እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ናሆም ዘርኣይ ቻምፕዮን ኤርትራ 2025 ኰይኑ
ጸወታ ልክዕ ሰዓት ሸሞንተን ሓሙሽተን'ዩ ጀሚሩ።
ናይ ሎሚ ዓመት ውድድር ካብ ቅድሚ ሕጂ ዝካየድ ዝነበረ መስመር ዝተፈልየ ኰይኑ'ዩ ተሰሪዑ።
ተቐዳደምቲ እታ ፍልልይ ኣብ ምፍጣር ዓቢይ ግደ ዝነበራ ፎርቶ ኣይደየቡን።
ጸወታ ካብ ባሕቲ መስከረም ተበጊሱ፡ ናብ ማይ ጭሆት ብምቕናዕ ኣብ ናይስ ናብ ድሕሪት ተመሊሱ ብጐደና ናቕፋ ኣቢሉ፡ ኪት ካት ምስ በጽሐ ብጐደና ሰገነይቲ ናብ ጃልያ ይወርድ፡ ንጐደና ኣባሓኒ ንሓጺር ብምርጋጽ ናብ ጐደና ዓምበርበብ ሒዙ ናብ መንግስታዊ ጋራጅ ይድይብ።
ተቐዳደምቲ ንቤትጽሕፈት መንግስቲ ወጻኢ ንጸጋሞም ገዲፎን ናብ ሆቴል ከረን ይዕጸፉ፡ ኣብ እንዳ ካንዘን ምስ በጽሑ ናብ የማን ተጠውዮም ናብ ጐደና ሓርነት ይሕወሱ።
ብሲቲ ፓርክ ኣቢሎም ናብ ጐደና ሰማእታት ብምእታው ክሳብ ናቕፋ ሃውስ በጺሒም ናብ ድሕሪት ይምለሱ፣ ኣብ ሽዳ ምስ በጽሑ ናብ የማን ብምጥዋይ ናብ ጐደና ብድሆ ብምሕዋስ ንዓቐበት ኢንሹራንስ ይድይቡ።
ንጐደና ማርሳ ተኽላይ ትኽ ኢሎም ብምውራድ ንየማን ተጠውዮም ንዓቐበት ማይ ጃሕጃሕ ይድይቡ፣ ኣብ መስጊድ ገዛ ባንዳ ምስ በጽሑ ከኣ ንጸጋም ብምጥዋይ ብጐደና ኦምሓጀር ናብ ጐደና ዓንደለ ይጽንበሩ። ናብ ጋራጅ ዓንበርበብ ብምጻሕ ብቦውሊንግ ሓሊፎም፡ ናብ ሓወልቲ ፑሽኪን በጺሖም ንየማን ብዕጻፍ ናብ ጐደና ሓርነት ተጸንቢሮም ናብ ሜዳ ባሕሪ መስከረም ይሕወሱ።
እዚኣ ሓንቲ ዙር ኰይና 10.3 ኪሎሜተር ትዝርጋሕ። ብሓፈሻ 185.5 ኪሎ ሜተር ዝሽፍን 18 ዙርያታት ከኣ ተሰሪዕሎም።
ቀዳሞት ክልተ ዙርያታት ከኣ እንትርፎ ሓሓሊፉ ናይ ምምላቝ ፈተነታት ኣድማዒ ስኳቶ ኣይተራእየን።
ኣብ ቻምፕዮን ኤርትራ መብዛሕትኡ ግዜ እታ ኣብ መጀመርታ ዝሃደመት ጕጅለ ክሳብ መወዳእታ ብምጽናሕ፡ ሓደ ካብኣ ክዕወት ኢና ክንዕዘብ ጸኒሕና፡ ሎሚ ዓመት'ውን ኵሎም ተጻወትቲ ምስታ ቀዲማ ትሃድም ጕጅለ ንምዃን ኣብ ቅድሚት ቦታ ንምሓዝ ኣትሪሮም ክዝውሩ'ዮም ተራእዮም።
ኣማኑኤል ገብረእግዝኣብሄር፡ ቢንያም ግርማይ፡ መዋእል ግርማይ፡ ናሆም ዘርኣይ፡ መርሃዊ ቅዱስ፡ ሜሮን ተሾመን ሚልክያስ ማእከለን ዝርከብዎም 11 ተቐዳደምቲ ዝፈጠርዋ ጕጅለ ከኣ ኣብ ቅድሚት ኰይና ንዓባይ ጕጅለ ክትሓቋቑና ጀመረት። ፍልልያ'ውን ብመጠኑ ከተግፍሕ ከኣለት።
