እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ናሆም ዘርኣይ ድሕሪ ዓወቱ ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝገበሮ ቃለመሕተት እንታይ በለ?
ትማሊ ኣብ ዝተኻየደ መበል 15 ቻምፕዮን ኤርትራ 2025 ኣባል ጃፓናዊት ጋንታ ጀይሲኤል ናሆም ዘርኣይ ቀዳማይ ብምውጻእ ዘውዲ ቻምፕዮን ኤርትራ ደፊኡ።
ናሆም ዘርኣይ ድሕሪ ዓወቱ ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝካየዶ ቃለ መሕተት "ጸወታ 35 ኪሎሜተር ምስ ተረፎ ኣብ ዓቐበት ማይጃሕጃሕ መጥቃዕቲ ፈጺመ ሜሮን ዝስዓበኒ ንሳ'ያ ናብ ዓወት ኣብጺሓትና፡" ብምባል፡ እቲ መጻወቲ፡ ሜዳ ዝዓብለሎ ስለዝነበረ ንሱን ጋንታኡን ነዚ ዓወት ተጸብየሞ ከምዘይነበሩ ገሊጹ።
ናይ ሎሚ ዓመት ውድድር ካብ ቅድሚ ሕጂ ዝካየድ ዝነበረ መስመር ዝተፈልየ ኰይኑ'ዩ ተሰሪዑ።
ተቐዳደምቲ ናብታ ፍልልይ ኣብ ምፍጣር ዓቢይ ግደ ዝነበራ ፎርቶ ኣይደየቡን።
እቲ 18 ዙርያታት ዝነበሮ 185.5 ኪሎሜተር ዝዝርጋሕ ናይ ትማሊ መስመር፡ ነቶም ናይ ሽኳ ተቐዳደምቲ'ያ ከተርብሕ ዝብል ግምት'ዩ ተዋሂብዋ ነይሩ።
ኣንጻር እቲ ዝተገመተቶ ግን፡ እቲ 1 መጋቢት ኣብ ዙር ርዋንዳ ነታ ዝተረረትን ሻድሸይቲ መድረኽን ከምኡ ከኣ ኣብ ዙር ጃፓን ብተመሳሳሊ ብ23 ግንቦት ነታ ዝተረረት ሓሙሸይቲ መድረኽ ክዕወተለን ዝኸኣለ ኣብ ዓቐበት ኣዝዩ ኣድማዒ ዝዀነ ናሆም ዘርኣይ'ዩ ክዕወተሉ ክኢሉ።
በዚ'ዩ ከኣ ቻምፕዮን ኤርትራ ውጽኢቱ ክትግምት ዘሸግር ጸወታ ዝገብሮ።
ቻምፕዮን ኤርትራ፡ ኣብ ዙር ፈረንሳ ሰለስተ ናይ መድረኽ ዓወት ብምምዝጋብ ተዓዋቲ ቀጠልያ ማልያ ክኸውን ዝኸኣለ ቢንያም ግርማይ፡ ከምኡ'ውን እቲ ሰለስተ ግዜ ቻምፕዮን ኣፍሪቃ ዝዀነ ሄኖክ ምሉእብርሃን'ውን ክዕወትሉ ዘይክኣሉ ከቢድ ጸወታ ኰይኑ ይቕጽል ኣሎ።
ብንያም ግርማይ ዓሚ ቅድሚ ጸወታ፡ "ካብ ኣብ ቻምፕዮን ኤርትራ ክትዕወት ኣብ ዙር ፈረንሳ ናይ መድረኽ ዓወት ከተመዝግብ ይቐልል፡" ዝብሎ ሓቂ'ዩ ኢልካ ክትኣምን ከኣ ትግደድ።
ናብ ናሆም ክንምለስ።
ናሆም፡ "ኣብ መወዳእታ ሕንጻጽ ምስ በጻሕና ምኩር ተቐዳደማይ ሜሮን ተሾመ ንስኻ ኢኻ ክትስሕብን ክትሰርሕን ውዒልካ እዚ ዓወት ንዓኻ'ዩ ዝግባእ ኢሉ ገዲፍለይ" ኢሉ።
ኣብ 2013 ቻምፕዮን ኤርትራ ዝዀነ ሜሮን ተሾመ፡ ቅጽበታዊ ውድድር ክገብር እንተዝደሊ ንናሆም ዘርኣይ ክስዕሮ ከምዝኽእል'ዩ ናይ ብዙሓት ግምት። ምኽንያቱ ሜሮን ተሾመ ፍሉጥ ናይ ሽኳ'ዩ፣ ናሆም ዘርኣይ ከኣ ናይ ዓቐበት።
