መርሃዊ ቅዱስ ድሕሪ ዓወቱ ንቢቢሲ እንታይ ኢሉ?

ትማሊ 26 ሰነ ኣብ ዝተኻየደ ቻምፕዮን ቅድድም ብሽክለታ ኤርትራ፡ ተቐዳዳማይ ኣመሪካዊት ጋንታ ኢኤፍ ኢዲኬሽን መርሃዊ ቅዱስ ቀዳማይ ብምውጻእ ንኻልኣይ ግዜኡ ዘውዲ ቻምፕዮን ኤርትራ ደፊኡ።

ተቐዳዳማይ ኢጣልያዊት ጋንታ ድሮን ሆፐር ኣንድሮኒ ጅያካቶሊ ናትናኤል ተስፋጽዮንን መርሃዊ ቅዱስን ንልዕሊ 110 ኪሎሜተራት በይኖም ተፈልዮም ድሕሪ ምውዓሎም፡ ናትናኤል ተስፋጽዮን ኣብ መወዳእታ መስመር፡ ነቲ ምሉእ መዓልቲ ክመርሕ ዝወዓለ መርሃዊ ቅዱስ ቀዳምነት ብምሃብ፡ ኢድ ንኢድ ተተሓሒዞም ቀዳማይን ካልኣይን ኰይኖም ውድድሮም ዛዚሞም።

ቢቢሲ ትግርኛ ምስ ቻምፕዮን ኤርትራ 2022 ከምኡ ኸኣ ኦሎምፒካዊ ፕሮፈሽናል ተቐዳዳማይ ብሽክለታ 2018፡ መርሃዊ ቅዱስ ዘካየዶ ዕላል ይስዕብ።

ጸወታ ብሓፈሻ ከመይ ነይሩ?

መርሃዊ ቅዱስ፡ ድሕሪ 2018 ንኻልኣይ ግዜ’የ ቻምፕዮን ዝኸውን ዘለኹ፡ እቲ ናይ ትማሊ ጸወታ ፍልይ ዘብሎ፡ እቲ ተወዳደርነት ብርትዕ ዝበለ ስለዝነበረ እዩ።

ናይ ውሽጢ ዓዲ ይዅኑ እቶም ኣብ ደገ ዝጻወቱ ኣብ ጽቡቕ ብቕዓት ብምህላዎም ከቢድ ነይሩ።

እቲ ምስ ናትናኤል ብርሃነን ምስ ናትናኤል ተስፋጽዮንን ዝገብርክዎ ምምላቝ፡ ጸወታ ገና 60 ኪሎሜተር ምስ ተለዓሎ [110 ኪሎ ሜተር ተሪፍዎ እንከሎ] ስለዝነበረ፡ ኣዝዩ ነዊሕና’ዩ።

ናትናኤል ብርሃነ ብሽክለታ ነፊሳቶ ምስ ተረፈ ኣነን ናትናኤል ተስፋጽዮንን ተሪፍና፡ ዳርጋ ንዅሉ ኸኣ ኣብ ቅደሚት ኰይነ’የ ጸወታ ወዲአዮ።

ኣብ መወዳእታ ኸኣ ብጽቡቕ ዛዚመዮ። 

ኣብ መጀመርታ ሓንቲ ናይ 5 ጉጅለ ተፈጢራ ነይራ’ያ፣ ቢንያም ግርማያ ስሒቡ ንክልቲአን ጕጅለታት ምስ ኣረኻበን ኢኹም ሃዲምኩም፡ እታ ህሞት ብኸመይ ኢኹም መሪጽኩማ?

