እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ዙር ፈረንሳ 2025፡ እቲ እንኮ ንኣፍሪቃ ዝወከለ ቢንያም ግርማይ ደጊሙ ይዕወትዶ?
ዙር ፈረንሳ ብሰሓብነቱን ብዝሒ ተዓዘብቱን ኣብ ቅድሚት ዝስራዕ ኰይኑ፡ 21 መድረኻት ዘለዎ ግራንድ ቱር'ዩ፣ ብ5 ሓምለ ጀሚሩ ከኣ 27 ሓምለ ክዛዘም'ዩ።
ኤርትራን ኣፍሪቃን ድማ ኣብዚ ውድድር ብቢንያም ግርማይ ጥራይ እየን ክውከላ።
ተቐዳደምቲ፡ ኣብዚ 21 መድረኻት 3338.8 ኪሎሜተር ክዝውሩ'ዮም፣ ብመንጽር ብራኸ ድማ ብድምር 52, 500 ሜትሮ ክሓዅሩ እዮም።
ብሓፈሻ፡ ኣብ 23 ጋንታታት ዝተጠርነፉ 184 ተቐዳደምቲ ኣብዚ ውድድር ክሳተፉ ምዃኖም ተፈሊጡ ኣሎ።
ኣብ 2024 ዙር ፈረንሳ ብጫ ማልያ ታደይ ፖጋቻ፡ ቀጠልያ ማልያ ቢንያም ግርማያ፡ ማልያ ኣንበሳ ዓቐበት ሪቻርድ ካራፖዝ፡ ዝበለጸ መንእሰይ ከኣ ሬምኮ ኢቨነፖል ከም ዝተዓወትሉ ይዝከር።
ብዘይካ ሪቻርድ ካራፓዝ እቶም ዝተረፉ ቢንያም ግርማይ ዝርከቦም ሰለስተ ዕዉታት ናይ 2024 ከኣ ኣብዚ ናይ ሎሚ ዓመት ቱር ዲ ፍራንስ ክሳተፉ'ዮም።
ክዕወቱ ተገሚቶም ዘለዉ ብዓል መን'ዮም?
ኣብ ቀጠልያ ማልያ ቀንዲ ተወዳደርቲ ክዀኑ ግምት ተዋሂብዎም ዘሎ እዞም ዝስዕቡ እዮም፤
- ዓሚ ሰለስተ ናይ መድረኽ ዓወት ዘመዝገበን ዕዉት ቀጠልያ ማልያን ቢንያም ግርማይ፣
- ዓሚ ቀንዲ መተሃላልኽቲ ቢንያም ግርማይ ዝነበረ ቤልጂማዊ ጃስፐር ፍሊፕሰን፣
- ኣባል ኵክ ስቴፕ ቲም መርሌር፡ ኣባል ሊድል ትሬክ ጆናታን ሚላን፣
- ኣባል ጃይኮ ኣልኡላ፡ ድልያን ግሮንቨገን፡ ቫን ኣርት፡ ጆርዲ ሙስን ይርከብዎም።
ኣብ ብጫ ማልያ ከኣ ዓሚ ተዓዋቲ እዚ ውድድር ዝነበረ ታደይ ፖጋቻ ሒዝዎ ብዘሎ ብቕዓት፡ ሎሚ ዓመት'ውን ደጊሙ ክዕወተሉ ልዑል ግምት ተዋሂብዎ ኣሎ።
ሬምኮ ኤቨነፖል፡ ጆ ኣልመድያ፡ ጆናስ ቪንገጋርድ፡ ኣዳም ያተስ፡ ፕሪሞ ሮግሊክ፡ ካርሎስ ሮድሪገዝን ኢንሪክ ማስን ከኣ ቀንዲ መወዳድርቲ ታደይ ፖጋቻ ክኰኑ ትጽቢት ይግበር።
ኣብ ማልያ ኣንበሳ ዓቐበት'ውን ብተመሳሳሊ ታደይ ፖጋቻ፡ ኢንሪክ ማስ ካብ ጋንታ ሙቪስታር፡ ጆ ኣልመድያ ካብ ዩኤኢ፡ ፕሪሞ ሮግሊክ ካብ ረዴ ቡል፡ ሬምኮ ኢቨነፖል ካብ ኵክ ስቴፕ፡ ፍሊክስ ጋል ካብ ጋንታ ዴካትሎን ከምኡ ከኣ ኣዳም ያትስን ሲሞን ያትስን ክዕወትሉ ልዑል ግምት ኣሎ።
