እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ዙር ፈረንሳ 2025: ቢንያም ንምንታይ'ዩ ናይ ዓሚ ዓወቱ ክደገሞ ዘይከኣለ?
ካብ 5 ሓምለ ጀሚሩ ን21 መድረኻት ክካየድ ዝቐነየ ዙር ፈረንሳ 2025፡ ስሎቨንያዊ ታደይ ፖጋቻ ተዓዋቲ ብጫ ማልያ ኰይኑ ዛዚምዎ።
እቲ ትማሊ ኣብ ከተማ ፖሪስ ዝተኻየደ ናይ መወዳእታን መበል 21 መድረኽን ብዓወት ተጻዋታይ ቪዝማ ሊዝ ቫን ኣርት'ዩ ተዛዚሙ።
ቫን ኣርት ኣብ ልዕሊ ታደይ ፖጋቻ መጥቃዕቲ ብምፍጻም'ዩ ብናይ 19 ካልኢት ጸብለልታ ቀዳማይ ኰይኑ ዕዉት ዛዛሚ መድረኽ ዙር ፈረንሳ 2025 ኰይኑ።
ኣብዚ ናይ ሎሚ ዓመት ዙር ፈረንሳ ከኣ፡ ቫን ኣርት እቲ እንኮ ኣብ ልዕሊ ታደይ ፖጋቻ መጥቃዕቲ ብምፍጻም ፈልዩ ክዕወተሉ ዝኸኣለ ተጻዋታይ ክኸውን በቒዑ።
ናይ ዓመት 2024 ተዓዋቲ ቀጠልያ ማልያ እዚ ውድድር ዝነበረ ቢንያም ግርማይ ከኣ መበል 13 ኰይኑ ኣትዩ።
ታደይ ፖጋቻ ነቲ ሎሚ ዓመት ዝተሰርዐ 21 መድረኻትን 3338.8 ኪሎሜተር ብ76 ሰዓትን 32 ካልኢትን ክዛዝሞ እንከሎ፡ ካልኣይ ኰይኑ ውድድሩ ዝዛዘመ ጆናስ ቪንገጋርድ 4 ደቂቕን 24 ካልኢት ደንጒዩ ስዒብዎ።
ኣብ ቀጠልያ ማልያ ኢጣልያዊ ኣባል ሎድል ትሬክ ጆናታን ሚላን ብ372 ተዓዋቲ ክኸውን እንከሎ፡ ታደይ ፖጋቻ ብ294፡ ቢንያም ግርማይ ከኣ ብ232 ነጥቢ ካልኣይን ሳልሳይን ኰይኖም ውድድሮም ዛዚሞም።
ሎሚ ዓመት ንራብዓይ ግዜኡ ተዓዋቲ ብጫ ማልያ ዙር ፈረንሳ (2020፡ 2021፡ 2024 ከምኡ ከኣ 2025) ክኸውን ዝኸኣለ ታደይ ፖጋቻ ንማልያ ኣንበሳ ዓቐበት'ውን ንሱ'ዩ ተዓዊትሉ።
ታደይ ምስዚ ሎሚ ዓመት ዘመዝገቦ ኣርባዕተ ናይ መድረኸ ዓወታት ተደሚሩ፡ ብሓፈሻ ኣብ ዙር ፈረንሳ 21 ናይ መድረኽ ዓወታት ኣመዝጊቡ ኣሎ።
ኣብ ታሪኽ ዙር ፈረንሳ 35 ናይ መድረኽ ዓወታት ብምምዝጋብ ክብረ ወሰን ሒዙ ዘሎ እንግሊዛዊ ማርክ ካቫንዲሽ'ዩ።
ታደይ 119 ነጥቢ ብምውህላል ንማልያ ኣንበሳ ዓቐበት ዙር ፈረንሳ 2025'ውን ክዕወተላ ክኢሉ'ዩ።
ጆናስ ቪንገጋርድ ብ104 ካልኣይ ለኒ ኣመርቲነዝ ከኣ ብ97 ሳልሳይ ኰይኖም ውድድሮም ዛዚሞም።