መርሃዊ ቅዱስ፡ ቅድሚኡ ብብዙሓት ተደጋጋሚ ስካቶታት ይግበር ነይሩ፡ ነታ ሃዲማ ዝነበረት ናይ በዓል ዳንኤል ተኽለሃይማኖትን ናትናኤል ተስፋጽዮንን ዝርከብዋ ሓሙሽተ ሰባት ዝሓዘት ጕጅለ ምስ ኣርከብናያ፡ ናትናኤል ብርሃነ ስካቶ ገይሩ፡ ኣነ ኸኣ ከይዶንጐኹ ንናትናኤል ለጊበዮ፣ ናትናኤል ተስፋጽዮን’ውን ስዒቡና፡ እታ ቀንዲ መጥቃዕቲ ግን ብናትናኤል ብርሃነ’ያ ተጀሚራ። 

ቢቢሲ፡ ጸወታ 110 ኪሎሜተር ተሪፊዎ እንከሎ ናይ ምህዳም ስጉምቲ ምውሳድ ድፍረትዶ ኣይመስልን፡ ክሳብ ክንደይ ኢኹም ተኣማሚንኩም ነይርኩም? 

መርሃዊ ቅዱስ፡ ምስቲ ጎልጎልን ንፋስን ምዃኑ፡ ንኽንድኡ ዝኸውን ኪሎ ሜተራት ኣብ ቅድሚት ክትውዕል ብሓቂ ከቢድ እዩ።

እቶም ኣብ ድሕሪት ዝነበሩ ፕሮፈሽናላትን ናይ ውሽጢ ዓዲ ተቐዳደምትን ቀለልቲ ኣይኮኑን፣ ንሰለስተ ሰብ ከርክቡኻ እቲ ተኽእሎ ዓቢይ እዩ።

እቲ ጸወታ’ውን በርቲዑ ብዙሕ ምፍንጫል በዚሑ ነይሩ፡ ንዅሉ ኣብ ግምት ኣእቲና ኢና ክሳብ ናይ ዜሮ ሰዓት ጽቡቕ ንረግጽ ነይርና።

ቢቢሲ፡ ንናትናኤል ከብርየካ ምልክት ትገብረሉ ነይርካ፡ ናትናኤል ተስፋጽዮን ግን ናብ ቅድሚት ይመጽእ ኣይነበረን፣ ትዘራረቡ ነይርኩም፡ እንታይ ኢኹም ተባሃሂልኩም?

መርሃዊ ቅዱስ፡ ኣብ ብሽክለታ ቅድሚት ክትውዕልን ኣብ ሮታ ክትውዕልን እቲ ተጥፍኦ ጸዓት ብዙሕ ፍልልይ’ዩ ዘለዎ፡ እቲ ኣብ ቅደሚት ዘሎ ብዙሕ ዋጋ’ዩ ዝኸፍል።

ነቲ ዓወት እንተደሊኻ ኸኣ ብማዕረ ክትሰርሕ ኣለካ፡ ኣብቲ ጸወታ ግን እቲ ስራሕ ኣባይ ዛዝዩ ነይሩ [ናትናኤል ብርሃነ ብሽክለታ ነፊሳቶ ካብ መርሃውን ናትናኤል ተስፋጽዮንን ምስ ተረፈ]።

ስለስተ ዙር [30.3 ኪሎሜተር] ምስተረፈና ናትናኤል ጽቡቕ ይስምዖ ኣይነበረን፡ ናትናኤል 'ብኻልኣይ ዕጉብ’የ ንስኻ ስሓብ' ኢልኒ ብኸምኡ ተሰማሚዕና፡ ከምቲ ኵሉኹም ዝርኣኽሞ ኸኣ ‘ብፈይር ፕለይ’ ኣነ ቀዳማይ ናቱ ካልኣይ ኴንና ኣቲና።

ቢቢሲ፡ ቅድሚ ዓሚ ብምኽንያት ኮቪድ ቻምፕዮን ኣይተኻደን፡ ዓሚ ኸኣ ኣብ በረኻ እዩ ተኻይዱ። ትማሊ ግን ሜዳ ባሕቲ መስከረም ካብ ጻት ንዓት መሊኡ፡ ጐደናታት ጸወታ ብዝዕዘብ ሰብ መሊኡ ነይሩ፣ ትማሊ ዳግመ ምብርባር ብሽክለታ ኤርትራ’ያ ነይራ ክንብል ዶ ንኽእል?

