ኣብ ዓለማዊ መድረኽ ፋሽን ዝደመቐት፡ ትግራወይቲ ሞዴል መዓርግ-ማጊ

ብደረጃ ዓለም ምስ ዝፍለጡ ኩባንያታት ፍርያት ኣብ ናይ ምልላይ ሞዴሊን ንግዲ ሓቢራ ትሰርሕ። ‘ዘ ባችለር’ - ተባሂሉ ኣብ ዝፍለጥ መጻምድቲ ንዘይብሎም ውልቀ ሰባት ዘራኽብ 'ሪያሊቲ ሾው' እውን እተሳተፈትነባሪት ኣሜሪካ ዶክተር መዓርግ ታረቀ (ማጊ) ድሕረ ባይታኣን ጕዕዞ ህይወታን ንጋዜጠኛ ቢቢሲ ትግርኛ ኣካፊላቶ ኣላ እቲ ዝርዝር እነሆ።

መዓርግኣብ ቍልዕነታ፡ ሓያሎ መሓዙታ ደቂ ገጠር፡ ብዘይ ጫማ፡ ናብ ቤት ትምህርቲ ክመላለሳ ትርእይ ብምንባራ፡ ከቢድ ጓሂ ይፈጥረላ ስለዝነበረ፡ ጥራሕ እግረን ዝኸዳ ደቀንስትዮ ጫማ ንኽህልወን ሓያል ጐስጓስ ኣብ ምክያድ ትርከብ።

ንሳ ከም መብዛሕትኡ ትግራዋይ ቈልዓ ምስ መዛኑኣ ጥሪት እናጓሰየትን እናተጻወተትን ብባህላዊ ክብርታት እቲ ሕብረተሰብ እያ ዓብያ። ኣብ ከባቢኣ ከም እትርእየን ጐራዙ ደቂ ዓዳ መጻኢ ዕጨኣ ምምርዓው ጥራሕ ክኸውን ከምዝኽእል ውሽጣ ይነግራ ብምንባሩ፡ ዕድል ኣብ ዝረኸበትሉ ኣጋጣሚ ካብቲ ዝተወለደትሉ ከባቢ ብምውፃእ ትምህርታ ክትቅጽል ልዑል ባህጊ ነይርዋ።

“ዶክተር ወይ በዓልቲ ሞያ ሕጊ ብምዃን ናብ ዝለዓለ ደረጃ ንኽበጽሕ ብትምህርቲ ክነፍዕ ከምዘለኒ ስለዝኣመንኩ፡ ኣብ ትምህርተይ ትኵርቲ ነይረ። ክሳብ ንከተማ ዓድዋ ብምውካል ከኣ ኣብ መቐለ ናብ ዝተዳለወ ክልላዊ ውድድር ተመሃሮ ክኸይድ በቒዐ ነይረ” ትብል።

ኣብ ዓድዋ ዓዲ ሓቂ ዝተወልደት መዓርግ፡ ካብ 1ይ ክሳብ 8ይ ኣብ ዓዲ ማሕለኻ፡ ካብ 9 ክሳብ 12 ድማ ኣብ ቤት ትምህርቲ ንግስተ ሳባ ተኸታቲላ።

ኣብ ሃገራዊ ፈተና መእተዊ ዩኒቨርሲቲ ፅቡቕ ውፅኢት ስለዘምጽአት ከኣ፡ ናብ ዩኒቨርሲቲ ጎንደር ብምእታው ቀዳማይ ዲግሪኣ ብፋርማሲ ዛዚማ።

ጕዕዞ ናብ ኣመሪካ

ብድሕረ ምረቓኣ፡ ናብ ኣዲስ ኣበባ ብምኻድ ንዝተወሰነ እዋን በቲ ዝተማህረቶ ሞያ ዝሰርሐት ማጊ፡ ኣብ 2011 [ኣ. ኣ] ናይ ኣሜሪካ ዳይቨርሲቲ ቪዛ (ዲቪ) በጺሑዋ ናብታ ሃገር ኣትያ።

ኣብ ኣሜሪካ ብቐሊሉ እዩ ገንዘብ ዝርከብ ዝብል እምነት ዝነበራ መዓርግ፡ ሰሪሓ ኣብ ውሽጢ ሓደ ዓመት ንዓኣ ገዛን መኪናን ንወላዲታ ድማ ገዛ ክትገዝኣላ ሓሳብ ነይርዋ። እንተዀነ ኵሉ ነገር ከምቲ ዝበሃል ቀሊል ኰይኑ ኣይጸንሓን። ኣብ ኣሜሪካ ቀትርን ለይትን እንተዘይሰሪሕካ ናብራ ክትመርሕ ከቢድ ከምዝዀነ ተገንዚባ።

