እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣብ ኢትዮጵያ ደቂ ኣንስትዮ ጋዜጠኛታት ዝበጽሐን ጾታዊ መጥቃዕቲ
ኣብ 20ታት ክሊ ዕድመ እትርከብ እድላዊት፡ ህይወት ጋዜጠኛነት ኣሃዱ ኢላ ካብ እትጅምሮ ሓደ ዓመት'ውን ኣይመልኣን።
እዚ ሞያ ገና ሓደ ኢላ ክትጅምሮ እንከላ ግን ፈተነ ጾታ መሰረት ዝገበረ መጥቃዕቲ ኣጓኒፉዋ።
[እድላዊት ሓዊሱ ኣብዚ ዛንታ ታሪኸን ዝተጠቕሰ ኵለን ደቂ ኣንስትዮ ጋዜጠኛታት መንነተን ክግለጽ ስለ ዘየፍቀዳ ሽመንን መለለይአንን ተቐይሩ ኣሎ]።
ንሓደ ስራሕ ካብ ኣዲስ ኣበባ ናብ ሓደ ክልል ከም ዝኸደት እትዛረብ እድላዊት፡ ኣብ ሞያ ጋዜጠኝነት ቀትሪ ዝኣከብካዮም ሓበሬታታት ምቅይያር፣ ካሜራን ካልእን ተዋሒስካ ንስራሕ ምውፋር ዝተለመደ ስለ ዝኾነ፡ ምሸት ሰዓት 3፡00 [ኣቆጻጽራ ኢትዮጵያ] ዝተዃሕኵሐ ማዕጾ ገዛኣ ንምኽፋት ኣየማትአትን።
ይዅን'ምበር፡ ኣብ ጸቕጢ ኣልኮል ዝነበረ ካልእ ጋዜጠኛ ናብቲ ክፍላ ብምእታው ጾታዊ መጥቃዕቲ ንኽፍጽም ከም ዝፈተነ ትዛረብ።
"እቲ ዝነበረ ኵነታት ስለ ዘይተረድአኒ፡ ቀስ ኢለ ከም ዝረጋጋእ ብምግባር ካብ ክፍለይ ክወጽእ ገይረ፡" ትብል።
እንተኾነ ብዘይፍቓዳ ስዒሙዋን ተቓሊስዋን እዩ።
ኣብቲ ኢንዳስትሪ ንነዊሕ ዓመታት ዝሰርሐት ሃና'ውን እንተኾነት፡ መሳርሕታ ብዘርእይዎም ናይ ቃላት መጥቃዕቲ፡ ከምኡ'ውን ብስራሕ ካብ እትረኽቦም ሰባት ከም ዘጋጠማን ሕጂ'ውን ዝቐጸለ ከም ዝኾነን ትዛረብ።
ሓበሬታ ንምርካብ ኣጥቢቓ ክትሓትት እንተርእዮምዋ ድማ "በዚ ኣተሓሕዛኺ ንስኺ ደው ኢልኪ ኢኺ ክትተርፊ፡" ዝብሉ ርእይቶታት ከም ዝበጽሕዋ ትገልጽ።
ዓለምለኸ ማሕበር ሓተምቲ ዜና ኣብ መፋርቕ'ዚ ዓመት ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ፡ ኣብቲ መጽናዕቲ ካብ ሞንጎ ዝተሳተፋ ደቂ ኣንስትዮ ጋዜጠኛታት እተን 41 ሚእታዊት ኣብ ናይ ስራሕ ቦታ ብቐጥታን ብተዘዋዋርን መጥቃዕቲታት ከም ዝበጽሑወን ገሊጸን።
13 ሚእታዊት ደቂ ተባዕትዮ ድማ ግዳያት ጾታዊ መጥቃዕቲ ከም ዝኾኑ ዝገልጽ እቲ ማሕበር፡ ብጠቕላላ 30 ሚእታዊት ዝኾነ ይዅን ጋዜጠኛ ግዳይ ጾታዊ መጥቃዕቲ ከም ዝኾነ የመልክት።
ብቓላት ዝጅምሩ መጥቃዕቲታት
ቢቢሲ እዚ ጸብጻብ ንምስራሕ ዘዘራረበን ደቂ ኣንስትዮ ጋዜጠኛታት ከም ዝበላኦ፡ እቲ ሞያ ካብ ዝጀመራሉ ግዜ ኣትሒዙ፡ ኣብ ቦታ ስራሐን ዝተፈላለዩ ምኽንያታት ብምቕራብ፣ ካብኡ ሓሊፉ ድማ ብምፍርራሕን ጉልበት ብምጥቃምን ኣካላዊ መጥቃዕቲ ገጢሙወን'ዩ።
እዚ፡ ብሕጊ ኣስራሕን ሰራሕተኛን እታ ሃገር ዝተኸልከለ እዩ።