ዓባይ ጕጅለ ግን ኣይሓደገታን።
ጸኒሖም ከኣ ናሆም ዘርኣይ፡ ናትናኤል ብርሃነ፡ መዋእል ግርማይን፡ ዳንዮም ፍጹምብርሃንን ዝርከብዎም ሸውዓት ተቐዳደምቲ ናብ ቅድሚት ወጺኦም ከጥቕዑ ጀመሩ። ፍልልይ'ውን ኣንጸፉ፡ ካብ ድሕሪኦም ዝነበረት ጕጅል ብዓል ቢንያም ግርማይን ሄኖክን ዝርከብዎም ነጢሮም ስለ ዝተሓወስዎም ከኣ 15 ዝኣባላታ ኣዝያ ኣስጋኢት ጕጅለ ኰነት።
እዚ ኵሉ ክስተታት ኣብ ሓሙሽተ ዙርያታት ዝተራኣየ'ዩ፣ ተጻወትቲ ገና 13 ዙርያታት ተሪፍወዎም ኣሎ። ክሳብ ሓሙሻይ ዙርያ ከኣ ተቐዳደምቲ ብማእከላይ ገምጋም ኣብ ሰዓት 45 ኪሎሜተር'ዮም ዝዝውሩ ነይሮም።
ሕጂ'ውን ካብ ዓባይ ጕጅለ ሚልክያስ ማእከለን ናትናኤል ተስፋጽዮንን ዝርከቦም ሓሙሽተ ተቐዳደምቲ ብምህዳም ንመራሒት ጕጅለ ክጽግዕዋ ጀመሩ። ፍልልዮም'ውን ናብ ሸውዓት ካልኢት ኣውረድዎ። ምስ ዓባይ ጕጅለ ዝነበሮም ፍልልይ ከኣ ልዕሊ 50 ካልኢት በጺሑ ነበረ።
መራሒት ጕጅለ መብዛሕትኡ ግዜ ቢንያምን ሄኖክን'ዮም ዝቕልስዋ ነይሮም።
ኣብ ቅድሚት ዝነበረት ዓባይ ጕጅለ ብዓል ናትናኤል ተስፋጽዮን ተጸንቢሮማ ንጸወታ ምሉእ ብምሉእ ተቘጻጸረቶ። ጸወታ ገና ሓደ ሲሶ ጥራይ ምስ ተላዓሎ ከኣ መልክዕ ክሕዝ ጀመረ።
ሄብሮን ብርሃነ ካብ ሰንበል፡ ዳንዮም ፍጹምብርሃን ካብ ኣስቤኮ ኣብታ ቀዳመይቲ ጕጅለ ብምዃን፡ ካብ ናይ ደገ ተጻወትቲ ኣይንሰንፍን ኢና ዝብሉ ዘለዉ መሰሉ።
ኣብ ሻውዓይቲ ዙርያ ኣብ መራሒት ጕጅለ ምግምማዕ ተፈጥረ፣ ኣብ ክልተ ተገሚዓ፣ ቢያምም፡ ናሆም፡ ናትናኤል ተስፋጽዮን ዝርከብዎም ሸውዓት ተቐዳደምቲ ናይ በይኖም ጕጅል ፈጠሩ። ኣብ ከባቢ ኢንሹራንስ ግን ክልቲአን ጕጅለ ተጠርነፋ።
ኣብ ቅድሚት ተደጋጋሚ መጥቃዕትታት'ዩ ዝፍጸም ነይሩ። እቲ ዕላማ ምስ ዓባይ ጕጅል ዘለዋ ፍልልይ ንምግፋሕን ነቶም ናይ ቅጽበታዊ ውድድር ተቐዳደምቲ ንምህላኽን ይመስል።
ብንያም ግርማይ፡ መዋእል ግርማይ፡ ሄኖክ ምሉእብርሃን ናይ ገዛ ባንዳ ተቐዳዳማይ ፍሊጶስን በይኖም ናብ ቅድሚት ብምውጻእ ኣርባዕቲኦም ሓንቲ ጕጅለ ፈጠሩ። ፍልልዮም'ውን ክሳብ 20 ካልኢት ኣበረኽዎ።
ጸወታ ክዛዘም ከኣ 10 ዙርያታት ተሪፍዎ ኣሎ።
