ንኤርትራውያንን ኢትዮጵውያንን 'ተስፋ ዝህብ' ዝተባህለ ዕድል ምእታው ንኣሜሪካ ከመይ እዩ?

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣሜሪካ ንምእታው ዘኽእል ዕድላት ክለዓል እንከሎ፡ ሎተሪ ቪዛ - ‘ዲቪ’ ኢና ንዝክር።
ድሕሪ ምምጻእ ዶናልድ ትራምፕ ክቋረጽ እዩ ተባሂሉ ዝነበረ ዲቪ፡ ንዓሰርተታት ዓመታት ዝቐጸለ እዩ።
ኣብዚ እዋን ከኣ ምምሕዳር ባይደን ሓድሽ ዕድላት ንስደተኛታት ኣሚሙ’ሎ።
ብሰንኪ ኲናትን ቅልውላውን ካብ ሃገሮም ሃዲሞም ኣብ ካልአይቲ ሃገር ኣዕቍቦም ዘለዉ ስደተኛታት፡ ኣብ ኣሜሪካ ሓድሽ ሂወት ክጅምሩ ዘኽእል፡ ‘ወልካም ኮርፕስ’ ዝተሰምየ መደብ እዩ።
ጸሓፊ ክፍሊ ወጻኢ ኣሜሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን ዝሓለፈ ሰሙን ወግዓዊ ዝገበሮ እዚ ስደተኛታት ናይ ምቕባል ሓድሽ መደብ፡ ዜጋታት ኣሜሪካ፡ ኣብያተ ክርስትያንን ዘይመንግስታውያን ትካላትን ዘሳትፍ እዩ።
ብሊንከን፡ ኣሜሪካ ብስደተኛታት ዝተመስረተት ሃገር ምዃና ብምዝኽኻር፡ እዚ ፕሮጀክት ከም ዝተጀመረ ኣፍሊጡ።
“ንሕና ስደተኛታት ምቕባል ባህልና እዩ” ዝበለ ብሊንከን፡ ዜጋታት ብንቕሓት ክሳተፉ ጸዊዑ።
ተለቪዥን ሲቢኤስ ከም ዝሓበሮ፡ እዚ መደብ ብገለ ሸነኹ ካብ ካናዳ ዝተቐድሐ እዩ።
እዚ መደብ ምቕባል ስደተኛታት ግን ብኸመይ እዩ ዝሰርሕ? ንመን ከ ይምልከት?
ንስደተኛታት ዝቐንዐ ‘ዲቪ’
እዚ “ወልካም ኮርፕስ” [Welcome Corps] ተሰምዩ ብመንግስቲ ኣሜሪካ ዕላዊ ኰይኑ ዘሎ መደብ፡ ሎሚ ዓመት ከም መፈተኒ እዩ ክትግበር።
እዚ ኸኣ፡ ውልቀሰባት ጕጅለ ፈጢሮም ስደተኛታት ናብ ኣሜሪካ ዘእትዉሉ ቅጥዒ እዩ።
ኣብ ኣሜሪካ ስደተኛታት ዘእትዋን ዝቕበላን ትካላት ትሽዓተ ጥራሕ እየን ነይረን።
እንተዀነ እዘን ትካላት ኣብ ዘበን ትራምፕ ለሚሰን እየን።
ብሰንኪ እዚ፡ ዝሓለፉ ዓመታት ናብ ኣሜሪካ ዝሰገሩ ስደተኛታት ቍጽሮም ክንኪ ተራእዩ እዩ።
እዚ ሓድሽ ፕሮጀክት እምበኣር፡ ቍጽሪ ስደተኛ ናብ ኣሜሪካ ከበርኽ ዝተነድፈ ምዃኑ ይግምገም።
በዚ ሓድሽ ውጥን መሰረት፡ ሓሙሽተ ኣሜሪካውያን ወይ ኣብ ኣሜሪካ ቀዋሚ መንበሪ ዘለዎም ሰባት ተጐጂሎም፡ ከም ትካል ንሓደ ስደተኛ መዊሎም ንኣሜሪካ ከእትውዎ ይኽእሉ።
እዞም ጕጅለ ዘቘሙ ሰባት ብሓባር፡ 2 ሽሕን 275 ዶላር ጥራይ ከዋጽኡ ይሕተት።
ኣብ ርእሲ’ዚ፡ እዞም ሰባት፡ እቲ ሓድሽ ስደተኛ ኣሜሪካ ምስ ኣተወ ን90 መዓልታት ተቐቢሎም ብኸመይ ዓዲ ከም ዘላልይዎ ዝገልጽ ንድፈ-እማመ የቕርቡ።
እዚ ማለት፡ ኣብተን ቀዳሞት 90 መዓልታት ምግቢ፡ መፅለሊ፡ ሕክምና፡ ትምህርቲ ወዘተ፡ ክሽፍንሉ ከም ዝኽእሉ መተኣማመኒ እዩ።
እዚ መደብ ዝምልከቶም እንታይ ዘማልኡ እዮም?

