እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኤርትራ፡ ቻምፕዮንሺፕ ኩዕሶ እግሪ ኤርትራ ብዓወት ጋንታ ደንደን ተዛዚሙ
ኣብዚ ወርሒ ክካየድ ዝጸንሐ ቻምፕዮንሺፕ ኩዕሶ እግሪ ኤርትራ ብዓወት ጋንታ ደንደን ተዛዚሙ።
ኣብቲ ካብ 10 መጋቢት ክሳብ 24 መጋቢት ኣብ ከተማታት ከረንን ኣስመራን ክካየድ ዝጸንሐ ውድድር 10 ክለባት ተሳቲፈን ነይረን።
ኣብቲ ትማሊ ሰንበት ኣብ ርእሰከተማ ኣስመራ ዝተኻየደ ናይ ፍጻመ ግጥም ክለብ ሚኒስትሪ ምክልኻል ዝኾነት ደንደን ንቀይሕ ባሕሪ 2 ብ 1 ብምስዓር'ያ ዋንጫ ዓቲራ።
እቲ ውድድር ነቲ እናተዳኸመ ክመጽእ ዝጸንሐ ደረጃ ኩዕሶ እግሪ እታ ሃገር ዘበራብርን ነተን ዓበይቲ ክለባት ዓቕመን ክግምግማ ዘኽእልን ምንባሩ ፕረዚደንት ፈደረሽን ኩዕሶ እግሪ ኤርትራ ኣቶ ጳውሎስ ወልደሃይማኖት ገሊጹ ክብላ መንግስታዊ ማዕከናት ዜና ሓቢረን።
ወርቂ መዳልያ ዝጨበጠት ጋንታ ቀይሕ ባሕሪ 100 ሽሕ ናቕፋ ተሸሊማ።
ካልኣይቲ ብምውጻእ ተዓዋቲት ብሩር መዳልያ ዝኾነት ቀይሕ ባሕሪ’ውን 75 ሽሕ ናቕፋ ተዋሂብዋ።
ንብሉጻት ተጻወትቲ፡ ሓለውቲ ልዳትን ኣመዝገብቲ ሸቶታትን'ውን ሽልማት ከምዝተዋህበ እቲ ካብ ኣስመራ ዝወጸ ጸብጻብ ይጠቅስ።
ኣብ ጥሪ 2020 ንመወዳእታ ግዜ ኣህጉራዊ ጸወትኣ ዘካየደት ኤርትራ፡ ካብቲ ኣብ ካናዳ፡ መክሲኮን ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን ዝካየድ ናይ ዋንጫ ዓለም 2026 መጻረዪ ግጥማት፡ ምስሓባ ንብዙሓት ኣፍቀርቲ ኩዕሶ እግሪ ዘሰንበደ'ዩ ነይሩ።
ብዘይካ'ዚ፡ እታ ሃገራዊት ጋንታ ካብቲ ናይ 2023 ውድድር ዋንጫ ኣፍሪቃ ምስሓባ'ውን፡ እታ ሃገር ኣብ ከዕሶ እግሪ እንታይ ዓይነት መጻኢ ከምዘለዋ ኣብ ምልክት ሕቶ ኣእትይዎ'ሎ።
ኣብዚ እዋን ኤርትራ ኣባል ዓለምለኻዊ ኩዕሶ እግሪ ፊፋ እኳ እንተዀነት ዓለማዊ ደረጃ ግን የብላን።
ኣብ ዝሓለፈ ልዕሊ 20 ዓመታት፡ ብደረጃ ሃገራዊት ጋንታ ይኹን ክለባት ንግጥማት ካብ ኤርትራ ዝወጹ ተጻወትቲ ብዝኸድዎ ኣብ ዝተፈላለየ ሃገራት ዑቕባ ክሓቱ ምጽንሖም'ውን ንምስሊ እታ ሃገርን ኩዕሶ እግሪን ደዊንዎን ሃስዩዎን'ዩ።
ኣብ ፈለማ 90ታት ዝዕንብባ ዝነበራ ሓያለ ጋንታታት ቆልዑ ኣብ ከምብዓል ኣውሮጳ ዝበሉ ቦታታት ኣብ ዝግበሩ ዝነበሩ ውድድራት ድሙቕ ዓወታት ብምምዝጋብ ዓቢ ተስፋ ፈጢሮም ምንባሮም ይዝከር።
ዝበዝሑ መንእሰያት ተጻወትቲ ኩዕሶ እግሪ ኤርትራ ናብቲ ግዱድን ገደብ-ኣልቦን ሃገራዊ ኣገልግሎት ክኸዱ ስለዝግደዱ'ውን ኣብ ስፖርት ዓቢ ስንብራት ከምዝገደፈ ተዓዘብቲ ይገልጹ።