ማክዶናልድስ፡ ኣብቲ ትካል ዘሎ ጾታውን ዓሌታውን ጉድ እንታይ እዩ?

ኣብ ዝተፈላለዩ ጨናፍር ትካል ምግቢ ማክዶናልድስ ዓባይ ብሪጣንያ ዝሰርሑ ልዕሊ 100 ክሳብ ቀረባ ኣብቲ ትካል ዝነበሩን ዘለዉን ሰራሕተኛታት፡ ኣብቲ ትካል መርዛም ልምዲ ጾታዊ ጥቕዓት፡ ምስርጣይ፡ ዓሌታውነትን መድሃልትን ከምዘሎ ከሲሶም።

ዕድመኦም ካብ 17 ዓመት ዘይሓልፍ ከይተረፈ ኣካላዊ ምትንኻፍን ምስርጣይን ከምተዝፈጸሞም ቢቢሲ ዝረኸቦ ሓበሬታ የረድእ።

ዩኬ ኢኳሊቲ ዋችዶግ ዝተባህለ ንፍትሒ ዝሰርሕ ትካል፡ ብርኽበት ቢቢሲ ኣዝዩ ከምዝተሻቐለን ሓሳብ ዝቕበለሉ መስመር ኢመይል ከምዝኸፍትን ኣፍሊጡ ኣሎ።

ማክዶናልድ ብግደኡ "ሓላፍነተይ ኣይተዋጽእኩን" ከምኡ ድማ "ዓሚቝ ይቕረታ ይሓትት" ኢሉ።

ብተወሳኺ ኵሎም ሰራሕተኛታት ውሑስ፡ ክብሪ ዘለዎን ንዅሉ ዝምቹን ናይ ስራሕ ከባቢ ከምዝግበኦም ገሊጹ።

ማክዶናልድስ ሰራሕተኛታቱ ካብ ጾታዊ መጥቃዕቲ ንምክልኻል ምስ ኮምሽን መዓርነትን ሰብኣዊ መሰላትን ኣብ ዝተፈራረመሉ ዝሓለፈ ለካቲት እዩ ቢቢሲ ንኵነታት ስራሕ እቲ ትካል ምምርማር ጀሚሩ።

ኣብቲ እዋን እቲ ትካል ጽቡቕ ድሕረ ባይታ ከምዘለዎ እኳ ገሊጹ እንተነበረ፡ ቢቢሲ ዝረኸቦ መረዳእታ ግን ዝተፈለየ ምስሊ ዘርእይ እዩ።

ቢቢሲ ካብ ዘዘራረቦም ልዕሊ 100 ሰባት፡ 31 ምስ ጾታዊ መጥቃዕቲ፡ 78 ምስ ጾታዊ ምስርጣይ፡ 18 ምስ ዓሌታውነትን 6 ምስ ጽልኣት ሕደ ጾታውነት ዝተተሓሓዙ ክስታት ኣቕሪቦም።

(መጠንቀቕታ፡ እዚ ጽሑፍ ዝርብሽ ትሕዝቶ ኣለዎ)

ቢቢሲ ካብ ዝሰምዖም ክሲታት

  • ኣብ ቸሻየር ሓንቲ ጓል 17 ዓመት ሰራሕተኛ፡ ብ 20 ዓመት ዝዓብያ ሰራሕተኛ ዓሌታዊ ቃል ከምዝተዛረባን ብልዕቱ ከርእያ ከምዝሓተታን፤ ብተወሳኺ ምስኣ ሓደ "ጸሊምን ጻዕዳን" ቈልዓ ክወልድ ከምዝደልን ተዛሪብዋ
  • ሓንቲ ኣብቲ ትካል ሰራሕተኛ ዝነበረት፡ ጓል 17 ዓመት እናሃለወት ሓደ ላዕለዋይ ሓላፊ ጎረሮኣ ከምዝሓነቓን መቐመጫኣ ከምዝሓዛን ተዛሪባ። ሓደ መራሒ-እብረ [ሽፍት] እውን ጾታዊ ስእሊታት ከምዝለኣኸላ ገሊጻ።
  • ኣብ ሃምሻየር ሓደ ኣካያዲ ስራሕ ንሓደ ወዲ 16 ዓመት ጾታዊ ተግባር ክፍጽምን ብለውጢ ድማ ናይ ኤሌክትሪክ ሽጋራ ክህቦ ከምዝሓተቶን ተዛሪቡ።
  • ኣብ መንጎ ሰራሕተኛታት ጾታዊ ርክብ ልሙድ ኣብ ዝነበረሉ፡ ሓደ ጨንፈር ሰሜናዊ ኣየርላንድ ዘጋጠመ ለበዳ ሕማም ጅግል
  • ዓሌታዊ ቃላት ከም መጸውዒ ዝተጠቐሙሎም፡ ጾታዊ ርክብ ክፍጽሙ ጸቕጢ ዝተገበረሎም ሓደሽቲ ሰራሕተኛታት፡ ብላህጃኦም ዝተሓጨጨሎምን ወዘተ ይርከቡዎም።