ቢንያም ግርማይ ብጫን ቀጠልያን ክውንን
ኣብዚ ናይ ሎሚ ዓመት ውድድር፡ ፈረንሳ ኣብ ዝተፈላለያ ጋንታታት 38 ተቐዳደምቲ ከተሳትፍ'ያ። ቤልጁም 29፡ ሆላንድ 13፡ ዓባይ ብሪጣንያን ጣልያንን 11፡ ኣውስትራልያ፡ ጀርመንን ስጳኛን ነፍሲወከፈን ዓዓሰርተ ተቐዳደምቲ፡ ኖርወይ 8፡ ዴንማርከ 6፡ ኣመሪካን ስዊዘርላነድን ነፍሲወከፈን ሓሓሙሽተ ተቐዳደምቲ ከሳተፍ'የን።
ኤርትራ፡ ኢኳዶር፡ ሩስያ፡ ኣርጀንቲና፡ ኒውዝላንድን ቸክ ሪፓብሎክን ከኣ ነፍሲወከፈን ሓሓደ ተቐዳዳማይ ኣብዚ ውድድር ኣለወን።
ብሓፈሻ ከኣ 27 ሃገራት ኣብዚ ውድድር ብዝተፈላለዩ ተቐዳደምቲ ክውከላ'የን።
ካብዞም ኣብዚ ናይ ሎሚ ዓመት ዝወዳደሩ ቅድሚ ሕጂ ኣብዚ ውደድር ብዘመዝገቦ ዓወታት ኣብ ቅድሚት ዝስራዕ ታደይ ፖጋቻ'ዩ።
ንሓሙሻይ ግዜኡ ኣብዚ ውድድር ዝሳተፍ ዘሎ ታደይ፡ ሰለስተ ግዜ ተዓዋቲ ብጫ ማልያ ክኸውን እንከሎ፡ 17 ናይ መድረኽ ዓወት ኣመዝጊቡ፣ 48 ግዜ ከኣ ምስ ቀዳሞት 10 ኰይኑ ኣትዩ።
ጆናስ ቪንገጋርድ ክልተ ግዜ ተዓዋቲ ብጫ ማልያ እዚ ውድድር ኰይኑ፡ ኣርባዕተ ናይ መድረኽ ዓወት ኣመዝጊቡ 34 ግዜ ከኣ ምስ ቀዳሞት 10 ብምዃን ኣትዩ።
ቢንያም ግርማይ ከኣ ብሰለስተ ናይ መድረኽ ዓወታትን 10 ግዜ ምስ ቀዳሞት ዓሰርተ ኰይኑ ውድድሩ ብምዝዛምን መበል 28 ተሰሪዑ ኣሎ።
ኣባል ሙቪ ስታር ኢቫን ሮምዮ ጽባሕ ዕድመኡ 21 ዓመትን 323 መዓልታትን ኰይኑ'ዩ ነዚ ውድድር ክኣትዎ፣ እዚ ከኣ ካብ ኵሎም ተቐዳደምቲ ናይዚ ዓመት እቲ ዝነኣሰ ይገብሮ።
ኣባል ጋንታ ኢንዮስ ቶማስ ግረይንት ከኣ ብዕድመ እቲ ዝዓበየ ተሳታፋይ እዚ ውድድር'ዩ፣ ቶማስ ወዲ 39 ዓመትን 41 መዓልታትን ኰይኑ ነዚ ውድድር ክጅምሮ እዩ።
ካብዞም 184 ተቐዳደምቲ እቶም 49 ንመጀመርታ ግዜኦም ኣብ ዙር ፈረንሳ ዝሳተፉ ዘለዉ'ዮም።
ዘይከም ዝሓለፉ መኽፈቲ ዙር ፈረንሳ፡ ናይ ሎሚ ዓመት ቀዳማይቲ መድረኽ ጸወታ ኣብ ከተማ ሊለ ኣብ ጐልጎል ጀሚሩ ኣብ ጐልጎል ዝውዳእ'ዩ ክኸውን።
እዛ 184.9 ኪሎሜተር እትሽፍን ቀዳመይቲ መድረኽ፡ ብቕጽበታዊ ውድድር ክትውዳእ ግምት ስለ ዘሎ፡ እቶም ከም ቢንያም ግርማይ ዝኣመሰሉ ናይ ቅጽበታዊ ውድድር ተቐዳደምቲ ምስ ዝዕወቱ፡ ብጫ ማልያ ናይ ምኽዳን ዕድል ተፈጢርሎም ኣሎ።