ካብ ፍቓድ ዝዀነ ሰብ ወጻኢ ብዘረባ፡ ብምልክት ወይ ብኻልእ መንገዲ ወሲባዊ ትንኮያ ምርኣይ፡ ንወሲባዊ ተግባር ፍቓደኛ ክኸውን ጸቕጢ ምግባር እዩ ክብል ይድንግግ።
እዚኦም ናይ ሓይሊ ተግባር ክውሰኾም እንከሎ ድማ ፈተነ ጾታዊ መጥቃዕቲ ከም ዝበሃል ይሕብር።
ከምዚኦም ዝበሉ መጥቃዕታት፡ ቁጠባዊ [ገንዘባዊ] ሽፋን ገይሮም ዝመጽኡ ምዃኖም እተን ጋዜጠኛታት ይዛረባ።
"ንምንታይ ናብ ቴሌቪዥን ዘየመልከተኪ። ነዚ ዝመስል መልክዕ ሒዝክስ ክትሕብኢ? ናይ መድረኽ ስራሕ ኣሎ ከስርሐኪ'የ፤ ስራሕኪ ከቕልለልኪ'የ" ዝብሉ መታለልቲ ዘረባታት ሽፋን ዝገበሩ ትንኮያታት ብፍላይ ካብ ኣሕሉቕ ከም ዝመጽኡ ሃና ትዛረብ።
እዞም መጥቃዕታት ሪፖርት ይግበሩ'ዶ?
ሃሴት ኣብ እትሰርሐሉ ሓደ መራኸቢ ብዙሃን፡ ንሳን መሓዛኣን ብዘጋጠመን ጾታዊ ትንኮያ ካብቲ ትካል ወጺአን እየን።
እቲ ካብ ናይ ቐረባ ሓለፍተን ዝበጽሐን ጾታዊ ትንኮያ ንላዕለዎት ሓለፍቲ ክፍልጣ እንከለዋ፡ ኣክንዲ መፍትሒ ተመሳሳሊ መጥቃዕቲ ስለ ዝቐጸለ ስራሐን ንምግዳፍ ከም ዝተገደዳ ትዛረብ።
ነዚ እናርኣዩ ትም ኢሎም ዝነበሩ መሳርሕተን፡ ኣብ ልዕሊ መሓዛ ሃሴት ኣካላዊ ትንኮያ ምስ በጽሐ ጠሪዖም።
ሓለፍቲ፡ ኣብ ልዕሊ ክልቲአን ጋዜጠኛታት ጾታዊ መጥቃዕቲ የብጽሑ ንዝነበሩ ሰራሕተኛታት ናይ ጽሑፍ መጠንቀቕታ ዝሃቡ ኮይኖም፡ በዚ ዝተቘጥዐ ፈጻሚ መጥቃዕቲ፡ ካብ ምጽራፍ፡ ምድሃልን ኣብ ኮምፒዩተራተን ዝነበሩ ፋይላት ክሳብ ምጥፋእን ከም ዝበጽሑ ሓቢራ።
ኣብ ልዕሊ 20 ሃገራት ዘለው ልዕሊ ክልተ ሽሕ ጋዜጠኛታት ዝተሳተፍሉ መጽናዕቲ ዓለምለኸ ማሕበር ሓተምቲ ዜና፡ ሓንቲ ጓል ኣንስተይቲ ዝያዳ ሓደ ወዲ ተባዕታይ መሳርሕታ ብዕጽፊ ንጾታዊ መጥቃዕቲ ዝተቓልዐት ምዃና ይጠቅስ።
እዚኦም ካብ ቃላት ክሳብ ኣካላዊ መጥቃዕቲ ክበጽሑ ከም ዝኽእሉ ክገልጽ እንከሎ፡ መጥቃዕቲ ካብ ሞንጎ ዝበጽሐን ሓሙሽተ ደቂ ኣንስትዮ እታ ሓንቲ ጥራይ እያ ሪፖርት ትገብር።
'ከምዚ ዓይነት ጸገም ገጢሙኒ' ኢልካ ንኻልእ መሳርሕትኻ ምዝራብ ዘይተለመደን እተን ግዳያት ብኻልእ ዓይኒ ክጥመታ ዝገብርን ስለ ዝኾነ መብዛሕትኦም ሪፖርት ኣይግበሩን።
ንልዕሊ 20 ዓመታት ኣብ ጋዜጠኝነት ዝጸንሐት ኤልሳቤጥ ሳሙኤል፡ ኣብ ኢትዮጵኣ ደቂ ኣንስትዮ ጋዜጠኛታት ዝወሃበን ማሕበራዊ ደረጃን ኣፍልጦን ኣብ ግምት ብምእታው ብዛዕባ ዝበጽሐን መጥቃዕቲ ምዝራብ ስነ ልቦናዊ ጽልዋ ከም ዘሕድረለንን ኣብ ሞያዊ ቅቡልነተንን ቁጠባዊ ዓቕመንን ዝፈጥሮ ጸቕጢ ብምስጋእ ከም ዘይዛረባሉ ትገልጽ።
