ኤርትራ፡ ብቢንያም ተነቓቒሖም ዓለማዊ መድረኻት ዘማዕድዉ ዘለዉ ተቐዳደምቲ

ቢንያም ኣብታ ብቅድድም ብሽክለታ ርእሲ ኵለን ሃገራት ኣፍሪቃ ዝዀነት ኤርትራ ‘ጅግና’ እዩ።

እቲ ፈላማይ ኣብ ቱር ዲ ፍራንስ ናይ መድረኽ ዓወት ከመዝግብ ዝኸኣለ ጸሊም ኣፍሪቃውን፡ ኣብ ቱር ዲ ፍራንስ ቀዳማይ ተዓዋቲ ቀጠልያ ማልያ ክኸውን ምኽኣሉን ‘ንጉስ ኣፍሪቃ’ ኣስምይዎ’ዩ።

እዝን ካልእን ዓወታቱ ኸኣ ንብዙሓት ንኣሽቱ ኤርትራውያንን ኣፍሪቃውያንን ተቐዳደምቲ ቅዱስ ቅንኢ ንኽሓድሮም ቀሲቡ’ዩ።

ኣብ ኬንያ ከተማ ኤልዶረት ኣብ ዝተኻየደ ሻምፕዮን ኣፍሪቃ ንሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ወኪሉ ኣብ ናይ ጁንየር ናይ ውልቂ ናይ ግዜ ውድድርን ናይ ጽርግያ ውድድርን ክልተ ወርቂ ዝረኸበ ኬቨን ተኽለማርያም ሓደ ካብቶም ማዕረን ልዕልን ቢንያም ዘመዝገቦ ዓወታት ከምጽኡ ስኖም ነኺሶም ዝጽዕሩ ዘለዉ’ዩ።

ኬቨን ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕተት “ኣነ ዕላማይ ነቲ ቢኒ ዘመዝገቦ ዓወት ምድጋም ጥራይ ኣይኰነን፤ ልዕሊኡ ክኸይድ’የ ዝደሊ፡ ቢኒ እቲ ዝክኣል ዘይመስል ከምዝክኣል ኣርእዩና’ዩ” ኢሉ።

ወዲ 17 ዓመት ኬቨን ኣብቲ መጀመርታ ካብ ሃገሩ ወጺኡ ንሃገሩ ወኪሉ ዘካየዶ ክልተ ውድድራት ንዓለም ብኽልተ ወርቂ መዳልያ ተላልይዋ ኣሎ።

ቢንያም’ውን ንመጀመርታ ግዜ ካብ ሃገሩ ወጺኡ ኣብ 2018 ኣብ ሩዋንዳ ኣብ ዝተኻየደ ቻምፕዮን ኣፍሪቃ ኣብ ናይ ጁንያር ናይ ውልቂ ውድድር፡ ናይ ጋንታ ናይ ግዜ ውድድርን ናይ ጽርግያ ውድድር ኣብ ኵሉ ቀዳማይ ብምውጻእ ሰለስተ ወርቂ መዳልያ ብምርካብ’ዩ ኣህጉራዊ ዓወታቱ ፈሊምዎ።

ንቢንያምን ንኬቨንን ዘመሳስሎም ግን እዚ ጥራይ ኣይኰነን፤ ኬቨን ኣብ ካልኣይ ዲቪዥን ጋንታ ኣስቤኮ’ዩ ዝወዳደር፤ ቢንያም’ውን ቅድሚ ናይ ዩሲኣይ ዕድል ስልጠና ምርካቡ ኣባል ጋንታ ኣስቤኮ’ዩ ነይሩ።

ኬቨን፡ “ቢንያም ኣዝዩ ብሉጽ ተጻዋታይ’ዩ፡ ቅድሚ ሕጂ ዝዀነ ኣፍሪቃዊ በጺሕዎ ዘይፈልጥ ዓወታት ኣመዝጊቡ’ዩ፤ ኣብ ኣስመራ እንከሎ ኣብታ ሕጂ ኣነ ዝወዳደረላ ዘለኹ ጋንታ ኣስቤኮ ይወዳደር ምንባሩ ኸኣ ሓበን’ዩ ዝፈጥረለይ።"