“ናብ ኣሜሪካ ጥራይ ንእቶ እምበር ህይወት ኣይከብድን ኢልና ኢና ንሓስብ። ንዓይ ዘጋጠመኒ ግን ከምኡ ኣይነበረን። ኣሜሪካ ምስ ኣተኹ ኣብ ክልተ ቦታታት እናሰራሕኩ ምሸታዊ እመሃር ስለዝነበርኩ ቀሊል ኣይነበረን” ትብል መዓርግ።

ህይወት ‘ሞዴሊን’

መዓርግ ቆልዓ ኣብ ዝነበረትሉ ናይ ፋሽንን ፅባቐን ኣድናቒት ከምዝነበረት ትዛረብ። እዚ ዓውዲ ኣብ ዓዲ ኮይንካ ክትሰርሓሉ ዘፀግምን ምስ ትምህርቲ ተሳንዩ ዝኸደሉ ዕድል ዝፀበበን ከምዝኾነ’ውን ትገልፅ።

“ኣብ ዓዲ ከለኹ ነዓይ ሓዲኡ ጥራሕ ናይ ምምራፅ ዕድል እዩ ነይሩኒ። ከምኡ ብምዃኑ ድማ ቀዳማይ ምርጫይ ዶክተር ምዃን ስለዝነበረ ንትምህርቲ መሪፀ” ትብል።

ኣብ ኣሜሪካ ግን ንዅሉ ብግዜ ኣዋዲዳ ከተኺዶ ዝሓሸ ዕድል ብምንባሩ “ክሰርሖ ይኽእል እየ!” ኣብ ዝብል መደምደምታ ብምብፃሕ ናብቲ ዓውዲ ተጸምበረት።

ንድልየታ ብትምህርቲን ስልጠናን ከተሐይሎ ብምሕሳብ ድማ፡ ናብ ናይ 'ሞደሊንን ኣክቲንን' ቤት ትምህርቲ ኣተወት።

“ኣብ ናይ ፋሽንን ፅባቐን ዓይነት ሞደሊን እየ ዝሰርሕ። ምስ ብዙሓት ኩባንያታት ሰሪሐን ኣብ ዓበይቲ መጽሔታት ወጺአን እየ። ንኣብነት ኣብ ናይ ፈረንሳይ መጽሔት ‘ቮግ’ ቀሪበ ነይረ። ካብ ዓበይቲ ብራንድ ኩባንያታት ድማ ከም ‘ኒትሮጂና’ን ‘ሰራቪ’ን ሰሪሐ” ክትብል ትጠቅስ።

ምስዚ ሞያኣ ብዝተሓሓዝ ናብ ዝተፈላለያ ሃገራት ካብ ምኻድ ብተወሳኺ ኣብ ዝተፈላለዩ መድረኻት ሞዴሊን ናይ ክብሪ ጋሻን ዳኛን ብምዃን ተሳቲፋ። ኣብ ምምራሕ መድረኽን ምርኢታት ተሌቪዥን እውን ትሳተፍ።

ኣብዚ እዋን ነቲ ናይ ፋርማሲ ስርሓን ናይ ሞደሊን ሞያኣን ኣሳንያ ኣብ ምክያድ ትርከብ። ንባህሊ ትግራይ ዘላልዩ ዓበይቲ መድረኻት ኣብ ምድላው ኣድሂባ ትሰርሕ ምህላዋ’ውን ትዛረብ።

“ጫማይ ጫማኺ”

መዓርግ ብቝልዕነታ ዘሕለፈቶ ህይወት ሓደ ነገር ክተስተብህልን ክትግደሰሉን ዘምሃራ ነይሩ። እቲ ገና ተመሃሪት መባእታ እናሃለወት ኣብ ከባቢአን ቤት ትምህርታን ትርእዮ ዝነበረት ነገር፡ ኣብ መፃኢ ጕዕዞኣ ዓቢይ ሓላፍነት ክትስከም እዩ ኣበጊስዋ።

