ኣስመራ፡ ንብሽክለታን ውድድር ብሽክለታን 'ባህሊ' ዝገበረት ከተማ

ዝተጨናነቐ ትራፊክ ኣብ ዘይትርአየላ ከተማ ኣስመራ፡ ሰብን ናውትን ሓንጊረን ካብን ናብን ክንቀሳቐሳ እትዕዘበን ብሽክለታት ብዙሓት'የን።

ብብዝሒ እተን ብሽክለታን ተጠቀምትን ክንድነቕ ዝተዓዘበ ሓደ ነባሪ እታ ከተማ፡ ክንደየናይ ብዙሓት ምኻነን ንምርግጋጽ፡ 'ኣብዚ ከተማ'ኮ፡ ሓደጋ ትራፊክ ዘብጽሓ ንሳተን'የን' ኢሉና።

ብሽክለታ ኣስመራ፡ መጓዓዝያን መሳለጢያን እያ። ኣብ ዓለማዊ ውድድራት ስፖርት ድማ፡ መወዳደሪትን ኣርማ ሓበንን እታ ሃገር እያ።

ወጋሕታ ካብ ጫፍ ናብ ማእከል ከተማ ዝኣቱ ነጋዳይ፣ ቤተክርስቲያን ክዓጥን ዝግስግስ ቀሺ፣ ቦርሳ ዝተሓንገጠ ተምሃራይ፣ ማሕበራዊ ኣገልግሎትን ፖለቲካዊ ዕማማትን ዝዓዪ ሰራሕተኛን ካልእን፡ ብሽክለታ ይጥቀም።

ነፍሲ ወከፍ ገዛ፡ እንተወሓደ ሓንቲ ብሽክለታ ክትረክብ ኣይትጽገምን።

ክኢላ ስነ ሰብ (ኣንትሮፖሎጂስት) ሚሌና ቤሎኒን፤ ጋዜጠኛ ጀምስ ጄፈርን፤ ሓደ እዋን ንቢቢሲ ኣብ ዘዳለውዎ ስእላዊ መብርሂ ብሽክለታ ኤርትራ ዝሓዘ ጽሑፍ፡ ግጭታትን ዲፕሎማሲያዊ ተነጽሎን ኤርትራ፡ ንኣስመራ ብዘይልባ ናብ "ገነት ብሽክለታ" ቀይሮማ ክብሉ ገሊጾማ ነይሮም።

ኣብ ኤርትራ ብ1910 [ኣቆጻጽራ ኤውሮጳውያን]፡ ኣብ ባጽዕ 'ንብሽክሌታ ዝተሓዝአ' ምኻኑ ዝሕብር 'ታቤላ' ከም ዝነበረ ይግለጽ።

በዚ ምኽንያት ሰብ ሞያ እዚ ዓውዲ፡ ኣብዛ ሃገር ብሽክለታ ካብቲ እዋን ጀሚራ ኣብ ኣገልግሎት ትውዕል ምንባራ ከም መረጋገጺ ይጥቀምሉ።

ኣብ 1910፡ ብሓደ ወተሃደር ጥልያን ናብ ኤርትራ ከም ዝተኣተወት ዝዝረበላ ብሽክለታ፡ ኣብዚ ሰዓት እዚ ብዙሓት ኣብ ዝባና ተሓንጊሮም ክንቀሳቐሱ፣ ስም ሃገሮም ከጸውዑን ባንዴርኦም ከንበልብሉን ብዙሕ ግዜ ተራእዮም እዮም።

ብውሓዳትን ልሙዳትን ቃላት እንክግለጽ፡ ብሽክለታ ኣብ ኤርትራ 'ባህሊ' እዩ።

ብሽክለታ ኣብ ኤርትራ ካብ ዝዝውተር 100 ዓመታት ይገማገም ኣሎ ዝብል ጸሓፊ ሃገራዊ ፌደሬሽን ብሽክለታ ኤርትራ ምስግና ሃይለ፡ እታ ብሽክለታ ኣካል መዓልታዊ ንጥፈት እቲ ህዝቢ ኮይና፡ ቀልጢፉ ዝተራዕመ ዓይነት ስፖርት ክትፈጥር ምኽኣላ ይዛረብ።