ሜሮን ድሕሪ ጸወታ ኣብቲ ብቐጥታ ብተሌቪዥን ዝመሓላለፍ ዝነበረ ጸወታን ጽምብልን ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ ቃል፡"ኣነ ፈለማ ነብሰይ ከቢድኒ ነይሩ፡ ዳሕራይ ግን ናብ ድሓን ኵነታት ተመሊሰ፣ ኣነ ነቲ ዝነበረ ጸወታ ከመቕር ይፍትን ስለዝነበርኩ ተመሲልለይ፣ ምስ ካልኦት ተቐዳደምቲ ኣብ ምትህልላኽን ኣብ ምጥምማትን ኣይኣተኹን - ናይ ነብሰይ'የ ዝገበር ነይረ፡" ድሕሪ ምባል፤
"ሰለስተ 'ላፕ' ክተርፈና እንከሎ እግረይ ናይ ጭወዳታት ምጭብባጥ ምልክት ይገብረለይ ነይሩ፡ ክብርዮ ምኽኣልኹ፡ ኣብ መወዳእታ'ውን ዕድልና ዘውጽኣና ቮላት ምገበርና፡ ግን እቲ ምጭብባጥ ጠጠው'ውን ከብለኒ ስለዝኽእል ንናሆም ነጊረዮ፡ ይግብኦ'ዩ፡ ስሪሑ'ዩ ኣነ ከኣ ሂበዮ፡ ካብ መጀመርታ'ዩ ጽቡቕ ጸወታ ተጻዊቱ፡" ኢሉ።
ወዲ 32 ዓመት ኰይኑ ዘሎ ሜሮን ተሾመ፡ ብውሳነኡ ካብ ብዙሓት ኣፍቀርቲ ስፖርት ዓቢ ናእዳ ክረክብ ክኢሉ'ዩ።
ብተመሳሳሊ ኣብ 2022 መርሃቂ ቅዱስ ቻምፕዮን ኣብ ዝዀነሉ፡ ናትናኤል ተስፋጽዮን፡ ብተመሳሳሊ ስፖርታዊ ጭውነት ነታ ናይ ቀዳማይ ደረጃ ንመርሃዊ ቅድስ ሓዲግሉ ምንባሩ ኣይርሳዕን።
ናሆም፡ "ኣነ ናብዚ ጸወታ ክኣቱ እንከለኹ ጐልጎል ዝበዝሖ ስለዝዀነ ምስ ዝሃደመት ጕጅለ ክሃድም ወጢነ'የ ኣትየ፤ ምኽንያቱ ኣነ 'ስፕሪንተር' ስለዘይኰንኩ፤ ዓባይ ጕጅለ ተጠርኒፋ ናብ መወዳእታ ክትበጽሕ ኣየርብሓንን'ዩ" ኢሉ።
"ኣብ ማይ ጃሕጃሕ ስካቶ ምስ ገበርኩ ሜሮን ስዒብኒ፡ ነዊሕ ዘዊረ ኣብርየኒ ኢለዮ ኣብርይኒ፤ ኣነ'ውን ተቐቢለዮ ዘዊረያ፡ ንኻልኣይ ግዜ ተቐበለኒ ምስ በልክዎ ግን 'ናሆም በይንኻ ከምዘለኻ ሕሰባ ኣነ ክገድፈልካ'የ፡ ጽቡቕ የለኹን ከብርየካ ኣይክእልን'የ" ኢሉኒ፤ ኣነ ከኣ ልብይ ኣውዲቐ ክዝውር ጀሚረ" ይብል ናሆም።
ኣስዒቡ፡ "ንሜሮን ዘለኒ ምስጋናን ኣድናቘትን ከኣ መግለጺ ቃላት የብለይን፡ ጸወታ ውድእ ምስ በል ካብ ብሽክለታይ ውርድ ኢለ'ውን ሜሪ ሓወይ የቐንየለይ 'ታንኪው' ኢለ ኣመስጊነዮየ።"
ኣብዚ ናይ ትማሊ ጸወታ ካብ መጀመርያ ዙር'ዩ ብዙሕ መጥቃዕትታት ዝፍኖ ነይሩ። ዝተፈላለያ ጕጅለታት ከኣ ይፍጠራን ይውሓጣን ነይረን፡ ብፍላይ ቢንያም ግርማይ ካብ መጀመርታ ዝገብሮ ዝነበረ መጥቃዕትታት ነዛ ዓወት ክሳብ ክንደይ ሃሪፍዋ ምንባሩ ዘርኢ'ዩ።
እታ ብንያም ግርማይ፡ መዋእል ግርማይን ሄኖክ ምሉእብርሃንን ፈጢሮማ ዝነበሩ ናይ ሰለስቲኦም ጕጅለ ከኣ ንተዓዘብቲ ዘሰራሰረት'ያ ነይራ።