“ኣብ ቍልዕነትና ንዓመት ሓንቲ ጫማ ጥራሕ’ያ ትወሃበኒ ነይራ። እታ ጫማ [ጎማ ብምዃና ምስተበተኸት] ሓፂን ኣርሲንና ስለእነልሕማ፡ እንተወሓደ ንፍርቂ ሰሚስተር ተገልግለኒ ነይራ። ኣነ ሓንቲ ጫማ ሒዘ ብዙሓት መሓዙተይ ግን ኣይነበረንን” ክትብል ተማሃሪት 5ይ ክፍሊ እንከላ ጸገም ጫማ ደቀንስትዮ ንምቅላል ምስ ነብሳ ቃል ከምዝኣተወት ትዛረብ።

ናብ ኣሜሪካ ምስ ኣተወት ነዊሕ ከይፀንሐት እቲ ገና ኣብ ግዜ ቍልዕነታ ዝኣተወቶ ቃል ንዘይምዕባር ኣብ 2015 [ኣ. ኣ] ንጽጉማት ጫማ ናይ ምቕራብ ሰናይ ተግባር ክትሰርሕ ጀመረት። ነዚ ተግባራ ግን ኣቐዲማ ብሓደ ሃይማኖታዊ ኣቦኣ ኣቢላ እያ ፈሊማቶ።

“ኣብ ዓድዋ ከለኹ ኣብ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ‘ፋዘር ቲኖ’ ዝበሃሉ ሃይማኖታዊ ኣቦ ነይሮምኒ። ኣብ መዓልቲ ልደተይ ገንዘብ ይህቡኒ ነይሮም። ናብዚ ዓዲ ምስ መፃእኩ ግን እቲ ገንዘብ ከምዘየድልየኒ ነጊረዮም። ‘እቲ ነዓይ ትህቡኒ ዝነብርኩም ገንዘብ ጫማ ገዚእኩም ንዝተፀገማ ሃቡለይ’ ኢለዮም” ብምባል ንኣጀማምራ ናይ ሰናይ ተግባር ስርሓ ተረድእ።

እቶም ሃይማኖታዊ ኣቦኣ ድማ ንመዓልቲ ልደታ ዝህብዋ ዝነበሩ ገንዘብ ጫማ እናዓደጉ ንዝተፀገማ ደቀንስትዮ ጫማ ብምዕዳግ ይህቡላ ነይሮም።

ኣብ 2015 ግን ‘ዎክ ዊዝ ሚ’ [ምሳይ ሰጕሙ] ዝብል ስያመ ዝሃበቶ ምንቅስቓስ ግብረ ሰናይ ብወግዒ ጀመረት። ካብ እትረኽቦ ኣታዊ ይዅን ካልኦት ዝተሓባበርዋ ኣካላት ካብ ዝህብዋ ገንዘብ ጫማታት ብምዕዳግ ንዝተፀገማ ክተብጽሕ ከኣለት።

ድሕሪ ቅሩብ እዋን፡ እቲ ‘ዎክ ዊዝ ሚ’ ዝበለቶ ምንቅስቓስ ግብረ-ሰናይ ስሙ ብኻልእ ትካል ከምዝተመዝገበ ስለዝተሓበራ፡ ንስም ትካላ ‘ማይ ሹዝ ዩር ሹዝ’ [My Shoes Your Shoes – ‘ናተይ ጫማ ናትኪ ጫማ’] ብዝብል ቀይራ ነቲ ስራሕ ኣጠናኺራ ቀፀለትሉ።

“‘ናተይ ጫማ ናትኪ ጫማ እዩ‘ ዝብል ስም ብጣዕሚ እየ ፈትየዮ። ‘ማይ ሹዝ ዩር ሹዝ’ ንመኽሰብ ዘይሰርሕ ትካል ኰይኑ ጫማታትን ካልኦት ናውቲ ትምህርትን ኢና ብሓገዝ መልክዕ ነቕርብ። ኣብ ዝዀነት ትዅን ድኻ ሃገር ንዘለዉ ጽጉማት ቈልዑ ምሕጋዝ’ዩ ዕላማና” ትብል መዓርግ።

ነቲ ሰናይ ስራሕ ካብቲ ተወሊዳ ዝዓበየትሉን ብዙሓት ማሕበራዊ ፀገማት ዝረኣየትሉን ዓድዋን ከባቢኣን ሓገዝ ብምቕራብ ዝጀመረቶ ኰይኑ፡ ክሳብ ኣብ ክልል ደቡብ ኣዳሚ ቱሉ ኣብ ዝበሃል ከባቢ ሓገዝ ጫማ ኣቕሪባ’ያ። እቲ ሓገዝ ናብ ኣብያተ ትምህርቲ ክበፅሕ እያ ትገብር።