'ብሽክለታ፡ ኣንበሳ ዓቐብ'

ዙር ሞሮኮ፣ ዙር ጋቦን፡ ዙር ሩዋንዳ፣ ዙር ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ዙር ኣልጄሪያን ዙር ኤርትራን ዝበሃሉ ብደረጃ ዓለም ናይ ኣፍሪቃ ውድድራት ክኾኑ እንከለው፡ ኣብዚ ብጋንታ ይኹን ብውልቂ ብብዝሒ ጽበቕ ውጽኢት ዘመዝግቡ ተወዳደርቲ፡ ካብቲ ብሽክለታ ከም ባህሊ ዘዕበየ ማሕበረሰብ ኤርትራ ዝወጽኡ'ዮም።

ሎሚ፡ ኣብዞም ውድድራት ሽምካ ምምዝጋብ ምኽኣል ዓብዪ ነገር'ኳ እንተኾነ፡ "ንዓና ግን ሻምፒዮን ኣፍሪቃ ዳርጋ ሕዛእትና'ዩ" ይብል ኣቶ ምስግና።

ካብ 2010 ጀሚርካ ብሃገራዊት ጋንታ ንዝወሃብ ነጥቢ ተሳዒርና ኣይንፈልጥን ዝብል ጸሓፊ ፌዴሬሽን ብሽክለታ ኤርትራ፡ ኣብ 2015 ዳኒኤል ተኽለሃይማኖትን መርሃዊ ቅዱስን ኣብ 'ዙር ፈረንሳ' ምስታፎም ዓብዪ ፍናን ምኻኑ ይዛረብ።

"ኣብዚ ብሕልሚ'ውን ክትበጽሖ ዲኻ ኣይትበጽሖን ዘይፍለጥ ዝነበረ ምስታፎም ንዓና ዓብዪ ክብሪ ነይሩ። ዳኒኤል፡ ኣንበሳ ዓቐብ እትብል ማሊያ ኣብ ዙር ፈረንሳ ንኽወዲያ ክወሃብ ከሎ፡ ከምዚ ዓይነት ተወዳዳሪ ዘለዋ ኤርትራ እትብሃል ዶኸ ኣላ'ያ ዘብል'ዩ ነይሩ"።

ኣብቲ እዋን፡ ንዳኒኤል ዝተውሃበቶ ማሊያ ኣንበሳ ዓቐብ፡ ንኣርባዕተ ተኸታተልቲ መዓልታት ወዲዩዋ ከም ዝቐነየ ይዝከር።

እዚ፡ ኣብ እዋን መግዛእቲ ሰንከልከል ክብል ጀሚሩ ዝነበረ ብሽክለታ፡ እታ ሃገር ናጽነት ምስ ረኸበት ብዝገበረቶ ልዑል ወፍሪ ውድድራትን ውዳበታትን ብሽክሌታ፡ ብዙሓት ተቐዳደምቲ ብምፍራይ ኩለንታዊ ዓቕሚ ክምዕብል ከም ዝኽኣለ ይዝረብ።

"ብሽክለታ ኣብቲ ንኡስ ዕድመይ ከም ዝጀመርኩዎ መጠን ኣካል ጉዕዞ ህይወተይ'ዩ" ዝብል ወዲ 12 ዓመት ኮይኑ ብሽክሌታ ምግላብ ዝጀመረ ሚካኤል ትኩእ፡ ቅድድም ብሽክለታ 'እቲ ዝጸንከረ ተባሂሉ'ዩ' ክግለጽ ኣለዎ ይብል።

"ቱር ዲ ፍራንስ እንተርእና፡ ንሰለስተ ሰሙን ኣብ ብሽክለታ ተወጢሖም ክሳብ 3500 ኪሎ ሜትር ዝበጽሕ ርሕቐት ይሽፍኑ። እዚ ካብቲ ጽንኩር ዘብሎ'ዩ" ክብል ይገልጾ።

