ኣስመራ፡ ምድላዋት በዓል ልደት ብስእሊ

ቤተክርስትያን ኪዳነምህረት ኣብ ዘማዕዱ ጐደና፡ ከባቢ ዕዳጋ ደርሁን ማእከል ሹቕን
መግለጺ ስእሊ, ቤተክርስትያን ኪዳነምህረት ኣብ ዘማዕዱ ጐደና፡ ከባቢ ዕዳጋ ደርሁን ማእከል ሹቕን
ዕዳጋ ኣሕምልቲ ማእከል ሹቕ - ኣስመራ
መግለጺ ስእሊ, ዕዳጋ ኣሕምልቲ ማእከል ሹቕ - ኣስመራ፤ ኵሉ'ቲ ዘድሊ ኣሕምልቲ መሊኡ ዓማውል ከአንግድ እዩ ውዒሉ
ካብን ናብን ማከል ሹቕ ዝኣትዉን ዝወጹን ዓዳጐ ክመላልስዎ ዝወዓሉ ጐደና እዩ
መግለጺ ስእሊ, ካብን ናብን ማእከል ሹቕ ዝኣትዉን ዝወጹን ዓዳጐ ክመላልስዎ ዝወዓሉ ጐደና እዩ
ውዕሎ ዕዳጋ ጤለ-በጊዕ ከባቢ ማይተመናይ-ፓራዲዞ
መግለጺ ስእሊ, ውዕሎ ዕዳጋ ጤለ-በጊዕ ከባቢ ማይተመናይ-ፓራዲዞ፤ ሰቢሐን መሸጣን ማሕረድትን ዝጽበያ ኣባጊዕ ባርካ! ክሳብ ዝሽየጣ ዓይኒ ዓዳጐ ከይሃድመን ወዘንን ቍመንአንን ከይጐድል ድማ ዝስተ ማይን ሓሰርን ወትሩ ምስ ተቐረበለን እዩ።
ዕዳጋ ኣስመራ
መግለጺ ስእሊ, ከባቢ ዕዳጋ ከብትን ጤለበጊዕን ማይተመናይ-ፓራዲዞ፤ ኣብ ኣፍደገ እቲ ዕድጋ ኰይኖም ጥሪት ዝሸጡ፡ ኣገልግሎት ምጥባሕ ምስካምን ድለላን ሂቦም ስራሕ ዝረኽቡ መንእሰያት፡ ሰብ ላምብሬታን ታክሲን ከምኡ ድማ እቶም ወትሩ ስርዓተ ዕዳጋ ዝከታተሉ ሙንቺብዮ ይረኣዩ።
ውሽጢ ዕዳጋ ከብቲ ማይተመናይ-ፓራዲዞ
መግለጺ ስእሊ, ውሽጢ ዕዳጋ ከብቲ ማይተመናይ-ፓራዲዞ፤ 'ናይ ኣሕዋት' ብዝብል ስጋ ጕዚ መውዓል ኣውድኣመት ዝመርጹ ዝበጽሕዎ ክፋል እቲ ዕዳጋ እዩ
ዕዳጋ ጤለ በጊዕ ከባቢ ቀሓውታ
መግለጺ ስእሊ, ዕዳጋ ጤለ በጊዕ ከባቢ ቀሓውታ፤ ምስ ምስፋሕ እታ ከተማ እናተለምደ ዝመጸ ንነባሮ ምብራቓውን ደቡባውን ሸነኽ እታ ከተማ ኣማራጺ ዕድጋ ዝፈጥር፡ ኣብ ቅንያት ኣውድኣመት ዝያዳ ዝዕምር ዕዳጋ እዩ።