እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ናትናኤል ተስፋጽዮን ኣንበሳ ዓቐብ ኮይኑ ውድድሩ ዛዚሙ
ካብ 4 ሰነ ጀሚሩ ሓሙሽተ መድረኻት ብምክያድ ሎሚ ኣብ ዝተዛዘመ ኣብ ኢጣልያ ዝካየድ ናይ 2.1 መዐቀኒ ዘለዎ ቅድድም ብሽክለታ ኣድርያቲካ ኣዮኒካ ሓሙሻይ መድረኽ ብዓወት ኢጣልያዊ ክሪስትያን እስካሮኒ ክዛዘም እንከሎ፡ ኣብ ሓፈሻዊ ግዜ ኢጣልያዊ ፍሊፖ ዛና ዕዉት ብጫ ማልያ ኮይኑ።
4 ሰነ መጋረጅኡ ዝቐንጠጠ ኣድርያቲካ ኣዮኒካ ኣብ 17 ጋንታታት ዝተጠርነፉ 114 ተጻወትቲ’ዮም ውድድር ጀሚሮም።
ሎሚ ኣብ ዝተኻየደ ሓሙሻይ መድረኽ እቲ ውድድር ክልተ ተረርቲ ዓቐበት ዝነበርዋ 152.3 ኪሎ ሜተር ዝሸፈነት እያ ነይራ።
ኣብ ራብዓይ መድረኻት፡ ኣብ ብጫ ማልያን ንትስፉው መንእሰይን ኣብ ዝውሃባ ማልያታት ብናይ 15 ካልኢት ፍልልይ ናብ ሓሙሻይ መድረኽ ዝኣተዉ ኢጣልያዊ ፍሊፓ ዛናን ንካልኣይ መድረኽ እዚ ውድድር ቀዳማይ ኮይኑ ዝዛዘሞ ናትናኤል ተስፋጽዮንን ኣብ ሓሙሻይ መድረኽ ከቢድ ምትህልላኽ ከርእዩ ምዃኖም ብኣግኡ ዝተገመተ’ዩ ነይሩ።
እቲ ሃልኪ ግን ነቲ ብፍሊፖ ዛና ዝተመርሐ ናትናኤልን ጋንትኡን ዝያዳ ከምዝኸውን ግሙት’ዩ ነይሩ።
ነዛ ናይ ሎሚ ጸወታ ኢጣልያዊ ክሪስትያን እስኮሮኒ ክዕወተላ እንከሎ እስጳኛዊ ፓው ሚካኤል ካልኣይ ሰርብያዊ እስቶጅኒክ ሳልሳይ ኮይኖም ውድድሮ ዛዚሞም።
ኣብ ናይ ሎሚ ሓሙሻይ መድረኽ፡ እቶም ቀንዲ መተሃለልኽቲ እዚ ውድድር ዝኾኑ ፍሊፖ ዛናን ናትናኤል ተስፋጽዮንን ብተመሳሳሊ ግዜ፡ ብቕደም ተኸተል መበል 30 ከምኡ’ውን 34 ኮይኖም ውድድሮም ዛዚሞም።
በዚ መሰረት ኣብ ብጫ ማልያን ኣብ ንትስፍው መንእሰይ ትውሃብ ማልያን ፍሊፖ ዛና ቀዳማይ ኮይኑ ኮዛዝም እንከሎ ናትናኤል ተስፋጽዮን ብ15 ካልኢት ድሒሩ ካልኣይ ኮይኑ።
ንኣንበሳ ዓቐብ እትውሃብ ማልያ ኣብ ካልኣይ መድረኽ ዝወነና ናትናኤል፡ ክሳብ ሓሙሻይ መድረኽ ብ10 ነጥቢ ከየድፈራ ዓቂብዋ ውድድሩ ዛዚሙ።
ብነጥቢ ኢጣልያዊ ክሪስቴኣን እስካሮኒ ብ58 ብምውህላል ጥቀዳማይ ክኸውን እንከሎ ናትናኤል ተስፋጽዮን ብ36 ነጥቢ ኣብ ሓሙሻት ኮይኑ ውድድሩ ወዲኡ።
ኣብዚ ውድድር ብጀካ ናትናኤል ተስፋጽዮን ካብ ኤርትራውያን፡ ሄኖክ ሙሉብርሃን፡ ኤፍሬም ገብረህይወት፡ ገብርህይወት ብርሃነን ኢትዮጵያዊ ነጋሲ ሃይሉን መምስ ጋንትኦም ብምዃን ተሳቲፎም ነይሮም።