ኡጋንዳ፡ ብኤርትራውያን ዝተመስረተ ማሕበር ወለንተኛታት ለገስቲ ደም እንታይ እዩ?

ደም ዝልግሱ ወለንተኛታት

ፍትሓዊ ግርማይ ብ1987 ኣብ ጋሽ ባርካ፣ ኣብ ዓዲ ተኽለሃይማኖት ተወሊዱ ዓብዩ።

ካብ 1ይ ክሳብ 8ይ ክፍሊ ከኣ ኣብ ቤት ትምህርቲ ሕውየት ብሹኳ፣ ካብ 9ይ ክሳብ 11 ክፍሊ ከኣ ኣብ ቤት ትምህርቲ ዱታ ባረንቱ ተኸታቲሉ። መበል 24 ዙር ናብ ቤት ትምህርቲ ዋርሳይ ይክኣሎ ወሪዱ ናይ ካልኣይ ደረጃ ትምህርቱ ዛዚሙ ናብ ስደት ኣምሪሑ።

ኣብዚ ግዜ’ዚ ፍትሓዊ፣ ኣብ ኡጋንዳ ማሕበር ወለንተኛታት ለገስቲ ደም ብምምስራት ከም ኣቦ ወንበር ኮይኑ ንህዝቡ በዚ ሕልናዊ ዕግበት ዝህብ ዕማም ኣብ ምግልጋል ይርከብ።

ኣብ ኤርትራ ኣብ ዝነበረሉ ግዜ፡ ኣብ ዝተፈላለየ እዋን ኣባላት ሃገራዊ ባንክ ደም ኣብ ነፍስ ወከፍ ናይ ካልኣይ ደረጃ ቤት ትምህርትታት መጺኦም ብስሩዕ፣ ብዛዕባ ልግሲ ደም ኣስተምህሮን ጎስጓስን ብምግባር ካብቶም ደም ክህቡ ዝኽእሉ ተምሃሮ ደም ይልገስ ከም ዝነበረ ይፈልጥ’ኳ እንተነበረ፡ ዓሚቕ ርድኢት ግና ኣይነበሮን ።

ሓደ ማዓልቲ ግና ብስራሕ ናብ ሕክምና ምስ ከደ ዓይነት ደሙ ኣር-ኤች- ነጋቲቭ ምዃኑ ተነግሮ። ሽዑ ብዛዕባ’ቲ ዓይነት ደሙ ፣ ንኹሉ ክህብ ከም ዝኽአል፡ ግና ካብ ተመስሳሊ ዓይነት ደም 'ምበር ካብ ዝኾነ ኻልእ ክቕበል ከም ዘይክእል እቲ ሓኪም ኣረደኦ።

ደም ልገሳ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ካምፓላ ኡጋንዳ

ንኹሉ ሰብ ደም ክህብ ምኽኣሉ ከም ጸጋ እኳ እንተቖጸሮ፡ ከምኡ ክነሱ ሒዝዎ ሱቕ ምባሉ ግና ሕልኑኡ ከተሓሳስቦ ጀመረ።

በዚ ድማ ገለ ነገር ክግብር ኣሎኒ ብምባል ‘ኤርትራውያን ኣብ ካምፓላ’ ዝብል ናይ ፌስቡክ ገጽ ፡ 'ኣነ ዓይነት ደመይ ኣር-ኤች- ነጋቲቭ እዩ፤ ንኹሉ ዓይነት ደም እውን ክህብ ስለ ዝኽእል ዝኾነ ሰብ ኣብ ሕርሲ ይኹን ብሓደጋ ጸገም ምስ ዘጋጥሞ በዛ ቑጽሪ ስልኪ ደውሉለይ" ብምባል፡ እቲ ኣብ ስደት ዘሎ ተጠርኒፉ ማሕበር እንተዝምስርት ዝብል፤ ሓውሲ ርእይቶን ሕቶን ሓዘል ጽሑፍቲ ምስ ኣቕረበ ካብ ትጽቢቱ ወጻኢ ብዙሕ ሰብ ነቲ ሓሳብ ተቐቢሉ ስለዝደገፎ ሓደ ጉጅለ መስረተ።

ነዚ ሰናይ ሓሳብ ዝሰምዑ ኣባላት ክሊኒክ ኢስት ኣፍሪቃ ደዊሎም ኣብቲ ዕማም ከምዝተሓጋገዙዎ ቃል ኣተውሉ።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

በዚ መሰረት ናብ ባንክ ደም ኡጋንዳ ብምኻድ ‘ኣብ ትሕቴኹም ኤርትራውያን ወለንተኛታት ብማሕበር ተጠርኒፍና ከም ስሩዕ ለገስቲ ደም ኣባልነት ተዋሂቡና፣ ኣብ ነፍስ ወከፍ 4 ወርሒ ደም ክንልግስ፣ ዝኾነ ኤርትራዊ ደም ምስ ዘድልዮ ድማ ብመሰረት እቲ ካርድ ኣባልነት ብነጻ ደም ክረክብ’ ዝብል ሕቶ ኣቕሪቦም ተሰማምዑ።

