ኣሜሪካ ኣብ ልዕሊ ግህሰት ዝፈጸሙ ሰበስልጣን ኢትዮጵያ ዝሃበቶ መምርሒ እንታይ እዩ?

ሓላፊት ቢሮ ፍትሒ ዓለምለኻዊ ገበናት ኣሜሪካ ቤዝ ቫን ስካክ

ምንጪ ስእሊ, US department of state

መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ብግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ዝኽሰሱ ሰበስልጣን፡ "ብፍላይ ኣባላት ሰራዊት ብምምሕዳራዊ ፍቓድ" ካብ ስልጣን ክኣሊ፡ ሓላፊት ቤት-ጽሕፈት ፍትሒ ዓለምለኻዊ ገበናት ኣሜሪካ ቤዝ ቫን ስካክ ምዒዳ።

ኣብ ክልላት ኦሮምያን ኣምሓራን "ዝፍፀሙ ዘለዉ ግህሰታት" ኣብ ዝቐፀልሉ እዋን፡ ንኹሉ ዘማእኸለ መሰጋገሪ ፍትሒ ምትግባር "ኣፀጋሚ" ወይ "ዘይከኣል" ከም ዝኾነ ተዛሪባ።

ኣብ ከም ገበናት ኵናትን ገበናት ኣንፃር ሰብኣውነትን ዝኣመሰሉ ጉዳያት ሰብኣዊ መሰል ንሚኒስትር ጉዳይ ወጻኢ ኣሜሪካ ንዘማኽር ቤት-ጽሕፈት እትመርሕ ኣምባሳደር ቤዝ፡ ብረቡዕ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃበቶ መብርሂ እያ፡ ነዚ ገሊጻ።

እታ ኣምባሳደር፡ "ኣብ ኢትዮጵያን ኣብ መላእ ኣፍሪቃን ዝተጀመሩ ከይድታት ስግግር ፍትሒን ተሓታትነትን ንምሕያል'ያ"፡ ናብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ተጓዒዛ።

ቤዝ ቫን ስካክ ካብ 29 ሕዳር ክሳብ ታሕሳስ 02 2017 ኣቆጻጽራ ግእዝ ኣብ ኣዲስኣበባ ብዛዕባ ዝነበራ ርክብ ኣመልኪታ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃበቶ መብርሂ፡ ምስ ሰበስልጣን ኢትዮጵያ ከም ዝተራኸበትን ሚኒስትር ፍትሒ ኣብ ዘዳለዎ ዘተ ስግግር ፍትሒ ከም ዝተረኸበትን ኣመልኪታ።

ማሕበረሰብ ዓለም ንስግግር ፍትሒ ኢትዮጵያ ንምድጋፍ ድሌት ከም ዘለዎ ዝሓበረት እታ ሓላፊት፡ "ክሳብ ሕጂ ብዘሎ መስርሕ ተስፋ ከም ዘለዋ" ተዛሪባ።

ይኹን'ምበር ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ "ምዕፃው ሲቪክ ማሕበራትን ብፍላይ ኣብ ክልላት ኦሮምያን ኣምሓራን ዝቐፀሉ ግህሰታትን" ከም ትፈልጦ ጠቒሳ።

እዚኦም ድማ፡ መንግስቲ ንምትግባር ዝዳለወሉ ዘሎ ንኹሉ ዘማእኸለ ስግግር ፍትሒ "በዳሂ ወይ ኸኣ ዘይከኣል" ክገብሮ ከም ዝኽእል ገሊጻ።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

"ሰባት ሓሳቦም ንምግላፅ፣ ሓቂ ንምዝራብ ነፃነት እንተዘይ ተሰሚዕዎም ኣብ መስርሕ ፍትሒ ከም ዘይሳተፉ ንፈልጥ ኢና። እዞም ኣብዘን ክልላት ዘለዉ ጐንፅታት'ውን፡ ብፖለቲካዊ ልዝብ ክፍትሑ ኣለዎም" ኢላ።

ኣምባሳደር ቤዝ፡ ኣብ ኢትዮጵያ "ንነዊሕ ዝፀንሑ ታሪኻዊ ግህሰታትን ዝረኣዩ ዘለዉ ጐንፅታትን ንምፍታሕ ዘኽእል ንኹሉ ዘማእኸለ ስግግር ፍትሒ ተግባራዊ ንክኸውን፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ እንታይ ዓይነት ስጉምትታት ይወስድ ከም ዘሎ ንክገልፅ፡ መንግስቲ ኣሜሪካ ይፅበይ ከምዘሎ ሓቢራ።

ከም ኣገላልጻ እታ ሓላፊት፡ መንግስቲ ኣሜሪካ "ክውሰዱ ኣለዎም" ኢሉ ብለበዋ ካብ መንጐ ዘቕርቦም ጉዳያት፡ ግህሰታት ዝፈፀሙ ሰበስልጣን መንግስቲ ረቑሑ።

ኣምባሳደር ቤዝ፡ "ግህሰት ብምፍፃም ዝፍለጡ ሰባት ካብ ስልጣን ምእላይ፡ ክሕሰበሉ ዝግባእን ትርጉም ዘለዎን ስጉምቲ እዩ። ብፍላይ ድማ ኣባላት ሰራዊት። ንኣብነት፡ ብገበን ዝኽሰሱ ምሉእ ምርመራ ክሳብ ዝካየድ፡ ብምምሕዳራዊ ፍቓድ (ካብ ስልጣን) ምእላይ" ግቡእ እዩ ኢላ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ንዝተፈፀሙ በደላት "ወግዓዊ ኣፍልጦ" ክህብ ድማ እታ ኣምባሳደር ተላብያ።

እቲ ዝካየድ ስግግር ፍትሒ፡ "ግልጺ፣ ንኹሉ ዘካተትን ንግዳያት ዘማእኸለን እንተድኣ ኰይኑ" መንግስቲ ኣሜሪካ መሻርኽቲ ንምዃን ድሉው ከም ዝኾነ ሓቢራ።

"ብዛዕባ ዝሓለፈ (ጉዳይ) ተኣማኒ ምዃንን ኣብ ስልጣን ንዘለዉ (ውልቀሰባት) ሓቀኛ ስጉምቲ ብምውሳድ ተሓተትቲ ምግባርን ንመንግስቲ ኣገዳሲ ወሳኒ (ስጉምቲ)'ዩ" ዝበለት ኣምባሳደር ቤዝ፡ ኣብ ጉዳይ እቶም ዝተፈፀሙ ግህሰታት፡ ኣብ ወተሃደራዊ ቤት-ፍርዲ ዝተኻየዱ ከይድታት ክስን ዲሲፒሊንን "ግልጺ ከም ዘይኰኑ" ገሊጻ።

"መን በየናይ ገበን ከም ዝተኸሰሰ፣ እንታይ ከም ዝተቐፅዐ ዋላ ሓደ ሓበሬታ የብልናን። እዚ መስርሕ (ክሲ) ብኸመይ ከም ዝተፈፀመ ንጹር ክኸውን ይግባእ" ኢላ።