ኣብ ብዙሐት ከባቢታት ዝነበሩ ሓለፍቲ ማክዶናልድስ ነቲ ጾታዊ መጥቃዕቲ ተሓተትቲ ከምዝዀኑ ሰራሕተኛታት ይገልጹ።

ላዕለዎት ሓለፍቲ ቅረታ ክቐርበሎም እንከሎ፡ ስጕምቲ ከምዘይወስዱ እውን ይኽሰሱ።

በቲ ትካል ዝተኸልከለ፡ ኣብ መንጎ ላዕለዎት ሓለፍትን ታሕተዎት ሰራሕተኛታት ዝግበር ፍቕራዊ ርክብ እውን ብሰፊሑ ከምዘሎ ይሕብሩ።

ማክዶናልድስ፡ ኣብ ብሪጣንያ ብዙሓት ሰራሕተኛታት ካብ ዝቘጸሩ ውልቀ ትካላት እዩ። እቲ ቅልጡፍ ምግቢ ዘቕርብ ትካል፡ ኣብ 1450 ሬስቶራንትታት ልዕሊ 170 ሽሕ ሰራሕተኛታት ኣለዉዎ።

እቶም ሰራሕተኛታት ድማ ካብቶም ብዕድመ ዝነኣሱ ሰራሕተኛታት እታ ሃገር እዮም። ሰለስተ ርባዕ ሰራሕተኛታት ካብ 16 ክሳብ 25 ዕድመ ኰይኖም ንመብዛሕትኦም ፈላማይ ስርሖም እዩ።

መብዛሕትኦም ሰራሕተኛታት ብቐጥታ በቲ ትካል ዘይኮነስ ብመልመልቲ ትካላት ዝቝጸሩ እዮም።

‘ብፍርሒ እየ ናብ ስራሕ ዝኸይድ’

ሸልቢ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ በርክሻየር ስራሕ ክትጅምር እንከላ ጓል 16 ዓመት ነይራ።

ዓበይቲ ደቂ ተባዕትዮ ሰራሕተኛታት እቲ ትካል፡ ዝተጻበበ ክሽነ ምኽንያት ብምግባር ንደቂ ኣንስትዮ ብዘይግቡእ ከምዝተናኽፉወን ትዛረብ።

"ከብድኻ፡ መዓንጣኻ፡ መቐመጫኻ ይሕዙኻ።"

ብፍላይ ሓለፍቲ መንእሰያት ከይንቐርቦ "ዘጠንቅቝና" ሓደ ኣብ ክሊ ዕድመ 50ታት ዝርከብ ሰብኣይ እትብል ሸልቢ፡ ሓደ መዓልቲ ብድሕሪታ መጺኡ ጎቲቱ ናብ ረቃቒቶኡ ከምዘጸገዓ ትገልጽ።

"ደሪቐ ተሪፈ፤ ቀፊፉኒ" ትብል።

ብዛዕባ እቲ ክስተት ንሓለፍቲ ዘፍለጠት ሸልቢ፡ ዝተወሰደ ስጕምቲ ከምዘየለ ትገልጽ። ስራሕ ንምልቃቕ ኣብ ዝጸሓፈቶ ኢመይል እውን "መርዛም ናይ ስራሕ ከባቢ" ከም ምኽንያት ኣቐሚጣ።

