'ዑፍ መስቀል' ክበሃል ከሎ እንታይ ምዃኑ ትፈልጡ'ዶ?

'ዑፍ መስቀል' ንኣዋርሕ ጠፊኡ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ሓድሽ ዓመት (ግእዝ) ምስ በጽሐ፡ ብፍላይ ኣብ ፍርቂ መስከረም፡ ይኽሰት ኢሎም ዝኣምኑ ብዙሓት እዮም።

ከም ኣዘራርባ'ውን፡ ሓደ ሰብ ንነዊሕ ግዜ ጠፊኡ ጸኒሑ፡ ሃንደበት ምስ ተራእየ፡ ምስታ ዑፍ ብምምስሳል፡ "ዑፍ መስቀል" ተባሂሉ ይግለጽ'ዩ።

ኣብ ኣዕዋፍ ብቕርበት መጽናዕቲ ዘካይድ ኣቶ ይልማ ደለለኝ ግና፡ እዞም "ዑፍ መስቀል" ተባሂሎም ዝጽውዑ ኣዕዋፍ፡ "ከምቲ ዝበሃል ንነዊሕ ግዜ ተሰዊሮም ጸኒሖም፡ ኣብ ቅንያት መስቀል ዝኽሰቱ ዘይኮኑ፡ ወትሩ ምሳና ዝነብሩ'ዮም" ይብል።

ብፍላይ ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ብዑፍ መስቀል ዝጽዋዕ ሓደ ዓይነት ዑፍ ዘይኮነስ፡ ቁጽሮም ካብ ኣርባዕተ ንላዕሊ ዝኾኑ ዝተፈላለዩ ዘርኢ ዘለዎም ዓይነታት ኣዕዋፍ ምዃኖም እቲ በዓል ሞያ ይዛረብ።

ከም ኣብነት ክጠቅስ እንከሎ ድማ፡ 'ሊሎ' ተባሂሎም ዝጽውዑ ኣዕዋፍ፡ ኣብ ውሽጦም ዝተፋላለዩ ዓሌታት ከም ዘለዉ፡ ኣብ ውሽጢ ዑፍ መስቀል ድማ ዝተፈላለዩ ዓይነታት ኣለዉ ኢሉ።

ኩሉሳዕ ዝራኣዩ ንጹጹላይ' ተባሂሎም ዝጽውዑ ኣዕዋፍ ንባዕሎም፡ ዑፍ መስቀል ተባሂሎም ካብ ዝፍለጡ'ዮም።

በብቋንቁኡን ካባቢኡን፡ እቶም ኣዕዋፍ ዝተፈላለየ መጸዊዒታት ክህልዎም ከም ዝኽእል ዝጠቐሰ ኣቶ ይልማ፡ ዑፍ መስቀል ዝበሃሉ ግን ብዙሓት ኣዕዋፍ ዘጠቓልል ምዃኑ'ዩ ዝገልጽ።

ብቋንቋ እንግሊዝ'ውን፡ 'ኢንዲጎ በርድስ'፣ 'ዋይዳ'፣ 'ቢሾፕ' ወይ 'ዊዶው በርድ' ተባሂሎም ዝጽውዑ ኮይኖም፡ ኣብዚኦም ኩሎም'ውን ዝተፈላለዩ ዓይነታት ኣዕዋፍ ምህላዎም ይፍለጥ።

ዝቕልቀሉ ግዜ

እዞም ዑፍ መስቀል ተባሂሎም ዝፍለጡ ኣዕዋፍ፡ ክራማት ምስ ሓለፈ፡ ኣብ ቀውዒን ሓጋይን ብብዝሒ ዝራኣይሉ ወቕትታት'ዩ።

ኣቶ ይልማ ከም ዝብሎ፡ ዝበዝሑ ካብኦም፡ ዘራእቲ ዝበልዑ ብምዃኖምን ኣብቲ ወቕቲ'ቲ ድማ ዝስውቱ ኣእካል ብምህላዎምን፡ እቲ እዋን ንክፋረዩ ምቹእ ኩነታት ይፈጥረሎም።

እቶም ኣዕዋፍ፡ ብባህሪኦም ወቕትታትን ኩነታት ኣየርን ኣብ ግምት ብምእታዉ ካብ ቦታ ናብ ቦታ ዝንቀሳቐሱ ብምዃኖም፡ ኣብ ካልኦት ሃገራት'ውን ከም ዝርከቡ እቲ በዓል ሞያ ስነ-ኣዕዋፍ ይዛረብ።

ዝተፈላለዩ ኣዕዋፋት፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ወቕትታት፡ ካብን ናብን ሰሜናዊ ክፍለ-ዓለምን ደቡባዊ ክፍሊ-ዓለምን ከም ዝመላለሱ ይፍለጥ።

