እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ሄኖክ ምሉእብርሃን ተዓዋቲ ብጫን ቀጠልያን ማልያ ዙር ማግኒፍሰንት ኵንሃይ ኰይኑ
ኤርትራዊ ኣባል ካዛኪስታናዊት ጋንታ ኣስታና ካዛኪስታን ቻምፕዮን ኣፍሪቃ 2022፡ 2023 ከምኡ'ውን 2024 ሄኖክ ምሉእብርሃን ተዓዋቲ ብጫን ቀጠልያን ማልያ ኣብ ቻይና ዝካየድ ዙር ማግኒፍሰንት ኵንሃይ ኰይኑ ውድድሩ ከም ዝዛመ ኣብ ሳይክሊን ስታት ዝወጽአ ጸብጻብ ገሊጹ።
ኣብዚ ሸሞንተ መድረኻት ዝነበሮ ሓያል ጸወታ፡ ተቐዳደምቲ ብድምር 1323.7 ኪሎሜተር'ዮም ዘዊሮም።
ሄኖም ምሉእብርሃን ከኣ ንውድድሩ ብ30 ሰዓት 5 ደቂቕን 13 ካልኢትን ብምዝዛም'ዩ ተዓዋቲ ብጫ ማልያ እቲ ውድድር ክኸውን ክኢሉ።
ኣብ ብጫ ማልያ ኡራጓያዊ ሲልቫ ጉሌርሞ ብኽልተ ካልኢት ድሒሩ ካልኣይ፡ ኢኳዶራዊ ማርቲን ሎፐዝ ከኣ ብ22 ካልኢት ድሒሩ ሳልሳይ ኰይኖም ውድድሮም ዛዚሞም።
ሄኖክ ድሕሪ ዓወቱ መርበብ ሓበሬታ ኣስታና ካዛኪስታን "እዚ ዓወት ንዓይ ኣዝዩ ዓቢ ነገር'ዩ፡ ቅድሚ ኣዋርሕ ምስ ኣሰልጠንተይ ብዛዕባ ውድድራተይ ኣብ ዝዘተናሉ ኵንሃይ እታ ዝዓበየት ዕላማይ ነይራ፡ ግድን ንዓወት ኢልና ኢና ናብዚ መጺእና ፡ ሰሙን ምሉእ ከኣ ኩልና ብጫ ማለያ ንምሓዝ ኣበርቲዕና ኢና ሰሪሕና፡ ኣብ ብጫ ማልያ ቀዳማይን ሳልሳይን ምውጻእና ኩሉ ኣባል ጋንታ ገግቡኡ ከምዝገበረ ዘርኢ'ዩ" ምባሉ ገሊጻ።
ሄኖክ ኩሎም ኣባላት እታ ጋንታ ንዝገበርሉ ኩሉመዳያዊ ደገፍ'ውን ኣመስጊኑ።
ኣብ ብጫ ማልያ ወዲ ጋንታኡ ንሄኖክ ማርቲን ሎፐዝ ሳልሳይ ኰይኑ'ዩ ውድድሩ ዛዚሙ።
ብጋንታ'ውን ኣስታና ካዛኪስታን'ያ ተዓዋቲት ኰይና።
ዙር ማግኒፍሰንት ኵንሃይ ኣብ ቻይና ካብ ዝካየዱ ዝዓበዩ ውድድራት ቅድድም ብሽክለታ ኰይኑ፡ ኣብ 2002'ዩ ጀሚሩ። ሎሚ ዓመት ከኣ ንመበል 24 ግዜኡ'ዩ ዝካየድ ዘሎ።
ክሳዕ 2024 ቱር ኵንሃይ ሌክ ክብሃል ድሕሪ ምጽናሕ፡ ሎሚ ዓመት ሽሙ ናብ ቱር ማግንፊሰንት ኵንሃይ ቀይሩ'ዩ ተኻይዱ።
ኣብዚ ውድድር 22 ጋንታት ነፍሲወከፈን ሸሸውዓተ ተቐዳደምቲ ፡ ብድምር 154 ተቐዳደምቲ ሒዘን'የን ተሳቲፈን።
እዚ ውድድር ሽሙ ናብ ማፍኒፊሰንት ኵንሃይ ከይቀየረ እንከሎ፡ ሄኖክ ምሉእብርሃን ኣብ 2023 ተዓዋቲ ብጫ ማልያ እዚ ውድደር ኰይኑ ምንባሩ ኣይርስዓን።
ኣብቲ እዋን ኣባል ኢጣልያዊት ጋንታ ግሪን ፕሮጀክት ባርድያኒ ሲኤስኤፍ ዝነበረ ሄኖክ ምሉእብርሃን ሓንቲ ናይ መድረኽ ዓወት ብምምዝጋብ፡ ተዓዋቲ ብጫን ቀጠልያን ማልያ እቲ ውድድር ክኸውን ክኢሉ ነይሩ'ዩ።
