ፕረዚደንት ባይደን፡ ፑቲን ኣብ ውግእ ዩክረይን 'ግጉይ ውሳነ' ወሲዱ

ፕረዚደንት ባይደን ምሰ ፕረዚደንት ዩክረን

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ኣብ ኪቭ ሃንደበታዊ ምብጻሕ ዘካየደ ፕረዚደንት ጆ ባይደን፡ መኸተ ዩክሬናውያን ኣንጻር ሩስያ ክንዲ ዝወሰደ ግዜ ይውሰድ ኣመሪካ ንዩክሬይን ኩለንተናዊ ደገፍ ከምእትህብ ገሊጹ።

“ኣብቲ መኸት ከምእትዕወቱ ምሉእ ምትእምማን ኣሎና"።

ፕረዚደንት ባይደን፡ ወራር ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ዓመቱ ክመልእ ሒደት መዓልታት ምስተረፎ እዩ ናብ ዩክሬይን ዘይእውጅ ሃንደበታዊ ምብጻሕ ኣካይዱ።

ፕረዚደንት ፑቲን፡ሩስያ ንዩክረይንን ምዕራባውያን መሻርኽታን ከተንበርክኽ ምሕሳቡ ተጋግዩ ኢዩ ኢሉ።

ፕረዚደንት ባይደንን ፕረዚደንት ዩክረይን ቮሎዲሚር ዘለንስኪ ብሓባር፡ ኣብ መቓብር እቶም ቅድሚ ትሽዓተ ዓመት ኣብ ክሪምያን ኣብ ምብራቓዊ ዞባ ዶንባስን ዝሞቱ ወተሃደራት በጺሖም ።

እቲ ምብጻሕ ኣመሪካ "ንዲሞክራሲን ልኡላውነትን ግዝኣታዊ ሓድነትን ዩክሬይን ዘለዋ ጽኑዕ መብጽዓ" ዘረጋግጽ ምዃኑ መግለጺ ዋይት ሃውስ ሓቢሩ።

ፕረዚደንት ባይደን ብሰኑይ፡ ካብ ፖላንድ ናብ ኪቭ ን10 ሰዓታት ብባቡር ከም ዝተጓዕዘ ኒው ዮርክ ታይምስ ጸብጺቡ።

ድሕሪ እቲ ምብጻሕ፡ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣንቶኒ ብሊንከን፡ ንዩክረይን 450 ሚልዮን ዶላር ዝግመት ስርዓተ ሚሳይላት ከምኡ እውን ንክሊ ኣየር ዝቆጻጸር ራዳር ዘገልግል ሓዲሽ ናይ ጸጥታ ሓገዝ ከም እተገብረላ ገሊጹ።

ኣብ ርእሲኡ እውን ኣመሪካ ንትሕተ ቅርጺ ስርዓተ ጸዓት ዩክረይን ንምሕዋይ ተወሳኺ ናይ 10 ሚልዮን ዶላር ህጹጽ ሓገዝ ከምእትህባ ሚስተር ብሊንከን ገሊጹ ።

ብተወሳኺ፡ ኣብ ልዕሊ እቶም ሩስያ ውግእ ንኽትቅጽል ሓይሊ ዝዀኑዋ ካብ እገዳን ማዕቀብን ከምልጡ ዝፈተኑ ውልቀ ሰባትን ኩባንያታትን ዝገትእ ኣብዚ ሰሙን እዚ ሓዲሽ ናይ ማዕቀብ ማዕበል ከም ዝንገር ሓቢሩ።

ፕረዚደንት ባይደን

ምንጪ ስእሊ, Reuters

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ፕረዚደንት ዘለንስኪ፡ "እዚ ምብጻሕ እዚ ኣብቲ ዩክረይን ኣንጻር ወራር ሩስያ እተካይዶ ዘላ መኸተ ልዑል ተራ ክህልዎ እዩ” ኢሉ።

ኣብቲ ሰኑይ ምሸት ዝገበሮ መደረ ከኣ "እዛ ዕለት ዩክረይን ክሳዕ ክንደይ ኣብ ዓለም ኣገዳሲት ምዃና" እተርኢ መዓልቲ እያ ክብል ገሊጹ።

ብዘይካ'ዚ፡ ክልቲኦም መራሕቲ ክሳዕ ሕጂ ብዛዕባ ዘይተላእከ ካልእ ኣጽዋር ከም ዝተዘራረቡ ተገሊጹ።ዜለንስኪ፡ ኤፍ-16 ዝዓይነተን ነፈርቲ ውግእ ክወሃበኦ ብተደጋጋሚ ክሓትት ጸኒሑ እዩ።

ይኹን እምበር እዚ ብኣመሪካ ኰነ መሻርኽታ ክሳዕ ሕጂ ተቐባልነት ኣይረኸበን።

ኣማኻሪ ሃገራዊ ድሕነት ጄክ ሱሊቫን፡ ምስ ሩስያ “ግጭት ንምውጋድ” ብዛዕባ መገሻ ፕረዚደንት ባይደን ቅድሚ ሒደት ሰዓታት ንቕሉኡ ንሰበስልጣን ሩስያ ከም ዝተሓበረ ገሊጹ።

