ኣብ ሻምፕዮና ዓለም ዝሳተፉ ኤርትራውያን ተቐዳደምቲ ብዓል መን'ዮም?

ኣብቲ ካብ 21 ክሳብ 28 መስከረም ንመጀመርታ ግዜ ኣብ ምድሪ ኣፍሪቃ፡ ሃገረ ርዋንዳ ዝካየድ፡ ሻምፕዮና ቅድድም ብሽክለታ ዓለም፡ ዝሳተፉ ኤርትራውያን ተፈሊጦም።

ኣብዚ ንመበል 92 ግዜኡ ዝካየድ ሻምፕዮና ቅድድም ብሽክለታ ዓለም፡ ኣብ ዓበይቲ ብሽዱሽተ ተቐዳደምቲ'ያ ክትውከል።

እቲ ካብ ኩሎም ኣፍሪቃውያን ተቐዳደምቲ ኣብ ቅድሚት ዝስራዕን ኣብ ዓበይቲ ውድድራት ብሉፃት ዓወታት ዝዓተረን- ቢንያም ግርማይ፡ ሓደ ካብቶም ኣብ ጎደናታት ኪጋሊ ማልያ ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ለቢሱ እንርእዮ ክኸውን'ዩ።

ኣብዚ ዓቐበት ዝበዝሖ ከምዝዀነ ዝንገረሉ ውድድር፡ ቢንያም ግርማይ ክዕወተሉ ይኽእል'ዩ ዝብል ግምት'ኳ እንተዘየለ፡ ዓቢ ዓለማዊ ውድድር ኣብ ኣፍሪቃ እንተኻየደ እቲ ኣብ ቅድድም ብሽክልታ ንጉስ ኣፍሪቃ ዝተብሃለ ቢንያም ግርማይ ዘይብሉ ክኸውን'ውን ቀመም ዝጎድሎ'ዩ።

እቶም ካልኦት ምስዛ ሃገራዊት ጋንታ ንኤርትራ ወኪሎም ኣብዚ ውድድር ዝሳተፉ ሰለስተ ተቐዳደምቲ፡ ዙር ርዋንዳ ኣብ 2019 ናብ 2.1 ክብ ካብ ዝብል ካብ ዝተኸየዱ ሸውዓት ውድድራት ብድምር ነቲ ኣርባዕተ ብጫ ማልያታት ዝተዓወትሉ'ዮም።

መርሃዊ ቅዱስ ኣብ 2019፡ ናትናኤል ተስፋጽዮን ኣብ 2020ን 2022ን፡ ከምኡ ከኣ ሄኖክ ሙሉብርሃን ኣብ 2023 ተዓወትቲ ብጫ ማልያ ዙር ርዋንዳ ዝነበሩ'ዮም።

ኣብ ግራንድ ቱራት ኣብ ስራሕ ናይ ጋንታ ኣዝዩ ዝንኣድ ጸወታ ዘርኢ ኣባል ኣማሪካዊት ጋንታ ሊድል ትሬክ ኣማንኤል ገብረእግዝኣብሄር፡ ከምኡ ኸኣ ሎሚ ዓመት ነታ ሻዱሽይትን ዝተረረትን መድረኽ ዙር ርዋንዳ ዝተዓወተላን ቻምፕዮን ኤርትራ 2025 ዝኾነን ናሆም ዘርኣይ ፡ንሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ወኪሎም ናብታ ዓወታት ዘልመደቶም ሃገረ ርዋንዳ ከምርሑ'ዮም።

ኣብዚ ናይ ሎሚ ዓመት ቻምፕዮና ዓለም ፡ ኤርትራውያን ተቐዳደምቲ ካብቲ ቅድሚ ሕጂ ኣብ ቻምፕዮና ዓለም ዘመዝገብዎ ውጽኢት ዝበለጸ ደረጃ ከመዝግቡ ዓቢ ትጽቢት ኣሎ።

