃዕቲ ዝዀነ ይዅን ተሳትፎ ከምዘይነበረ ኣስሚሩሉ።

ምንጪ ስእሊ, Reuters
መንግስታዊ ማዕከናት ዜና ኢራን ኣብ ምዕራብ ቴህራን ፍንጀራ ከምዝተሰምዐ ኣረጋጊጸን። ኣብ ምዕራብን ደቡባዊ ምዕራብን ርእሰ ከተማ ኢራን ዝርከቡ ገለ ወተሃደራዊ መዓስከራት ዒላማ ከምዝተገብረ’ውን ጸብጺበን።
ስፍሓት ናይቲ መጥቃዕትን ዕላማታታ ስለምውቅዑን ግን ዛጊት ንጹር ኣይኰነን። ማዕከናት ዜና ኢራን እዚ መጥቃዕቲ ጉድኣት ከምዘውረደ ይኽሕዳ ከምዘለዋ ቢቢሲ ፐርሽያ ጸብጺቡ።
በዓል መዚ ኣቬሽን እታ ሃገር ግን ክሳብ ተወሳኺ ምልክታ ዝወሃብ ኣብ ኵሉ መስመራት በረራታት ከምዝተሰረዘ ኣፍሊጡ።
መንግስታዊ ማዕከን ዜና ሶርያ ከም ዝጸብጸቦ፡ መጥቃዕቲ ኣየር እስራኤል ኣብ ማእከላይን ደቡባውን ከባቢታት ሶርያ ንገለ ወተሃደራዊ ቦታታት እውን ዒላማ ገይሩ ኣሎ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