እቲ ካልእ ንፈላማይ ዓወታት ቢንያምን ንኬቨንን ዝኣስረልና ነገር ከኣ ኣሰልጣኒ ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ዮናስ ዘካርያ [ሓላባይ] እዩ።

ኣብ 2018 ኣብ ቻምፕዮን ኣፍሪቃ ንቢንያም ኣሰልጣኒኡ ኰይኑ ናብ ሩዋንዳ ዝገሸ ዮናስ ዘካርያስ’ዩ። ኣብቲ ካብ 9 ክሳብ 13 ጥቅምቲ 2024 ኣብ ኬንያ ዝተኻየደ ሻምፕዮን ኣፍሪቃ’ውን ብተመሳሳሊ ዮናስ ዘካርያስ’ዩ ኣሰልጣኒ ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ኰይኑ ንኬቨንን ካልኦትን ሒዙ መጺኡ።

ዮናስ ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕተት፡ “ቢንያም ኣብ 2018 ኣብ ቻምፕዮን ኣፍሪቃ ሰለስተ ወርቂ መዳልያ ምስ ረኸበ፡ ኣብቲ እዋን ቢንያም ኣብ ዝልዓለ ደረጃ ክበጽሕ ዝኽእል ተጻዋታይ ምዃኑ ተዛሪበ ነይረ’የ”

“ሕጂ ኣብ ኬቨንን እቶም ካልኦት ኣብ ናይ ጁንየር ዝተወዳደሩን ተጻወትቲ’ውን ተመሳሳሊ ብቕዓትን ብስለትን’የ ዘርኢ ዘለኹ”ኢሉ።

ኤርትራ ኣብ ናይ ጁንየር ናይ ጽርግያ ውድድር ነቲ ጸወታ ብልዑል ዓብላልት ካብ ኬቨን ተኽለማርያም ወርቂ ክትረክብ እንከላ፡ ናሆም ኤፍረም ካልኣይ ሴም እዮብ ከኣ ሳልሳይ ብምውጻእ ንዅሉ መዳልያታት’ዮም ወሲዶምዎ።

ንሰለስተ ዓመታት ኣከታቲሉ ቻምፕዮን ኣፍሪቃ ብምዃን ሓድሽ ክብረ ወሰን ዘመዝገበ ኣባል ካዛኺስታናዊት ክለብ ኣስታና ካዛኺስታን ፕሮፈሽናል ተቐዳዳማይ ሄኖክ ምሉብርሃን’ውን ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕተት፡ ኣብ ኬቨን ተኸለማርያምን ካልኦት ንኣሽቱ ተቐዳደምትን ዓቢ ተስፋ ከምዘለዎ’ዩ ገሊጹ።

“ነዞም ንኣሽቱ ተቐዳደምቲ ጽቡቕ ገይረ’የ ዝፈልጦም፤ ኣብ ኣስመራ ሓደ ሓደ ግዜ ምሳይ ንልምምድ ይወጽኡ’ዮም። ኬቨን ከኣ ሓደ ካብቶም ንጽበዮም ተቐዳደምቲ’ዩ” ኢሉ።

ብሽክለታ ከም ባህሊ

ብሽክልታን ቅድድም ብሽክለታን ኣብ ኤርትራ ካብ እዋን መግዛእቲ ኢጣልያ ሱር ዝሰደደ ኰይኑ ናብ ባህሊ ገጹ ዝኸደ’ዩ።

እታ ኣብ መጀመርታ ንመጓዓዝያ ጥራይ ተገልግል ዝነበረት ብሽክለታ፡ ሕጂ ሓንቲ ካብተን ንኤርትራውያን ብሓጐስ ዘሰራስራን ንሽም ኤርትራ ዘጸውዓን ኰይና ኣላ።

ብፍላይ ከኣ ሽም ኤርትራውያን ተቐዳደምቲ ካብ ኣፍሪቃ ሓሊፉ ኣብ ኣውሮጳዊ ውድደራት ክጽዋዕ ምስ ጀመረ።

ኣብ 2015 ዳኒኤል ተኽለሃይማኖትን መርሃዊ ቅዱስን እቶም ቀዳሞት ኣብ ቱር ዲ ፍራንስ ክወዳደሩ ዝኸኣሉ ጸለምቲ ኣፍሪቃውያን ኰይኖም።