ቢንያም ግርማይ ከኣ ቀዳማይ ኣብ ቱር ዲ ፍራንስ ብጫ ማልያ ክመልስ ዝኸኣለ ኣፍሪቃዊ ተቐዳዳማይ ከብሎ ዝኽእል ዕድል ኣብ ቅድሚኡ ኣሎ።
ቢንያም ግርማይ ኣብዚ ዓመት ን27 መዓልታት ኣብ ውድድር ተጸሚዱ 4,747 ኪሎሜተር ዘዊሩ 468 ናይ ዩሲኣይ ነጥቢ ኣዋህሊሉ'ዩ ናብ ፈረንሳ ኣምሪሑ ዘሎ።
ቢንያም ሎሚ ዓምት ካብ ዘካየዶ ጸወታታት ኣብ ቡክለስ ደ ላ መማይን ኣብ ክልተ መድረኻት ካልኣይ ብምውጻእ ኣብ ቀጠልያ ማልያ ካልኣይ ኰይኑ ውድድሩ ዘዚሙ።
ኣብ ክላሲክ ሩንደ ኮለንን ግረንድ ፕሪክስን ካልኣይ ወጺኡ፣ ኣብ ስጳኛ ኣብ ዝተኻየፈ ቮልታ ኣልጋረቭ ብችክሌታ ኣብ ሓንቲ መድረኽ ካልኣይ ወጺኡ።
ትማሊ ኣብ ዝተኻየደ መኽፈቲ ስነስርዓት ቢንያም ግርማይ፡ "ከም ዝሓለፈ ዓመት ሰለስተ ናይ መድረኽ ዓወተን ቀጠልያን ማልያን ምዕዋት ከቢድ'ኳ እንተዀነ፡ ዕላማና ግን መድረኽ ንኽንዕወት'ዩ። መድረኽ እንተ ተዓዊትና ከኣ ኣብ ውድድር ቀጠልያ ማልያ ክንህሉ ኢና፡" ኢሉ።
ኣብዚ ናይ ሎሚ ዓመት ዙር ፈረንሳ ተሰሪዑ ካብ ዘሎ 21 መድረኻት፤ ሸውዓተ መድረኻት ጐልጎል፣ ሽዱሽተ መጠናዊ ምንቅዕራር ዘለዎ ጎቦታት፣ ከምኡ'ውን ሽዱሽተ ከበድቲ ምንቅዕራር ዘለዎ ጎቦታት ኰይኑ፡ ካብዚ እቲ ሓሙሽተ መድረኻት ኣብ በረኽቲ ጎቦታት'ዩ ክውዳእ።
ከምኡ ከኣ ክልተ ናይ ውልቂ ናይ ግዜ ውድድር ተሰሪዑ ኣሎ፡ ኣብ ሞንጎ ክልተ ናይ ዕረፍቲ መዓልታት'ውን (15 ከምኡ ከኣ 21 ሓምለ) ተሰሪዐን ኣለዋ።
ሕጂ'ውን ኤርትራ ምስ ዝናኣ ዝዳረግ ተሳታፍነት ይጐድላሎ
ኤርትራ ኣብ 2015 ንመጀመርታ ግዜ ብመንገዲ ዳንኤል ተኽለሃይማኖትን መርሃዊ ቅዱስን ኣብ ዙር ፈረንሳ ክትሳተፍ ከኢላ።
ዳንኤልን መርሃውን እቶም ቀዳሞት ኣብ ቱር ዲ ፍራንስ ክሳተፉ ዝኸኣሉ ጸለምቲ ኣፍሪቃውያን ኰይኖም፡ ደቡብ ኣፍሪቃዊት ጋንታ ኤምቲኤን ኵቤካ ብምዃን'ዮም ኣብቲ ውድድር ተሳቲፎም።
ኣብቲ ዓመት ዳንኤል ተኽለሃይማኖት ኣብ ቀዳሞት ኣርባዕተ መዓልታት ማልያ ኣንበሳ ዓቐበት ክውንና ክኢሉ ነይሩ'ዩ።
ኣብ 2016 ከኣ ኤርትራ ደጊማ ብመንገዲ ዳንኤል ተኽለሃይማኖትን ናትናኤል ብርሃነን ተሳትፎኣ ኣረጋጊጻ።