ኣብ 2024'ውን ምስ ጋንታ ኣስታና ካዛኪስታን ደጊሙ ኣብቲ ውድድር ብምስታፍ ኣብ ብጫ ማልያ ራብዓይ፡ ኣብ ቀጠልያ ማልያ ቀዳማይ ኣብ ማልያ ኣንበሳ ዓቐበት ከኣ ካልኣይ ብምዃን ውድድሩ ዛዚሙ ነይሩ።
ሎሚ ዓመት ንሳልሳይ ግዜኡ ኣብቲ ውድድር ዝተሳተፈ ሄኖክ ምሉእብርሃን ኣብ ሸዱሸይቲ መድረኽ ቀዳማይ ብምውጻእ ብሓፈሻ ምስ ናይ 2023 ናይ መድረኽ ዓወቱ ተደሚሩ ኣብቲ ውድድር ክልተ ናይ መድረኽ ዓወታት ኣመዝጊቡ።
ብተወሳኺ ኣብ ሓሙሸይቲ መድረኽ ካልኣይ፡ ኣብ ካልኣይተን ሻውዓይትን መድረኻት ከኣ ሳልሳይ ብምውጻእ እዩ ንብጫ ማልያ ኣብ ሻውዓይቲ መድረኽ ብሓንቲ ካልኢት ጸብለልታ ግዜ ተረኪቡዋ።
ኣብታ ሎሚ ዝተኻየደት ሻሙነይትን ናይ መወዳእታን መድረኽ ንሱን ጋንታኡን ብዘካየዱዎ ጽቡቕ ናይ ምክልኻል ስልቲ፡ ግዜ ከይከሰረ ሓሙሻይ ክኣቱ ስለ ዝኸኣለ ንብጫ ማልያ ዓቒቡ ጸወታኡ ክዛዝም ክኢሉ።
ሄኖክ ምሉእብርሃን ኣብ ቀጠልያ ማልያ'ውን ብ76 ነጥቢ ቀዳማይ ኰይኑ'ዩ ውድድሩ ዛዚሙ።
ኣባል ጋንታ ካጃ ሩራል ኡራጓያወ ሲልቫ ጉሌርሞ ከኣ 71 ነጥቢ ብምውህላል ኣብ ቀጠልያ ማልያ ማልኣይ ኰይኑ ውድደሩ ወዲኡ።
ኣብ ማልያ ኣንበሳ ዓቐበት ከኣ ስጳኛዊ ጆን ኣጊረ ብ33 ነጥቢ ቀደማይ፡ ስዊዘርላንዳዊ ሲሞን ፔላውን ብ29 ካልኣይ ሄኖክ ምሉእብርሃን ከኣ ብ14 ነጥቢ ሳልሳይ ኰይኖም ውድድሮም ዛዚሞም።
ሄኖክ ምሉእብርሃን ንሳዱሸየቲ መድረኽ ቀዳማይ ኰይኑ ምስ ተዓወተላ፡ ኣብ ዙር ፈረንሳ ተጸሚዱ ዘሎ ቢንያም ግርማይ ካብ ጋዜጠኛታት ብዛዕባ ዓወት ሄኖክ ምሉእብርሃን ኣብ ዝተሓተተሉ፡ "ንግሆ ሄኖክ ናይ መድረኽ ዓወት ከም ዘመዝገበ ምስ ርኣኹ ኣዝየ ተሓጕሰ። ብጫ ማልያ ንኽዕወት ከኣ ኣጆኻ ሄኖክ እብሎ፡" ብምባል ሄኖክ ተጫዋቲ ብጫ ማልያ ክኸውን ዘለዎ ሰናይ ምንዮት ገሊጽሉ።
ሄኖክን ቢንያምን ካብ ማውንተይን ባይክ ጀሚሮም መወዳድርቲ ዝነበሩን ኣብ ጋንታ ኣስቤኮ'ውን ኣብ ሓንቲ ጋንታ ዝነበሩ ተቐዳደምቲ'ዮም።
እቲ ኣብ ኣስመራ ዝተሳሓለ ደናጕኦም ከኣ ክልተኦም ኣብ ዎርለድ ቱር ጋንታታት ክሳብ ምውድዳር ኣብቂዑዎም።
ቢንያም ተዓዋቲ ቀጠልያ ማልያ ዙር ፈረንሳ 2024 ምስ ሰለስ ናይ መድረኽ ዓወታቱ፡ ሄኖክ ከኣ ሰለስተ ግዜ ቻምፕዮን ኣፍሪቃ፡ ሓንሳብ ተዓዋቲ ብጫ ማልያ ዙር ርዋንዳ፡ ክልተ ግዜ ተዓዋቲ ብጫ ማልያ ዙር ማግኒፍሰንት ኵንሃይ ክሳብ ምዃን በጺሖም።
ኣብቲ ኣብ ቻይና ክካየድ ዝቐነየን ሎሚ ዝተዛዘመን ዙር ማግኒፊሰንት ኵንሃይ ብጀካ ሄኖክ ምሉእብርሃን ኣባል ማሊዥያዊት ጋንታ ትራንጋኑ ሳይክሊንግ ቲም መትከል እዮብ፡ ኣባል ስጳኛዊት ጋንታ ቡርጎስ መርሃዊ ቅዱስ፡ ኣባላት ቱርካዊት ጋንታ ኢስታንቡል ቡዩክሰር በለዲ ናትናኤል ብርሃነ፡ ኤቨን የማነን ጴጥሮስ መንግስን'ውን ክወዳደሩ ቀንዮም'ዮም።