"እዘን ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ቴሌቪዥን ዝፍለጣ ወይ ብድምጸንን ሽመንን ዝፍለጣ ክኾና ይኽእላ እየን። 'ከምዚ በጺሑኒ' ክብላ እንከለዋ እቲ ፈጻሚ ዘይኮነ እተን ግዳያት እየን ዝንቀፋ፡" ኢላ።
እተን ጋዜጠኛታት፡ ሓበሬታ ንምእካብ ካብ ዝረኽባኦም ፖለቲካዊ፡ ቁጥባውን ማሕበራውን ዓቕሚ ካብ ዘለዎም ሰባት ዝተፈላለየ ዓይነት መጥቃዕታት ይበጽሐን።
ብሰንኪ እዚ ስርሐን ከቋርጻን ንከቢድ ስነ ልቦናዊ ጸቕጢ ክቃልዓን ከም ዝስትውዓል ይግለጽ።
ሃና፡ ደቂ ተባዕትዮ መሳርሕታ ዝደለይዎ ሓቲቶም ስርሖም ወዲኦም ኰፍ ክብሉ እንከለው፡ ንሳ ግን እቲ ስግኣታ "ከምዚ ዓይነት ክዳን ተኸዲነ እንተኸይደስ እንታይ ክብሉኒ ይኾኑ?" ካብ ዝብል ሕቶ ከም ዝጅምር ተረድእ።
ተደራረብቲ ጸገማት
ኢትዮጵያ፡ ኣብ ዓለም ካብተን ብሞያ ጋዜጠኝነት ንምስራሕ ኣጸገምቲ ዝኾነ ሃገራት ኣብ ቅድሚት ትስራዕ።
ጋዜጠኛታት ሓበሬታ ካብ ምኽላእ ጀሚሩ ይእሰሩ፡ ይቕጥቀጡ፡ ሓሓሊፉ ድማ ይቕተሉ።
ኢትዮጵያ፡ ብ2021 ካብ ሃገራት ትሕቲ ሰሃራ ንኤርትራ ስዒባ ብዙሓት ጋዜጠኛታት ብምእሳር ኣብ ካልኣይ ደረጃ ተሳሪዓ እያ።
ጋዜጠኛታት ብዝተፈላለዩ ምኽንያታት ካብ ሕጊ ወጻኢ ንኣዋርሕ ክእሰሩ እንከለው፡ ኣብዚ ግዜ ደቂ ኣንስትዮ ንተወሳኺ ጸገማት ከም ዝቃልዓ ኤልሳቤጥ ትዛረብ።
ንሳ፡ ቅድሚ ሕጂ ተኣሲራትሉ ኣብ ዝነበረ ክፍሊ ሰለስተ ደቂ ኣንስትዮ ከም ዝነበራን እቲ ቦታ ምስ ደቂ ተባዕትዮ ኣብ ሓደ ቀጽሪ ብምዃኑ ምንጪ ከቢድ ስግኣት ኮይንዋ ከም ዝነበረን ገሊጻ።
ኣብቲ ተኣሲራትሉ ዝነበረት መዓስከር ወተሃደራት፡ ቀትሪ "ብዝተፈለየ ኣጠማምታ ክርእዩና ዝውዓሉ ሰባት ምሸት'ዶ ክመጽኡ ይኾኑ ብዝብል ስግኣት በብግደ ክንተሓላሎ ንሓድር ነይርና፡" ኢላ።
ብኻልእ ወገን፡ ንልዕሊ ሓደ ወርሒ ስድራቤት ክሓቱወን ኮነ ክዳነን ክቕይራ ተኸልኪሉ ብምጽንሑ ንደቂ ኣንስትዮ እሱራት ኣዝዩ ኣጸጋሚ ፈተና ኮይኑ ነይሩ ትብል።
በዚ ኵነታት ኩስትሞ'ውን ከይቀየራ ምጽንሐንን መሐለዊ ጽርየት ዝዀኑ ቀረባት ምርካብ ኣዝዩ ከቢድ ከም ዝነበረን ትዝክር።
ኣብዚ ግዜ ዝዀነ ዓይነት ሓገዝ ዝገበረላ ማሕበር ከም ዘይነበረት እትዛረብ ኤልሳቤጥ፡ ዓለምለኻዊ ተሓላቒ መሰል ጋዜጠኛታት ሲፒጄ ግን ጠበቓ ቘጺሩ ጋዜጠኛታት ካብ ማእሰርቲ ንኽፍትሑ ጎስጓስ ከም ዝገበረ ሓቢራ።
እዚ፡ እተን ዘዘራረብናየን ጋዜጠኛታት ዝሰማምዓሉ ሓቂ እዩ።
ኣብታ ሃገር፡ ደቂ ኣንስትዮ ጋዜጠኛታት ዘጋጥመን ጸገማት ንምፍታሕ ዝሰርሕ ሓያል ሞያዊ ማሕበር ብዘይምህላዉ እቶም ጸገማት ሕጂ'ውን ኣይተፈትሑን።
ክሳብ መዓስ?