ኣብ ካልኣይቲ ጕጅለ ዝርከቡ ናሆም ዘርኣይ፡ ሚልክያስ ማእከለን ናትናኤል ተስፍጽዮንን ንብዓል ቢንያምን ሄኖክን ንምርካብ ኣብ ቅድሚት ተገዲሞም ክሰርሑ ጀመሩ። ኣብ መራሒት ጕጅለ ፍሊጶስ ምጭብባጥ ጭዋዳ ስለ ዘጋጠሞ (ምልክት የርኢ ነይሩ) ተረፈ'ሞ፡ ቢንያም፡ ሄኖክን መዋእልን በይኖም ኣብ ቅድሚት ኰኑ።
ጸወታ ልክዕ ፍርቒ ተላዒልዎ ኣሎ።
ጸወታ 8 ዙርያታት ኣብ ዝተረፈሉ፡ ሄኖክ፡ ቢንያምን መዋእል ኣብ ቅድሚት፡ ብዓል ናትናኤል ዝርከብዎ ጕጅለ 35 ካልኢት ድሒራ ትስዕቦም፡ ዓባይ ጕጅለ ከኣ ዝነውሐ ጕዕዞኣ ብኣባል ዩሲኣይ ቻምፕዮን ኤርትራ 2023 ዓወት ኣማን እናተቐለሰት ኣስታት ክልተ ደቂቕ ድሒራ ትንፋስ ዘይህብ ጕዕዞ ይቕጽል።
ካልኣይቲ ጕጅለ ብሄብሮን ብርሃነ፡ ናሆም ዘርኣይን ናትናኤል ተስፋጽዮንን እናተቐለሰት ምስ መራሒት ጕጅለ ዝነበራ ፍልልይ ከተጽብቦ ጀመረት።
ጸወታ ሸውዓት ዙርያታት ኣብ ዝተረፈሉ ከኣ ቀዳመይተን ካልኣይትን ጕጅለ ብሓባር ተጠርነፋ።
ሚልክያስ ማእከለ'ውን ካብ ዓባይ ጕጅለ በይኑ መሪሑ ብምውጻእ ናይ በይኑ ጕጅለ ፈጠረ። ዓባይ ጕጅለ'ውን ናህራ ብምዝያዳ ምስ ካልኣይቲ ጕጅለ ዝነበራ ፍልልይ ከተጽብቦ ጀመረት።
መዋእል ግርማይ ምስ ካልኣዩ ብድሕሪ ምልክያስ ማእከለ ካልይቲ ጕጅለ ፈጢሮም ተፈለዩ።
ጸወታ ሓሙሽተ ዙርያታት ምስ ተረፎ፡ ንብዓል ቢንያም ግርማይ፡ ሄኖክ ምሉብርሃንን ግን እታ ዓባይ ጕጅለ ብኣማኑኤል ገብረእግዝኣብሄር፡ መርሃዊ ቅዱስን መትከል እዮብን እናቐለሰት ወሓጠቶም።
መጥቃዕትታት ብምሕያል ከኣ ዓባይ ጕጅለ ናብ ዝተፈላለየ ጕጅለታት ተመቓቐለት። ንብዓል መዋእል ግርማይ ኣርኪቦ ከኣ ንሚልክያስ ኣብ ምህዳን ኣተዉ።
ጸወታ ኣርባዕተ ዙርያታት ኣብ ዝተረፈሉ፡ ካብ ዓባይ ጕጅል ዳዊት የማን፡ ዩኤል ሃብተኣብን ሜሮን ተሾመን ናብ ቅድሚት ወጺኦም ካልይቲ ጕጅለ ፈጠሩ። ሚልክያስ ከኣ ንበይኑ ኣብ ቅድሚት።
ዓባይ ጕጅለ ፍልልያ እናሐለወት ትስዕቦም። ኣብ ገባቢ ባር በረኸት ኣብ ቅድሚት ዝነበሩ ብምውሓጥ ሓንቲ ጕጅለ ኰይና ተጠርነፈት።
ተጻወትቲ ገና ትንፋስ ከይመለሱ ከኣ ሜሮን ተሾመን ናሆም ዘርኣይን መጥቃዕቲ ብምፍናው ናቶም ጕጅለ ፈጠሩ። ፍልልዮም ከኣ ናብ 40 ካልኢት ኣብጽሕዎ።
ጸወታ ክዛዘም ክልተ ዙርያ ይተርፎ። ኣብ ቅድሚት ዘለዉ ሜሮን ተሾመ ኣብ 2013 ተዓዋቲ እዚ ውድድር ዝነበረ'ዩ። ኣባል ጃፓናዊት ጋንታ ጀይሲኤል ናሆም ዘርኣይ ግን ነዚ ውድድር ተዓዊትሉ ኣይፈልጥን'ዩ። ብዘይ ቀልዓለም ከኣ እናተበራረዩ ጽቡቕ ክዝውሩ ተራእዮም።
