ኤርትራ እታ እንኮ ኣብ ደረጃታት ፊፋ ዘይተሰርዐት ሃገር ኰይና

ዓመታዊ ኣብ ዝወጽእ ደረጃ ኩዕሶ እግሪ ሃገራት ዘመልክት ዝርዝር፡ ሎሚ ዓመት ን210 ሃገራት ኣብ ዝሰርዓሉ፡ ኤርትራ ጥራይ፡ "ኣብ ዝሓለፈ 48 ኣዋርሕ ብውሕዱ ሓደ ወግዓዊ ውድድር ስለ ዘየካየደት ደረጃ ኣይተዋህባን፡" ብዝብል ካብቲ ዝርዝር ከም ዝወጸት መርበብ ሓበሬታ ፊፋ ኣመልኪቱ።

ፊፋ ከም ዝዘርግሖ፡ እቲ ዝለዓለ ደረጃ ኤርትራ ኣብ 2007 መበል 121 ዝተመዝገበ ክኸውን እንከሎ፡ እቲ ዝተሓተ ደረጃ መበል 207 ድማ ኣብ 2019 ዝተመዝገበ እዩ።

ብመሰረት እቲ ብ10 ሓምለ ዝተዘርግሐ ሓበሬታ፡ ኣርጀንቲና፡ ስጳኛን ፈረንሳን ኣብ ቅድሚት ዘለዋ ሰለስተ ሃገራት እየን።

ካብ ሃገራት ኣፍሪቃ ድማ፡ እታ ኣብ ዓለም 12 ዝተሰርዐት ሞሮኮ ኣብ ቅድሚት፣ ኣብ ፊፋ መበል 18 ተሰሪዓ ዘላ ሰኔጋል ካልአይቲ፡ መበል 34 ተሰሪዓ ዘላ ግብጺ ድማ ሳልሰይቲ ኰይነን ደረጃታት ሒዘን ኣለዋ።

ሃገራት ሲሸልስ፡ ሶማልያ፡ ሳኦ ቶመ ፕሮንቺፐ፡ ጅቡቲ ድማ ኣብ ድሕሪት ተሰሪዐን ዘለዋ ሃገራት ኣፍሪቃ እየን። ኤርትራ ኣብዚ ናይ ሃገራት ኣፍሪቃ'ውን ደረጃ የብላን።

ደረጃታት ፊፋ፡ ሃገራት ብዘካየድኦ ኣህጉራውን ዓለምለኻውን ወግዓዊ ውድድራት ብዝሒን ዝተመዝገበ ውጽኢትን ኣብ ግምት ኣእትዩ ዝስራዕ ኰይኑ፡ ኣብቲ መርበብ ሓበሬታ ፈደረሽን ኵዕሶ እግሪ ዓለም ተዘርጊሑ ከም ዘሎ ድማ ኣብ ዝሓለፈ 48 ኣዋርሕ ወይ ከኣ ኣርባዕተ ዓመት ዝዀነ ወግዓዊ ጸወታ ዘይብለን ሃገራት ኣብቲ ዝርዝር ኣይሰፍራን እየን።

በዚ መለክዒታት ድማ እታ እንኮ ኣብቲ ዝርዝር ዘይሰፈረት ሃገር ኤርትራ ጥራይ ምዃና ተፈሊጡ'ሎ።

ኵዕሶ እግሪ ኤርትራ ዘይከምቲ ታሪኹ ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት እናኣንቈልቈለ ክመጽእ ከም ዝጸንሐ ዝፍለጥ ኰይኑ፡ ብፍላይ ኣብ ዝሓለፈ ኣርባዕተ ዓመታት ዝዀነ ዝጥቀስ ኣህጉራዊ ውጽኢት ኣየመዝገበን።

ኣብ ውሽጢ ሃገር ዝካየድ ውድድራት ድኹም ኣብ ርእሲ ምዃኑ፡ ብዙሓት ዓቕሚን ክለትን ዘለዎም ተጻወትቲ ዕድል ኣብ ዝረኸብሉ ካብታ ሃገር ስለ ዝወጽኡ፡ ብደረጃ ሃገራዊት ጋንታ ዝምዝገብ ውጽኢት ካብ ዘይርአ ነዊሕ ኰይኑ እዩ።

