እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣርማ ኣመሪካ ዝዀነ ንስሪ ዝርከቦም 3600 ኣዕዋፍ ዝቐተሉ ቤት ፍርዲ ክቐርቡ እዮም
ክልተ ኣመሪካውያን፡ ጻዕዳ ዝኽሳዱ ወርቃዊ ንስሪ ዝርከቦም ኣስታት 3,600 ኣዕዋፍ ብዘይሕጋዊ መንገዲ ብምቕታሎም ተኸሲሶም።
ሳይሞን ፖልን ትራቪስ ጆን ብራንሰንን ዝተበሃሉ ዜጋታት እታ ሃገር ነተን ኣዕዋፍ ንብዙሕ ዓመታት ብጥይት እናቐተሉ ክፍሊ ኣካላተንን ክንቲተንን ኣብ ጸሊም ዕዳጋ ከምዝሸጡ ተሓቢሩ።
ብውዲት፡ ሕጊ ክልከላ ሃድን ንስሪ ብምጥሓስን ዘይሕጋዊ ምስግጋርን ተኸሲሶም ኣለዉ።
ክልቲኦም ድማ ኣብ ጥሪ ናብ ቤት ፍርዲ ክቐርቡ ትእዛዝ ተዋሂቡ።
ትማሊ ረቡዕ ብወግዒ ኣብ ዝተዘርግሐ ክሲ፡ ሳይሞንን ፖልን ነተን ኣዕዋፍ ኣብ ምዕራባዊ ሞንታናን ካልእ ቦታታትን ኣብ ዝርከብ ሕዛእቲ ፍላትሄድ ከምዝቐተሉ ተሓቢሩ።
ብራንሰን ብዛዕባ "ጥሕሰታት ምፍጻሞም" ከምኡ ድማ “ናብ ቅትለት ምኻድ" ዝብል ናይ ጃህራ መልእኽቲ ከምዝሰደደን፡ ክልቲኦም ነተን ኣዕዋፍን ክንቲተንን "ብብዙሕ ገንዘብ" ከምዝሸጡዎን ምግላፁ እቲ ክሲ ኣመልኪቱ።
ነተን ኣዕዋፍ ተኲሶም ቅድሚ ምቕታሎም ንኽስሕብወን ኣካል ዝሞተ ዓጋዘን ከምዝዘርግሑለን ድማ ተሓቢሩ።
እቲ ክሲ 13 ዝተፈላለዩ ኣጋጣሚታት ምጥሓስ ሕጊ ክልከላ ሃድን ንስሪ ዝዝርዝር ኰይኑ፡ ኣኽበርቲ ሕጊ ግን እቶም ሰባት ካልኦት እንታይ ዓይነት ኣዕዋፍ ከም ዝቐተሉ ከምኡ’ውን ብርቂ ወይ ኣብ ሓደጋ ዝርከባ እንተዀይነን ኣየነጸሩን።
ብረቡዕ ተወሳኺ ዝርዝር ሓበሬታ ክህቡ ተሓቲቶም’ውን መብርሂ ክህቡ ፍቓደኛታት ኣይኰኑን።
ወዲ 48 ዓመት ብራንሰን ኣብ ግዝኣት ዋሽንግተን ዝነብር ኰይኑ፡ ወዲ 42 ዓመት ፖል ድማ ካብታ ናብ ሕዛእቲ ፍላትሄድ እትቐርብ ከተማ ሞንታና እዩ።
እዚ ዓይነት ንስሪ ኣብ ኣመሪካ ከም ሃገራዊ ዑፍ ዝውሰድ ኰይኑ ኣብ ባጤራን ሃገራዊ ማሕተምን ተሳኢሉ ይርከብ።
ኣብ መፋርቕ 20 ክፍለ ዘመን ኣብ ብዙሕ ቦታታት ብሰንኪ ሃድን፡ ምጥፋእ መንበሪኦምን ኣብ ምጥቃም ዲዲቲ ዝበሃል ጸረ ሓሳኹን፡ እቶም ዓይነት ንስሪ ኣብ ሓደጋ ወዲቐም ነይሮም። ብፍላይ እቲ ዲዲቲ ዝበሃል ከሚካል ነተን ኣዕዋፍ ድልዱል ሽፋን ዘለዎ እንቋቑሖ ከየውድቓ ዝገብር ኰይኑ ኣብ 1972 ድማ ተኣጊዱ።
ኣገልግሎት ዓሳን እንስሳ ዘገዳምን ኣመሪካ ከምዝሕብሮ፡ ኣብ 1963 [ኣ. ኣ] 417 ጽምዲ በዓል ፃዕዳ ክሳድ ንስሪ ጥራይ ነይሮም፤ ጻዕርታት ዕቃበ ተሓዊስዎ ግን ብብዝሒ ምውሳኽ ስለዝተርኣየ ኣብዚ እዋን እቲ ሓደጋ የለን።
እቲ ክሲታት ውዲትን ዘይሕጋዊ ምስግጋርን ዝለዓለ ክሳብ ሓሙሽተ ዓመት ዝበጽሕ ማእሰርቲ ዘፍርድ ኰይኑ፡ ጥሕሰት ሕጊ ክልከላ ሃደን ንስሪ ድማ ብሓደ ዓመት ማእሰርቲ ምስ ተወሳኺ መቕጻዕቲ የፍርድ።