ኣብ 2017 ከምኡ ከኣ 2018 ድሕሪ ብምብኳር፡ ኣብ 2019 ናትናኤል ብርሃነ ምስ ጋንታ ኮፊደስ ብምዃን ኣብ ቱር ዲ ፍራንስ ተሳቲፉ።
ካብ 2020 ክሳብ 2022 ዝዀነ ኤርትራዊ ኣብዚ ዙር ኣይተሳተፈን።
ኣብ 2023 ከኣ ቢንያም ግርማይ ኣብ ቱር ዲ ፍራንስ ብምስታፍ ኤርትራ ቅድኒኡ ርእያቶ ዘይትፈልጥ ናይ ሳልሳይ ደረጃ ኣግዚመእዋ።
ደጊሙ ኣብ ኣብ 2024 ኣብ ቱር ዲ ፍራንስ ብምስታፍ፡ ንጋንታኡ ቤልጂማዊት ኢንተርማርቸ፡ ንኣፍሪቃ፡ ንሃገሩን ንውልቁን ኣብ ቱር ዲ ፍራንስ ሰለስተ ናይ መድረኽ ዓወት ብምምዝጋብን ቀጠልያ ማልያ ብምውናንን ንመላእ እዛ ኣህጉር ኣጸዊዕዋ።
ኤርትራ ብሓፈሻ ኣብዚ እዋን ኣብ ጋንታታት ዎርልድ ቱር ዝወዳደሩ ኣርባዕተ ተቐዳደምቲ'ዮም ዘለዉዋ።
ቢንያም ግርማይ ምስ ጋንታ ኢንትርማርቸ፡ ናትናኤል ተስፋጽዮን ምስ ጋንታ ሞቪ ስታር፡ ሄኖክ ምሉእብርሃን ምስ ጋንታ ኣስታና ካዛኪስታን ከምኡ ከኣ ኣማኑኤል ገብረእግዝኣብሄር ምስ ጋንታ ሊድል ትሬክ።
እንተዀነ፡ ብዘይካ ቢንያም ግርማይ እቶም ሰለስተ ኤርትራውያን ኣብ ዎርልድ ቱር ዝወዳደሩ ተቐዳደምቲ ኣብ ቱር ዲ ፍራንስ ክሳተፉ ኣይክኣሉን።
ኤርትራ ኣብዚ ውድድር ክትሳተፍ ካብ እትጅምር ዓሰርተ ዓመታት'ኳ እምኣቝጸረት፡ ኣብዚ ውድድር ኣርባዕተ ተቐዳደምቲ ጥራይ'ያ ከተሳትፍ ክኢላ።
ዳንኤል ተኽለሃይማኖትን ናትናኤል ብርሃነን ከክልተ ግዜ፡ ቢንያም ግርማይ ሎሚ ዓመት ንኻልኣይ ግዜኡ መርሃዊ ቅዱስ ከኣ ሓንሳብ ኣብዚ ውድድር ተሳቲፎም።
ኤርትራ ብቕድድም ብሽክለታ ብደረጃ ዓለም ብ5,180 ነጥቢ ኣብ መበል 16 እያ ተሰሪዓ ዘላ።
እተን ብደረጃ ዓለም ኣብ ቅድሚት ተሰሪዐን ዘለዋ ዓሰርተ ሃገራት ከኣ ብድምር 137 ተቐዳደምቲ ኣብዚ ናይ ሎሚ ዓመት ዙር ፈረንሳ የሳተፍ ኣለዋ።
ቤልጁም 29፡ ስሎቫንያ 4፡ ዴንማርክ 6፡ ስጳኛ 10፡ ጣልያን 11፡ ብሪጣንያ 11፡ ፈረንሳ 38፡ ኣውስትራልያ 10፡ ኔዘርላንድ 13፡ ኣመሪካ 5፡ ተቐዳደምቲ'የን ዘሳትፋ ዘለዋ።
ኣብ 2015 ኣብ ቱር ዲ ፍራንስ ክልተ ተቐዳደምቲ ከተሳትፍ ዝኸኣለት ኤርትራ፡ ድሕሪ ዓሰርተ ዓመት ምስ ክንደይ ብኵራቱ ናብ ሓደ ወሪዱ ክትርእዮ ከኣ ነቶም ብብሽክለታ ኣዝዮም ዕሉላት ደገፍቲ ዝዀኑ ኤርትራውያን ዘየሰክፎም ኣይኰነን።