ሃገራዊት ጋንታ ኵዕሶ እግሪ ኤርትራ፡ ሓደ ዓመት ድሕሪ ናጽነት ኣብ 1992 ብኣሰልጣኒ ኣቶ ተኪአ ኣብርሃ እናተመርሐት፡ ኣብ ሱዳን ኣብ ዝተኻየደ ዋንጫ ዑመር ኣልበሽር፡ ናብ ፍጻመ በጺሓ ነታ ኣብ 1990 ኣብ ዋንጫ ዓለም ዝተሳተፈት ዒራቕ ኣብ ፍጻመ 2 ብ0 ብምስዓር ዋንጫ ዓቲራ።

ኣብ 1993'ውን ብምኽንያት መዓልቲ ናጽነትን ምእዋጅ ናጽነት ኤርትራን፡ ሱዳንን ግብጽን ዝተሳተፋኦ ውድድር ብምስራዕ፡ ነታ ኣብ ታሪኽ ዋንጫ ኣፍሪቃ ዝበዝሐ ዋንጫታት ብምውሳድ ዝልዓለ ክብረ ወሰን ዝሓዘት ግብጺ 2 ብ 1 ብምስዓር ተዓዋቲት እቲ ውድድር ክትከውን ክኢላ።

ኣብ 1994'ውን ኣብ ኬንያ ኣብ ዝተኻየደ ውድድራት ሴካፋ፡ ውድድራ ራብዓይቲ ኰይና ክትውድእ እንከላ፡ ኣጥቃዓይ እታ ሃገራዊት ጋንታ ይድነቀቻው ሽማንጉስ ኮኾብ ተጻዋታይ እቲ ውድድር ኰይኑ።

እዚ ከምዚ ዓይነት ናይ ዓወት መንፈስ ምስታ ሃገራዊት ጋንታ ክሳብ 1997 ከም ዝቐጸለ'ዮም ነቲ ናይታ ሃገር ኵዕሶ እግሪ ብቕርበት ዝከታተልዎ ሰባት ዝሕብሩ።

ቅድሚ ሕጂ፡ ነዚ መሰረት ብምግባር 'ባይታ ዘቢጡ ዘሎ ኩዕሶ እግሪ ኤርትራ ብኸመይ ክበራበር ይኽእል? ብዝብል ኣርእስቲ ቢቢሲ ዳህሲስዎ ከም ዝነበረ ይዝከር።

ኣብቲ 210 ሃገራት ደረጃ ዝሰርዐ ዝርዝር ናይዚ ዓመት፡ ኤርትራ፡ ኣብ 48 ኣዋርሕ ብውሕዱ ሓደ ወግዓዊ ውድድር ብዘይምክያድ ካብ ደረጃ ትተኣለ 'ምበር፡ ናብ ስሩዕ ውድድራት እንተ ተመሊሳ፡ ብመሰረት እተመዝግቦ ውጽኢታት ደረጃታት ክወሃባ ምዃኑ ይፍለጥ።

እታ ብታሪኻ፡ ዕቝር ዓቕሚን ክእለትን ኩዕሶ እግሪ ከም ዘለዋ ዝፍለጥ ኤርትራ፡ ብፍላይ ኣብዚ ዝሓለፈ እዋናት ብሰንኪ'ቲ ኣብታ ሃገር ዘሎ ሕማቕ ኣተሓሕዛ፡ ትሑት ቍጠባን ድሩት ዕድላት ተጻወትቲን ካልእ ምኽንያታትን፡ ብዙሓት ከዋኽብታ ካብታ ንጸወታ ኣብ ዝወጽእሉ ብተደጋጋሚ ክዅብልሉ ስለ ዝተራእዩ፡ ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ካብ ኣህጉራዊ ውድድራት እግራ ክትስሕብ ጸኒሓ እያ።