በዚ ምንቅስቓስ ግብረ-ሰናይ፡ ኣብ ኣፍሪቃን ህንድን ንዝርከቡ ጽጉማትን ኣብ ካልኦት ከባብታት ዓለም ንዘለዉ ሓገዝ ንምብፃሕ ዘኽእል ውጥን ሒዛ ኣብ እትንቀሳቐሰሉ እዋን፡ ክልተ ዓበይቲ ክስታታት ማሕለኻ ከምዝዀኑዋ ትዛረብ።

ምስ ብዙሓት ለገስትን ተሓባበርትን ተዘራሪባ ነቲ እተቕርቦ ሓገዝ ክተስፍሕ ኣብ እትሰርሓሉ እዋን፡ ዓለማዊ ለበዳ ኮሮና ቫይረስ ከምኡ ድማ ኲናት ትግራይ ዓበይቲ ብድሆታት ኰይኖምዋ።

ግን ድማ በዚ ከይተሰናኸለት ሎሚ’ውን ብሰፊሕ ክትሰርሓሉ ዓቕምታታ ኣብ ምውዳብን ተሓባበርቲ ኣካላት ኣብ ምትእልላሽን ትርከብ።

“ሓሳበይ ጫማ ምቕራብ ጥራሕ ዘይኮነ ናውቲ ትምህርቲ፡ መግብን መጽለልን ምቕራብ እዩ” ትብል።

‘ዘ ባችለር’ - ሪያሊቲ ሾው

‘ዘ ባችለር’ ኣብ ኣሜሪካ ዝዓዪ ናይ ተሌቪዥን ‘ሪያሊቲ ሾው’ [ኣብ ሓቃዊ ትግባራት ዝተደረኸ ምርኢት] ኰይኑ፡ መጻምዲ ወይ ኣፍቃሪ ዘይብሎም ውልቀሰባት እናቐረበ መፃምዲ ዝረኽቡሉ መድረኽ ዝፈጥር እዩ።

ሞዴል መዓርግ እውን ቅድሚ ምጅማር ኲናት ትግራይ ኣብ ዝነበረ እዋን ናብቲ ውድድር ኣትያ ነይራ።

“ናብቲ ውድድር ዝኣተኹሉ ኣጋጣሚ እቶም ተሳተፍቲ ዝሓርዩ ኣዳለውቲ ምስሓተቱኒ እዩ። ሓሲበሉ ዝፈልጥ ዓይነት ውድድር ኣይኮነን” ክትብል ነቲ ዝነበረ ኵነታት ተረድእ።

እቶም ኣዳለውቲ ምስ ሓተትዋ ንዘቕረቡላ ዕድመ ብቐጥታ ከምዘይተቐበለትን ምስ መሓዙታ ከም እተመኻኸረትሉን ትዛረብ።

ሽዑ መሓዙታ “ፈትንዮ፣ እንታይ ፀገም ኣለዎ” ምስበላኣ ክትሳተፍ ብምውሳን ከኣ ናብቲ ኣብ ዕጹው ቦታ ዝካየድ ውድድር ክትፅምበር ከኣለት።

“ፍልይ ዝበለ ነገር ምፍታን፡ ሓላፍነት ወሲድካ ምፅዓር እፈቱ እየ። ከምኡ ስለዝኾነ እውን ናብቲ ውድድር ክኣቱ ወሲነ” ክትብል ትዝክር።

ኣስዒባ “ምናልባት ብመንጽር ባህልና ክረአ እንከሎ ፍልይ ዝበለ ነገር እዩ ዝኸውን። ኣባና ዘሎ ልምዲ እቲ ወዲ ነታ ጓል ንፍቕሪ ክሓታ እምበር፡ እታ ጓል ከይዳ ክትሓትት ንቡር ኣይኮነን። በዚ ምኽንያት ናብቲ ውድድር ምስ ኣተኹ ቅሩብ ከቢዱኒ ነይሩ” ክትብል ነቲ ኵነታት ተረድእ።