ካብ ማእከላይ ምብራቕ፡ ሃገራት ስካንደናቭያን፡ ምብራቕ ኣውሮጳን ሩስያን፡ ወቕቲ ሓልዮም ናብ ኢትዮጵያ ዝመጹ ከም ዘለዉን፡ ነቶም ሳገምቲ (ስደተኛታት) ኣዕዋፍ ዘጽንዑ ኪኢላታት ከም ዝከታተልዎምን ሰብ ሞያ ይሕብሩ።

ዝበዝሑ ካብዞም ዑፍ መስቀል ተባሂሎም ዝፍለጡ ኣዕዋፍ ግና፡ ኣብ ኢትዮጵያን ኣብ ከባቢኣ ዘለዋ ሃራትን'ዮም ዝርከቡ። ንሱ ከም ዝብሎ፡ ኣብ ኬንያ፡ ኡጋንዳን ታንዛንያን ኣለዉ።

ምሳና ዝነብሩ ኣጋይሽ

ኣቶ ይልማ ከም ዝበሎ፡ ዑፍ መስቀል፡ ንነዊሕ እዋን ጠፊኦም ጸኒሖም ሃንደበት ዝኽሰቱ ዘይኮኑ፡ ኣብ ዙርያና ዝነብሩ'ዮም።

ሓደስቲ መሰሊሎም ዝራኣዩና ድማ፡ መስከረምን ድሕሪኡ ዘሎ ኣዋርሕን፡ ብዘካይድዎ ተፈጥራዊ መስርሕ (ከይዲ)፡ ሕብሮም ቀይሮም ስለዝራኣዩ፡ ናይቲ ሓድሽ ዓመት መቐይሮ ኮይኖም ይግለጹ።

"ናይቶም ኣዕዋፍ ተፈጥሮ ምርዳእ የድሊ" ዝበለ ኣቶ ይልማ፡ እቲ ዘካይድዎ ተፈጥራዊ ለውጢ ኣብቲ ዝፈርይሉ ወርሒ መስከረም ስለዝካየድ'ዩ ይብል።

እቲ እዋን'ቲ ቅነ መስቀል ብምዃኑ ድማ፡ ምስኡ ተኣሳሲሮም ከም ዝግለጹ ጌርዎም'ዩ።

ከይዲ ተፈጥሮ

ኣብ ወርሒ መስከረም ኣንስተይቲ ዑፍ እንቋቑሖ እትወልደሉ እዋን ብምዃኑ፡ እቲ ተባዕታይ ዑፍ፡ ንክልቲኦምን ነቶም ዝጫጭሑ ጨቓዊትን ዝኸውን መግቢ መዕቆብን ናብ ዝርከበሉ ቦታ ብምኻድ ሰፈር ይሰርሕ።

ዝፋረይሉ እዋን ብምዃኑ፡ እቲ ተባዕታይ ዑፍ ነዚ ንጥፈታት እዚ ክገብር እንከሎ፡ ጭራኡ ይነውሕ፡ ሕብሩ ድማ ይልወጥ።

ሕብሩ ደሚቕ ስለዝኸውን፡ ዓይኒ ሰብ ብምስሓብ ሓድሽ ዑፍ ኮይኑ ክረአ ይኽእል'ዩ ይብል ኣቶ ይልማ። እቲ ብሕብሩ ካብ ርሑቕ ክረአ ዝኽእል ዑፍ፡ ጸሓይ ኣብ ዝበርቀሉ እንተ'ሎ ድማ፡ ሕብሩ ኣዝዩ ከንጸባርቕ ይኽእል'ዩ።

እቲ ሰሓቢ ሕብሪ ግን ካልእ ኣገዳሲ ኣበርክቶ ዘለዎ'ዩ። ከምቲ ዝተጠቕሰ፡ እቲ ወቕቲ ናይ ምርባሕ እዋን ስለዝኾነ፡ እቲ ተባዕታይ ዑፍ ነተን ኣንስትዮ ንምስሓብ ይጥቀመሉ'ዩ።

ንሱ ጥራይ ግን ኣይኮነን፡ ሰሓብነቱ ብምዕባይ ነቲ ናይ መውስቦ ዕድላቱ ንምርግጋጽ፡ ዜማታት ከዝይም ይስማዕ'ዩ። ነዚ ዝሰምዑ ካልኦት ኣዕዋፍ ድማ ካብኡ ከም ዝርሕቁ ይገብር- ተቓጸጽቲ የውሕድ ማለት'ዩ።

ስለዚ ይብል እቲ በዓል ሞያ፡ ዑፍ መስቀል፡ ብሰንኪ'ቲ ዝልወጥ ሕብሪን፡ ብሩህ ጸሓይ መስከረምን፡ ከምኡ'ውን እቲ ንገጽ ምድሪ ዘወቅብ ገልገለ መስቀል፡ ተደማሚሩ ነቲ ሓድሽ ዓመት ስለዘማዕርጎ፡ ናይ ደስታ ስምዒት ይፈጥር፤ 'ምበር፡ ወያ እቶም ኣዕዋፍ'ሲ ምሳና ዝኸረሙ ክኾኑ ይኽእሉ'ዮም።