እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ሳሙኤል ኤቶ፡ ንግዳም ሓደር፡ ሓለቓ ጋንታ ካሜሩን ነበር፡ ኖርበርት ኦዎና ገዛ ይህብ
መነባብርኡ ኣብ ጎደናታት ካብ ዝገብር ክልተ ዓመታት ዘቑጸረ፡ ኣብ ሃገራዊት ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ካሜሩን፡ ሓለቓ ጋንታ ነበር ኖርበርት ኦዎና፡ ሳሙኤል ኤቶ ሓድሽ መንበሪ ገዛ ክህቦ ስለ ዝተመባጽዓሉ ምስጋንኡ ገሊጹ።
ንሱ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ቃል ኣጥቃዒ ባርሴሎናን ቸልሲን ነበር፡ ሳሙኤል ኤቶ ከም ዝበጽሖን ከም ዘዘራረቦን ሓቢሩ።
ኣብዚ እዋን ምስ ቐጠራዊት ክለብ ስፖርት ዝጻወት ዘሎ ኤቶ፡ ብዛዕባ'ዚ ዘሕዝን ኩነታት ዝፈለጠ፡ ኦዎና ኣብ ጎደናተት ናይ ዶዋላ ደቂሱ ዘርእይ ሰነዳዊ ፊልም ድሕሪ ምዕዛቡ ኢዩ።
ወዲ 67 ዓመት ኦዎና ሕጂ ኣብ ሆስፒታል ናይ ኤርንያ ሕክምና እናተገብረሉ ይርከብ።
ንሱ ብተለፎን ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝገበሮ ዝርርብ ሕጉስ ምዃኑ ገሊጹ።
"ኤቶ ኣዝዩ ሕያዋይ ኢዩ" ድሕሪ ምባል ወዲ 37 ዓመት፡ ኣርባዕተ ግዘ ብሉጽ ተጻዋታይ ኩዕሶ እግሪ ኣፍሪቃ ክኸዉን ዝበቕዐ ኤቶ፤ ከባቢ 1000 ዶላር ከም ዝሃቦን መንበሪ ገዛ ድማ ከም ዝተመፃብዓሉን ሓቢሩ።
"ግዳም ሓደር ኮይነ ዝበልዖ'ዉን ኣይነበረንን" ኢሉ።
ኤቶ ንኩነታት ኦዎና ኣብ ተለቪዥን ካሜሩን ምስ ረኣየ፡ ብሰንበት 19 ነሓሰ ኢዩ፤ ኣብ ከተማ ዶዉላ ኣብ ዝርከበብ ሆስፒታል በጺሕዎ።
ኣዋህሊልዎ ዝነበረ ገንዘብ፡ ግዳይ መንሽሮ (ካንሰር) ንዝኾነት ሰበይቱን ደቁን ኣብ ምሕካም ከም ዘጥፍኦ ኦዎኒ ኣብቲ ሰነዳዊ ፊልም ይገልጽ።
ሰበይቱን ክልተ ደቁን ምስ ሞቱ ከም ዝነደየን፡ ወላ ንሰበስልጣን ገንዘባዉን ናዕ ሕክምና ሓገዛት ክገብርሉ እንተሓተተ፡ ዝሕግዞ ከም ዝሰኣነን ሓቢሩ።
ድሕሪ እቲ ናይ ተለቪዥን ፕሮግራም ግና፡ ኣፍሪካን ሲነርጂ ዝተብሃለ ብቀዳማዊት እመቤት ቻንታለ ቢያ ዝተመስረተ ትካል ግብረሰናይ፡ ናይ ሕክምና ረድኤት ዝረኽበሉ ኩነታት ኣመቻቺኡ።
ፍሉጥ ተጻዋቲ ኩዕሶ ነበር ኦዎኒ፡ ኣብ እግሩ'ዉን ከቢድ ቁስሊ ከም ዝነበሮን ኣብ ምንቅስቓስ ይጽገም ከም ዝነበረን ንቢቢሲ ተዛሪቡ።