ኤርትራ ኣብ ናይ ኢሊት ሸውዓተ ኮታ'ዩ ዘለዋ፡ እቲ ሽዱሽተ ብደረጃ ዓለም ዘለዋ ደረጃ ዘፍቕደላ ክኸውን እንከሎ ሄኖክ ምሉእብርሃን ከኣ ሻምፕዮን ኣፍሪቃ 2024 ስለዝኾነ ብቀጥታ ኣብ ሻምፕዮን ዓለም ከሳትፎ ዝኽእል ቦታ ኣለዎ።

እንተኾነ ኤርትራ ክሳብ ሕጂ ናይ ሹድሽተ ተቐዳደምቲ ከም እተሳተፍ'ዩ ወግዓዊ ኮይኑ ዘሎ፡፡ ዋላ'ኳ ስም ተሳተፍቲ ቅድሚ 29 ነሓሰ ክርከብ ከምዘለዎ ዩሲኣይ ኣብ መርበብ ሓበሬታኡ እንተኣፍለጠ ብሕጂ ዝውሰኽ ተጻወታይ እንተሃልዩ ኣብ ዝቅጽል መዓልታት ክንፈልጥ ኢና።

ኤርትራ ኣብ ናይ ትሕቲ 23 ዓመታት'ውን ብሓሙሽተ ተቐዳደምቲ'ያ ክትውከል። ከም ሚልክያስ ማእከለ፡ ዓወት ኣማን፡ ሄብሮን ብርሃነ፡ ዩኤል ሃብተኣብን ካልኦትን ኣብዚ ኮታ እዚ ክወዳደሩ ከኣ ትጽቢት ኣሎ።

ኣብ ጁንየር ደቂ ተባዕትዮ ኤርትራ በቲ ኣብ 2024 ኣብ ናይ ጁንየር ደቂ ተባዕትዮ ሻምፕዮን ኣፍሪቃ ክኸውን ዝኸኣለ ኬቨን ተኽለማርያም ጥራይ'ያ ክትውከል።

ኣብ ኢሊት ደቂ ኣንስትዮን ትሕቲ 23 ዓመትን ኤርትራ ኮታ ኣይረኸበትን ኣብ ናይ ጁንየር ደቂ ኣንስትዮ ግን በታ ኣብ 2024 ሻምፕዮን ኣፍሪቃ ክትከውን ዝኸኣለት ናርዶስ ጸጋይ ክትውከል'ያ።

ብዘይካ'ዚ ኤርትራ ኣብ ናይ ውልቂ ናይ ግዜ ውድድር ብኬቨን ተኽለማርያም፡ ቤትኤል ኤፍሬምን ሱዛን ፍስሃን ናይ ምውካል ዕድል ኣለዋ፡ ምኽንያቱ እዚኦም ሰለስቲኦም ኣብ 2024 ኣብ ናይ ውልቂ ናይ ግዜ ውድድር ተዓወትቲ ዝነበሩ'ዮም።

ዩሲኣይ ዕድሚኦም ትሕቲ 23 ዓመት ኮይኑ፡ ቅድሚ ሕጂ ኣብ ኣብ ሻምፕዮና ዓለም ምስ ኢሊት ዝተወዳደሩ ወይ ምስ ፕሮ ኮንቲነንታልን ምስ ዎርልድ ቱር ጋንታታትን ዝተጠርነፉ ኣብ ናይ ትሕቲ 23 ዓመት ክወዳደሩ ከምዘይክእሉ'ዩ ኣፍሊጡ ዘሎ፡ እዚ ከኣ ንንአሽቱን ሓዲሽ ተመክሮ ዘለዎምን ዕድል ንምሃብ ዝዓለመ ከምዝኾነ ኣብ መርበብ ሓበሬታኡ ኣፍሊጡ ኣሎ።

ቻምፕዮና ዓለምን ውጽኢት ኤርትራውያንን

ኣብ ታሪኽ ሻምፕዮና ዓለም ኤርትራ ኣብ 2021 ኣብ ናይ ትሕቲ 23 ዓመት ቢንያም ግርማይ ኣብ ቤልጂም ከተማ ኣንተረፕ ንጣልያናዊ ፍሊፖ ባሮንሲቲ ተኸቲሉ ካልኣይ ብምውጻእ እታ እንኰ ብሩር መዳልያ ዝረኸበላ ኰይና ተመዝጊባ ኣላ።

