እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣብ ቅድሚ ተባዕትዮ ጥርሐን ክዀና ዝተሓተታ ተወዳደርቲ ፅባቐ
ብዙሓት ካብ ሕጹያት ተወዳደርቲ ወይዘሪት ዩኒቨርስ ኢንዶነዥያ ንኣዳለውቲ ብጾታዊ ዓመጽ ዝኸሰሳሉ ጥርዓናት ናብ ፖሊስ ኣቕሪበን።
እተን ተወዳደርቲ ካብቲ ብ 3 ነሓሰ 2023 ዝተኻየደ መዛዘሚ ውድድር ክልተ መዓልቲ ኣቐዲሙ "ኣካላተን ንኽምርመር" ከምኡ’ውን ስእሊ ንኽሰኣላ ብዝብል ኵሉ ናይ ላዕሊ ክዳነን ከውጽኣ ከምዝተሓተታ ሓንቲ ካብ ጠበቓታተን ተዛሪባ።
እቶም ኣዳለውቲ ነተን ደቂ ኣንስትዮ "ኣብ ኣካላተን ዝዀነ በሰላ፣ ዝተሸብሸበ ቆርበት ወይ ውቃጦ ከይህሉ ክምርመራ" ከምዘለወን ምሕታቶም እዩ ዝግለጽ።
ሓንቲ ካብ ተወዳደርቲ ኣብ ዝሃበቶ ርእይቶ፡ "መሰለይ ዝተጋህሰ ኰይኑ ይስምዓኒ" ክትብል ሓቢራ።
"ኣእምሮኣዊ ጽልዋ ኣሕዲሩለይ። ክድቅስ እውን ይጽገም ነይረ" ክትብል ኣብ መጀመርታ ናይዚ ሰሙን ምስ ካልኦት ጥርዓን ዘቕረባ ብምዃን ንማዕከናት ዜና ሓቢራ።
መደበር ተለቪዥን እታ ሃገር ኣብ ዝዘርግሖ ጸብጻብ፡ መንነት ናይተን ከሰስቲ ንምዕቃብ ብዝብል ገጸን ኣደብዚዝዎ ነይሩ።
ንሰለስተ ካብተን ጥርዓን ዘቕረባ ተወዳደርቲ ዝወከለት ጠበቓ ሜሊሳ ኣንግረኒ፡ ካልኦት ብዙሓት’ውን ምስዚ ጉዳይ ብዝተሓሓዝ ክቐርባ ምዃነን ሓቢራ።
ፖሊስ ርእሰ ከተማ ጃካርታ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ተወሳኺ መርመራ ከም ዝገብር ኣፍሊጡ’ሎ።
ወናኒት ናይቲ ነቲ ውድድር ዘካይድ ትካል ‘ወይዘሪት ዩኒቨርስ ኢንዶነዥያ’ ዝኾነት ፖፒ ካፔላ ብወገና ትካላ ነቲ ክስታት ክምርምሮ ምዃኑ’ያ ሓቢራ።
ዓለማዊ ትካል ወይዘሪት ዩኒቨርስ እውን ነቲ ጉዳይ ይምርምሮ ከምዘሎን ንክስታት ጾታዊ ግህሰታት "ብዕቱብ" ቆላሕታ ዝገብረሉ ጉዳይ ከምዝዀነን ገሊጹ።
ኣብታ ሃገር መርመራ ኣካላት ተወዳደርቲ ንቡር'ኳ እንተዀነ፡ ዕርቃነን ክወጽኣ ግን ከምዘይሕተታ ወይዘሪት ኢንዶነዥያ ነበር ማርያ ሃርፋንቲ ትዛረብ።
ሓንቲ ካብተን ጥርዓን ዘቕረባ ተወዳደርቲ ነቲ ፍጻመ ብዝምልከት ኣብ ዝተወሃበ ጋዜጣዊ መግለጺ ከምዝሓበረቶ፡ እቲ መርመራ ኣካላት ኣብ ዕጹው ክፍሊ’ኳ እንተ ተኻየደ፡ ገለ ደቂ ተባዕትዮ ግን ነይሮም’ዮም።
እቲ ማዕጾ ምሉእ ብምሉእ ስለዘይተዓጽወ ድማ ብደገ ዝነበሩ ሰባት ንኽርእይወን ከምዘቃልዐን ወሲኻ ገሊጻ።
ኣብ ኢንዶነዥያ ውድድር ጽባቐ ካብ ነዊሕ እዋን ኣትሒዙ ክካየድ ፍቝድ’ዩ። ግን ድማ ኣዳለውቲ ምስ ዓቃባዊ ባህልታት እቲ ሕብረተሰብ ከይጻብኡ መጠንቀቕታታት ከምዝወሃቦም ይግለጽ።
ኣብ 2013፡ ኣብታ ብብዝሒ ኣስላም ዝነብሩላ ሃገር፡ ውድድር ወይዘሪት ዓለም ኣብ ዝተዳለወሉ እዋን፡ ‘ቢኪኒ’ [ኣዝዩ ረቂቕን መቐመጫ ዘቃልዕን ብታንቲ] ከይገብራ ተሰሪዙ ነይሩ።
ሕጂ ኣብ መበል 73 ዙር በጺሑ ዘሎ ውድድር ‘ወይዘሪት ዩኒቨርስ’ ኣብ ደቡባዊ ምብራቕ ኤስያ ብፍላይ ድማ ኣብ ኢንዶነዥያ፡ ፊሊፒንስን ታይላንድን ዝለዓለ ተፈላጥነት ኣለዎ።
ተዓወትቲ ናይቲ ውድድር ዝዀና ወይዘራዝር ድማ ፍሉጣትን ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ጸለውቲን ይዀና።