ብሽክለታ፡ ናብ ዝለዓለ ደረጃ ክትድይብ ብዙሕ ረቋሒታት ዝሓትት ረቂቕ ዝኾነ ኣካይዳ ዘለዎ ዓውዲ ምኻኑ ዝዛረቡ ሰብ ሞያ እዚ ዓውዲ፡ ሕክምንኡ፣ ስነ ምግባሩን ወጻእታቱን ብቐሊሉ ዝግመቱ ከም ዘይኮኑ ይገልጹ።

ይኹን'ምበር ብሽክሌታ ኤርትራ ጸግኡ ብዙሕ ስለ ዝኾነ፡ ኣብ ኣፍሪቃ ጸላዊ ዝኾነ ዓውዲ ስፖርት ምፍጣር ተኻኢሉ'ዩ ኢሉ ከምዝኣምን ሚኪኤለ ትኩእ ይገልጽ።

"ኣብ መግዛእቲ ከለና በቲ ዝድለ ከይዓቢ ይሰናኸል ነይሩ'ዩ። ምስቲ ዝሓለፍናዮ ዕንቅፋታት መግዛእቲ፡ ድሕሪኡ'ውን ቁጠባዊ ጸገማት ስለ ዝነበረ ብዝድለ ክዓቢ ኣይክኣለን ነይሩ። ሕጂ ግን፡ ሰፊሕ ጠመተ ተዋሂቡዎ ይቕጽል'ሎ፤ ትምህርቲ ዝሓትት ስለ ዝኾነ ብትምህርቲ'ውን ክንዓቢ ኣለና" ኢሉ።

ተቐዳዳማይ ብሽክሌታ ኤርትራ ዝነበረ ሚኪኤል ትኩእ፡ ካብ 2018 ጀሚሩ ሓላፊ ቴክኒክ ሃገራዊ ፌደሬሽን ብሽክለታ ኤርትራ ኮይኑ ይሰርሕ ኣሎ።

"ብሽክለታይ ሓጺበ፡ ዘይቲ ቀቢአ፣ ሓቚፈያ ኣብ ዓራት ደቂሰ"

ልዕሊ እቲ ኣጸጽዩ ዝዛረቦ ትግርኛ፡ ቋንቁኡ ብሽክለታ ክሳዕ ዝመስል ብስምዒት'ዩ ዘዕልል። ነፍሲ ወከፍ ኣብ ብሽክለታ ዘሕለፈን ሰዓታትን መዓልታትን ብእርይ ቑጽር ይዝክረን።

'መገዲ ዘንጸፉልና ኣያታትና' ኢሉ ዝጠቕሶም፡ ከም በዓል ሰላም ቢኒ፣ ሃብተማርያም ገብረመስቀል፣ የማነ ኣስገዶምን ካልኦትን ዝርከቡዎም ገዳይም ተቐዳደምቲ ብሽክለታ፡ 'እቶም'ኳ ሓያላት ተቐዳደምቲ' እንክብል ይጠቕሶም።

እዚ፡ ህዝቢ ከተማ ኣስመራ ሓንጊሩ ከተማ ሙሉእ ዘዘሮ ገዲም ተቐዳዳማይ ብሽክሌታ ቢኒያም ምስግና'ዩ።

"ኣይርስዖን'የ፤ እቲ ውድድር ኣብ እንዳማርያም ነይሩ" ዝብል ቢኒያም፡ ምስዞም ኣብ ዓለማዊ ውድድር በጺሖም ዝመጽኡ ክትወዳደሩ ኢኹም ምስ ተብሃልና፡ "ብሽክለታይ ሓጻጺበ፡ ዘይቲ ቀቢአ፣ ዝኾነ ነገር ከይትንክፋ ሓቚፈያ ኣብ ዓራት ደቂሰ" [ስሓቕ]፡ ክብል ብዛዕባ'ቲ ቅድሚ ልዕሊ ሰለስተ ዓሰርታት ዓመታት ዝኾነ ነገር የዕልል።

እዚ ውድድር 180 ኪሎ ሜትር ዝሸፈነ ነይሩ። እታ ፍሉይ ምሕብሓብ ዝተገበረላ ብሽክለታ ግን ተበላሺያ ንቢኒያም ካብቲ ውድድር ክትኾልፎ ፈቲና ነይራ።