ኣብ ናይ ዓበይቲ ከኣ ናትናኤል ብርሃነ ኣብ 2016 ኣብ ደውሓ [ቐጠር] ኣብ ዝተኻየደ ሻምፕዮን ዓለም መበል 13 ዝወጽኣሉ ኣብ ሻምፕዮና ዓለም እቲ ዝበለጸ ውጽኢት ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ኰይኑ ተመዝጊቡ ኣሎ።

ናትናኤል ኣብቲ እዋን፡ ካብቲ ቀዳማይ ደረጃ ብምውጻእ ወርቂ መዳልያ ዝተዓወተ ፒተር ሳጋን ኣርባዕተ ካልኢት ጥራይ ድሒሩ'ዩ መበል 13 ኣትዩ።

ስለዚ ኣብ ናይ ኢሊት ብግዜ ክልካዕ እንከሎ ውጽኢት ናትናኤል ብርሃን እቲ ናብ ቀዳማይ ዝቐረበ ግዜ ምዃኑ ይግምገም።

ብሓፈሻ ኤርትራ ካብ 2011 ጀሚራ'ያ ኣብ ሻምፕዮና ዓለም ክትሳተፍ ጀሚራ።

ኣብቲ እዋን ዳንኤል ተኽለሃይማኖት፡ ፍረቃልሲ ደበሳይን ሰመረ መንግስን እቶም ቀዳሞት ንኤርትራ ኣብ ሻምፕዮና ዓለም ዝወከሉ ክዀኑ እንከለዉ፡ ዳንኤል ተኽለሃይማኖት መበል 143 ኰይኑ ውድድሩ ክዛዝም እንከሎ ፍረቃልን ሰመረን ግን ነቲ ውድድር ክውድእዎ ኣይክኣሉን።

ኤርትራ 2012 ኣብ ሻምፕዮና ዓለም ኣይተሳተፈትን። ኣብ 2013 ንኤርትራ ወኪሎም ዝተሳተፉ ዳንኤል ተኽለሃይማኖት፡ ጃኒ ተወልደን ሜሮን ርእሶምን እውን ነቲ ጸወታ ኣይወድኡዎን። ኣብ 2014'ውን ብተመሳሳሊ፡ መኽሰብ ደበሳይን ናትናኤል ብርሃነን ንኤርትራ ወኪሎም ተሳቲፎም ጸወታ ግን ኣይወድእዎን።

ኣብ 2015 ንበይኑ ኣብቲ ውድድር ዝተሳተፈ መኽሰብ ደበሳይ ጸወታ ኣይወድኦን።

2016፡ እታ ኤርትራ ብመንገዲ ናትናኤል ብርሃነ ኣብ ሻምፕዮና ዓለም ዝበለጸ ውጽኢት ዘመዝገበትላ ዓመት ኰይና፡ ከምቲ ክብ ኢሉ ዝተገልጸ፡ ናትናኤል መበል 13'ዩ ወጺኡ።

እቶም ምስኡ ዝተሳተፉ መኽሰብ ደበሳይ፡ ሜሮን ተሾመ፡ ተስፎም ዑቕባማርያም፡ ዳንኤል ተኽለሃይማኖትን መትከል እዮብን ግን ጸወታ ኣይወድእዎን።

ናትናኤል ብርሃን ኣብ 2017 መበል 83 ክወጽእ እንከሎ ምስኡ ዝተሳተፉ ኣማንኤል ገብረእግዝኣብሄርን መኽሰብ ደበሳይን ጸወታ ኣይወድእዎን።

ኣብ 2018 መርሃዊ ቅዱስ መበል 41 ወጺኡ፡ ኣማኑኤል ገብረእግዝኣብሄር ግን ጸወታ ኣይወድኦን።

ኣብ 2019 ዝተሳተፉ መኽሰብ ደበሳይ፡ ዳንኤል ተኽለሃይማኖት፡ ናትናኤል ብርሃነን መርሃዊ ቅዱስን ኵሎም ጸወታ ኣይወድእዎን።

ኣብ 2020 መርሃዊ ቅዱስ መበል 67፡ ኣማንኤል ገብረእግዝኣብሄር መበል 69 ክውጽኡ እንከለዉ ናትናኤል ብርሃነ ብሰንኪ ሕማም ጸወታ ኣይጀመረን።