መርሃዊ ቅዱስ፡ ጸወታ ኣብ ውሽጢ ከተማ ዳግማይ ምጅማሩ እዚ ሓደ ምዕባለ’ዩ። ኣብ ቅድሚ ደጋፊኻ ኴንካ ክትጻወት ፍሉይነት ኣለዎ፡ ብዓቢኡ ኸኣ ተለቪዥን ኤርትራ ነቲ ጸወታ ብቐጥታ የመሓላልፍዎ ስለዝነበሩ ኣብ መላእ ዓለም ዘሎ ፈታዊ ብሽክለታ ኤርትራ ክከታተሎ ክኢሉ እዩ።

ስለዚ ናይ ሎሚ ዓመት ቻምፕዮን ብዙሕ ፍሉይነት’ዩ ነይርዋ።

ቢቢሲ፡ ተራ ናይ ውሽጢ ሃገር ክለባት ኣብቲ ናይ ትማሊ ጸወታ ከመይ ትግምግሞ?

መርሃዊ ቅዱስ፡ ናይ ውሽጢ ሃገር ተጻወትቲ ሓቂ ይሓይሽ ጽቡቕ ጸወታ’ዮም ተጻዊቶም።

ናይ ጋንታ ጸወታ ይጻወቱ ስለዝነበሩ፡ ንሓደ ኮፍ ኣቢልካ እቲ ኻልእ እናሰረሐ’ዩ ክኸውን። ንማልያ ይጻወቱ ስለዝነበሩ ኸኣ ደስ ይብለካ’ዩ።

ሓደ ሓደ ተጻወትቲ ግን ነይሮም ክንድቲ ክገብርዎ ዝግበኦም ዘይገበሩ። ብሓፈሻ ግን ጽቡቕ’ዮም ተጻዊቶም።

ቢቢሲ፡ ሕጂ ንሓደ ዓመት ምሉእ ብባንዴራ ኤርትራ ዝወቐበት ማልያ ገይርካ ኢኻ ጸወታ ከተካይድ፡ ናይ መጀመርታ ጸወታኻ ኣበይ’ዩ ክኸውን?

መርሃዊ ቅዱስ፡ ኣብ ወርሒ ሸውዓተ ቱር ዲ ፍራንስ ስለዘሎ ካልእ ጸወታ ዳርጋ የለን፡ ንዓይ ከኣ 2 ነሓሰ 2022 ኣብ ስጳኛ ኣብ ዝካየድ ቮልታ ቦርጎስ ጸወታ ክህልወኒ’ዩ፣ ነዛ ናይ 2022 ቻምፕዮን ዝኾንኩላ ማልያ ኸኣ ንመጀመርታ ኣብኡ እየ ክርኣየላ። 

ቢቢሲ፡ በዚ ዘመዝገብካዮ ዓወት፡ ብመንጽር ደሞዝ ይዅን ኣብ ትገብሮ ውዕላት ዝውስኾ ነገር ኣሎዶ?

መርሃዊ ቅዱስ፡ ኣብ ከምኡ’ኳ ብዙሕ ተራ የብሉን፡ ኣነ ኣቐዲም ምስ ጋንታይ ዝተፈራረምክዎ ውዕል ኣለኒ።

እቲ ዝዓበየ ነገር ግን ኣብ ዝዀነ ተካይዶ ውድድራት ብባንዴራ ሃገርካ ዝወቐበ ማልያ ገይርካ ውድድር ከተካይድ ዝፈጥሮ ፍናንን ሓይልን ኣሎ። 

ቢቢሲ፡ ዙር ፈረንሳ 1 ሓምለ ክጅምር እዩ፡ ኣብዚ ውድድር ንስኻን ካልኦት ኤርትራውያንን የለውን፡ እቲ ምኽንያት እንታይ’ዩ?