"ግን ዳርጋ 100 ኪሎ ሜትር ጎይየ ኣርኪበዮም፤ ሽዑ ነቶም ኣለው ዝበሃሉ ተቐዳደምትና ስዒረ። ከምታ መዓልቲ ዝተሓጎስኩሉ የለን" እንክብል እቲ ፍጻመ ልክዕ ሎሚ ከም ዘጋጠመ ኣብ ገጹ ናይ ሓበን ምልክት ይርኣዮ።

ኣብቲ እዋን ዝነበራ ብሽክለታታት፡ ኣዝየን ከበድቲ ምንባረን ይዝረብ። ንዐአን ዘዊርካ፡ ክትዕወት ምኽኣል ዓብዪ ነገር'ዩ።

"ንብሽክለታ ንዝነበረ ስምዒት ካብ ልብናን ደምናን'ዩ ነይሩ" ይብል ቢኒያም ምስግና።

"ቆልዑት ኮይንና፡ ዘርኣጋብር፣ ሰላምቢንን ተኽለሃብቱን ኣብቲ እዋን ንርእዮም ዝነበርና ህቡባት ሰባት'ዮም። ንብሽክሌታ ዝነበረና ስምዒት ካብ ህጻንነትና'ኳ እንተኾነ፡ ስለ ዘይፍቀደልና፡ ካብ ኣቦን ኣደን ተሓቢእና ንርኢ ኔርና። እቲ ዝረኣናዮ ከማን ምስ ደቂ ገዛውቲ እምበር፡ ኣቦን ኣደን ክሰምዑ ኣይንደልን" ይብል።

ከመይ ኢሉ ድኣ፡ ህቡብ ተቐዳዳማይ ብሽክሌታ ክኸውን ክኢሉ?

እቲ [ቢኒያም፤ ናትና እናበለ ብተምሳጥ ዘውግዐሉ] ግዜ፡ ስምዒትን ተወፋይነትን፡ ኣብ ውድድር ብሽክሌታ ንክትሳተፍ ዝሓቶም ረቛሒታት ነይሮም።

ድላይካ ጫማ ጌርካ፣ እትዕጠቖ ሓጺር ስረ እንተዘይሃሊዩካ ድማ፡ ጅንስ ስረ እንተኾነ'ውን ቀዲድካ ለቢስካ ክትወዳደር የፍቅድ ነይሩ።

ብ1983 ብሽክሌታ ብውድድር ማውንቴን ዝጀመረ ቢኒያም ምስግና፡ ናይ ብሽክሌታ ተዘክርኡ እንከዕልለኒ፡ "ኣንቲ! ሽዑ'ኮ ኣብ ደምና'ዩ ኣትዩ ነይሩ" ይብል ብተምሳጥ።

"ምስቶም ዓበይቲ ልምምድ ክንገብር ከለና፡ እዚኦም ጽባሕ ንጉሆ ከጥፍኡና'ዮም ይብሉና ነይሮም። በዚ ሞራል ይስመዓና ነይሩ። ኣቦይ ትምህርትኻ ግበር እናበለ ይኽልክለኒ ነይሩ፤ ኣነ ግን ሰዓት ኣርባዕተ ከይተረፈ ብሓጹር ወጺአ ናብ ልምምድ ይኸይድ ነይረ፤ ብሽክለታይ ብሓጹር ከዝልላ ስለ ዘይኽእል፡ ኣብ ጎረቤት የሕድራ ነይረ" ይብል።

ሽዑ፡ ተቐዳደምቲ ጥራሕ ዘይኮኑ፡ እቲ ህዝቢ'ውን ውድድር ብሽክሌታ ንክርኢ ዝኸፍሎ ዝነበረ መስዋእቲ ብቐሊሉ ዝርኣይ ኣይኮነን።

ነቲ ውድድር ንምርኣይ ዝሕተቶ 50 ሳንቲም ንከይኸፍል፡ ካብ ፖሊስ ተኸዊሉ ብጸልማት ኣብቶም መልክዕ ጎደናታት ኣስመራ ዝኾኑ ተኽሊ ሽባኻ ተሓቢኡ፡ ነቲ ወጋሕታ ዝካየድ ውድድር ብሽክለታ ይጽበዮ ምንባሩ ይዝንቱ። እቲ ስምዒት'ኳ ሕጂ'ውን እናገደደ እዩ መጺኡ።