ናብቲ ውድድር ምስ ኣተወት ጽቡቕ ግዜ ክተሕልፍን ብዛዕባ ድሕረ-ባይታኣ፣ ባህላን ካልኦት ነገራትን መልእኽቲ ክተብፅሕን ወሰነት።

[ኣብቲ ንሳ ዝተሳተፈትሉ ኣጋጣሚ ሓደ ወዲ ተባዕታይ ካብ ብዙሓት ደቀንስትዮ ንሓንቲ መፃምዲ መሪፁ ዝወፅኣሉ ውድድር እዩ ነይሩ]

“ንባህለይን ስብእናይን ክብሪ ዝህብ ሰብ እየ። ስለዚ ናብቲ ሾው ምስኣተኹ ነቲ ዕድል ክጥቀመሉ መሪፀ። ኣብቲ ውድድር ምስኣተኹ ነቲ ዘዕበየኒ መንነተይ ክስእን ኣይደለኹን። እቲ ‘ባችለር’ [መፃምዲ ዝመርፅ ዝነበረ ሰብ] ንባህለይ ፈትይዎ ነይሩ። ብባህላዊ ስርዓትና ቡን ኣፍሊሑ ኣስትዩኒ። ብዛዕባ ባህለይን ተወሊደ ዝዓበኹላ ዓድዋን ክፈልጥ ድልየት ነይርዎ። ብሓፈሻ እቲ ውድድር ንባህለይን መንነተይን ከፋልጥ እየ ተጠቒመሉ” እትብል መዓርግ ካብቲ ውድድር ብኣጋ ከምዝወፅአት ተዛሪባ።

ልቢ ዝሰብር ዜና!

መዓርግ፡ ካብ ምርኢት ተሌቪዥን ‘ዘ ባችለር’ ምስ ወጽአት ብዛዕባ እቲ ኣብኡ ዝነበራ ጻንሒት ንወላዲታን ኣሕዋታን ክትነግር ስልኪ እንተደወለት ኣይሰርሓላን።

ኣብቲ ውድድር ስልኪ ምሓዝን ምጥቃምን ስለዘይፍቀድ ዝዀነ ይዅን ሓበሬታን ፍጻመታት ዓለምን ናይ ምክትታል ዕድል ኣይነበራን። ዳሕራይ ንመሓዙታ ምስ ሓተተት ግን ትግራይ ኲናት ከምዝተወልዐ ዘሰምብድ ዜና ነጊሮማ።

“ብጣዕሚ ሰንቢደ ‘እንታይ ትብሉ? ከመይ ኢሉ?’ ኢለዮም። ልበይ ክትጠልመኒ ኢላ፤ ኣእዳወይ ተንቀጥቂጦም፤ ናብ ስራሕ ክኸይድ እውን ኣይከኣልኩን” ትብል።

“እታ ነቲ ዜና ዝሰማዕኩላ መዓልቲ ኣብ ህይወተይ እታ ዝሓሰመት ነይራ። ምትንፋስ ከጸግመኒን መግቢ ምብላዕ ክኣብየኒን ጀሚሩ” ክትብል ‘ውን ወሲኻ ትገልፅ።

ምዕባለ እቲ ኲናት ካብ መዓልቲ ናብ መዓልቲ እናበኣሰ ክኸይድ ከሎ ጭንቀትን ሓዘንን መዓርግ ብዝያዳ እናወሰኸ ከደ። ‘ቤተሰብ ዳግማይ ዝርእየሉ ዕድል ይህሉዶ ይኸውን?’ ዝብል ሕቶ ኣብ ውሽጣ ተፈጠረ።

ኣብቲ እትሰርሓሉ ትካል ፋርማሲ ከይተረፈ መዓልታዊ ትበክን ትጭነቕን ምንባራ እትገልፅ ማጊ፡ “ኣብ ቦታ ስራሕ ኰይነ ክበኪ ከለኹ መሳርሕተይ ምሳይ ይጭነቓ ነይረን። ለይቲ ካብ ድቃሰይ ባህሪረ ምትሳእ ልሙድ ኰይኑ” ትብል።

“እቲ ዝተሳተፍኩሉ ሪያሊቲ ሾው ቀረፃ ክሳብ ዝውድእ ዝዀነ ይዅን ቃለ-መሕትት ከካይድ ኮነ ኣብ ናይ ውልቀ ማሕበራዊ መራኸብታት ክጽሕፍ ውዕለይ ስለዘየፍቅደለይ ድማ፡ ብማዕከናት ዜና ቀሪበ ወይ ብማሕበራዊ ሚድያ ብዛዕባ እቲ ኣብ ትግራይ ዘሎ ክዛረብን ክፅሕፍን ዘይምኽኣለይ ብጣዕሚ ጐዲኡኒ ነይሩ” ክትብል ንዘሕለፈቶ ኵነታት ትዝክር።