በቲ ሸልቢ ዝሓለፈቶ ኵነታት ከምዝሓዘነ ዝገለጸ ማክዶናልድስ፡ ኣብቲ እዋን ዘቕረበቶ ቅረታ ንምንታይ ከምዘይተመርመረ ክግምግም እየ ኢሉ።

ኣካየድቲ ስራሕ ከምዘይረኣዩ ስቕ ይብሉ

ቢቢሲ ዘዘራረቦም ከም ሸልቢ ዝበሉ ብዙሓት ሰራሕተኛታት፡ ናብ ሓለፍቲ ዘቕርብዎ ክሲ ጾታዊ መጥቃዕትን ምትንዃያትን ሸለል ከምዝበሃል ይገልጹ።

ኣብ ቺሻየር እትሰርሕ ጓል 17 ዓመት ቸንየረ፡ ሓደ ብዕድመ ኣዐርዩ ዝዓብያ ሰብኣይ፡ ዓሌታውን ጾታውን መጥቃዕቲ ምስ ፈጸመላ፡ ንሓንቲ ዝምልከታ መሳርሕታ ነጊራታ። ንሳ ግን ንተግባር እቲ ሰብኣይ ሸለል ኢላ ናብ ስራሓ ክትቅጽል ተዛሪባታ። ድሕሪ ንኣዋርሕ ዝቐጸለ ምትንዃይ እቲ ዛዕባ ንሰብኣይ ኣደኣ ስለዝነገረቶ፡ ሰብኣይ ኣደኣ ናብ ዋና ቤት ጽሕፈትን ፖሊስን ጥርዓን ኣቕሪቡ።

እቲ ሰብኣይ ካብ ስራሕ ተሰጒጉ፤ ቸንየረ፡ ሰብኣይ ኣደኣ ጣልቃ እንተዘይኣቱ ዝኾነ ለውጢ ኣይምመጽአን። ማክዶናልድስ ነቲ ዝተፈጸማ ተግባር "ጽዩፍን ተቐባልነት ዘይብሉን" ብምባል ይቕረታ ሓቲቱ።

ካልእ ኣብ በርሚንግሃም እትሰርሕ ድማ ኣብ 19 ዓመታ ሓደ መሳርሕታ ከምዝወቐዓን፡ ዋላኳ እቲ ተግባር ኣብ ካሜራ ዝተቐረጸ እንተዀነ፡ ስቕ ኢላ ምስኡ ክትሰርሕ ከምዝተገደደትን ብዝፈጠረላ ዘይምቹእ ስምዒት ስራሕ ከምዘቋረጸትን ትዛረብ።

ብዙሓት ሰራሕተኛታት ድማ ተመሳሳሊ ክሲ ኣብ ላዕለዎት ሓለፍቲ ኣብ ዝለዓለሉ ኣክንዲ ምብራር ናብ ካልእ ቦታ ከምዝቕይርዎም ይኸሱ።

ማክዶናልድስ ኣብ መላእ ዓለም ምርመራ ይግበረሉ ኣሎ። ኣብ ኣመሪካ ሰራሕተኛታት ሚልዮናት ዶላራት ዝጠለቡሉ ክሲ ጾታዊ ዓመጽ ቀሪብዎ ኣሎ።

ላዕለዋይ ፈጻሚ ማክዶናልድስ ዝነበረ ስቲቭ ኢስተርብሩክ፡ ምስ ሰራሕተኛታት ኣብ ድልየት ዝተመስረተን በቲ ትካል ክልኩል ዝኾነን ጾታዊ ርክብ ነይርዎ ብዝብል ኣብ 2019 ካብ መዝነቱ ተሰጕጉ።

እቲ ትካል ቅድሚ ሓሙሽተ ዓመት እዩ ፈላማይ ክሲ ጾታዊ ዓመጽ ቀሪቡሉ ነይሩ፤ ኣብቲ እዋን ልዕሊ 1000 ቅረታታት ዝቐረበ ኰይኑ፡ ገሊኦም ብምስጢር ክፍትሑ ስለዝተገበረ ግን ብዙሕ ሸፈነ ኣይረኸበን።

ሓላፊት ማሕበር ሰራሕተኛታት ምግቢ ሳራ ዉሊ፡ በቲ ቢቢሲ ዘቕረቦ ጸብጻብ ከምዝሰንበደት ገሊጻ።