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
እዚ ኣብ ፈተነ ዘሎ መደብ ስደተኛታት ብቐንዱ፡ ናብ ሳልሰይቲ ሃገር ንምኻድ ኣብ ካልኣይቲ ሃገር ንዝርከቡ ስደተኛታት ይምልከት።
ንግዚኡ፡ ኣብ ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ተመዝጊቦም ነቲ ነዊሕ መስርሕ ምጽራይ ዝወድኡን ናብ ኣሜሪካ ንምታው ሪጋ ዝጽበዩን ስደተኛታት ተጠቀምቲ ዝገብር እዩ።
እዚ ፈተነ ዕዉት እንተዀይኑ፡ እቲ ዕድል ክቕጽል ከም ዝኽእል ተገሊጹ’ሎ።
ኣየኖት ስደተኛታት እዮም ቀዳምነት ዝወሃቦም ዝብል ብ መንግስቲ ኣሜሪካ ዝውሰን’ኳ እንተዀነ፡ ኣብ መጻኢ ግን እቶም ሓሙሽተ መወልቲ፡ ናብ ኣሜሪካ ዘእትውዎ ሰብ ባዕላቶም ዝመርጹሉ ዕድል ክህሉ እዩ ተባሂሉ።
ክፍሊ ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ፡ ከም መበገሲ 10 ሽሕ ኣሜሪካውያን ወይ ድማ ኣብ ኣሜሪካ ቀዋሚ መንበሪ ፍቓድ ዘለዎም ሰባት፡ መወልቲ ኰይኖም ክምዝገቡ የተባብዕ ኣሎ።
በዚ መሰረት 10 ሽሕ መወልቲ፡ ኣስታት ሓሙሽተ ሽሕ ዝዀኑ ስደተኛታት ከእትዉ ትጽቢት ይግበር፤ እዚ ቍጽሪ ግን በብዓመቱ ክውስኽ ምዃኑ ተፈሊጡ’ሎ።
ኣብ ኣሜሪካ ዝርከቡ፡ ተመኵሮ ምቕባል ስደተኛ ዘለወን ትካላት ድማ ነዚ መስርሕ ከወሃህዳኦ እየን።
እዚ መደብ ቅድሚ ሕጂ ተፈቲኑ ዶ?
