እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ዙር ፈረንሳ ክሳብ ክንደይ'ዩ ሓደገኛ?
ኣብ ዙር ፈረንሳ ንምዕዋት፡ ህሉው ብቕዓት፡ ሓይሊ፡ ወይ ድልድልቲ ጋንታ ምሓዝ ጥራይ በይኑ ኣኻሊ ኣይኰነን።
ነቲ ዝተሰርዐ ልዕሊ 3,000 ኪሎሜተር ብዘይ ሓደጋ ክትውድኦ ዕድል ክትገብር ኣለካ።
ዙር ፈረንሳ 21 መድረኻት ኣለዎ። ኣብ ሞንጎ ዘለዋ ክልተ ናይ ዕረፍቲ መዓልታት ሓዊስካ ን23 መዓልታት ዝካየድ ኣብ ዓለም ካብ ዝለዉ ወድድራት ቅድድም ብሽክለታ ብሰሓብነቱን ኣወዳድብኡን ኣብ ቅድሚት ዝስራዕ ውድድር'ዩ።
ብደረጃ ዋላ ደኣ ቮልታ ስጳኛን ጂሮ ዲ ኢታልን ግረንድ ቱር ተባሂሎም ማዕረ ዙር ፈረንሳ ዝስርዑ እንተዀኑ፡ ክንድኡ ሰሓብነት ግን የብሎምን።
ሎሚ ዓመት ነፍሲወከፈን 8 ተጻወትቲ ዝሓዛ 23 ጋንታታት'የን ውድድር ጀሚረን።
184 ተቐዳደምቲ ከኣ ንሓንቲ ብጫ ማልያ፡ ንሓንቲ ቀጠልያ ማልያ፡ ንሓንቲ ነጠብጣብ ማልያ ንሓንቲ ጻዕዳ ማልያ (ብፍላይ ግን ንብጫ ማልያ) ንምዕዋት ንምዕዋት ውድድሮም ጀሚሮም።
ካብታ 1.55 ቢልዮን ብዝሒ ህዝቢ ዘለዋ ኣፍሪቃ ከኣ ብንያም ግርማይ ጥራይ'ዩ ኣብዚ ናይ ሎሚ ዓመት ውድድር ዝሳተፍ ዘሎ።
ኣብ እዋን ውድድር ኣብ ጽቕጥቅጥ ዘለዎ ቅጽበታዊ ውድድር ተጋጪኻ ምውዳቕ፡ ሸተት ኢልካ ምውዳቕ፡ ኣብ ሃው ዝበሉ ቅልቅሎት ምጽዳፍ፡ ምስ ተዓዘብቲ ተጋጪኻ ምውዳቕ፡ ብዙሕ ኣዝዩ ብዙሕ ሓደጋታት ዘለዎ ውድድር'ዩ።
ንዙር ፈረንሳ ዝያዳ ሓደገኛ ዝገብሮ እንታይ'ዩ?
ኣብዚ ሎሚ ዓመት ንመበል 112 ግዜኡ ዝካየድ ዘሎ ዙር ፈረንሳ፡ ክሳዕ ሕጂ ኣብ ዝተኻየዱ መድረኻት ብዙሓት ተቐዳደምቲ ብመውደቕቲ ካብ ውድድር ተኣልዮም'ዮም።
ኢምልያን ጀንየር ኣብ ሓሙሻይ መድረኽ ወዲቑ ኣብ መንኵቡ መንቃዕቲ ዓጽሚ ስለ ዘጋጠሞ ካብ ጸወታ ተኣልዩ፣ ጆ ኣልመድያ'ውን ብተመሳሳሊ ኣብ ሻውዓይ መድረኽ ምስ ብዙሓት ተቐዳደምቲ ወደቒ መስበርቲ መሰንገለ ኣጋጢምዎ፡ ንኽለተ መድረኻት ተጸሚሙ ጸወታ ክቕጽል ፈቲኑ ኣብ ታሽዓይ መድረኽ ካብ ጸወታ ወጺኡ።
ንቐዳመይቲ መድረኽ ብቕጽበታዊ ውድድር ንብንያም ግርማይ ስዒሩ ተዓዋቲ ቀጠልያን ብጫን ማልያን ክኸውን ዝኸኣለ ጃስፐር ፍሊፕሰን'ውን ኣብ ሞንጎ ጸወታ ኣብ ዝነበረ ቅጽበታዊ ውድድር ምስ ኣብ ቅድሚኡ ዝነበረ ተቐዳዳማይ ተጋጭዩ ብምውዳቑ፡ መስበርቲ ዓጽሚ ናይ መንኵብ ኣጋጢምዎ ካብ ጸወታ ተኣልዩ፣ እቲ ሓደጋ ብዙሕ'ዩ።
ብሓሙስ ተቐዳደምቲ ጸወታ ቅድሚ ምጅማሮም ብናይ ሓደ ደቂቕ ዝኽርን ጸሎትን'ዮም ጸወታ ጀሚሮም።
ወዲ 19 ዓመት ኢጣልያዊ ሳሜኤለ ፕሪቪታረ ኣብ ጂሮ ዴላ ቫለ ዲ ኦስታ ኣብ እዋን ጸወታ ተጋጭዩ ድሕሪ ምውዳቑ ህይወቱ ስለ ዝሓለፈት፡ ኣብ ተቐዳደምቲ ዙር ፈረንሳ ከቢድ ሓዘን'ዩ ፈጢሩ ነይሩ።