ሩስያ ነቲ ሓበሬታ ኣመልኪቱ ዝሃበቶ ምላሽ ከም ዝሃበትሉ ግን ክሕብር ኣይደለየን።

ሰበ ስልጣን ዋይት ሃውስ እቲ ጕዕዞ ቅድሚ ኣዋርሕ ከም ዝተሓስበሉን ግን ብዓርቢ ናይ መወዳእታ ውሳነ ከም ዝተገብረሉን ገሊጾም።

ንምብጻሕ ናይቲ ዝለዓለ በዓል ስልጣን ኣመሪካ ፕረዚደንት ባይደንን ድራማዊ መልክዕ ንምልባስ ክልቲኦም መራሕቲ (ባይደንን ዜለንስክን) ኣብ ማእከላይ ኪቭ ኣብ ዝርከብ ካቴድራል ቅዱስ ሚካኤል ኣብ ዝነበሩሉ እዋን፡ደወል እቲ መጥቃዕቲ ኣየር ዘጠንቅቕ ኣሰንባዲ ድምጺ ተሰሚዑ።

እቲ ውግእ ካብ ዝጅመር ኣትሒዙ ኣብ ኪቭ ብቐጻሊ እዩ ናይ መጠንቀቕታ ደወል ዝስማዕ።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት፡ ካልኦት መራሕቲ ዓለም ናብ ዩክረይን ከይዶም እኳ እንተነበሩ፡ ወተሃደራት ኣመሪካ ኣብ ዘይዋግእሉ መሬት ፕረዚደንት ኣመሪካ ኣብ ርእሰ ከተማ እታ ኣብ ኵናት ዘላ ሃገር ምብጽሑ ነቲ ሩስያ መራሕቲ ምዕራብ ምስ ዩክረይን ተሰሊፎም ኣለው እትብል መርኣያ ምዃኑ እዩ ዝግለጽ።

መላእ ዩክሬናውያን ኰነ ነበርቲ ኪቭ ንምብጻሕ ፕሪዘደንት ኣመሪካ ብሓጐስ እዮም ተቐቢሎምዎ።

ሮክሶልያና ጌራ "ስለቲ ዝገበረልና ደገፍ ኣዝየ እየ ዘመስግኖ፤ ናቱ ምብጻሕ ንዓና ብዙሕ ትርጉም ኣለዎ" ክትብል ንቢቢሲ ተዛሪባ።

"ኣብዚ ጽንኩር እዋን ንዩክረናውያን ንምድጋፍ ዝወሰዶ ተባዕ ስጉምቲ አመስግኖን አድንቖን እየ" ከኣ ኢላ።

ኦሌክሳንድራ ሶሎቪቫ ዝተባህለት ዩክሬናዊት ከኣ እቲ ምብጻሕ ንመላእ ዓለም ኣገዳሲ ምልክት ምዃኑ ገሊጻ።

"ቅድሚ ኵሉ ንሩስያ፡ ኣመሪካ እገዳታት ብምጽዓንን ተተኮስትን ኣጽዋርን ብምሃብ ክሳብ መወዳእታ ከም እትድግፈናን መርኣያ እዩ” ኢላ።

ሓለቓ ስታፍ ፕረዚደንት ዩክረይን ኣንድሪ ይርማክ እቲ ምብጻሕ ስትራተጂካውን ታሪኻውን ምንባሩ ብምግላጽ፡ "ብዙሕ ጕዳያት ይፍታሕ ኣሎ እቲ ዝተረፈ ከኣ ክቀላጠፍ እዩ" ኢሉ ።

ኣመሪካ ሓንቲ ካብተን ናይ ዩክሬይን ዝዓበዩ መሻርኽቲ ሃገራት ኰይና ክሳብ ሕጂ 24.9 ቢልዮን ዶላር ወተሃደራዊ ሓገዝ ከም ዝግበረትላ ኣፍሊጣ።

ኣብ ወርሒ ጥሪ ኣመሪካ 31 ታንክታት ኲናትን ነዊሕ ርሕቀት ዝውንጨፍ ሚሳይላት ከም እትልእኽን ፕረዚደንት ባይደን ኣፍሊጡ ነይሩ።

ይኹን እምበር፡ ኣብ ኣመሪካ ብዛዕባ እቲ ንዩክረይን ዝግበር ዘሎ ገዚፍ ሓገዝ ኣዘራራቢ ኰይኑ ኣሎ።

ፕረዚደንት ባይደን ምስ ፕረዚደንት ፖላንድ ኣንድርዘጅ ዱዳን ምስ ኣባላት ወተሃደራዊ ኪዳን ኔቶን'ውን ተራኺቡ እዩ።