እዚ ውልቀሰባት፡ ንስደተኛ መዊሎም ናብ ኣሜሪካ ከእትዉ ዘኽእል መስርሕ፡ ኣቐዲሙ ንዜጋታት ዩክረይንን ኣፍጋኒስታንን ተሰሪሑ’ሉ እዩ።
በዚ መስርሕ፡ ካብ ኲናት ዝሃደሙ 100 ሽሕ ዩክሬናውያን ኣብ ውሽጢ ሓደ ዓመት ናብ ኣሜሪካ ኣትዮም።
ኣብ እዋን ምምሕዳር ትራምፕ፡ ኣሜሪካ፡ ነቶም ብደቡባዊ ዶብ ዝኣትዉ ዘይሕጋያን ስደተኛታት ንምግታእ ክሳብ ሓጹር ምህናጽ በጺሓ እያ።
ብኣንጻሩ ባይደን፡ ሕጋዊ መገዲ እንተዋዲድና፡ እቲ ብዘይ ሕጋዊ መገዲ ዝኣቱ ስደተኛ ክንኪ እዩ ኢሉ ይኣምን።
በዚ ኸኣ ብፍላይ ዜጋታት ኩባ፡ ሀይቲ፡ ኒካራጕዋን ቬንዝዌላን ብዶብ ሜክሲኮ ኣቢሎም ኣክንዲ ምእታው፡ ኣብ ሜክሲኮ ኰይኖም ብመተግበሪ ዕቝባ ክሓቱ ሓድሽ መስርሕ ተኸፊቱሎም።
ብመስርሕ ሓሙሽተ ንሓደ ናብ ኣሜሪካ ዝኣተዉ ዜጋታት ዩክረይንን ኣፍጋኒስታንን ግዝያዊ ፍቓድ ስራሕ ጥራይ እዮም ዝረኽቡ።
በዚ ዝጅምር ዘሎ ‘ወልካም ኮርፕስ’ ናብ ኣሜሪካ ዝኣትዉ ስደተኛታት ግን፡ ፍቓድ ስራሕ ኣብ ርእሲ ምርካቦም፡ ዜግነት ኣሜሪካ ክረኽቡ ከመልክቱ እውን ክፍቀደሎም እዩ።
ኣሜሪካ፡ በቲ ካብ 1980ታት ኣትሒዛ ዝጀመረቶ መደብ ስደተኛታት ዝተቐበለቶም ሰባት ካብ ሰለስተ ሚልዮን ኣይበዝሑን።
ንኣብነት፡ ኣብ 2022፡ 125 ሽሕ ስደተኛታት ክቕበል እየ’ኳ እንተበለት፡ 25 ሽሕ ጥራይ እያ ተቐቢላ።
ትራምፕ ነዚ ቝጽሪ’ዚ ብፍርቂ ነክይዎ ነይሩ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ስለምንታይ እዩ ንኤርትራውያንን ንኢትዮጵያውያን ‘ዓቢይ ተስፋ’ ዝበሃል?
እዚ ሓሙሽተ ሰባት ንሓደ ስደተኛ ናብ ኣሜሪካ ከእትዉ ዘኽእል መስርሕ፡ ብቐንዱ ካብ ካናዳ ከም ዝተቐድሐ እዩ ዝግለጽ።
ንምዃኑ መስርሕ ካናዳ ኸ ከመይ’ዩ? ምስዚ ናይ ኣሜሪካ ብኸመይ ይመሳሰል?” ክንብል ኣብ ቶሮንቶ ካናዳ ጠበቓ ኢምግሬሽንን በዓል ሞያ ሕግን ዝዀነ ኣቶ ተኽለሚካኤል ኣበበ ተወኪስናዮ፤
ካናዳ፡ ኣብ ዓመት ካብ 15 ክሳብ 20 ሽሕ ስደተኛታት ብዝተፈላለየ መገዲ ከም ትቕበል እቲ በዓልሞያ የረድእ።
ብመሰረት ሓበሬታ ኣቶ ተኽለሚካኤል፡ እታ ሃገር ነዞም ስደተኛታት ብሰለስተ መገድታት እያ ትቕበሎም።
እቲ ቀዳማይ፡ “ስፖንሰርሺፕ ኣግሪመንት ሆልደርስ” ብዝበሃላ ትካላት ዝካየድ እዩ።
እዚኣተን ንባዕለን ኣብ ክልተ ይምቀላ።
ስደተኛ ንምምዋል መሰል ዝተዋህበን ትካላት፡ ኣብያተ ክርስትያናት፡ ንመኽሰብ ዘይሰርሓ ዘይመንግስታውያን ትካላት፡ ማሕበረሰባዊ ትካላት፡ ምስ መንግስቲ ካናዳ ውዕል ብምግባር ስደተኛታት የእትዋ።
