እስራኤል ላዕለዋይ ወተሃደራዊ ኣዛዚ ሕዝቦላህ ቀቲላ

ምንጪ ስእሊ, Hezbollah
ሕዝቦላህ፡ እስራኤል ኣብ ደቡባዊ ሊባኖስ ብዝፈጸመቶ መጥቃዕቲ ሓደ ካብ ላዕለዎት ኣዘዝቱ ከም ዝተቐተለን እቲ ብኢራን ዝድገፍ ዕጡቕ ጕጅለ ሮኬታት ብምውንጫፍ ሕነ ከም ዝፈደየን ኣፍሊጡ።
መሓመድ ኒማህ ናስር፡ እስራኤል ኣብ ዝሓለፉ ትሽዓተ ኣዋርሕ ዶብ ሰጊራ ኣብ ሊባኖስ ትፍጽሞ ብዘላ መጥቃዕቲ ናይ መወዳእታ ዒላማ ዝዀነ ላዕለዋይ መሪሕነት ሕዝቦላህ ክኸውን እንከሎ፡ እዚ ድማ ምሉእ ኲናት ከየስዕብ ተሰጊኡ ኣሎ።
ሕዝቦላህ፡ ንቅትለት መራሒኡ ሕነ ንምፍዳይ፡ ናብ ወተሃደራዊ መደበራት እስራኤል 100 ሮኬታትን ሚሳይላትን ከም ዝወንጨፈ ገሊጹ።
ሰራዊት እስራኤል እቶም ዝተተኰሱ ሮኬታትን ሚሳይላትን ኣብ ቃልዕ ከም ዝዓለቡን ካብ ባርዕ ሓሊፎም ዘውረድዎ ጉድኣት ከምዘየለ ሓቢሩ።
እቲ ሰራዊት፡ ንመሓመድ ኒማህ ናስር፡ ብዙሓት “መጥቃዕትታት ግብረሽበራ” ብምውዳድን ነቲ ካብ ደቡባዊ ምዕራብ ሊባኖስ መጥቃዕትታት ሮኬት ዝፍጽም ኣሃዱ ዓዚዝ ብምምራሕን ከሲስዎ።
ሰራዊት እስራኤል ወሲኹ፡ መሓመድ ናስር “መዘና” እቲ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ዝተቐተለን ሕዝቦላህ ሕነ ንምፍዳይ ኣብ ሓደ መዓልቲ ናብ ሰሜናዊ እስራኤል 200 ሮኬታትን ሚሳይላትን ከወንጭፍ ዝደረኸን ጣልብ ሳሚን ዓብዱላህ ከም ዝዀነ ኣመልኪቱ።
ካብ ሽዑ ጀሚሩ ነቲ ዝተወልዐ ውጥረት ንምህዳእ ዲፕሎማስያዊ ጻዕርታት ክካየዱ ዝጸንሑ ክዀኑ እንከለዉ፡ ሕቡራት ሃገራትን ኣመሪካን’ውን ንኢራንን መሻርኽታ ጕጅለታትን ናብ ኲናት ብምስሓብ፡ ኣዕናዊ መዘዝ ከም ዝህልዎ ኣጠንቂቘም።

ምንጪ ስእሊ, EPA
ኲናት እስራኤል-ቓዛ ካብ ዝውላዕ ንነጀው፡ ኣብ ዶብ እስራኤል ሊባኖስ መዓልታዊ ምልውዋጥ ተዅሲ ይካየድ ኣሎ።
ሕዝቦላህ፡ ነቲ ብኢራን’ውን ዝድገፍ ፍልስጤማዊ ጕጅለ ሓማስ ንምድጋፍ ይሰርሕ ከም ዘሎ ገሊጹ እዩ። ክልቲኦም ጕጅለታት ብእስራኤል፡ ዓባይ ብሪጣንያን ካልኦት ሃገራት ግብረሽበራውያን ተባሂሎም ከም ዝተሰየሙ ይፍለጥ።
ኣብዚ ቀረባ ሰሙናት፡ ሰብመዚ እስራኤል፡ ዲፕሎማሲ እንተዘይተዓዊቱ ኣብ ሰሜናዊ ዶብ ዝነበረ ጸጥታ ናብ ንቡር ንምምላስ ወተሃደራዊ ሓይሊ ከም ዝጥቀሙ ከጠንቅቝ ጸኒሖም እዮም።
ብእስራኤል ካብ ሓማስ ዝገደደ ጸላኢ ተገይሩ ዝረአ ሕዝቦላህ፡ ምስ እስራኤል ናብ ምሉእ ኲናት ክኣቱ ድሌት ከም ዘይብሉን ኣብ ቓዛ ስምምዕ ተዅሲ ደው ምባል ክግበር ከም ዝደልን ኣፍሊጡ።
ምክትል መራሒ ሕዝቦላህ ናዒም ቃስም ብሰሉስ ምስ ኣሶሼትድ ፕረስ ኣብ ዘካየዶ ቃለ-መሕትት፡ “እስራኤል ዝደለየቶ ክትውስን ትኽእል እያ። ዝተደረተ፡ ምሉእ ወይ ከፊላዊ ኲናት፣ እንተዀነ ናትና ምላሽ እስራኤል ብዘቐመጠቶም ገደባትን ሕጊታትን ከም ዘይከውን ክፍለጥ ኣለዎ” ኢሉ።
ዛጊት እስራኤል ኣብ ሊባኖስ ብዝፈጸመቶ መጥቃዕቲ ልዕሊ 400 ሰባት ዝተቐተሉ ኰይኖም፡ መብዛሕትኦም ተቓለስቲ ሕዝቦላህ ከም ዝዀኑ ይግለጽ። ብወገን እስራኤል ድማ መብዛሕትኦም ወተሃደራት ዝዀኑ 25 ሰባት ተቐቲሎም።
ኣብ ዶብ ክልቲአን ሃገራት ዝነብሩ ዝነበሩ ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቝሩ ሰባት ተመዛቢሎም እዮም።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