ኤርትራውያን ተቐዳደምቲ ኣብ ዓቐበት ምሕኳር'ዮም ዝያዳ ዝለለዩ።

ዳኒኤል ተኽለሃይማኖት ኣብ ቱር ደ ፍራንስ 2015 ንማልያ ኣንበሳ ዓቐበት ኣብ ሻድሻይ መደረኽ ተረኪቡ ክሳብ ዓስራይ መድረኽ ምስ ዓቐባ፡ ነቲ ኤርትራውያን ኣብ ዓቐበት'ዮም ዝድምዑ ዝብል ርድኢት ኣራጒድዎ'ዩ።

ቢንያም፡ ኣብ 2022 ዓመታዊ ኣብ ቤልጂየም ኣብ ዝካየድ ናይ ሓደ መዓልቲ ውድድር ጌንት ወቨልገም ቀዳማይ ኣብ ተመሳሳሊ ዓመት ኣብ ጂሮ ዲ ኢታሊ’ውን ናይ መድረኽ ዓወት ኣመዝጊቡ፤ እዚ’ውን ንቢንያም፡ ንኤርትራን ንኣፍሪቃን ሓድሽ ምዕራፍ’ዩ ነይሩ።

ቢንያም፡ ቱር ዲ ፍራንስ ሰለስተ ናይ መደረኽ ዓወት ብምምዝጋብ ቀዳማይ ኣብ ቱር ዲ ፍራንስ ናይ መድረኽ ተዓዋትን ወናኒ ቀጠልያ ማልያን ክኸውን ዝኸኣለ ኣፍሪቃዊ ምስ ኮነ ግን፡ ኤርትራውያን ኣብ ቅጽበታዊ ውድድር’ውን ዘይምሕሩ ምዃኖም ንዓለም ኣረጋጊጹ።

ቢንያም ነቲ ኣብ ጂሮ ዘመዝገቦ ናይ መድረኽ ዓወት ኣብ ቱር ዲ ፍራንስ ምስ ደገሞ ንዓወቱ ንውሑዳት ቃላት’ዩ ገሊጽዎ “ሕጂ ግዜና’ዩ፡ እዚ [ዓወት] ከኣ ንዅላ ኣፍሪቃ’ዩ” ኢሉ።

ክልተ ናይ መድረኽ ዓወታት ወሲኹ፡ ተዓዋቲ ቀጠልያ ማልያ ክኸውን ምስ ክኣለ ከኣ ነቲ ንተቐዳደምቲ ብሽክለታ ዝወሃብ ዝዓበየ ሽልማት ቬሎ ዲ ኦር ክሕጸ ዝኸኣለ ቀዳማይ ኣፍሪቃዊ ክኸውን ክኢሉ

ተዓዋቲ ናይቲ ኣብ ዓመት 2024 ዝበለጸ ብቕዓት ንዘርኣየ ተቐዳዳማይ ዝወሃብ ሽልማት ቬሎ ዲ ኦር 6 ታሕሳስ’ዩ ክፍለጥ።

ቢንያም ናብራኡን ሓዳሩን ኣብታ ምፍልፋል ሓደስቲ ተቐዳደምቲ ዘየቋርጸላ ኤርትራ’ዩ።

ኤርትራ ኣብቲ ኣብ ኬንያ ዝተኻየደ ሻምፕዮን ኣፍሪቃ ሸውዓተ ወርቂ፡ ሓሙሽተ ብሩርን ሰለስተ ነሓስን ብምርካብ ብ16 መዳልያ ተሸሊማ’ያ ውድድራ ዛዚማ። ንኤርትራ ስዒባ ብብዝሒ መዳልያ ካልኣይቲ ዝዀነት ደቡብ ኣፍሪቃ ኸኣ ሸሞንተ መዳልያታት ኣዋህሊላ።

ካብቲ ኤርትራ ዝረኸበቶ ሸውዓተ ወርቂ ኸኣ እቲ ክልተ ናይ ኬቨን ተኽለማርያም’ዩ።

ኣብ ቱር ዲ ፍራንስ ብጫ ማልያ ዝዕወት ቀዳማይ ኣፍሪቃዊ ኤርትራዊዶ ይኸውን?