ካልኣይ፡ መወልቲ ማሕበረኮማት እየን።
እዚኣተን ምስ መንግስቲ ውዕል ከይገበራ ዝሰርሓ ትካላት ንግዲ ወይ ኣብያተ ክርስትያናት ክዀና ይኽእላ፤ እዚአን’ውን ስደተኛ ዘእትዋ እየን።
ናብ ካናዳ መእተዊ ሳልሳይ መገዲ፡ “ግሩፕ ኦፍ ፋይቭ” ዝበሃል እዩ።
እዚ መስርሕ ሓሙሽተ ዜጋታት ካናዳ ወይ ቀዋሚ ፍቓድ መንበሪ ካናዳ ዘለዎም ተላፊኖም ስደተኛታት ዝቕበልሉ መስርሕ እዩ።
ኣብ ካናዳ ንዝሓለፉ ዓመታት ዝተተግበረ መስርሕ’ዩ ‘ምበኣር፡ ኣብ ኣሜሪካ ዝፍተን ዘሎ።
“ካብ ምብራቕ ኣፍሪቃ እንተርኢና ብፍላይ ኤርትራውያን ውጽኢታዊ ብዝዀነ መገዲ ተጠቒሞምሉ’ዮም” ዝብል ጠበቓ ተኽለሚካኤል፡ እዚ መስርሕ ዝያዳ ዘይተጠቕምናሉ፡ ግና ክንጥቀመሉ ዝግባእ’ዩ” ይብል።
በዚ መስርሕ ካብ ቫንኩቨር፡ ካልጋሪ፡ ኣልበርታ፡ ኤድመንተንን ቶሮንቶን ብዙሓት ሓበሻ ንደቂ ዓዶም መዊሎም ናብ ካናዳ ዘእተዉሉ መስርሕ ምዃኑ ይፍለጥ።
‘ፕሮሰስ’ ካናዳ ከመይ እዩ?

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣሜሪካ፡ ብዛዕባ ዝርዝር’ቲ መስርሕ ወግዓዊ ኣይገበረትን። እንተዀነ ካብ ካናዳ ዝተቐድሐ መደብ ብምዃኑ፡ ካናዳ እትኽተሎ ቅጥዒ ክትግበር ከም ዝኽእል ይግመት።
ስለዚ፡ መስርሕ ካናዳ ምርዳእ ነቲ ናይ ኣሜሪካ ኣመት ክህብ ይኽእል።
ኣቶ ተኽለሚካኤል፡ ኣብ ካናዳ እቲ መስርሕ ቀሊል እዩ ይብል።
ሓሙሽተ - ዜግነት ወይ ቀዋሚ ፍቓድ መንበሪ ዘለዎም ሰባት - ሓደ ጕጅለ ይፈጥሩ።
ካብኡ፡ ነፍስወከፎም ኣብ ዝዀነ ገበን ኢድ ከም ዘይብሎም ብፖሊስ ኣረጋጊጾም ሰርቲፊኬት ይሕዙ። እዚ ዝግበር፡ እቲ ዝኣቱ ስደተኛ፡ በዞም ሰባት ከይምዝመዝ ወይ ከይግሃስ ንምክልኻል እዩ።
ብድሕሪኡ ኣስታት 16 ሽሕ ዶላር ካናዳ ኣብ ባንክ የቐምጡ።
ኣብ ባንክ ከቐምጡ እንተዘይክኢሎም ከኣ፡ ዓቕሚ ከም ዘለዎም ዘረድእ “ኖቲስ ኦፍ ኣሰስመንት” ዝበሃል ወረቐት ግብሪ የቕርቡ።
ኣብዚ እቲ ቀንዲ ጉዳይ፡ እቲ ስደተኛ ካናዳ ምስ ኣተወ ን 12 ኣዋርሕ ጸገም ንኸይገጥሞ እዩ።
“ምግቢ፡ መንበሪ፡ ጉዳይ ትምህርቲ፡ ምንዳይ ስራሕ፡ ሕክምና፡ ምውጻእ ፍቓድ ምዝዋር መኪና፡ ቋንቋ፡ ኣገልግሎታት መንግስቲ እንተደልዩ ብሓፈሻ ናብራኡ ንምጥጣሕ፡ ሓሙሽተኦም ሰባት ሓላፍነት ዝወስድሉ መስርሕ እዩ” ይብል እቲ ጠበቓ።
ካናዳ ንዝኣትዉ ስደተኛታት ዝመርጽ መን’ዩ?