ብድሕሪኡ ናብ ሓደ ካብተን 3 ባንክታት ደም ኡጋንዳ ክምዝገቡ ተሓባበርዎም። በዚ መስርሕ ድማ ኣብዚ ግዜ እዚ ካብ ትጽቢቶም ንላዕሊ ብቑዕ ኣገልግሎት ብምሃብ ክሳብ ሕጂ እቲ ዕማም ብስሙርን ጽፉፍን ኣገባብ ይኸይድ ከምዘሎ ይግለጽ።

ኣገዳስነት ደም ኣብ ህይወት ዝዀነ ዘይስሕቶ እኳ እንተኾነ፥ መብዛሕቱኡ ሰብ ግና ኣብ ነብሱ ፡ ስድራ ቤቱ ወይ ቀረባ ቤተሰቡ ጸገም ምስ ኣጋጠመ ወይ እውን ኣብቲ ዓውዲ ዝነጥፍ ብዓል ሞያ እንተኾይኑ ጥራሕ እዩ ዝርዶኦ።

ብሓፈሻ’ውን መብዛሕቱኡ ሕብረተሰብ ኣብዚ ዛዕባ’ዚ ዝጸንሖ ርድኢት ኣዝዩ ትሑት ብምዃኑ፣ ወላ’ኳ ነቲ ሓሳብ ልግሲ ደም ኩሉ ሰብ ይቀበሎ ኣብታ ፈለማ ደም ዝለገሱላ ግና 28 ሰባት ጥራይ ከምዝመጽኡ ይዛረብ።

ግናኸ እቶም ሰብ ሞያ ኣባላት እቲ ማሕበር፡ ንኣገዳስነትን ጠቕምን ምልጋስ ደም፡ ቅድምን ድሕርን ደም ምልጋስ ክግበር ዝገበኦን ዘይግበኦን ነገራት እንዳመሃሩን እንዳጎስጎሱን ኣፍልጦ ናይቶም ብሰናይ ሕልና ዝተኣኻኻአቡ ወለንታውያን ለገስቲ ደም ናብ ልዕሊ 500 ሰባት ክብ ክብል ክኢሉ።

እቲ ኣስተምህሮ ኣብቲ ጉጅለ ጥራይ ተሓጺሩ ከይተርፍ ድማ ኣባላት ኢስት ኣፍሪቃ ሓፈሻዊ ሕክምና ኤርትራውያን ማሕበረሰብን ናብ ዝርከብሉ ዝተፈላለያ ናይ እምነት ትካላት ብምኻድ ኣስተምህሮን ጎስጓስን የካይዱ እዮም።

በዚ ድማ ደቀንስትዮ ኣብ ነፍሲ ወከፍ 4 ወርሒ ፣ ደቀ ተባዕትዮ ድማ ኣብ ነፍሲ ወከፍ 3 ወርሒ ደም ይልግሱ። ምናልባት እውን ካብዚ ግዜ ወጻኢ ደም ምስ ዘድሊ ብውልቂ ብምኻድ ደም ዝልግስሉ ኣጋጣሚ ኣሎ።

ብፍላይ ናይ ኣር-ኤች ነጋቲቭ ዓይነት ደም ዘለዎም ሰባት ኣዝዮም ሒደት ብምዃኖምን ካብ ከምኦም ዓይነት ጥራይ ከኣ ደም ስለዝቕበሉን፣ ዛጊት 30 ሰብ ዝሓቖፈ ፍሉይ ማሕበር ኣለዎም።

ኣብ ርእሲኡ’ውን ምስ ኡጋንዳውያን ናይ ኣር ኤች ነጋቲቭ ዓይነት ዝደሞም ማሕበር ተጠርኒፎም ዝሰፍሐ ናይ ምትሕግጋዝ ኣፍደገ ረኺቦም ኣለዉ።

ደም ብህጹጽ ምስ ዘድሊ እውን ናብቲ ማሕበር ብምኻድ ደም ይልግሱ።

'ህይወት ምድሓን ሃይማኖት ዓሌት ኣይፈልን እዩ'

ፍታሓዊ ግርማይ

ደም ክትልግስ አንከለኻ፡ ነቲ ደም መተካእታ ዝኸውን እንተወሓደ ኮካን ብሽኮቲን በቶም ናይ ሜንጎ ባንክ ደም ይወሃብ።

ምስቲ ኣብ ካምፓላ ዘሎ ብዝሒ ህዝቢ ኣነጻጺርካ ክረአ እንከሎ እዚ ሕጂ ዘሎ ቁጽሪ ወለንታውያን ኣዝዩ ውሑድ’ዩ ዝብል ፍትሓዊ፡ ቀንዲ ዕላማ እቲ ማሕበር ኣፍልጦ ምዕባይ ምዃኑ ይሕብር።