መርሃዊ ቅዱስ፡ ተቐራራቢ ክልተ ግራንድ ቱር ከተካይድ፣ ብፍላይ ኸኣ ጂሮ ዲ ኢታልያን ቱር ዲ ፍራንስን ተቐራራቢ ስለዝኾነ ኣድማዒ ኣይኮነን።

መብዛሕትኡ ሰብ ጂሮ ዲ ኢታልያን ቮልታ ስጳኛን እዩ ዝገብር። ኣብ ጂሮ ዝህለኽካዮ ጽዓት ‘ሪካቨር’ ከይገብርካ [ድኻምካ ከየውጻእካ] ናብ ቱር ዲ ፍራንስ ክትኣቱ ኣሸጋሪ እዩ፡ ተመራጺ'ውን ኣይኮነን።

ኣብ ጂሮ ዲ ኢታልያ ተሳቲፎም ኣብ ቱር ዲፍራንስ ዝኣተዉ ሰባት ኣለዉ፡ ኣድማዕቲ ግን ኣይኮኑን። 

ኣነ ኸኣ ብኸምኡ እየ ኣብ ቱር ዲ ፍራንስ ዘይሳተፍ ዘለኹ። ናይ ካልኦት ብጾተይ’ውን ብኸምኡ’የ ዝርድኦ። 

ቢቢሲ፡ ንእሽተይ ሓውካ ሚልክያስ ቅዱስ ብሓፈሻ ራብዓይ ኮይኑ ብምእታው፡ ኣብ ናይ ትሕቲ 23 ዓመት ተዓዋቲ ብሩር መዳልያ ክኸውን ክኢሉ ኣሎ፡ ተውርስ ኣለካ ዲኻ?

መርሃዊ ቅዱስ፡ ሚኪ ብሓቂ ቅልጡፍ ዝዀነ ዕብየት’ዩ ኣርእዩ። ኣብ ቀዳማይ ናይ ቻምፕዮን ጸወታኡ ራብዓይ ኮይኑ ምእታዉ ዘዅርዕ ውጽኢት’ዩ፡ ጽቡቕ ብልሒ ዘለዎ ተጻዋታይ’ዩ።

ኣብ ቀረባ ግዜ ናትና ኣብነት ሒዙ ንዓና ዝኽተለሉ ርሑቕ ኣይክኸውንን’ዩ። 

ደጊምና እንቋዕ ሓጎሰካ

መርሃዊ ቅዱስ፡ ኣነ'ውን ንዓኹምን ኣብ ውሽጥን ኣብ ደገን ዘለዉ ደገፍተይ የመስግን።

ኣብ ኵሉ ክሊ ዕድመን ጾታን ካብ ቀዳማይ ክሳብ ሳልሳይ ዝወጽኡ

ኣብ ምድብ ኤሊት ደቂ ተባዕትዮ

መርሃዊ ቅዱስ

ናትናኤል ተስፋጽዮን

ንያት ርእሶም 

ኣብ ናይ ትሕቲ 23 ደቂ ተባዕትዮ

ንያት ርእሶም

ሚልክያስ ቅዱስ

ሳመሶም ሃብተ

ጁንየር ደቂ ተባዕትዮ

መትከል ገብረንጉስ

ዳኒኤል ቴድሮስ

ሮቤል ሃይለማርያም 

ኣብ ምስብ ኤሊትን ትሕቲ 23 ዓመትን ደቂ ኣንስትዮ

ሞናሊዛ ኣርኣያ

ቅሳነት ወልደሚካኤል

ኣድያም ዳዊት

ጁንየር ደቂ ኣንስትዮ

ሩማና ጉዕሽ

ራሄል ዘርእሰናይ

ራሄል ነጋሽ