ኣብ 2021 ነዚ ውድድር ምስ ክለብ ኣስቤኮ ዝተዓወተሉ ዳዊት የማነ ከኣ ካብ ዓባይ ጕጅለ ብምህዳም ናይ በይኑ ጕጅለ ፈጠረ።
ናሆምን ሜሮን ተሾመን ፍልልዮም ናብ ሓደ ደቂቕ ኣበሪኾም ከምቲ ዓሚ ናትናኤል ተስፍጽዮንን ኣኽሊሉ ኣረፋይነን ንበይኖም ናብ መወዳእታ ዙር በጽሑ፡ ብኡኡ ኣቢሎም ናብ ናይ መወዳእታ ሕንጻጽ ዝበጽሑ'ውን መሰሉ።
ናይ መወዳእታ ቃጭል ከኣ ተደወለት፡ ናሆምን ሜሮን ተሾመን ብዘይ ተቓጻጺ ናብ መወዳእታ ከም ዝበጽደሑ ከኣ ርግጽ ኰነ።
ናትናኤል ካብ ዓባይ ጕጅለ ተፈለዩ ንቕድሚት ወጺኡ ንሳልሳይ ደረጃ ከውሕስ ተቓረበ።
ናሆም ዘርኣይ ቀዳማይ ወጺኡ፡ ሜሮን ተሾመ ካልኣይ።
ሜሮን ተሾመ ነቲ ንነዊሕ ክስሕቦ ዝውዓለ ናሆም ዘርኣይ ብፍታዉ ኣቐዲምዎ'ዩ ኣትዩ።
ናይ ዓሚ ተዓዋቲ እዚ ውድድር ናትናኤል ተስፋጽዮን ከኣ ሳልሳይ ኣትዩ።
ኣብ ናይ ትሕቲ 23 ዓመት ዩኤል ሃብተኣብ ካብ ጋንታ ባይክ አይድ፡ ሮቤል ሃብተማርያም ካብ ጋንታ ደቡብ ሳልሳይ ዳንዮም ፍጹምብርሃን ካብ ጋንታ ኣስቤኮ ኮይኖም ናብ ፖንድዮም ደይቦም።
ተዓወትቲ ኣብ ልዕሊ ሜዳልያ ንቀዳማይ 6000፡ 4000 ከምኡ ከኣ 3000 ናቕፋ ተሸሊሞም።
ኣብ ናይ ኢሊት ከኣ ንቀዳማይ 10 ሽሕ ንካልኣይ 6 ሽሕ ከምኡ ከኣ ንሳልሳይ 4 ሽሕ ተሸሊሞም።
ኣብቲ ናይ ሎሚ ውድድር፡ ሄኖክ ምሉእብርሃን፡ ዩኤል ሃብተኣብ፡ ኑርኣሕመድ ዓብደልውሃብ፡ ኣማንኤል ገብረእግዝኣብሄር፡ ሮቤል ሃብተማርያም፡ መርሃዊ ቅዱስን ዳንዮም ፍጹምብርሃንን ከኣ ካብ ራብዓይ ክሳብ ዓስራይ ኰይኖም ኣትዮም።
ሎሚ ዓመት ናይ ውሽጢ ሃገር ተቐዳደምቲ ዘርኣይዎ ጸወታን ምትህክላኸን ከኣ ኣዝዩ ልዑል'ዩ ነይሩ፡ እዚ ከኣ ኣብ ውሽጢ ሃገር ዘለዋ ክለባት ኣበርቲዐን ይሰርሓ ምህላወን ዘርኢ'ዩ።
ቅድሚ ሕጂ ቻምፕዮን ኤርትራ ዝዀኑ
- 2024፡ ናትናኤል ተስፋጽዮን
- 2023፡ ዓወት ኣማን
- 2022፡ መርሃዊ ቅዱስ
- 2021፡ ዳዊት የማነ
- 2020፡ ብምኽንያት ኮቪድ ኣይተኻየደን
- 2019፡ ናትናኤል ብርሃነ
- 2018፡ መርሃዊ ቅዱስ
- 2017፡ ሜሮን ኣብርሃም
- 2016፡ ዳንኤል ተኽለሃይማኖት
- 2015፡ ናትናኤል ብርሃነ
- 2014፡ ኣማኑኤል ገብረእግዚኣብሄር
- 2013፡ ሜሮን ተሾመ
- 2012፡ ዳንኤል ተኽለሃይማኖት
- 2011፡ ፍረቃልሲ ደበሳይ
- 2010፡ ኣይተኻየደን
- 2009፡ ኣይተኻየደን
- 2008፡ ዳንኤል ተኽለሃይማኖት