ሕዝቦላህ ብሮኬታትን ድሮናትን ንእስራኤል ኣጥቂዑ

ሕዝቦላህ ዝወንጨፎም ሮኬታትን ድሮናትን ኣብ ሰሜናዊ እስራኤል ባርዕ ኣስዒቦም

ምንጪ ስእሊ, EPA

መግለጺ ስእሊ, ሕዝቦላህ ዝወንጨፎም ሮኬታትን ድሮናትን ኣብ ሰሜናዊ እስራኤል ባርዕ ኣስዒቦም

ሊባኖሳዊ ዕጡቕ ጕጅለ ሕዝቦላህ፡ ነቲ ብእስራኤል ዝተቐተለ ላዕለዋይ ወተሃደራዊ ኣዛዚኡ ሕነ ንምፍዳይ ናብ ሰሜናዊ እስራኤል ብልዕሊ 200 ሮኬታትን ሰብ ኣልቦ-ነፈርትን መጥቃዕቲ ፈጺሙ።

ሰራዊት እስራኤል ሓደ ካብ መኰንናቱ ከም ዝተቐተለ ኣፍሊጡ ኣሎ።

እቲ ሰራዊት ወሲኹ፡ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ንዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ሕነ ንምፍዳይ ን “ወተሃደራዊ መሓውራት” ሕዝቦላህን ኣብ ደቡባዊ ሊባኖስ ንዝርከቡ ዒላማታትን ከም ዘጥቀዐ ገሊጹ።

እስራኤል ብዘካየደቶ መጥቃዕቲ ድሮን ኣብ ከተማ ሆላ ሓደ ሰብ ከም ዝተቐተለ ማዕከናት ዜና ሊባኖስ ኣቃሊሐን።

ኣብ ርእሲ'ቲ ብረቡዕ ድሕሪ ቀትሪ ዝተወንጨፉ 100 ሮኬታት ዝሰዓበ እዚ ሓድሽ መጥቃዕቲ፡ ኣብ ዝሓለፉ ትሽዓተ ኣዋርሕ ካብ ዝተፈጸሙ መጥቃዕትታት እቲ ኰይኑ ምሉእ ኲናት ከየስዕብ ተሰጊኡ ኣሎ።

ብደብዳብ ኣየር እስራኤል ኣብ ደቡባዊ ሊባኖስ ከተማ ታየር ዝተቐተለ መሓመድ ኒማህ ናስር፡ ሓደ ካብ ላዕለዎት ወተሃደራዊ ኣዘዝቲ ሕዝቦላህ እዩ።

ሰራዊት እስራኤል፡ ንመሓመድ ኒማህ ናስር፡ ብዙሓት “መጥቃዕትታት ግብረሽበራ” ብምውዳድን ነቲ ካብ ደቡባዊ ምዕራብ ሊባኖስ መጥቃዕትታት ሮኬት ዝፍጽም ኣሃዱ ዓዚዝ ብምምራሕን ይኸሥ።

እቲ ሰራዊት ወሲኹ፡ መሓመድ ናስር “መዘና” እቲ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ዝተቐተለን ሕዝቦላህ ሕነ ንምፍዳይ ኣብ ሓደ መዓልቲ ናብ ሰሜናዊ እስራኤል 200 ሮኬታትን ሚሳይላትን ከወንጭፍ ዝደረኸን ጣልብ ሳሚን ዓብዱላህ ከም ዝዀነ ኣመልኪቱ።

ላዕለዋይ በዓልስልጣን ሕዝቦላህ፡ ንቅትለት መራሒኡ ሕነ ንምፍዳይ “ሓደሽቲ ነቑጣታት” እስራኤል ዒላማ ከም ዝገብር ኣጠንቂቑ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