ንዝበለጸ መንእሰይ እትወሃብ ማልያ ኣብ ቀዳማይ መድረኽ ዙር ፈረንሳ ካልኣይ ዝኣተወ ቢንያም ግርማይ ለቢሱዋ ምንባሩ ዝዝከር ኰይኑ፡ ብሓፈሻ ጀርመናዊ ፍሎርያን ሊፕዊዝ ብ76 ሰዓት፡ 11 ደቂቕን 32 ካልኢት ተዓዊትላ፡ ብሪጣንያዊ ኦስካር ኦንለይ ካልኣይ ፈረንሳዊ ኬቨን ቫኰሊን ከኣ ሳልኣይ ኰይኖም ውድድሮም ዛዚሞም።
ብጋንታ ቲም ቪዝማ ሊዝ ባይክ ብ232 ሰዓት፡ 1 ደቂቕን 32 ካልኢትን ጐብለል እዚ ውድድር ክትከውን እንከላ፡ ጋንታ ዩኤኢ ብ24 ደቂቕን 26 ካልኢትን ድሒራ ካልኣይቲ ብምዃን ውድድራ ዛዚማ።
ቢንያምን ውጽኢቱን
እቲ እንኮ ኣብዚ ውድድር ዝተሳተፈ ኣፍሪቃዊ፡ ኤርትራዊ ቢንያም ግርማይ ኣብዚ ናይ ሎሚ ዓመት ውድድር ኣብ ቀዳማይ መድረኽ ዘመዝገቦ ናይ ካልኣይ ወጽኢት እቲ ዝበለጸ ናይዚ ዓመት (ዙር ፈረንሳ) ውጽኢቱ'ዩ።
ብዘይካ'ዚ ቢንያም ኣብ ሳልሳይን ታሽዓይን መድረኻት ናይ ሻዱሻይ ደረጃ ውጽኢት ኣመዝጊቡ።
ዓሚ ሰለስተ ናይ መድረኽ ዓወታት ብምምዝጋብ ተዓዋቲ ቀጠልያ ማልያ ክኸውን ዝኸኣለ ቢንያም ግርማይ፡ እቲ ቀደማይ ኣብ ዙር ፈረንሳ ናይ መድረኽ ዓወት ከመዝግብ ዝኸኣለ ጸሊም ኣፍሪቃዊ'ዩ።
እቲ ቀዳመይ ኣብ ዙር ፈረንሳ ክልተ ናይ መድረኽ ዓወት ከመዝግብ ዝኸኣለ ኣፍሪቃዊ'ዩ።
ባዕሉ ንኽብረ መዝገቡ ብምምሕያሻ እቲ ቀደማይ ኣብ ዙር ፈረንሳ ሰለስተ ናይ መድረኸ ዓወታት ከመዝግብ ዝኸኣለ ኣፍሪቃዊ እውን'ዩ።
ብዓቢዩ እቲ ቀዳማይ ኣብ ዙር ፈረንሳ ተዓዋቲ ቀጠልያ ማልያ ክኸውን ዝኸኣለ'ዩ፣ እዚ ኵሉ ክብርታት ኣብ ዓመተ 2024 እዩ ከመዝግቦ ክኢሉ።
ሎሚ ዓመት'ውን ኣብ ቀዳማይ መድረኽ ንጃስፐር ፍሊፕሰን ብምኽታል ካልኣይ ኰይኑ ውድደሩ ብምዝዛም፡ ነታ ንዝበለጸ መንእሰይ እተወሃብ ጻዕዳ ማልያ ክለብሳ ክኢሉ፡ በዚ ከኣ እቲ ቀዳማይ ነዛ ማልያ ክለብሳ ዝኸኣለ ኣፍሪቃዊ ኰይኑ።
ቢንያም ግርማይ ሎሚ ዓመት ንሳልሳይ ግዜኡ'ዩ ኣብ ዙር ፈረንሳ ክሳተፍ ክኢሉ፡ በዚ ከኣ እቲ ቀዳማይ ኣብዚ ዙር ብተኸታታሊ ንሰለስተ ዓመታት ዝተሳተፈ ጸሊም ኣፍሪቃዊ ዝብል ክብሪ ክረክብ ክኢሉ'ዩ።
ዳንኤል ተኽለሃይማኖት ኣብ 2015 ከምኡ ከኣ 2016 ክልተ ግዜ ብተኸታታሊ ኣብ ዙር ፈረንሳ ዝተቐዳደመ ጸሊም ኣፍሪቃዊ'ዩ።