“ኣነ ኣብ ኣሜሪካ ዝህሉ መስርሕ እንታይ ክኸውን ከም ዝኽእል’ኳ እንተዘይፈለጥኩ፡ በቲ ኣብ ካናዳ ዘሎ መስርሕ ግን፡ እቶም ሓሙሽተ ሰባት ከምጽእዎ ዝኽእሉ ሰብ ባዕሎም እዮም ዝውስኑ” ይብል።
እንተዀነ እቲ ናብ ካናዳ ዝኣቱ ሰብ ብዛዕባ’ቲ ንስደት ዝደረኾ ምኽንያት ብጽሑፍ ከቕርብ፤ ንስደት ዝበቅዕ ምኽንያት ምዃኑ’ውን ከረጋግጽ ይግባእ። ብዙሓት ቅጥዒታት ድማ ይምልኡ።
ጾታዊ መጥቃዕቲ፡ ዓሌታዊ መጥቃዕቲ፡ ፖለቲካን ካልኦት ብዙሓት ምኽንያታትን ጠንቂ ስደት ክዀኑ ይኽእሉ። እዚ ምኽንያት ብጽሑፍ ኣብ ኦቶዋ ናብ ዝርከብ ቤት ጽሕፈት ኢሚግሬሽን (ROC-O) ይለኣኽ።
እዚ ቤት ጽሕፈት ነቲ ጉዳይ መርሚሩ ዘእምን ኰይኑ ምስ ዝረኽቦ፡ እቲ ስደተኛ ናብ ዝርከበሉ (ናይሮቢ፡ ካምፓላ፡ ካይሮ ወዘተ) ቤት ጽሕፈት ቪዛ ይልእኽ።
ኣቶ ተኽለሚካኤል ኣተሓሒዙ፡ ኣብ ካናዳ፡ ኣብያተ ክርስትያናትን ዘይመንግስታውያን ትካላትን፡ መንግስቲ ንዝመርጾም ስደተኛታት ዝቕበልሉን ዝምውልሉን መስርሕ ከምዘሎ የብርህ።
ንምንታይ ገለ ስደተኛታት ነዊሕ ዓመታት ይጽበዩ?
ብዙሓት ኢትዮጵያውያንን ኤርትራውያንን ካብ ሃገሮም ተሰዲዶም፡ ወረቐት ስደተኛ ሒዞም፡ ምስጋር ናብ ሳልሰይቲ ሃገር ከይሰለጦም ዝተርፉ ኣለዉ።
ገሊ ግን፡ ኣብ ሓደ ወይ ክልተ ዓመት ይሰልጦም፤ ስለምንታይ?