እቲ ጸወታ ብአኦም ከምዝውዳእ ተወሲዱ፤ እቶም ካብ ሓንቲ ጋንታ ዝዀኑ የሕዋት [ብንያምን መዋእልን] ንሄኖክ እንታይ ታክቲክ ገይሮም'ዮም ከትርፍዎ፡ ወይ ቢንያም ኣብ ሽኳ ብርቱዕ ስለዝዀነ ሄኖክ ምሉእብርሃን ከመይ ኢሉ'ዩ በቲኹ ከይዱ ናብ ረብሓኡ ከውዕሎ ክትዕ ነይሩ።
ናሆም ነዛ ክስተት እዚኣ ክዝክራ እንከሎ፡ "ኣነ፡ ሚልክያስ ማእከለ፡ ናትናኤል ተስፋጽዮን፡ ናትናኤል ብርሃነን ካልኦትን ጽቡቕ ተሰማሚዕና ኢና ንዝውር ነይርና፤ ጸወታ ልዕሊ 100 ኪሎሜተር ተሪፍዎ ስለዝነበረ ነቲ ፍልልይ ከይገፍሕ ሓሊናዮ ጥራይ ንዘውር ኢልና ንቈጻጸሮ ኢና ነይርና" ብምባል እታ ጕጅለ ብዓል ብንያም ግርማይ ስግኣት ከምዘይፈጠረትሎም ይገልጽ።
ብምቕጻል "ከምዝመስለኒ ኣብ ምብርራይ ዝተሰማማዑ ኣይመስለንን፤ ዳርጋ ጠጠው ኢሎም እዮም ጸኒሖሙና፡" ብምባል እታ ትውድእ መሲላ ዝነበረት መጥቃዕቲ ብንያም፡ መዋእልን ሄኖክን ብኸመይ ከምዝበርዓነት ንቢቢሲ ገሊጹ።
ኣብ 2008 ቻምፕዮን ኤርትራ ካብ ዝጅመር፡ ዳኒኤል ተኽለሃይማኖት ሰለስተ ግዜ [2008፡2012፡2016] ብምዕዋት ጸብለል ኢሉ ዘሎ ተቐዳዳማይ'ዩ፤ ናትናኤል ብርሃነን [2015፡2019]፡ መርሃዊ ቅዱስን [2018፡2022] ከኣ ከክልተ ግዜ ብምዕዋት ይስዕብዎ።
እቶም ካልኦት ነዚ ዓወት እዚ ዝተጐናጸፉ ተቐዳደምቲ ፍረቓልሲ ደበሳይ [2011]፡ ሜሮን ተሾመ [2013]፡ ኣማኑኤል ገብረእግዝኣብሄር [2014]፡ ሜሮን ኣብርሃም [2017]፡ ዳዊት የማነ [2021]፡ ዓወት ኣማን [2023]፡ ናትናኤል ተስፋጽዮን [2024] ሕጂ ከኣ ናሆም ዘርኣይ እዮም።
ናሆም ዘርኣይ እዚ ዓወት ናብ ዝለዓለ ፕሮን ዎርልድ ቱር ጋንታታትን ንኽጽንበር ዓቢ ባብ ከምዘርሕወሉ'ዩ ዝገልጽ።
"ኣነ ናይ ወትሩ ሕልመይ ኣብ ዎርልድ ቱር ጋንታታት ምጽንባር'ዩ፤ ጋንታይ ከኣ በዚ ዓወት እዚ ኣዝዮም'ዮም ተሓጒሶም ዘለዉ፡ እቲ መወዳደሪ ቦታ 'ፍላት' እዩ ምስ በልክዎም ክዕወት ኣይተጸበዩን ነይሮም" ይብል።
ኣስዒቡ፡ "ኣነ'ውነ ሓቂ ይሓይሽ ዝዀነ መደብ ሓንጺጸ ኣይኣተኹን፡ ንጸወታ ርእየ ክውስን'የ ኢለ'የ ናብ ውድድር ኣትየ፤ ዓቕመይ ክሳብ ዝፈቐዶ ምስ ዝሃደመት ጕጅለ ክሃድም ከምዘለኒ ግን ውዱእ'የ ገይረዮ ኣትየ፡" ኢሉ።
ንዓመት ምሉእ ኣብ ዘካይዶ ውድድራት ብባንዴራ ኤርትራ ዝወቐበት ማልያ ገይሩ ክወዳደር ከኣ ንዕኡ ንጋንታኡን ዓቢ ሓበን ምዃኑ ንቢቢሲ ገሊጹ።
ናሆም ዘርኣይ ሎሚ ዓመት ንሻዱሻይ ግዜኡ'ዩ ኣብ ቻምፕዮን ኤርትራ ተሳቲፉ።
