እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
መርዛማት ኣዕዋፍ ከም ዘለዋ ትፈልጡ’ዶ?
ቍጽሪ መርዛማት ኣዕዋፍ ብዙሕ ኣይኰነን።
ድሕሪ 20 ዓመታት ግን ኣብ ቀረባ እዋን ክልተ ተወሰኽቲ መርዛም ኣእዋፍ ተረኺበን ኣለዋ።
እዚ ርኽበት ካሱን ቦዳዋታን ክኑድ ጆንሰንን ዝተበሃሉ ተመራመርቲ ዩኒቨርሲቲ ኮፐንሃገን ኣብ ፓፑዋ ኒው ጊኒ ድሕሪ ዘካይድዎ መርመራ ዝመጸ እዩ።
እዘን ክልተ መርዛማት ኣዕዋፍ ‘ሬጀንት ዊስለር’ን ‘ሩፎስ-ኔፕድ ቤልበርድ’ን ይበሃላ።
እዘን ኣዕዋፍ ድሙቕ ሕብሪ ዘለዎ ፍሉይ ክንቲት ዘለወን ኰይነን፡ ኣብ ከበሳታት ኒው ጊኒ ይርከባ።
ተፈጥሮኣዊ መነባብሮአን ትሕቲ-ትሮፒካዊ ወይ ትሮፒካዊ ጥሉል ጫካ እዩ።
ካብዘን ኣዕዋፍ ዝተኣከበ ክንቲት፡ ድሒሩ ኣብ ዴንማርክ ብዝተገብረ ትንተና ላቦራቶሪ መርዛማት ምዃነን ኣረጋጊጹ።
ክልቲአን ኣዕዋፍ ኣብ ክንቲተን ‘ባትራኮቶክሲን’ ዝበሃል መርዚ ኣለወን፤ ኣብ መትኒ ድማ ሓያል ጉድኣት ዘስዕብ’ዩ።
ልዑል ትሕዝቶ ባትራኮቶክሲን፡ ኣብ ደቂ ሰባት ሓያል ምጭብባጥ ጭዋዳታት፡ ድኻም ልብን ቅልጡፍ ሞትን ከስዕብ ይኽእል።
ክልቲአን ኣዕዋፍ፡ ካብቲ ካብ መግበን ክመጽእ ዝኽእል መርዚ ንምክልኻል ጀነቲካዊ ምትዕርራይ ገይረን’የን።
ወሳኒ ክፋል ናይዚ ተጻዋርነት ኣብ ደቂቕ ክፋል ሽፋን ዋህዮታት’ዩ ዝፍጸም፤ ኣብዚ ሶድየም ንመተሓላለፊ ድርኺት መትኒ ይጸሉ።
ቦዳዋታ፡ “ምስ ባትራኮቶክሲን ዝህልወን መነባብሮ ንምልዛብ፡ ምስዞም ሶድየማት ምውህሃድ የድሊ’ዩ” ይብል።
ስለዚ፡ እዘን ኣዕዋፍ ኣብ ውሽጠን ዘሎ መርዚ ዝጻወራሉ ኣገባብ ኣማዕቢለን እየን።
እዚ ሓደ ኣብነት ናይቲ ኣብ ዝተፈላለየ ዘመናት ዝነበሩ ዓይነታት ፍጥረት ተመሳሳሊ ባህርያት ዘማዕብልሉ ነጻ ፍልቀት’ዩ።
መርዚ እተን ኣዕዋፍ፡ ካብ ሃደንቲ ድዩ ወይስ ካብ ጽግዕተኛታት ቆርበት ዝከላኸለለን ዛጊት ኣይተፈልጠን።
ኣብ እዋን እቲ መጽናዕቲ ነተን ኣዕዋፍ ዝተንከፈ ቦዳዋታ ሕማቕ ሳዕቤን ኣጋጢምዎ ነይሩ፡ “ልክዕ ከም ዝተመትረ ሽጕርቲ ኣፍንጫይ ኣዒንተይን ዘርባዕባዕ ይብል ነይሩ” ይብል።
ኣብ ምድሪ ዝርከቡ ፍጥረታት፡ ምስ ግዜ ሃደንቲ ዝምክቱሎም መገድታት ኣማዕቢሎም እዮም።
ካብቶም ካብ በላዕቲ ንምህዳም ዝጥቀሙሎም መገድታት ሓደ ድማ መርዛማት ኬሚካላት ብምጥቃም ከም ዝዀነ ይፍለጥ።
መርዛማት ኣዕዋፍ እንተተበሊዐን ወይ እንተተተንኪፈን ዝተፈላለየ ሓደጋ ከስዕባ ከም ዝኽእላ ይእመን።
መጽናዕትታት ከም ዘመልክትዎ፡ መርዛማት ኣዕዋፍ ሳሕቲ ስለ ዝዀና፡ ብዙሕ መጽናዕቲ ኣይተገብረለንን።
እንተዀነ ካብቲ ዝበልዓኦም እንስሳታትን ኣትክልትን መርዛምነት ከም ዝረኸባ ይፍለጥ።
ካብ መጽናዕትታት ዝተረኽበ መረዳእታ ከም ዘመልክቶ ኣብ ኣዕዋፍ ዘሎ መርዛምነት ካብ ተፈጥሮ ዘይኰነስ ብሰንኪ ፍልቀት ዝመጽእ እዩ።