"ሽምና እናገነነ፣ ብሬድዮን ጋዜጣን እናተጸውዐ ምስ መጽአ፤ ግደፍ ትምህርትኻ ግበር ዝብለኒ ዝነበረ ኣቦይ፡ ብሽክለታ ገዚኡ፡ በርትዕ ክብለኒ፣ ፍሉይ መግቢ፣ ጸባ ክቕርበለይ ጀሚሩ" ይብል ቢኒያም ምስግና።

ኣብቲ እዋን ዝነበረ ዓብዪ ሽልማት፡ ወርቂ ሜዳሊያ ኮይኑ፡ ዋንጫ ምርካብ ማለት ድማ 'መዛረቢ ዓዲ' ኾይንካ ኣለኻ ማለት'ዩ።

"ዋንጫ እቲ ዘመን፡ ዓመት ሙሉእ ሰንበት ሰንበት ውድድር ጌርካ ናይ ዓመት ሻምፒዮና ኤርትራ ኣቢልካ እትርከብ ሽልማት'ያ ነይራ" ዝብል ቢኒያም፡ ብ1989 ህዝባዊ ግንባርን መንግስቱ ሃይለማርያምን ብሸምጋልነት መራሒ ኣሜሪካ ዝነበረ፡ ጀሚ ካርተር ኣብ ናይሮቢ ድሕሪ ዝገርዎ ናይ ሰላም ዝርርብ፡ ንሰላም ኢሎም ኣብ ዝገበሩዎ ውድድር፡ ዝተውሃበቶ ዋንጫ ይዝክር።

ኣብዚ ዘመን ዘለው፡ ሃገሮም ዘጸውዑ ዘለው ተተካእቲ መንእሰያት ብሽክሌታ ኤርትራ፡ ብመንፍዓቶም ዝንእድ ቢኒያም፡ ኣብ ቱር ዲፍራንስን ካልኦት ዓበይቲ ውድድራት ዝሳተፉ ንዘለው መንእሰያት፡ ናይ ባዕሎም ሓድሽ ታሪክ ይሰርሑ'ለዉ ይብሎም።

ብሽክታ ደቂ ኣንስትዮ

መምህር ህይወት ገብሩ፡ ካብቶም ፈላሞት ደቂ ኣንስትዮ ተቐዳደምቲ ብሽክሌታ ኤርትራ'ያ።

ውጽኢት ደቂ ኣንስትዮ ተቐዳደምቲ ብሽክሌታ እዛ ሃገር ማዕረ እቲ ኣብ ደቂ ተባዕትዮ ዝርኣይ'ኳ እንተዘይኮነ፡ ብሉጻት ተቐዳደምቲ ብሽክለታ ፈርየን'የን።

ደሲት ኪዳነ፣ ሞሳና ደበሳይ፣ ወሓዚት ኪዳነን ወጋሕታ ገብረህይወትን፡ ካብተን ጸብለል ኢለን ዝርኣያ፡ ኣብ ኣህጉራውን ዓለማውን ውድድራት ብሽክለታ ሽመን ዘጸውዓ ተቐዳደምቲ እየን።

ኣብ ኤርትራ፡ ንደቂ ኣንሰትዮ ጥራይ ዝውደብ ውድድር ብሽክለታ ክህሉ እንከሎ፡ ኤርትራ ኣብ ኣፍሪቃ ብብሽክሌታ ደቂ ኣንስትዮ ብቕድሚት የጸውዓ

"ደሴት ኪዳነ ዝንእዳን መርኣያይ ዝብላን እያ" እትብል ሰራየር ሳዋ ኣብ ዝተባህለት ብማሕበረ ኮም እትምወል ጋንታ ብሽክለታ ተሓቚፋ እትጻወት ዘላ ሳንድራ ዕቑባይ።