ብኡ መሰረት ከኣ ነፍስ ወከፍ ዜጋ ደም ክልግስን ኣፍልጦኡ ከዕብን ስለዝግባእ ኣብ ዝተፈላልየ ገጻት ማሕበራዊ መራኸቢታት ሓበሬታ ብምዝርጋሕ ኣፍልጦ ሰባት የዕብዩ ከምዘለዉ ይዛረብ።

''ኣብ መጻኢ ብፍላይ ኣብቲ ናይ ፌስቡክ ገጽና ንኹሉ ሓፋሽ ብዛዕባ ደምን ምስ ደም ዝተሓሓዙ ሕማማት ይኹኑ ዛዕባታት እናልዓና ብጽሑፍን ዝተፈላለየ ኣገባብን ንቕሓት ህዝቢ ከነበርኾ ኢና'' ይብል።

ወሲኹ እውን ''ህይወት ምድሓን ሃይማኖት ዓሌት ፖለቲካዊ ጉጅለ ኣይፈልን እዩ ። ሰብ ብሕብሩ ደኣ’ዩ ዝፍለ እምበር ደሙ ሓደ እዩ። ስለዝኾነ እቲ ዝልገስ ደም ብዓይነቱ 'ምበር ብዜግነትን ካልእ መፍለዩን ኣይኮነን ኣብ ፍርጅ ዝቕመጥ። ደም ምልጋስ ህይወት ምድሓን እዩ" ኢሉ።

ፍትሓዊ ይቕጽል። "ብፍሉይ ናይ ኤርትራውያን ተባሂሉ ዝዕቀብ ደም የለን። ግና እቲ ኣወንታዊ ተግባር ነቲ ተሰዲድካ ዝኸድካዮ ሕብረተሰብ እውን ኣብቲ ናትካ ማሕበረሰብ ዘለዎም ኣረኣኣአያ ኣዚዩ ይቕይሮን እወንታዊ ይገብሮን" ይብል።

እቲ ደም ምስ ዝልገስ ኣብ ባንክ ደም ሜንጎ ከምዝዕቆር ተዛሪቡ።

ለበዋ እቲ ማሕበር

“ከም ወለንታውያን ማሕበር ለገስቲ ደም ንኹሉ ኣብ ኡጋንዳ ዝነብር ዜጋ ምሳና ኣብዚ ማሕበር ክጥርነፍን ኣበርክቶኡ ከዕዝዝን ንጽውዕ። ምኽንያቱ ሎሚ ኣብ ነብስኻ እንተዘይመጸ ጽባሕ ከጋጥም ይኽእል እዩ። ከጋጥም ኣይንደልዮን ኢና ግና ህይወት'ዩ፤ ሰብ ስለዝኾንካ ሓደ መዓልቲ ጥንሲ ኣሎ ሕርሲ ኣሎ ሓደጋ ኣሎ'' ይብል ፍትሓዊ።

ኣብዚ ማሕበር ተጠርኒፍካ እንተጸኒሕካ፡ ደም ትህብ ወይ ደም ትወሃብ ወይ አውን ኣፍልጦኻ ከተዕቢ ከምእትኽእል ይዛረብ።

''ሓደ ሓደ ሰባት ኣነ ደኣ ሚዛነይ ትሑት እዩ... ደም የብለይን ዝብሉ ኣለው። ምናልባት ደም እንተዘይብልካ ወይ እውን ክትህብ አንተዘይክኢልካ ንክትወሃብ ኣብቲ ማሕበር ኣገዳስነት ኣለዎ'' ይብል ፍትሓዊ ግርማይ።

ንሱ፡ ብፍላይ ኣብ ሱዳን ብብዝሒ ስደተኛታት ስለዘለው፡ ብዙሓት ኤርትራውያን ከኣ ንኽሕከሙ ናብ ሱዳን ይኸዱ አዮም። ግና ምስቲ ናይቲ ዓዲ ሕጊ ደም ምልጋስ ኣዚዩ ኣጸጋሚ ክኸውን ስለዝኽእል ተጠርኒፎም ከምዚ ዓይነት ማሕበር ክምስርቱ ይላበዎም።

''ብሓፈሻ ኣብ ኩሉ ሃገር ዘለዉ ኤርትራውያን’ውን ነዚ ሓሳብ ከም ኣብነት ወሲዶም ክሰርሕሉ ይግባእ” ክብል ለበውኡ የቕርብ ፍትሓዊ።