እቶም ኣብ ዙር ፈረንሳ ኣብ ጸወታ ዝሞቱ 4 ተቐዳደምቲ ብዓል መን'ዮም
ኣብ ታሪኽ ዙር ፈረንሳ'ውን ኣብ እዋን ጸወታ ሞት ዘስዓበ ሓደጋታት ኣጋጢሙ ይፈልጥ'ዩ።
እቲ ብቐረባ ዝዝከር ኣብ 1995 ተቐዳደምቲ ካብ ፍሊጥ ጎቦ ኮል ደ ፖርተት ዲኣስፐት እናወረዱ እንከለዉ፡ ጸዲፉ ዝሞተ ኢጣልያዊ ፋብዮ ካሳረተኪ'ዩ።
ኣብ ታሪኽ ዙር ፈረንሳ እቲ መጀመርታ ኣብ እዋን ጸወታ ብሓደጋ ዝሞተ ተቐዳዳማይ ኣብ 1910'ዩ ነይሩ፣ ኣዶልፍ ሀልየር ከኣ ይበሃል።
ኣዶልፍ ሀልየር ክሳብ ሕጂ ጠንቂ ሞቱ ኣይተፈለጠን።
ንሱ ሻሙናይ መድረኽ ተወዲኡ፡ ኣብቲ ጸወታ ዝተወደኣሉ ገምገም ባሕሪ ደቂሱ ተራእዩ። ዶካትር ኣብ ባሕሪ ኣትዩ ጸኒሕዎም፡ ኣውጺኦሞ ህይወቱ ግን ከድሕንዎ ኣይከኣሉን። ቀዳማይ ኣብ ሞንጎ ጸወታ ዙር ፈረንሳ ዝሞተ ተቐዳዳማይ ተባሂሉ ከኣ ተመዝጊቡ።
ኣብ 1935 ከኣ ፍራንሲስኮ ሰፓዳ ዝተባህለ ተቐዳዳማይ፡ ካብ ጎቦ ብናህሪ እናወረዱ እንከለዉ ምስ ደንደስ ጽርግያ ተጋጭዩ ኣብኡ እንከሎ ህይወቱ ሓሊፋ።
ብሪጣንያዊ ቶሚ ሲምፕሰንት እቲ ሳልሳይ ኣብ ቱር ዲ ፍራንስ እናተጻወተ እንከሎ ዝሞተ ተቐዳዳማይ'ዩ።
ኣብ 1965 ተዓዋቲ ሻምፕዮና ዓለም ኰይኑ ናብ ዙር ፈረንሳ ዘምረሐ ቶሚ ሲምፕሶን፡ ተቐዳደምቲ ካብ ጎቦ ቨንቶክስ ብናህሪ እናወረዱ እንከለዉ'ዩ ናይ ምውዳቕ ሓደጋ ኣጋጢምዎ።
ምስ ወደቐ ብቐጥታ'ዩ ኣብ ዕውለት ኣትዩ፡ ኣብ ሕክምና ምስ በጸሐ ከኣ ከም ዝሞተ ተረጋጊጹ።
መበል 16 መድረኽ ዙር ፈረንሳ እዚ ዓመት ኣብ ጎቦ ቨንቶክስ'ያ ክትውዳእ፡ ንዝኽሪ ቶሚ ሲምፕሰን ከኣ መደብ ተዳልዩ ኣሎ።
ሓደጋ ንዘስዓቡ ተዓዘብቲ ዝህሉ ገንዘባዊ መቕጻዕቲ
ኣብ እዋን ጸወታ ብተዓዘብቲ ዝስዕብ ሓደጋታት'ውን ኣሎ።
ኣብ 2021፡ ሓንቲ ፈረንሳዊት ተዓዛቢት ኣብ እዋን ጸወታ በቲ ሒዛቶ ዝነበረት ታቤላ ዝሰዓበ መውደቕቲ ተጻወትቲ ተኸሲሳ ናብ ቤት ፍርዲ ቀሪባ፡ 1200 ኤሮ ከኣ ተቐጺዓ።
እታ ጓል ኣንስተይቲ፡ ኣብቲ ታቤላ ብጀርመንኛ "ዓባየይን ኣቦሓጎይን" ዝብል ጽሑፍ'ያ ኣስፊራ ነይራ። ናብታ ትስእል ዝነበረት ካሜራ ክትጥምት፡ ነቶም ተኣኪቦም ዝመጽኡ ዝነበሩ ተቐዳደምቲ ኣይረኣየቶምን።
በቲ ታቤል ከኣ ንጀርመናዊ ተቐዳዳማይ ቶኒ ማርቲን ሃሪማቶ፡ ንሱ ምስ ወደቐ ብድሕሪኡ ዝነበሩ ብዙሓት ተቐዳደምቲ ወዲቖም።
ብሰንኪ እቲ መውደቕቲ ክልተ ተቐዳደምቲ ጸወታ ከቋርጹ ተገዲሞም፡ ሸሞንተ ከኣ ተሓኪሞም ጸወታኦም ቀጺሎም።
ካብቲ እዋን ጀሚሩ፡ ታቤላ ሒዙ ሓደጋ ዘስዓበ ተዓዛባይ ገንዘባዊ መቕጻዕቲ ክብየነሉ ምዃኑ ብወግዒ ተሓቢሩ።