ኣቶ ተኽለሚካኤል ነዚ ከረድእ እንከሎ፡ ንርእሱ ቅድሚ 20 ዓመት ስደተኛ ከም ዝነበረ ብምዝኽኻር፤ “ኣርባዕተ ዓመት ኣብ ኬንያ ተሰዲደ ነቢረ እየ። ምሳይ ዝተሰዱ ገሊኦም ሸሞንተ ዓመት፡ ገሊኦም ድማ ክሳብ ሎሚ ኣብኡ ክህልዉ ይኽእሉ’ዮም፡” ይብል።
እዚ ንምንታይ ኰይኑ እንተተባሂሉ፡ ብብዙሕ ምኽንያት ክኸውን ይኽእል።
ኣብ ዓለም ካብ ዘለዉ ሚልዮናት ስደተኛታት፡ ናብ ሳልሰይቲ ሃገር ዝኣትዉ ሓደ ኢድ’ውን ኣይመልእን፤ እዚ ማለት 99 ሚእታዊት ኣብ ዘለውዎ ይጸንሖ።
ካብቶም ዝሰልጦም ውሑዳት፡ ብመንግስቲ ወይ ብትካል ዝውሰዱ ኣለዉ።
“ንኣብነት ኣነ፡ ዩናይትድ ዝበሃል ቸርች፡ ኣብ 2005 [ኣ.ኣ] መበል 75 ዓመቱ ኣብ ዘኽበረሉ ስደተኛታት ክወስድ እንከሎ ካቶም ዕድለኛታት ኰይነ።”
ሓደ ሓደ እዋን ከኣ፡ እቲ ስደተኛ ካብ ሃገሩ ዝወጻሉ ምኽንያት ግዜ ዘይህብ ምዃኑ ወሳኒ እዩ። መንነት እቲ ስደተኛን ዘቕርቦም መረዳእታታትን ከምኡ እውን ካልኦት ብዙሓት ኵነታትን፡ እቲ ስደተኛ ናብ ሳልሰይቲ ሃገር ንዝሰግረሉ ቅልጣፈ ይውስኑ።
ኣብ ታሪኾም፡ ኣብ ኲናትን ገበንን ኢድ ዝነበሮም ወይ ድማ መንግስቲ ካናዳ ኣብ ዓመት ልዕሊ ዝስልዖ ባጀት ሕክምና ዝጠልብ ጥዕናዊ ጸገም ዘለዎም ሰባት ናብ ካናዳ ናይ ምእታው ዕድል የብሎምን።
ኣቶ ተኽለሚካኤል፡ እዚ ናይ ኣሜሪካ ሓድሽ መደብ ተግባራዊ እንተዀይኑ ብዙሕ ለውጢ ከምዘምጽእ ይግምት።
ምኽንያቱ፡ ልዕሊ 300 ሚልዮን ህዝቢ ከም ዝነብር፣ ብዝሒ ሓበሻ ናብ ሓደ ሚልዮን ከም ዝጽጋዕ ብምግላጽ፡ ብዙሓት ኢትዮጵያውያን ከም ዝድውልሉ ይዛረብ።
እቲ ዝድነቕ ነገር ድማ እቲ ዝሕተት መጠን ገንዘብ ትሑት ምዃኑ እዩ፡ ይብል።
ኣብ ካናዳ 12 ሽሕ ዶላር ዝሕተት ኰይኑ፡ ኣብ ኣሜሪካ ግን ትሕቲ 2500 ዶላር ጥራይ እዩ።
ኣብ ካናዳ እቶም ሓሙሽተ ኣባላት ጕጅለ ነቲ ዝምውልዎ ስደተኛ ን 12 ኣዋርሕ እዮም ዝሕብሕብዎ፤ በዚ ሓድሽ መስርሕ ኣሜሪካ ግን ን 90 መዓልታት ጥራሕ እዩ።
ኣቶ ተኽለሚካኤል፡ በዚ መደብ ተጠቀምቲ ብብዝሒ ኢትዮጵያውያንን ኤርትራውያንን ክዀኑ ከም ዝኽእሉ ይግምት። “ሓድሽ መደብ ስለዝዀነ ዜጋታት ተሳትፎኦም ኣትሒቶም ዝገመትዎ እመስለኒ” ይብል እቲ ጠበቓ።
“ብፍላይ ኤርትራውያን፡ በዚ ኣዝዮም ዝድነቝ እዮም፤ ተወዲቦም እዮም ዝሰርሑ። ንኣሽሓት ወገናቶም ካብ ስደት ከናግፉ እዮም ኢለ እኣምን።”

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
መወልቲ ንምንታይ ሓሙሽተ ክዀኑ ተደልዩ?