ኣብ 2019 ኣብ ናይ ጁንየር ቻምፕዮን ኤርትራ ተዓዋቲ ነሓስ መዳልያ ክኸውን ክኢሉ እዩ።
ኣብ 2022 መበል 23፡ ኣብ 2023 ጸወታ ኣይወደኦን፣ ኣብ 2024 መበል 33 ድሕሪ ምውጻእ ሎሚ ዓመት ቀዳማይ ብምዃን ኣኽሊል ቻምፕዮንነት ደፊኡ።
ነዚ ሎሚ ዓመት ዝነበረ ጸወታ ክገልጾ እንከሎ፡ "ናዓይ ስካቶታት ዝበዝሖ ቅድሚ ሕጂ ካብ ዝተሳተፍክዎ ዝበርተዐ ጸወታ'ዩ ኢለ ክገልጾ እደፍር፣ እቲ ካልእ ኣዝዩ ፍሉይ ዝነበረ ኸኣ ናይ ውሽጢ ሃገር ተቐዳደምቲ ዝነበሮም ብቕዓትን ተወዳዳርነትን'ዩ" ምባል ምስ ናይ ውሽጢ ዓዲ ክለባት ብምዃንን ብወልቅን ዝተወዳደሩ ዘርኣይዎ ጸወታ ኣድኒቑ።
ብዓቢኡ ምስ ናሆም ናብ መወዳእታ ሕንጻጽ በጺሑ፡ ንናሆም 'እዚ ዓወት ንዓኻ'ዩ ዝግባእ' ኢሉ እናኣጣቐዐ ኣሰንየዎ ዝኣተወ ሜሮን ተሾም ኣብ ውሽጢ ሃገር ኰይኑ ብውልቁ ዝወዳደር ተቐዳዳማይ'ዩ።
ሜሮን ተሾመ ምስ ኣልጀርያዊት ጋንታ ማዳር ፕሮ ሳይክሊን ቲም ክጻወት'ኳ ክታሙ እንተኣንበረ፡ ፈደረሽን ቅድድም ብሽክለታ ኤርትራ፡ ተቐዳደምቲ ናብ ኣፍሪቃውያን ጋንታታት ኣይንሰድድን ኢና ስለዝበለ፡ ብዘይ ጋንታ ኣብ ውሽጢ ሃገር ዘሎ'ዩ።
ፕሮ ሳይክሊን ስታት፡ ንናይ ትማሊ ውጽኢት ቻምፕዮን ኤርትራ ኣብ ዝዘርግሓሉ'ውን ስም ሜሮን ተሾመ ኣብ ትሕቲ እታ ኣልጀርያዊት ጋንታ ብምስፋር፡ እታ ጋንታ ብዓወት ሜሮን ተሾመ 75 ናይ ዩሲኣይ ነጥቢ ከምዝረኸበት'ዩ ሰኒዱ ዘሎ።
ኣብዚ ናይ ትማሊ ጸወታ ልዕሊ 160 ተቐዳደምቲ'ዮም ተሳቲፎም።
ጋንታታት ኤሪቴል፡ ደንደን፡ ሰምበልን ገዛባንዳን ዓዓሰርተ ተቐዳደምቲ ሒዘን ናብ ጸወታ ክኣትዋ እንከለዋ፡ ጋንታ ኣስቤኮ ትሽዓት፡ ዞባ ደቡብ ሸውዓተ፡ ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ ክልተ፡ ዞባ ጋሽ ባርካ ከኣ ሓደ ተጻወታይ ኣሳቲፈን።
ብዘይካ እዚኦም ኣብ ደገ ዝጻወቱ 17 ተቐዳደምቲ ኣብዚ ጸወታ ተሳቲፎም። ዝተረፉ ከኣ ብውልቆም ዝወዳደሩ'ዮም ነይሮም።
ኣብቲ ናይ ትማሊ ጸወታ ንናሆምን ንሜሮንን ተኸቲሎም ናትናኤል ተስፋጽዮን፡ ሄኖክ ምሉእብርሃን፡ ዩኤል ሃብተኣብ፡ ኑርኣሕመድ ዓብደልወሃብ፡ ኣማኑኤል ገብረእግዝኣብሄር፡ ሮቤል ሃብተማርያም፡ መርሃዊ ቅዱስን ዳንዮም ፍጹምብርሃንን ከኣ ካብ ሳልሳይ ክሳብ ዓስራይ ኰይኖም ኣትዮም።
ኣብ ናይ ትሕቲ 23 ዓምት ዩኤል ሃብተኣብ ካብ ጀርመናዊት ጋንታ ባይክ አይድ፡ ሮቤል ሃብተማርያም ካብ ጋንታ ዞባ ደቡብ፡ ዳንዮም ፍጹምብርሃን ካብ ጋንታ ኣስቤኮ ካብ ቀዳማይ ክሳብ ሳልሳይ ኰይኖም ተሸሊሞም።