ዳንኤልን መርሃዊ ቅዱስን ኣብ 2015 ኣብ ዙር ፈረንሳ ዝተሳተፉ ቀዳሞት ጸለምቲ ኣፍሪቃውያን ዝብል ክብሪ ከመዝግቡ ምኽኣሎም ዝዝከር ኰይኑ፡ ዳንኤል ንማልያ ኣንበሳ ዓቐበት ንኣርባዕተ መዓልታት ኣብ ዝባኑ ብምልባስ እቲ ቀዳማይ ኣፍሪቃዊ ኣብ ዙር ፈረንሳ ማልያ ኣንበሳ ዓቐበት ዝለበሰ'ዩ።
ናትናኤል ብርሃነ'ውን ኣብ 2016 ከምኡ ከኣ 2019 ኣብ ዙር ፈረንሳ ምስታፉ ኣይርሳዕን።
ብሓፈሻ ኣፍሪቃ ኣብ ዙር ፈረንሳ ሰለስተ ማልያታት ክትጥዕም ክኢላ'ያ፣ ማልያ ኣንበሳ ዓቐበት ብዳንኤል ተክለሃይማኖት፡ ቀጠያን ጻዕዳን ማልያታት ከኣ ብመንገዲ ቢንያም ግርማይ ክትቋደስ ክኢላ።
ሎሚ ዓመት ኣብ ዙር ፈረንሳ 184 ተቐዳደምቲ'ዮም ጸወታ ጀሚሮም፤ 24 ተቐዳደምቲ ብድኻም፡ ብመውደቕቲ፡ ግዜ ብምሕላፍ ካብ ጸወታ ብምግላፍ፡ ብሕማምን ካልእን ጸወታ ስለ ዘቋረጹ 160 ተቐዳደምቲ ጥራይ'ዮም ን21 መድረኻት ክዛዝምዎ ክኢሎም።
ጃስፐር ፍሊፕሰን፡ ቫንደርፑል፡ ሬምኮ ኢቨነፖል እቶም ሎሚ ዓመት ኣብ ዙር ፈረንሳ ናይ መድረኽ ዓወት ኣመዝጊቦም ክንሶም ጃስፐር ፍሊፕሰን ብመወደቕቲ፡ ቫንደር ፑልን ሬምኮን ከኣ ብሕማም ካብዚ ውድድር ዘቋረጹ ልሉያት ተቐዳደምቲ'ዮም።
ዙር ፈረንሳ ጸወታ ምዝዛም ከም ዓቢይ ዓወት ዝሕሰበሉ ኣዝዩ ከቢድ ጸወታ'ዩ። እዚ ስለ ዝዀነ ከኣ'ዩ ኵሎም ተጻወትቲ ትማሊ ኣብ መዛዘሚ ሕንጻጽ ክበጽሑ እንከለዉ፡ ዘመዝገብዎ ውጽኢት ብዘየገድስ ብሓጐስ ዝጽንብልዎ ዝነበሩ።
ቢንያም ንምንታይ'ዩ ናይ ዓሚ ዓወቱ ዘይደገሞ?
ኣብ ከም ዙር ፈረንሳ ዝኣመሰሉ ዓበይቲ ውድድራት፡ ተዓዋቲ ኴንካ ንኽትወጽእ ህሉው ብቕዓትካ በይኑ እኹል ኣይኰነን።
ኣብ ሓንቲ ጋንታ 8 ተቐዳደምቲ'ዮም ዘለዉ፡ ንዓወት ሓደ ተቐዳዳማይ ከኣ ብቕዓት ናይቶም ሸውዓት ደቂ ጋንታኡ ኣዝዩ ወሳኒ'ዩ፡ ሓደ ኣብ ብቕዓት ምስ ዘይህሉ ንውጽኢት ክጸልዎ ግድን'ዩ።
ኣብዚ ከኣ እታ ቢንያም ዝወዳደረላ ቤልጂማዊት ጋንታ ኢንተርማርች፡ ምስ ካልኦት ጋንታታት ብምውድዳር ባጀታ'ውን ትሑት ስለ ዝዀነ፡ ንቢንያም ግርማይ ኣብ ቅድሚት ኰይኖም ዝመርሕዎ (ሊድ ኣውት ዝገብርዎ) ኣብ ምቕራብ፡ ምስ ካልኦት ጋንታታት ብምውድዳር ትነኣድ ኣይነበረትን።
ብድምር ግዜ ካብተን ኣብዚ ውድድር ዝተሳተፋ 23 ጋንታታት፡ ካብ ቀዳማይቲ ብ11 ሰዓት፡ 49 ደቂቕን 42 ካልኢት ድሒራ መበል 23 ኰይና ውድድራ ምዝዛማ እኹል መርኣያ እዩ።