ኣብ 2021 መርሃዊ ቅዱስ መበል 50 ክወጽእ እንከሎ ምስኡ ዝተሳተፉ ዳዊት የማነ፡ መትከል እዮብን ናትናኤል ብርሃነን ጸወታ ኣይወድኡዎን።

ኣብ 2022 ኣብ ኣውስትራልያ ከተማ ዎሎንጎን ኣብ ዝተኻየደ ሻምፕዮና ዓለም ቢንያም ግርማይ መበል 54 መርሃዊ ቅዱስ ከኣ መበል 69 ኰይኖም ውድድሮም ወዲኦም። ኣማኑኤል ገብረእግዝኣብሄር፡ ሄኖክ ምሉብርሃን፡ መትከል እዮብን ናትናኤል ተስፋጽዮንን ግን ነቲ ጸወታ ኣይወድኡዎን።

ኣብ 2023 ኣብ ከተማ ግላስኮ ኣብ ዝተኻየደ ሻምፕዮና ዓለም ንኤርትራ ዝወከሉ ዳዊት የማነ፡ ሄኖክ ምሉብርሃንን ናትናኤል ብርሃነን ጸወታ ኣይወድእዎን።

ዓሚ ከኣ ብዘይካ እቲ መበል 53 ኰይኑ ጸወታኡ ዝወድአ ናትናኤል ተስፋጽዮን፡ ኣማኑኤል ገብረእግዝኣብሄር፡ ሄኖክ ምሉብርሃን፡ ቢንያም ግርማይን ዳዊት የማነን ጸወታ ኣይወድእዎን።

ሻምፕዮና ዓለም ዝዀኑ ተቐዳደምትን ውጽኢት ኤርትራን

  • 2024: ታደይ ፖጋቻ [ስሎቬንያ] ናይ ኤርትራ ዝበለጸ ውጽኢት መበል 53
  • 2023: ማትዮ ቫንንደርፖል [ሆላንድ] ኤርትራ ጸወታ ዝወደአ ተጻዋታይ ኣይነበራን
  • 2022: ሬምኮ ኤቨነፖል [ቤልጂም] ናይ ኤርትራ ዝበለጸ ውጽኢት መበል 54
  • 2021: ጁልያን ኣላፍሊፕ [ፈረንሳ] ናይ ኤርትራ ዝበለጸ ውጽኢት መበል 50
  • 2020: ጁልያን ኣላፍሊፕ [ፈረንሳ] ናይ ኤርትራ ዝበለጸ ውጽኢት መበል 67
  • 2019: ማድስ ፔደርሰን [ድንማርክ] ኤርትራ ጸወታ ዝወደአ ተጻዋታይ ኣይነበራን
  • 2018: ኣለሳንድሮ ቫልቨርደ [ስጳኛ] ናይ ኤርትራ ዝበለጸ ውጽኢት መበል 41
  • 2017: ፔተር ሳጋን [ስሎቫክያ] ናይ ኤርትራ ዝበለጸ ውጽኢት መበል 83
  • 2016: ፔተር ሳጋን [ስሎቫክያ] ናይ ኤርትራ ዝበለጸ ውጽኢት መበል 13
  • 2015: ፔተር ሳጋን [ስሎቫክያ] ኤርትራ ጸወታ ዝወደአ ተጻዋታይ ኣይነበራን
  • 2014: ሚካኤል ክዋተኮወስኪ [ፖላንድ] ኤርትራ ጸወታ ዝወደአ ተጻዋታይ ኣይነበራን
  • 2013: ርዮ ኮስታ [ፖርቴጓል] ኤርትራ ጸወታ ዝወደአ ተጻዋታይ ኣይነበራን
  • 2012: ፍሊፕ ጊልበርት [ቤልጂም] ኤርትራ ኣይተሳተፈትን