እዚ ዝዀነሉ ቀንዲ ምኽንያት፡ ሰባት ህይወቶም ክነብሩ ስለ ዝግባኦምን ስደተኛ ብልፍንቲ ምቕባል ሓላፍነት ምክፍፋል ስለዝኸውን፡ ዝሐሸ እዩ ተባሂሉ ስለ ዝተኣመነ እዩ።
ንኣብነት፡ ሓደ ስደተኛ ናብ ካልእ ሃገር ከይዱ ብቐሊሉ ተወሃሂዱን ተረዳዲኡን ንኽነብር ናይ ሓደ ሰብ ስራሕ ክኸውን ኣይድለን።
“ሓብተይ መጺኣ ንበል እሞ፣ ሎሚ መዓልቲ ናብ ቤት-ትምህርቲ እንተወሲደያ፡ ኣነ ናብ ስራሕ ኣብ ዝኸደሉ ኸ ናብ ሕክምና መን ይወስዳ? ምዝዋር መኪና መን የምህራ? ዕዳጋ መን የርእያ? ነዚ እዩ ሓሙሽተ ክኸውን ተደልዩ።”
ስለምንታይ ኣሜሪካን ካናዳን ስደተኛታት ክቕበላ ይደያ?
ቻይናን ጃፓንን ከምኡ’ውን ብዙሓት ሃገራት ስካንዲነቪያ ካብ ቀረባ እዋን ንነጀው ብዝርአ ዘሎ ምንካይ መጠን ወሊድ ከም ዘሻቐለን ክገልጻ ጸኒሐን እየን።
ዓያዪ ጉልበት እናነከየ ብምምጽኡ፡ ዕብየት ቍጠባአን ብኣሉታ ክጽሎ ስለ ዝኽእል ይሰግኣ።
ስለዚ፡ እዚ ኣሜሪካ ዝጀመረቶ ሓድሽ መደብ፡ ልዕሊ ሰብኣውነት ቀንዲ ድርኺቱ ቍጠባዊ እዩ ክበሃል ዶ ይኽእል?
ኣቶ ተኽለሚካኤል በዚ ሓሳብ ብዙሕ ኣይሰማማዕን።
ሃገራት ዜጋታተን ብዕድመ እናኣረጉ፡ መጠን ወሊድ እናነከየ ምኻዱ ሓቂ’ኳ እንተዀነ፡ ከምዚኦም መደባት ግን ብቐንዱ ነዚ ሃጓፍ ንምምላእ እዩ ኢልካ ንምእማን ይድገም።
“ኣብ ካናዳ፡ ስደተኛ ጾር ዝዀነሉ ዕድል ብዙሕ እዩ። ኢትዮጵያውያንን ኤርትራውያንን ህርኩታት ሸቃሎ ስለዝዀኑ ቀልጢፎም ናብ ስራሕ ይኣትዉ’ምበር፡ ኵሎም ሓደ ዓይነት እዮም ማለት ኣይኰነን።”
“ካናዳ ኣብ ዝስዕቡ ዓመታት ሓደ ሚልየንን ፈረቓን ሰባት ክነእቱ ኢና ኢላ። ካብዚ ንስደተኛ ዝተመደበ 15 ሚእታዊት ጥራይ እዩ። ቍጠባዊ ንዝዀነ ጉዳይ እቲ 85 ሚእታዊት እቶም ዘእትዉ ሰባት ይሽፍኑ። ናይ ስደተኛታት ግን ሰብኣውነት እዩ ኢለ እየ ዝሓስብ። ብዙሕ ገንዘብ እዮም እኮ ዘውጽኡሉ” ይብል፡ ኣቶ ተኽለሚካኤል።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







