እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኤርትራ ብብሽክለታ ካብ ኣፍሪቃ ቀዳመይቲ ካብ ዓለም መበል 16 ደረጃ ተሰሪዓ
ዩሲኣይ ናይ መበል 22 ሰ ሙን ዓመተ 2022 ኣመልኪቱ ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ብ3471 ነጥቢ ንደቡብ ኣፍሪቃን ኣልጀርያን ኣኸቲላ ካብ ሃገራት ኣፍሪቃ ኣብ ቀደማይ ደረጃ ተሰሪዓ።
ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ነታ ብ1693 ነጥቢ ትስዕባ ዘላ ደቡብ ኣፍሪቃ ብ1778 ነጥቢ ጸብለል ብምባል እያ ክብራ ዓቂባ ዘላ።
ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ በዚ ዘዋህለለቶ ነጥቢ ተሓጊዛ ብደረጃ ዓለም ኣብ መበል 16 ተሰሪዓ ኣላ። ሃገራዊት ጋንታ ቤልጂም 14707 ነጥቢ ብምውህላል ኣብ ቀዳማይ ደረጃ ክትስራዕ እንከላ ስሎቫንያን ፈረንሳን ኣብ ካልኣይን ሳልሳይን ደረጃ ተሰሪዐን ኣለዋ።
ቢንያም ግርማይ ኣብዛ ፍርቂ ተላዒልዋ ዘሎ ዓመተ 2022 ፡ 1546 ነጥቢ ብምውህላል ካብ ኣፍሪቃ ቀዳማይ ክኸውን እንከሎ: ካብ ዓለም ካብ ናይ ትሕቲ 23 ዓመት ካልኣይ ተሰሪዑ ኣሎ።
ሃገራዊት ጋንታ ኤርትር ብደረጃ ኣፍሪቃ ምስ ቀዳሞት ሸሞንተ፡ ሽዱሽተ ተቐዳደምቲ ሰሪዓ ኣላ።
ካብ ኣፍሪቃውያን ተቐዳደምቲ ቢንያም ግርማይ ብ1546 ነጥቢ ቀዳማይ ክኽውን እንከሎ፡ደቡብ ኣፍሪቃዊ ቫን ረንስበርግ ብ 469 ካልኣይ ሄኖክ ሙሉብርሃንን ናትናኤል ተስፋጽዮንን ተኸታቲሎም ሳልሳይን ራብዓይን ተሰሪዖም ኣለዉ።
ብዘይካ እዚ መርሃዊ ቅዱስ፡ መትከል እዮብንዳዊት የማነን ኸኣ ካብ ሻዱሻይ ክሳብ ሻሙናይ ንዘሎ ተርታ ሒዘሞ ኣለዉ።
ብዩሲኣይ ኣብ ዝካየድ ናይ ሓደ መዓልቲ ክላሲክ ውድድር በልጂማዊ ቫን ኣርት ብ2620 ቀዳማይ ክስራዕ እንከሎ፡ ቢንያም ግርማይ 1366 ነጥቢ ብምውህላል ኣብ ዓስራይ ሰረጃ ተሰሪዑ ኣሎ።
ኣብ ተመሳሳሊ ምድብ ኣብ ናይ ትሕቲ 23 ዕድሚኦም ተቐዳደምቲ ቢንያም ግርማይ ንቤልጂማዊ ሬምኮ ኢቨንፖል ተኸቲሉ ካብ ዓለም ካልኣይ ደረጃ ተሰሪዑ ኣሎ።
ኣብ ኩሉ ዓይነት ውድድራት ስሎቭያዊ ታደጅ ፖካጋካር ብ5331 ነጥቢ ቀዳማይ ክስራዕ እንከሎ፡ ቢንያም ግርማይ ኣብ መበል 21 ተርታ ተሰሪዑ።
ተቐዳደምቲ ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ኣብ ዓመተ 2022 ዝተፈላላየ ዓወታት’ዮም ሓፊሶም።
ለላህመቱ’ኳ እንተጠቐስና፡ ናትናኤል ተስፋጽዮን ዕዉት ዙር ርዋንዳ እዚ ዓመት ከምኡ’ውን ኣብ ውድድር ኣድርያቲካ ኣዮኒካ ኣብ ናይ ግዜ ካልኣይ ከምኡ’ውን ኣንበሳ ዓቐበት እቲ ውድድር፡ ሄኖክ ሙሉብርሃን ኣብ ግብጺ ኣብ ዝተኣንገደ ቻምፕዮን ኣፍሪቃ፡ ተሸላሚ ወርቂ መዳልያ ምዃኑ ይዝከር።
ናይ ቢንያም ግርማይ እንተተላዒሉ፡ እዛ ዓመት ቀዳዊቱ እያ ነይራ ክብሃል ይከኣል።
ብ27 መጋቢት ኣብ ቤልጂም ኣብ ዝተኻየደ ናይ ሓደ መዓልቲ ውድድር ገንት ወቨልገን ብዘደንቕ ቅጽበታዊ ውድድር ቀዳማይ ኮይኑ ብምእታው ንዕኡ፡ ንጋንትኡ፡ ንሃገሩን ንኣፍሪቃን ቦኽሪ ዓወት ውድድር ክላሲክ ከመዝግብ ክኢሉ እዩ።
መዓስ እዚ ጥረይ፡ ኣብ 17 ግንቦት’ውን ኣብ ዓስራይ መድረኽ ጂሮ ዲ ኢታሊ ተዓዋቲ እቲ መድረኽ ብምዃን ኣብ ግራንድ ቱር ቀዳማይ ዝወጽአ ኣፍሪቃዊ ብምዃን ታሪኻዊ ዓወት ኣመዝጊቡ ነይሩ።
ኣብቲ ካብ 24-26 ሰነ 2022 ዝካየድ ቻምፕዮን ኤርትራ ካብ ኤርትራ ቢንያም ግርማይ፡ ናትናኤል ተስፋጽዮን፡ ሄኖክ ሙሉብርሃን፡ መርሃዊ ቅዱስን ካልኦት ፕሮፈሽናላት ተቐዳደምቲን ክሳተፍዎ ትጽቢት ይግበር፡ እዞም ብደረጃ ዓለም ስሞም ግሉሕ ዝኾኑ ተቐዳደምቲ ዝሳተፍዎ ውድድር ክሳብ ክንደይ መሳጢ ከምዝኸውን ብኣግኡ ተገሚቱ ኣሎ።