ቢንያም ግርማይ ኣብ ቱር ዲ ፍራንስ ተዓዋቲ ቀጠልያ ማልያ ምስ ኮነ፡ ኤርትራ ኣብቲ ውድደር መዓስ ብጫ ማልያ ትወስድ ትኸውን ዝብል ክትዕ ብዙሓት ኣፍቀርቲ ቅድድም ብሽክለታ ኤርትራ ዘልዕልዎ ኣርእስቲ’ዩ።

ዩናስ ዘካርያስ፡ እዞም ንኣሽቱ ተቐዳደምቲ ቅኑዕ ኣተሓሕዛ እንተተገይሩሎም ኣብ ውሽጢ ትሕቲ ዓሰርተ ዓመት ኣፍሪቃ ብመንገዲ ኤርትራዊ ኣብ ቱር ዲ ፍራንስ ብጫ ማልያ ክትረክብ ከምእትኽል ይገልጽ።

“እዚ፡ ኣብ ጁንየር ዝወዳደሩሉ ዘለዉ ተቐዳደምቲ ኣብ ዝሓጸረ ግዜ ኣብ ዩሲኣይ ማህደረ ትምህርቲ እንተረኺቦም ኣብ ዝመጽእ ሓሙሽተ ሽዱሽተ ዓመት ኤርትራ ኣብ ቱር ዲ ፍራንስ ብጫ ማልያ ዘይትወስደሉ ምኽንያት የለን” ብምባል ግምቱ የቐምጥ።

ኣብ ታሪኽ ዙር ፈረንሳ እቲ ዝነኣሰ ተዓዋቲ ብጫ ማልያ ኣብ 1904 ነቲ ውድድር ዝተዓወተሉ ፈረንሳዊ ሄንሪ ኮርነይ ኰይኑ፡ ኣብቲ ግዜ ወዲ 19 ዓመትን 352 መዓልታትን'ዩ ነይሩ። ኣብቲ እዋን ቱር ዲ ፍራንስ ስዱሽተ መድረኻት ጥራይ'ዩ ነይርዎ።

ንሄንሪ ኮርነይ ተኸቲሉ ስሎቨንያዊ ታደይ ፖጋቻ ኣብ 2020 ተዓዋቲ ብጫ ማልያ ቱር ዲ ፍራንስ ኣብ ዝዀነሉ ወዲ 21 ዓመትን 364 መዓልታት ነይሩ። ቱር ዲ ፍራንስ ከኣ ኣብቲ እዋን 21 መድረኻት’ዩ ነይርዎ። ታደይ ኣብ 2024 ንሳልሳይ ግዜኡ ተዓዋቲ ብጫ ማልያ ክኸውን ክኢሉ'ዩ።

ኬቨን ተኽለማርያም፡ "ኣነ ሕጂ ወዲ 17 ዓመትን ሸውዓተ ወርሕን'የ ዘለኹ፡ ኣብ ቱር ዲ ፍራንስ ብጫ ማልያ ንኽወስድ ከምቲ ታደይ ፖጋቻ ዝነበሮ ዕድመ ዘይኸውን ይኽእል'ዩ፤ ድሕሪ ሽዱሽተ ዓመታት ክዕወት ኣለኒ ኢለ ግን ኣብ ርእሰይ ኣቐሚጠዮ ኣለኹ፤ እንተጽዒረ ከምዝበጽሖ ከኣ ይተኣማመን’የ" ኢሉ።

እቲ ክዛረብ እንከሎ ሓፋር ኬቨን “ዓወት ካብ ርእሰ ተኣማንነት’ዩ ዝጅምር፣ ኣብ ኣፍሪቃ ክዕወት እንተኽኢለ፡ ነቲ ዓወት ዘብቅዓኒ ጻዕሪ እንተኣካይደን እንታይ ኰይነ ኣብ ኣውሮጳ ፡ ኣብ ጂሮ፡ ኣብ ቱር ዲ ፍራንስ ዘይዕወት” ብምባል’ዩ ዘረባኡ ዛዚሙ።