እዚ ከኣ ነቲ ኣብ መወዳእታ ሰለስተ ኣርባዕተ ኪሎሜተራት በይኑ ዝተርፍ ቢንያም ግርማይ ውጽኢቱ ዝሕትል ንኽብል ርኡይን ቀንድን ምኽንያት'ዩ ነይሩ ኢልካ ክግለጽ ዝከኣል'ዩ።
ምስዚ ኣብ ዝተሓሓዝ ካልኣይ ነጥቢ፡ ቢንያም ዓሚ ተዓዋቲ ቀጠልያ ማልያ ምስ ምንባሩ፡ እተን ንቐጠልያ ማልያ ዓሊመን ዝመጽኣ ጋንታታት ንቢንያምን ጋንታኡን ከመይ ገይርና ንስዕሮም ኢለን'የን ወጢነን ናብዚ ጸወታ ኣትየን። ብኣንጻሩ ጋንታ ኢንተርማርች ግን ንዓወት ቢንያም ከመይ ትዕቅቦን ንዝመጽኣ መጥቃዕቲ ከመይ ትከላኸሎን እኹል ምድላዋት ዝገበረት ኣይትመስልን።
እቲ ከም ሳልሳይ ነጥቢ ክልዓል ዝከኣል፡ ቢንያም ዓሚ ኣብ ቅጽበታዊ ውድድር ዝሃርሞ ዝነበረ ዋትን ናይ ሎሚ ዓመትን ብምውድዳር ከምቲ ዓሚ ሒዝዎ ዝነበረ ብቕዓት ሒዙ ኣይቀረበን ወይ ካብኡ ዝያዳ ዝረግጹ ተቐዳዳደምቲ መጺኦም፣ ብፍላይ ከኣ ኢጣልያዊ ጆናታን ሚላን።
ኣብ ሞንጎ ኣብ ዝካየድ ዝነበረ ናይ ቅጽበታዊ ውድድር፡ ጆናታን ሚላንዩ ዝያዳ ኣድማዒ ነይሩ።
ዓሚ ቢንያም ግርማይ ንቐጥልያ ማልያ ኣብ ሓሙሻይ መድረኽ ምስ ሓዛ ክሳብ መወዳእታ'ዩ ዓቂብዋ።
ኣብ ሻሙነይቲ መድረኽ ካልኣይቲ ናይ መድረኽ ዓወት ምስ ኣመዝገበ ከኣ "ቀጥልያ ማልያ ክበርር ፍሉይ መንገብገብ'ያ ሂባትኒ" ምባሉ፡ ማልያ ምውናን ዝያዳ ፍናን ከም ዝህበካ'ዩ ዘርኢ።
ጆናታን ሚላን'ውን ሎሚ ዓመት ንቐጠልያ ማልያ ኣብ ሳልሰይቲ መድረኽ ምስ ሓዛ ክሳብ መወዳእታ ኣይፈነዋን። ስለዚ ቢንያም ግርማይን ጋንታኡን ነዚ ፍናን እዚ ክሰብሩዎ ክኸብዶም ንቡር'ዩ።
እቲ ከም ራብዓይ ነጥቢ ክልዓል ዝኽእል፡ ቢንያም ዝነበሮ ጸቕጢ'ዩ።
ቢንያም ግርማይ ዝሓለፈ ዓመት ተዓዋቲ ቀጠልያ ማልያ ከም ምንባሩ ንዓወቱ ንምዕቃብ ጸቕጢ ክነብሮ ንቡር'ዩ።
ብዓቢኡ ከኣ ካብቶም ንብሽክለታ ዘለዎም ደገፍን ፍቕርን ኣዝዮም ልሉያት ዝዀኑ ኤርትራውያን ንኽዕወት ዝነበሮም ትጽቢትን ዝፈጥሮ ጸቕጢ'ውን ቀሊል ኣይኰነን።
ብርክት ዝበሉ ኤርትራውያን ኣፍቀርቲ ብሽክለታ ባንዴራ ሃገሮም እናኣንበልበሉ ኣብ መቀዳደሚ ቦታ እናተረኽቡ ደገፎም ክህቡዎ ኣቓልቦ ሓያሎ ማዕከናት ዜና ስሒቦም እዮም።