ኣብ መላእ ዓለም ዘለዋ ደቂ ኣንስትዮ ጋዜጠኛታት ብዛዕባ ኣብ ዝተፈላለዩ እዋናት ዘጋጥሙወን ጾታዊ መጥቃዕታት ክዛረባ ጸኒሐን እየን።
እቲ ኣብ ግብጺ፡ ኣደባባይ ታሕሪር ዝነበረ ህዝባዊ ናዕቢ ንምጽብጻብ ኣብ ልዕሊ ዝወጽአት ጋዜጠኛ ላራ ሎጋን ብሰልፈኛታት ዝበጽሓ ጾታዊ መጥቃዕቲ ኣይርሳዕን።
ላራ፡ ካብ 200 ክሳብ 300 ዝዀኑ ሰልፈኛታት ካብ ሓላዊኣን እቲ ምስኣ ዝነበረ ኣዳላውን መንዚዖም ብምውሳድ ክዳና ቀዲዶም ጾታዊ መጥቃዕቲ ከም ዘብጽሑላ ገሊጻ ነይራ።
በዚ ምኽንያት፡ ካብ መዓልታዊ ንጥፈታት ወጻኢ ደቂ ኣንስትዮ ጋዜጠኛታት ናብ ጎንጽታትን ዓመጻትን ብምኻድ ጸብጻባት ክሰርሓ ኣጸጋሚ ከም ዝዀነ ተራእዩ እዩ።
ኣብ ልምዓት ሚዲያ እትሰርሕ ኤልሳቤጥ ሳሙኤል፡ ምምሕዳር መራኸብቲ ሓፋሽ ኢትዮጵያ ንደቂ ኣንስትዮ ጋዜጠኛታት ጥራይ ዘይኮነ፡ ኣካላዊ ጉድኣትን ናይ ብሄር ተዋጽኦን ኣብ ግምት ዘእተወ ኣይኮነን ኢላ ትኣምን።
ደቂ ኣንስትዮ ጋዜጠኛታት፡ ክቝጸራ እንከለዋ ኣትሒዙ ሓለፍተን ኣብ ልዕሊአን ድልየት ከም ዘሕድሩን እዚ ድማ ኣብቲ ኢንዳስትሪ ዘሎ ቑጽሪ ደቂ ኣንስትዮ ኣዝዩ ውሑድ ክኸውን ከም ዝገበረን ተረድእ።
"ኣብዛ ሃገር፡ ደቂ ኣንስትዮ ጋዜጠኛታት መርኣያ ገይረን ክርእየአን ዝኽእላ ደቂ ኣንስትዮ ጋዜጠኛታት የለዋን፡" ትብል።
እቶም ኣስራሕቲ ትካላት ሓያል ፖሊሲ ሚዲያ ከውጽኡ ምግባር መፍትሒ ከም ዝዀነ እትዛረብ ኤልሳቤጥ፡ እዚ ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ዝፍጸም ኣድልዎ ዘትርፍ ፈጸምቲ መጥቃዕቲ ዝቐጽዕ ኮይኑ ክጽሓፍን ክትገብርን ይግባእ ኢላ።
"ንስርዓተ ጾታ ኣብ ግምት ዘእተወ ፖሊሲ መራኸቢ ብዙሃን ንኸውጽኡ በዓል መዚ መራኸቢ ብዙሃን መሪሕ ግደ ክጻወት ኣለዎ። ካብኡ ሓሊፉ ግን ወነንቲ እተን ትካላት፡ ሞያዊ ማሕበራትን ደቂ ኣንስትዮ ጋዜጠኛታትን ሓለዋ ክገብረለን ዝኽእል ፖሊሲ ንኽህሉ ክሰርሓ ይግባእ፡" ብምባል ተረድእ።