ሕነ ንምፍዳይ ወሲባዊ ስእልታት ኣፍቃሪቱ ነበር ዝጠቀዐ ውልቀ ሰብ 1.2 ቢልዮን ዶላር ካሕሳ ክኸፍላ ተወሲኑ

ቤት ፍርዲ ቴክሳስ፡ ሕነ ንምፍዳይ ወሲባዊ ስእልታታ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ዝተዘርገሐ ውልቀ ሰብ 1.2 ቢልዮን ዶላር ክትከሓስ ወሲኑ።

እታ ዲኤል ብዝብል ሽም ዝተጠቐሰት ውልቀሰብ፡ ኣፍቃሪኣ ነበር ጾታዊ በደል ከምዘብጸሐላ ዝገልጽ ክሲ ኣብ 2022 መስሪታ።

እቲ ክሲ እቶም መጻምዲ ድሕሪ ምፍልላዮም፡ ኮነ ኢሉ “ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ከዋርዳ” ናይ ዕርቃን ስእልታታ ኣብ ኢንተርነት ከምዝዘርገሖም የመልክት።

ጠበቓታት እታ ከሳሲት እቲ ዝተውሃበ ውሳነ ግዳይ “ብምስሊ ዝፍጸም ጾታዊ ዓመጽ” ንዝኾኑ ሰባት ዓብዪ ዓወት እዩ ኢሎም።

ጠበቓ ብራድፎርድ ጊልድ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ “እቲ ውሳነ ነታ ግዳይ ጽቡቕ ሽማ ዝመልሰላ” ከምዝኾነ ተዛሪቡ።

ዲኤል ኣብ ፈለማ ናይ 100 ሚልዮን ዶላር ካሕሳ ክወሃባ ጠበቓታታ ሓቲቶም ነይሮም።

“እዚ ገዚፍ መጠን ዘለዎ ውሳነ ካልኦት እውን ኣብ ከምዚ ዓይነት ጽዩፍ ተግባር ከይሳተፉ ክከላኸል ተስፋ ንገብር” ኢሉ ጊልድ።

ሰነዳት ቤት ፍርዲ ከምዝሕብርዎ፡ እታ ከሳሲትን ኣፍቃሪኣ ነበርን ኣብ 2016 እዮም ርክብ ጀሚሮም።

ብሓባር ኣብ ዝነበሩሉ እዋን እታ ከሳሲት ናይ ዕርቃንን ወሲባውን ስእሊታት ትልእከሉ ነይራ። ኣብ 2021 ምስተፈላለዩ ግና እቲ ውልቀ ሰብ ነቶም ስእሊታት ብዘይ ፍቓዳ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያን ናይ ወሲብ መርበባትን ዘርጊሕዎም ዝብል ክሲ ቀሪብዎ።

'መራኽቦ' ናይቶም ስእልታት ድማ ናብ ኣዕርኽታን ቤተሰባን ከምዝለኣኸ ተገሊጹ።

ብተወሳኺ ቴሌፎና፣ ናይ ማሕበራዊ ሚድያ ኣካውንታን ኢሜይላን ብምፍታሽን ኣብ ናይ ኣዲኣ ገዛ ብዝርከብ ካሜራ ብምስላልን ተኸሲሱ።

ሓደ ግዘ እቲ ተኸሳሲ “ሙሉእ ዕድመኺ ንባዕልኺ ካብ ኢንተርነት ክተጥፍኢ ላሕ ክትብልን ክኣብየክን ክተሕልፍዮ ኢኺ። ኩሉ ዝረኸብክዮ ሰብ ታሪኽኪ ሰሚዑ ክርእዮ እዩ። ጸቡቕ ኣለሻ” ዝብል መልእኽቲ ከምዝለኣኸላ ተሓቢሩ።

ጠበቓታት እታ ከሳሲት እቲ ኣፍቃሪኣ ነበር “ስነ-ኣእምሮኣዊ በሰላ፣ ዘቤታዊ መጥቃዕትን ጾታዊ ዓመጽን ንምውራድ” ነቶም ስእልታት ከምዝለጠፎም ይገልጹ።

ተኸሳሲ ኣብ ቤት ፍርዲ ዘይተረኸበ ኮይኑ ዝውክሎ ጠበቓ ግን ከምዝነበሮ መራኸቢ ብዙሃን ኣመሪካ ገሊጸን።

ንሱ ነታ ከሳሲት ንዝበጸሓን ኣብ መጻኢ ንዘጋጥማን ስነ-ኣእምሮኣዊ ጉድኣት 200 ሚልዮን ዶላር፡ ንናይ መርኣያ ጉድኣት ድማ 1 ቢልየን ዶላር ክኽሕሳ ተወሲኑ።

ኣብ ኣመሪካ ብዙሕ ሚልዮን ዶላር ካሕሳ ዝተኸፈሎም ተመሳሰልቲ ክስታት ነይሮም።

ኣብ 2018 ሓንቲ ነባሪት ካሊፎርንያ ሰብኣያ ነበር ወሲባዊ ስእልታታ ብዘይ ፍቓዳ ኣብ ናይ ወሲብ መርበብ ሓበሬታ ብምልጣፉ 6.8 ሚልዮን ዶላር ክኽፈላ ተወሲኑ።

ኣብ 2016 ኣስታት 10 ሚልዮን ኣመሪካውያን ግዳያት ሕነ ንምፍዳይ ተባሂሉ ዝፍጸም ምልጣፍ ወሲባዊ ስእሊ ከምዝኾኑ ኣመልኪቶም ነይሮም።

መብዛሕተኦም ካብቶም ግዳያት ኣብ 18 ክሳብ 29 ክሊ ዕድመ ዝርከባ ደቂ ኣንስትዮ ከምዝኾና መጽናዕቲ ይሕብር።

ኣብዝሓ ግዝኣታት ኣመሪካ ኣንጻር ሕነ ንመፍዳይ ተባሂሉ ዝፍጸም ምቅላዕ ወሲባዊ ስእሊታት መቕጽዒ ሕጊ ኣለወን።