መግለጺ ስእሊ, ላዕለዋይ በዓልስልጣን ሕዝቦላህ፡ ንቅትለት መራሒኡ ሕነ ንምፍዳይ “ሓደሽቲ ነቝጣታት” እስራኤል ዒላማ ከም ዝገብር ኣጠንቂቑ
መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ኲናት እስራኤል-ቓዛ ካብ ዝውላዕ ንነጀው፡ ኣብ ዶብ እስራኤል ሊባኖስ መዓልታዊ ምልውዋጥ ተዅሲ ይካየድ ኣሎ።

ሕዝቦላህ፡ ነቲ ብኢራን’ውን ዝድገፍ ፍልስጤማዊ ጕጅለ ሓማስ ንምድጋፍ ይሰርሕ ከም ዘሎ ገሊጹ እዩ። ክልቲኦም ጕጅለታት ብእስራኤል፡ ዓባይ ብሪጣንያን ካልኦት ሃገራት ግብረ-ራዕዳውያን ተባሂሎም ከም ዝተሰየሙ ይፍለጥ።

ክሳብ ሕጂ እስራኤል ኣብ ሊባኖስ ብዝፈጸመቶ መጥቃዕቲ ልዕሊ 400 ሰባት ክቕተሉ እንከለዉ፡ መብዛሕትኦም ተቓለስቲ ሕዝቦላህ ከም ዝዀኑ ይፍለጥ። ብወገን እስራኤል ድማ መብዛሕትኦም ወተሃደራት ዝዀኑ 25 ሰባት ተቐቲሎም።

ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል ቤንጃሚን ነታንያሁ፡ ኣብ ሰሜናዊ እስራኤል ዘሎ ኵነታት ጸጥታ ናብ ንቡር ከም ዝመልስ ቃል ኣትዩ።

ብሰንኪ እዞም ተጻብኦታት ኣብ ዶባት ሰሜን እስራኤልን ደቡባዊ ሊባኖስን ዝነብሩ ዝነበሩ ብዓሰርተታት ኣሽሓት ሰባት ተመዛቢሎም እዮም።

ብሓሙስ ስርዓተ ቀብሪ መሓመድ ኒማህ ናስር ኣብ በይሩት ተፈጺሙ፤ ላዕለዋይ ወተሃደራዊ መራሒ ሕዝቦላህ ሓሽም ሳፊደዲን፡ “ግብረ መልሲ ቅትለት ክቡር ሓጂ ኣቡ ኒማህ ናስር ትማሊ ምሸትን ብቅልጡፍን’ዩ ጀሚሩ። እዚ ተኸታታሊ ስጕምቲ፡ ጸላኢ ክውቃዕ’ዩ ኢሉ ዘይሓሰቦ ሓደስቲ ነቝጣታት ዒላማ ብምግባር ክቕጽል’ዩ ” ብምባል ኣጠንቂቑ።

ካብ ቀረባ ሰሙናት ኣትሒዙ ንዝተፈጥረ ውጥረት ንምህዳእ ዲፕሎማስያዊ ጻዕርታት ክካየዱ ጸኒሖም ኣለዉ፤ ሕቡራት ሃገራትን ኣመሪካን’ውን ንኢራንን መሻርኽታ ጕጅለታትን ናብ ኲናት ብምስሓብ፡ ኣዕናዊ መዘዝ ከም ዝህልዎ ኣጠንቂቘም።

ሰብመዚ እስራኤል፡ ዲፕሎማሲ እንተዘይተዓዊቱ ንኲናት ድሉዋት ከም ዝዀኑ ብተደጋጋሚ ከጠንቅቝ ተሰሚዖም ኣለዉ።

ብእስራኤል ካብ ሓማስ ዝገደደ ጸላኢ ተገይሩ ዝርአ ሕዝቦላህ፡ ምስ እስራኤል ናብ ምሉእ ኲናት ክኣቱ ድሌት ከም ዘይብሉን ኣብ ቓዛ ስምምዕ ተዅሲ ደው ምባል ክግበር ከም ዝደልን ክገልጽ ጸኒሑ እዩ። ኲናት እንተተወሊዑ ግን፡ “ብዘይ ሕጊ” ከም ዝዋጋእ ንእስራኤል ኣጠንቂቝዋ ኣሎ።