እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ብዘይ ዘርኢ ተባዕታይ ንገዛእ ርእሳ ዘጥነሰት ሓርገፅ ተረኺባ
ንፈለማ እዋን ብዘይ ዘርኢ ተባዕታይ ንነብሳ ዘጥነሰት ሓርገፅ ኣብ ኮስታሪካ ኣብ ዝርከብ መካነ እንስሳታት ተረኺባ።
ብጀነቲካዊ መዳይ 99.9 ሚእታዊት ምስ ባዕላ ተመሳሳሊ ዝዀነ ድቂ ከምዘፍረየት ድማ ተሓቢሩ።
እቲ "ሕርሲ ድንግል" ["virgin birth"] ብዝብል ዝፍለጥ ተርእዮ ቅድሚ ሎሚ ኣብ ዓሌታት ኣዕዋፍ፡ ዓሳታትን ካልኦት ተመሳሰልቲ እንስሳታትን ዝተረኣየ ኰይኑ፡ ኣብ ሓርገፅ ግን ተረኺቡ ኣይፈልጥን።
ተመራመርቲ ስነ-ፍልጠት፡ እቲ ፍሉይ ባህሪ ካብ ፍልቀታውያን ቅድመ-ወለዶ ዝተወረሰ ከምዝኸውን ግምት ብምሃብ፡ ዳይኖሰራት እውን ባዕሎም ናይ ምርባሕ ተፈጥሮኣዊ ክእለት ነይርዎም ክኸውን ከምዝኽእል ይዛረቡ።
ውጽኢት እቲ መጽናዕቲ፡ ኣብ መጽሔት ሮያል ሶሳይቲ - ባዮሎጂ ሌተርስ ተሓቲሙ ይርከብ።
ካብ ኣሜሪካ ዝተረኸበትን 18 ዓመት ዕድመ ዝመልኣን ሓርገፅ እያ ነቲ እንቋቝሖ ኣብ ጥሪ 2018 ኣብ ፓርክ ረፕቲላንያ ኣውዲቓቶ። እቲ ኣብ ውሽጡ ዝነበረ ድቂ ከኣ ምሉእ ብምሉእ ቀርጺ ሒዙ’ኳ እንተነበረ ግን ድማ ሞይቱ እዩ ተወሊዱ።
እታ ነቲ እንቋቝሖ ዘውደቐት ሓርገፅ ገና ኣብ ክልተ ዓመት ዕድመኣ ከላ ዝተረኽበት ኰይና ካብ ሽዑ ጀሚራ ክሳብ ሎሚ ምስ ካልኦት ሓራግፅ ፈጺማ ከይተራኸበት ተፈልያ ትነብር ነይራ።
በዚ ምኽንያት ድማ ሳይንሳዊ ጕጅለ ናይቲ ፓርክ፡ ኣብ ተመሳሳሊ ጉዳይ መጽናዕቲ ንዘካይድ ዶክተር ዋረን ቡት ኣዘራረብዎ። ንሱ ብሳይንሳዊ መጸውዒ ‘ፓርቴኖጀነሲስ’ ተባሂሉ ኣብ ዝፍለጥ "ሕርሲ ድንግል" ["virgin birth"] ን11 ዓመታት መጽናዕቲ ክገብር ዝጸንሐ እዩ።
ዶክተር ቡት ነቲ ድቂ ብምምርማር ብጀነቲካዊ መዳይ ልዕሊ 99.9 ምስ ኣደኡ ተመሳሳሊ ኰይኑ ክረኽቦ ከሎ ኣቦ ከምዘይብሉ ድማ ኣረጋጊጹ።
እዚ ርኽበት ከምዘይገረሞ ግን ንቢቢሲ ኒውስ ሓቢሩ’ሎ።
''ኣብ ሻርክ፡ ኣዕዋፍ፡ ተመንን ጠባብቕን ንርእዮ ኰይኑ ብዘደንቕ መልክዑ ልሙድን ሰፊሕን እዩ'' ክብል ተዛሪቡ።
“ፓርቴኖጀነሲስ” ("ሕርሲ ድንግል" ["virgin birth"]) ኣብ ሓራግጽ ዘይተራእየሉ ምኽንያት ምናልባት ሰባት ነዞም እንስሳት ከስተብህሉሎም ስለዘይጸንሑ ክኸውን ከምዝኽእል ገሚቱ።
''ሰባት ኣብ ገዛኦም ዘዕብይዎም ኣትማን ክዕቅቡ ምስ ጀመሩ ሓበሬታታት ተርእዮ ‘ፓርተኖጀነሲስ’ ዝለዓለ ወሰኽ ኣርእዩ” ዝብል እቲ ተመራማሪ፡ ልክዕ ከም ኣትማን ንሓራግፅ ኣብ ገዛኡ ዝከናኸን ብዙሕ ሰብ ከምዘየለ ሓቢሩ።
ሓደ ክልሰ-ሓሳብ፡ ክእለት ‘ፓርቴኖጀነሲስ’ ዘለዎም ፍጥረታት ቍጽሮም እናነከየ ኣብ ዝመጽእን ኣብ ኣፍደገ ምጥፋእ ክበጽሑ ከለዉን ከጋጥም ከምዝኽእል የመልክት።
ዶክተር ቡት ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ እዚ ፍሉይ ተፈጥሮኣዊ ጠባይ ኣብ ገለ ዓይነታት ዳይኖሰር ብሰንኪ ለውጢ ክሊማ ቍጽሮም እናነከየ ምስ ከደ ተራእዩ ክኸውን ከም ዝኽእል ገሊጹ’ሎ።
''ኣገባብ ‘ፓርቴኖጀነሲስ’ ኣብ ብዙሓት ዝተፈላለዩ ዓይነታት ፍጥረታት ተመሳሳሊ ምዃኑ ከኣ ካብ ነዊሕ መዋእል እናተወራረሰ ዝመጸ ኣዝዩ ጥንታዊ ባህሪ ምዃኑ የመልክት። ስለዚ ዳይኖሰራት እውን በዚ መንገዲ ክራብሑ ይኽእሉ እዮም ንዝብል ሓሳብ ይድግፍ” ይብል ዶክተር ቡት።