መዓርግ፡ ኲናት ትግራይ ካብ ዝጅመር [ጥቅምቲ 25/2013 - ግእዝ] ድሕሪ ሰለስተ ወርሒ ኣብ መዛዘሚ ወርሒ ጥሪ እያ ደሃይ ስድራኣ ክትሰምዕ ዝኸኣለት።

“ሽዑ ምንኣስ ሓወይ ናብ ሱዳን ከምዝተሰደደ ተነጊሩኒ፤ ዝፈልጠን ጐረባብትና ደቀን ከምዝተቐተሉ ፈሊጠ። ድምፂ ስድራይ ክሰምዕ ምኽኣለይ'ኳ እንተሐጐሰኒ፡ ሓወይ ንነብሱ ከድሕን ናብ ሱዳን ምውፅኡ፡ ጥምየት ምህላዉ፡ ብዙሓት ሰባት ከምዝተቐተሉ ኣደይ ምስነገረትኒ ግን ብጣዕሚ ሓዚነ” ብምባል እቲ ኵነታት ዝፈጠረላ ስምዒት ገሊጻ።

ኣስዕብ ኣቢላ ድማ “ንኣደይ ንግሆ ኣዛሪበ ምሸት ዝስእና፤ ምሸት ኣዛሪበያ ድማ ንግሆ ዘይረኽባ ኰይኑ ስለዝስምዓኒ ይጭነቕ ነይረ። ምስ ቤተሰብ ብስልኪ እናዛረብክዎም ድምጺ ተዅሲ ይሰምዕ ነይረ። ኣብዚ ምሳይ ዝነብሩ ብዙሓት መሓዙተይ ሞት ስድራኦምን መቕርቦምን ይርድኡ ነይሮም'ዮም" ትብል።

ጉዳይ ስድራኣ ጥራሕ ዘይኮነስ ብሓፈሻ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝወረደን ዝወርድ ዘሎን ኵነታት ቅሳነት ከምዝኸልኣ እትዛረብ መዓርግ፡ ኣብ ናይ ፋርማሲ ስርሓን ናይ ሞደሊን ሞያኣን ጽልዋ ከምዘሕደረላ ትዛረብ።

“ህይወተይ ብጣዕሚ ተቐይሩ'ሎ። ተፃዋቲትን ንፍዕትን ዝነበርኩ ሎሚ ግን ከምኡ ከምዘይኮንኩ ይስምዓኒ። ብርግፅ ሎሚ’ውን ብርትዕቲ እየ። ካብዚ ስምዒት ንምውጻእ እፍትን ኣለኹ። ኲናት ካብ ዝጅመር ንደሓር መዓልታዊ ሓዘንን ጭንቀትን ብምህላዉ ግን ህይወተይ ምሉእ ብምሉእ ተቐይሩ’ዩ” በሃሊት’ያ ፋርማሲስትን ሞደሊስትን መዓርግ።

እቲ ኲናትን ሳዕቤናቱን ብሰንኪ ዘሕደረላ ፅልዋ ካብ ስርሓን ሞያኣን ክትርሕቕ ተገዲዳ ከምዝነበረት ብምሕባር፡ “ደው ኣቢለ ነይረ። ሕዚ ግን ይቕፅሎ ኣለኹ። ነገራት ንኸስተንትን ግዜ ወሲዱለይ እዩ። ነቶም ኣብ ሽግር ዘለዉ ቤተሰበይን ህዝበይን ተስፋ ክዀኖም እንተዀይነ ክብርትዕ ከምዘለኒ ስለዝተገንዘብኩ ብሓገዝ ፈጣሪ ናብ ስራሕ ተመሊሰ” ትብል።

ኣብ ከምቲ ንሳ ዝነበረትሉ ስምዒትን ሓዘንን ዝርከቡ ተጋሩ ነንባዕላቶም ብምትሕግጋዝን ጸገሞም ምስ ሰባት ብምዝርራብን ናብ ንቡር ህይወቶም ክምለሱ ተማሕጺና።