"ክሓስቦ ከለኹ፤ ኤርትራውያን ብብሽክለታ ዚያዳ ዝጸንሐ ሽም ኣለና" ዝበለት ሳንድራ፡ "ሕጂ ብፌደሬሽን ይጻወት ኣለኹ። ኣብ ሓጺር እዋን ዝረኸብናዮም ዓወታት ዓቂበ ብደቂ ኣንስትዮ ሽመይ ከጸውዕ'የ ዝደሊ" ትብል።

ብሽክለታ ደቂ ኣንስትዮ ኤርትራ ንምዕባይ ጻዕሪ ይካየድ ከም ዘሎ እትገልጽ፡ ኣደ መንበር ብሽክለታ ደቂ ኣንስትዮ ሰራየር ሳዋ ራሄል ተወልደ፡ ጓል ኣንስተይቲ ባህግን ትምኒትን እንተሃሊዩዋ ክትዕንቀፍ ዘይኮነ፤ ክትድገፍ ንምግባር እዩ ትብል።

"ኤርትራ እንኮላይ ብደቂ ኣንስትዮ'ውን ክትፍለጥ ኣለዋ። ድሮ'ኳ ካብ እትምስረት ዓመት ከይመልኣ፡ በዛ ደገፍቲ ዝምውልዋ ጋንታና ኮይና፡ ክሳብ ሕጂ ሰለስተ ዋንጫ ረኺብና ኣለና"።

ኣብዛ ብብሽክለታ እትትንፍስ ሃገር፡ እዚ ዓውዲ ብነፍሲ ወከፍ ገዛ ዝድገፍ ህይወት እታ ከተማ ዝኾነ ባህሊ ብሽክለታ ክህነጽ ክኢሉ'ዩ።

"ኣብዚ ዓዲ'ኮ፡ ውላድካ ኣይኮነን ክቀዳደም'የ ክርኢ'የ እንተኢሉካ'ኮ፡ በቃ ኣኸለ፤ ጠዓሞት ሂብካ ኢኻ ተፋንዎ። ኣብ ገዛ እንተኾይንካ'ውን ብራድዮ ከይተረፈ መን ተዓወተ ትከታተል። እዚ ዓይነት ፍቕሪ ኣብ ደቂ ኣንስትዮ'ውን ክዓቢ'ዩ እቲ ድልየትና" ትብል ወይዘሮ ራሄል።

እዚ ሰረት ንክትሕዝ፡ ናይ ስነ ልቦና፣ ታሪኽን ባህልን ኣስተምህሮታትን ስልጠናታትን ክረኽባ ብምግባር፡ እተን ደቂ ኣንስትዮ ንክዓብያ ይጽዓር ምህላው፡ እታ ኣደ መንበር ተዛሪባ።

ኣብዚ ሕጂ እዋን፡ ሽዱሽተ ጋንታታት ብሽክለታ ደቂ ኣንስትዮ ከም ዘለዋ ዝዛረብ ኣካያዲ ስራሕ ሰራየር ሳዋ ቢኒያም ታረቀ ብወገኑ፡ ኣብታ ሃገር ዘሎ ደረጃ ብሽክሌታ ብምዕቃብ፡ ንደቂ ኣንስትዮ ፍሉይ ትኹረት ተዋሂቡ ኣሎ ኢሉ።

ቴክኒካዊ ስልጠናታት፡ ብደረጃ ኤርትራ ካብ ነዊሕ እዋን ደቂ ኣንስትዮ'ውን ነይረንኦ እየን ዝበለ ሓላፊ ቴክኒክ ሃገራዊ ፌደሬሽን ብሽክለታ ሚኪኤል ትኩእ ድማ፡ እቲ ቑጽሪ ተመጣጣኒ ኮይኑ ዝድለ ዕብየት እንተዘይተርኣየ'ውን እቲ ዘሎ ልዑል ድልየት ንምጥቃም ክንሰርሐሉ ዘለና ዓውዲ ምኻኑ ድማ የርእየና ይብል።